ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቕሑ! ቍ. 5 2017 | ሓደጋ ምስ ዜጋጥም—ህይወት ኬድሕን ዚኽእል ስጕምትታት

ንሓደጋታት ክትዳለወሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጐራሕሲ ሓደጋ ይርኢ እሞ ይሕባእ፣ ዘይለበሙ ግና ህሩግ ይብሉ እሞ ብሳዕቤናቱ ይጕድኡ” ይብል።—ምሳሌ 27:12

እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ቅድሚ ሓደጋን ኣብ እዋን ሓደጋን ድሕሪ ሓደጋን እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ትገልጽ።

 

ገበር

ሓደጋ ምስ ዜጋጥም—ህይወት ኬድሕን ዚኽእል ስጕምትታት

እዚ ስጕምትታት እዚ፡ ህይወትካን ህይወት ካልኦትን ኬድሕን ይኽእል እዩ።

ብዛዕባ ዕቃበ ጸዓት ክትፈልጦ ዘሎካ ነገራት

ኣብ ቤትካን ኣብ መጐዓዝያን ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትካን ጸዓት እትቝጥበሉ መገድታት ርአ።

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ውግእ

ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ብስም የሆዋ ኣምላኾም ተዋጊኦም እዮም። ከምኡ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ኣምላኽ ነቲ ኣብዚ እዋንና ዚግበር ውግእ ይሰምሮ እዩ ማለት ድዩ፧

ንስድራ ቤት

ሓደገኛ መዘናግዕስ ግቡእ ድዩ፧

ብዙሓት መንእሰያት ውዕዉዕ ስምዒት ምእንቲ ኺስምዖም ኢሎም፡ ኣብ ሓደገኛ ንጥፈታት ይሳተፉ እዮም። ንስኻኸ ኸምኡ ኽትገብር ትፍተንዶ፧

ሃገራትን ህዝብታትን

ናብ ካዛክስታን እተገብረ ምብጻሕ

ካዛክ ብሓፈሻኡ ዘላን እዮም ነይሮም፡ ኣብ ዩርት ድማ ይነብሩ ነይሮም። ዘመናዊ ህይወቶም ንኣነባብራ ኣቦታቶም ብኸመይ የንጸባርቕ፧

ተነዲፉ ድዩ፧

ቅርጺ ዛዕጐላት ባሕሪ

ቅርጽን መዋቕርን ዛዕጐላት ባሕሪ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዚነብር ሞሉስካ ዕቝባ ይዀኖ።

ኣብ ኢንተርነት ዝወጸ ተወሳኺ ዓንቀጻት

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለምንታይ እዮም ዘይዋግኡ፧

ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይዋግኡን እዮም። ስለምንታይ ከም ዘይንዋጋእ ፍለጥ።

ባህርያዊ ሓደጋ ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን፡ ፍቕሪ ንተግባር ተለዓዕለና

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሓያሎ ሃገራት፡ ሓገዝ ኣብ ዜድልየሉ እዋን ይሕግዙ እዮም።