ሆሴእ 3:1-5

  • ሆሴእ ነታ ዘማዊት ሰበይቱ ተበጀዋ (1-3)

  • እስራኤል ናብ የሆዋ ኺምለሱ እዮም (4, 5)

3  ሽዑ፡ የሆዋ፡ “መሊስካ ኺድ እሞ፡ ከምቲ የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ እናተመልሱን+ ጎጎ ዘቢብ* እናፈተዉን ክነሶም ዜፍቅሮም፡+ ነታ ብኻልእ ሰብኣይ እትፍቀርን እትዝሙን ዘላ ሰበይቲ ኣፍቅራ” በለኒ።+ 2  ስለዚ፡ ብ15 ብሩርን ብሓደ ሖመርን* ፈረቓን ስገምን ንዓይ ዓደግክዋ። 3  ሽዑ፡ “ንብዙሕ መዓልትታት ናተይ ኴንኪ ኽትጸንሒ ኢኺ። ኣይትመንዝሪ፡ ምስ ካልእ ሰብኣይ ከኣ ብስጋ ኣይትራኸቢ፣ ኣነ እውን ምሳኺ ኣብ ዘሎኒ ርክብ ከምኡ ክኸውን እየ”* በልክዋ። 4  ከመይሲ፡ ህዝቢ እስራኤል ብዘይ ንጉስን+ ብዘይ መስፍንን ብዘይ መስዋእትን ብዘይ ሓወልትን ብዘይ ኤፎድን+ ተራፊምን*+ ብዙሕ መዓልትታት ኪቕመጡ እዮም። 5  ድሕሪኡ፡ ህዝቢ እስራኤል ተመሊሶም ንየሆዋ ኣምላኾምን+ ንንጉሶም ዳዊትን+ ኪደልዩ፡ በተን ዳሕሮት መዓልትታት ከኣ ራዕራዕ እናበሉ ናብ የሆዋን ናብ ሕያውነቱን* ኪመጹ እዮም።+

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ዚጥቀሙሉ።
ሓደ ሖመር፡ 220 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ምሳኺ ኣይክራኸብን እየ።”
ወይ፡ “ናይ ቤተ ሰብ ኣማልኽትን፣ ጣኦታትን።”
ወይ፡ “ሰናዩን።”