ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብጥንታዊ ፊደላት እብራይስጢ እተጻሕፈ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ፡ ኣብቲ በዅሪ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ብብዝሒ ይርከብ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ስም ኣምላኽ

ስም ኣምላኽ

ሚልዮናት ሰባት ንኣምላኽ ብኣኽብሮታዊ መዓርጋት፡ ማለት ጐይታ፡ እግዚኣብሄር፡ ኣላህ፡ ወይ ኣምላኽ ኢሎም ይጽውዕዎ እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ብሕታዊ ስም ኣለዎ። እሞኸ ኽትጥቀመሉ ኣሎካ ድዩ፧

ስም ኣምላኽ መን እዩ፧

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

 

ብዙሓት ‘ክርስትያናት ኢና’ ዚብሉ ሰባት፡ ስም ኣምላኽ፡ የሱስ ከም ዝዀነ ይኣምኑ። ገሊኦም ድማ፡ ኵሉ ዚኽእል ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ስለ ዘሎ፡ ብሕታዊ ስሙ ምጥቃም ኣገዳሲ ኸም ዘይኰነ ይኣምኑ። ገሊኦም ከኣ ንብሕታዊ ስም ኣምላኽ ምጥቃም ግቡእ ከም ዘይኰነ ይማጐቱ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 

የሱስ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ስለ ዘይኰነ፡ ስም እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ፡ የሱስ ኣይኰነን። እኳ ደኣስ፡ የሱስ ነቶም ምስኡ ዀይኖም ንኣምላኽ ዜምልኹ ሰባት፡ “ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ” ኢሎም ናብ ኣምላኽ ኪጽልዩ ምሂርዎም እዩ። (ሉቃስ 11:2) ንሱ ባዕሉ እውን እንተ ዀነ፡ “ኣቦ፡ ንስምካ ኣኽብሮ” ኢሉ ናብ ኣምላኽ ጸልዩ እዩ።—ዮሃንስ 12:28

ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣነ የሆዋ እየ። ስመይ እዚ እዩ፣ ክብረይ ንኻልእ . . . ኣይህብን እየ” ኢሉ እዩ። (ኢሳይያስ 42:8) እቲ በተን የሀወሀ ዚብሃላ ተደመጽቲ ፊደላት እብራይስጢ ዚውከል መለኮታዊ ስም፡ ብትግርኛ “የሆዋ” ተባሂሉ እዩ ዚትርጐም። እዚ ስም እዚ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣስታት 7,000 ሳዕ ይርከብ። * እዚ ድማ ካብቲ “ኣምላኽ፡” “ኵሉ ዚኽእል፡” ወይ “ጐይታ” ዚብል መዓርጋትን ካብቲ ኣብርሃም፡ ሙሴ፡ ወይ ዳዊት ዚብል ካልእ ስማትን ንላዕሊ ብተደጋጋሚ ተጠቒሱ ኣሎ ማለት እዩ።

የሆዋ ንስሙ ብኣኽብሮት ምጥቃም ከም ዝኸልከለ ዚገልጽ ሓሳብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይርከብን እዩ። የግዳስ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንመለኮታዊ ስም ብናጽነት ይጥቀሙሉ ኸም ዝነበሩ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ይሕብረና እዩ። ኣብቲ ንደቆም ዜውጽኡሎም ዝነበሩ ስማት እውን የእትውዎ ነይሮም እዮም፣ ንኣብነት፡ ኤልያስ፡ “ኣምላኸይ የሆዋ እዩ” ማለት እዩ፣ ዘካርያስ ድማ፡ “የሆዋ ዘከረ” ማለት እዩ። ኣብ መዓልታዊ ዝርርቦም እውን ንስም ኣምላኽ ካብ ምጥቃም ድሕር ኣይብሉን እዮም ነይሮም።—ሩት 2:4

