ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | መንእሰያት

ሓደገኛ መዘናግዕስ ግቡእ ድዩ፧

ሓደገኛ መዘናግዕስ ግቡእ ድዩ፧

ጸገም

“ኣብ ጥቓ ሓንቲ ብገለርያ ተወንጪፋ እትሓልፍ ዝነበረት ፈጣን ባቡር ደው ኢለ። እቲ ሽዑ እተሰምዓኒ ስምዒት፡ ጸገማተይ ዝሃሰሰ ኸም ዚመስለኒ ገይሩ።”—ልዮን። *

“ካብ ሓደገኛ በሪኽ ጸድፊ ናብ ማይ ተነቚተ ኽኣቱ ኸለኹ፡ ንሒደት ካልኢት ምሉእ ብምሉእ ናጻ ዝዀንኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እፈትዎ ነይረ፣ ሓድሓደ ግዜ ግና የፍርሃኒ ነይሩ።”—ላሪሳ።

ከም ልዮንን ላሪሳን ዝኣመሰሉ ብዙሓት መንእሰያት ውዕዉዕ ስምዒት ምእንቲ ኺስምዖም ኢሎም፡ ኣብ ሓደገኛ ንጥፈታት ይሳተፉ እዮም። ንስኻኸ ኸምኡ ኽትገብር ትፍተንዶ፧ ትፍተን እንተ ዄንካ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽትሕግዘካ እያ።

ክትፈልጦ ዘሎካ

ሓደገኛ መዘናግዒ ወልፊ ኪኸውን ይኽእል። ንእተወሰነ እዋን ውዕዉዕ ስምዒት ይስምዓካ ይኸውን፣ ግናኸ፡ ዝያዳ ህርፋን ሓዲጉልካ እዩ ዚሓልፍ። ሓደ ኸም ልዮን ኣብ ገለርያ ባቡር ኣትዩ ጥቓ እትሓልፍ ባቡር ብተደጋጋሚ ደው ዝበለ ማርኮ ዝስሙ መንእሰይ፡ “ኣብ ሕማቕ ዓንኬል ኢኻ እትኣቱ። ንእተወሰነ ህሞት ተሓጒሰ። ድሕሪኡ ግና ከም ብሓድሽ ካልእ ደልየ” ይብል።

እትሓልፍ ማኪና ሒዙ ብልዑል ፍጥነት ኣብ በረድ ሸታሕታሕ ዝበለ ጀስቲን፡ “እቲ ሽዑ እተሰምዓኒ ውዕዉዕ ስምዒት፡ ክደግሞ ድራኸ ኣሕዲሩለይ። ሰባት ኬድንቑኒ እየ ደልየ ነይረ፣ መወዳእታይ ግና ኣብ ሆስፒታል ኰይኑ” በለ።

ጸቕጢ መዛኑ ንልቦናኻ ይደፍኖ። ማርቪን ዝስሙ መንእሰይ፡ “ኣዕሩኸይ፡ ‘ኣጆኻ፡ ትኽእሎ ኢኻ’ እናበሉ ንሓደ ነዊሕ ህንጻ ኽሓዅሮ ጸቕጢ ገይሮምለይ። ኣመና እየ ሰጊአ። ነቲ መንደቕ ክሓዅሮ ኽጅምር ከለኹ፡ ፈጥፈጥ እብል ነይረ” ይብል። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ላሪሳ፡ “ከምቲ ዅሉ ዚገብሮ እየ ገይረ። ከምቲ ዝበሉኒ ድማ ገይረ” ትብል።

ኣብ ኢንተርነት እውን ነቶም ኣብ ሓደገኛ መዘናግዒ ዚሳተፉ ዚውድስን ክሳዕ ክንድቲ ሓደጋ ኸም ዘይብሉ ጌርካ ዚገልጽን ነገራት ስለ ዘሎ፡ እዚ ንባዕሉ ርእሱ ዝኸኣለ ጸቕጢ መዛኑ ይፈጥር እዩ። አረ ገሊኦም ኣብ ሓደገኛ ንጥፈታት ኪሳተፉ ኸለዉ ዜርኢ ምስልታትሲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ይልጠፍ እሞ፡ ናብ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ይልኣኽ ኣሎ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ተፈላጥነት ይረኽቡ ኣለዉ።