ኣምላኽ ንስሙ ኽንጥቀመሉ ይደልየና እዩ። ስለዚ ድማ፡ “ንየሆዋ ኣመስግንዎ፡ ስሙ ጸውዑ” ዚብል መተባብዒ ተዋሂቡና ኣሎ። (መዝሙር 105:1) ኣብ ርእሲኡ እውን፡ “ነቶም ንስሙ ዜስተንትኑሉ” የስተብህለሎም እዩ።—ሚልክያስ 3:16

“ንስኻ፡ የሆዋ ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ምዃንካ ይፍለጡ።”—መዝሙር 83:18

ትርጉም ስም ኣምላኽ እንታይ እዩ፧

ገሊኦም ምሁራት፡ እቲ የሆዋ ዚብል ስም ብእብራይስጢ “የኽውን” ማለት ከም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ። እዚ ትርጉም እዚ ድማ፡ ኣምላኽ ፍቓዱ ንምፍጻም ንገዛእ ርእሱ ዀነ ንፍጥረታቱ ዝደለዮ ኸም ዜኽውን ዚሕብር እዩ። እቲ ዅሉ ዚኽእል ፈጣሪ ጥራይ እዩ በዚ ስም እዚ ኺጽዋዕ ዚኽእል።

ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

 

ስም ኣምላኽ ምፍላጥካ፡ ነቲ ብዛዕባኡ ዘሎካ ኣተሓሳስባ ይቕይሮ እዩ። ናብኡ ምቕራብ ኪቐልለልካ እዩ። ከመይሲ፡ ናብ ሓደ ስሙ ዘይትፈልጦ ውልቀ ሰብ ክትቀርብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣምላኽ ስሙ መን ምዃኑ ምግላጹ፡ ናብኡ ኽትቀርብ ከም ዚደልየካ ዜርኢ እዩ።—ያእቆብ 4:8

የሆዋ ዝደልዮ ብምግባር፡ ምስ ስሙ ተሰማሚዑ ኸም ዚነብር ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ስምካ ዚፈልጡ ብኣኻ ኺእመኑ እዮም” ዚብል። (መዝሙር 9:10) ኣብ ኣምላኽ ከምዚ ዓይነት ምትእምማን ከተሕድር እትኽእል፡ ስም የሆዋ ምስ ባህርያቱ ኸም ዚተኣሳሰር፡ ንኣብነት፡ ምስቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን ምሕረቱን ርሕራሐኡን ፍትሑን ከም ዚተኣሳሰር ምስ እትፈልጥ እዩ። (ዘጸኣት 34:5-7) የሆዋ ዘተስፈወና ቓል ወትሩ ዚፍጽም እኳ እንተ ዀነ፡ ምስ ባህርያቱ ዚጋጮ ዝዀነ ይኹን ነገር ከም ዘይገብር ምፍላጥና ግና ኣዝዩ እዩ ዜጸናንዓና።

ብንጹር እምበኣር፡ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ብስሙ ምፍላጥ፡ ዓብዪ ኽብሪ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ዀነ ንመጻኢ በረኸት የምጽኣልካ እዩ። ኣምላኽ፡ “ስመይ ስለ ዚፈልጥ፡ ከዕቍቦ እየ” ኢሉ ቓል ኣትዩ ኣሎ።—መዝሙር 91:14

“ስም የሆዋ ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ድማ ኪድሕን እዩ።”—ዮኤል 2:32

ስም ኣምላኽ ብእተፈላለየ ቛንቋታት

^ ሕ.ጽ. 9 ሓያሎ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ንስም ኣምላኽ ሓዲጉ፡ በቲ “ጐይታ” ወይ “እግዚኣብሄር” ዚብል መዓርጋት ተኪእዎ ኣሎ፣ ገሊኡ ትርጉማት ድማ፡ ንስም ኣምላኽ ኣብ እተወሰነ ጥቕስታትን እግረ ጽሑፋትን ጥራይ ኣእትይዎ ይርከብ። መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ግና ንመለኮታዊ ስም ኣብ ብምሉኡ እቲ ትርጉም ብብዝሒ እዩ ዚጥቀመሉ።