ንኣብነት፡ ኣብ ገሊኡ ህቡብ ቪድዮታት፡ ንድሕንነቶም ዚሕሉ ነገር ከይገበሩ ኣብ መናድቕን ኣባይትን መደያይቦን ብፍጥነት ኪጐይዩ፡ ኪዘልሉ፡ ወይ ኪሓዅሩ ይርኣዩ እዮም። እዚ ድማ ናብ ክልተ ግጉይ መደምደምታ ኺመርሓካ ይኽእል፦ (1) ነቲ ኼምጽኦ ዚኽእል ሓደጋ ኣትሒትካ ትርእዮ። (2) ኵሉ ሰብ ኪገብሮ ዚኽእል ይመስለካ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ነቲ ንህይወትካ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ንጥፈታት ክትፍትኖ ትተባባዕ።

ክእለትካ እትፍትነሉ ዝሓሸን ኣብ ሓደጋ ዘይእቱን መገዲ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣካላዊ ስልጠና ንቝሩብ እዩ ዚጠቅም” ይብል። (1 ጢሞቴዎስ 4:8) ግናኸ፡ “ብልብምና . . . ክንነብር” እውን ይምዕደና እዩ። (ቲቶስ 2:12) ከመይ ጌርካ ኢኻ ኸምኡ ኽትገብር እትኽእል፧

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ኬስዕበልካ ዚኽእል ሓደጋ ገምግም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጐራሕ ብፍልጠት ይገብር፣ ዓሻ ግና ገዛእ ዕሽነቱ ይቐልዕ” ይብል። (ምሳሌ 13:16) ኣብ ሓደ ንጥፈት ቅድሚ ምስታፍካ፡ ነቲ ኼስዕቦ ዚኽእል ሓደጋ ፍለጦ። ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘እዚ ንጥፈት እዚ ብእተወሰነ ደረጃ ብህይወት ምጥላዕ ድዩ፧ ወይ ከቢድ ማህሰይቲ ኼስዕብ ዚኽእል ድዩ፧’—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 14:15

ንህይወት ኣኽብሮት ዘለዎም ኣዕሩኽ ምረጽ። ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ዜእቱ ነገር ክትፍትን ኣየተባብዑኻን እዮም፣ ወይ ድማ ዘይተበርሃካ ነገር ክትገብር ጸቕጢ ኣይገብሩልካን እዮም። ላሪሳ ኸምዚ ትብል፦ “ጥዑያትን ህዱኣትን መሓዙት ምርካበይ፡ ኣብቲ ኽሳተፎ ዝደሊ ንጥፈታት ዝሓሸ ምርጫ ኽገብር ሓጊዞምኒ። መሓዙተይ ምስ ቀየርኩ፡ ህይወተይ ተቐዪሩ።”—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 13:20

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘እዚ ንጥፈት እዚ ብእተወሰነ ደረጃ ብህይወት ምጥላዕ ድዩ፡ ወይ ከቢድ ማህሰይቲ ኼስዕብ ዚኽእል ድዩ፧’

ንህይወትካ ኣብ ሓደጋ ኸየእተኻ፡ ብኽእለትካ ባህ ይበልካ። ኣዶለሰንት ሪስክ ቢሄቭየርስ ዘርእስታ ሓንቲ መጽሓፍ፡ ሓደ ኻብቲ ዕቤት ዜምጽኦ ነገር፡ “ናትካ ስርዓታትን ደረትን ከመይ ጌርካ ኸም እትስርት ምፍላጥ” ምዃኑ ገሊጻ ኣላ። እምበኣር፡ ብጥንቃቐ ንድሕንነትካ ዜድሊ ናውቲ እናተጠቕምካ ኣብ ውሑስ ኵነታት ክእለትካ ኽትፍትን ትኽእል ኢኻ።

ናይ ሓቂ ርእሰ ኣኽብሮት ይሃሉኻ። ሰባት ነቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ናይ ሓቂ ብድሆታት ብኸመይ ከም እትሰግሮ ርእዮም ደኣ እምበር፡ ውዕዉዕ ስምዒት ኪስምዓካ ኢልካ ኣብ ሓደገኛ ንጥፈታት ብምስታፍካ ኣይኰኑን ዜኽብሩኻ። ላሪሳ ውዕዉዕ ስምዒት ምእንቲ ኺስምዓ ኢላ ኻብ ጸድፊ ድሕሪ ምጽዳፋ፡ እቲ ንርእሳ ዚጐድእ ተግባራታ ብእኡ ኣየብቅዐን። ስለዚ ድማ፡ “ሽዑ ኣብየ እንተ ዚኸውን ነይረ ምሓሸኒ” ትብል።

ቀንዲ ነጥቢ፦ ብሓደገኛ ንጥፈታት ኣብ ዘየድሊ ሓደገኛ ዅነታት ካብ እትኣቱ፡ መዘናግዒ ኽትመርጽ ከለኻ ኣመዛዝን።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 15:24

^ ሕ.ጽ. 4 ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።