ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 24

የሆዋ—ካብ ኵሉ ዝዓበየ ይቕረ በሃሊ

የሆዋ—ካብ ኵሉ ዝዓበየ ይቕረ በሃሊ

“ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ሕያዋይን ንይቕረታ ድልውን ኢኻ፣ ንዅሎም እቶም ዚጽውዑኻ፡ ኣብዚሕካ ብተኣማንነት ተፍቅሮም ኢኻ።”—መዝ. 86:5

መዝሙር 42 ጸሎት ኣገልጋሊ ኣምላኽ

መላለዪ a

1. ኣብ መክብብ 7:20 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ ንጉስ ሰሎሞን እንታይ ሓቂ እዩ ገሊጹ፧

 ንጉስ ሰሎሞን፡ “ወትሩ ጽቡቕ ዚገብርን ከቶ ዘይሓጥእን ጻድቕሲ ኣብ ምድሪ የልቦን” ኢሉ ትዕዝብቱ ገሊጹ ኣሎ። (መክ. 7:20) ሓቁ እዩ! ኵላትና ሓጥኣን ኢና። (1 ዮሃ. 1:8) ስለዚ፡ ኵላትና ኻብ ኣምላኽን ካብ ሰባትን ይቕረታ ንደሊ ኢና።

2. ናይ ቀረባ ፈታዊኻ ይቕረ ምስ በለልካ እንታይ ተሰሚዑካ፧

2 ንናይ ቀረባ ፈታዊኻ ቕር ዘበልካዮ ግዜ መሸም ኣሎ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ነቲ ነገር ከተዐርዮን ንርክባትኩም ናብ ዝነበሮ ኽትመልሶን ስለ እትደሊ፡ ካብ ልቢ ይቕረታ ሓቲትካ ኢኻ። እሞ ደኣ ፈታዊኻ ብናጻ ይቕረ ምስ በለልካ እንታይ ተሰሚዑካ፧ እፎይዶ ኢልካ፧ እወ፡ ብዘይካዚ እውን ተሓጒስካ ትኸውን ኢኻ!

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ ምንታይ ከነተኵር ኢና፧

3 የሆዋ ናይ ቀረባ ፈታዊና ኪኸውን ኢና እንደሊ፣ ኰይኑ ግና፡ ሓድሓደ ግዜ ብዘረባና ወይ ብተግባርና ቕር ነብሎ ኢና። የሆዋ ይቕረ ንምባል ከም ዚህንጠ ግና ስለምንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ ምስቲ ንሕና እንገብሮ ይቕረታ ኺነጻጸር ከሎ፡ እቲ የሆዋ ዚገብሮ ይቕረታ ፍሉይ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ካብ ኣምላኽ ይቕረታ ኺረክብ ዚኽእልከ መን እዩ፧

የሆዋ ንይቕረታ ድልዊ እዩ

4. የሆዋ ንይቕረታ ድልዊ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

4 የሆዋ ንይቕረታ ድልዊ ምዃኑ፡ ቃል ኣምላኽ የረጋግጸልና እዩ። የሆዋ ንሙሴ ኣብ ከረን ሲና ገዛእ ርእሱ ኺገልጸሉ ኸሎ፡ ኣፈኛኡ ብዝዀነ መልኣኽ ኣቢሉ ኸምዚ ኢሉ እዩ ኣዊጁ፦ “የሆዋ፡ የሆዋ፡ መሓርን ርሕሩሕን ኣምላኽ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ፡ ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ሓቅን፡ ንኣሽሓት ብተኣማንነት ዜፍቅር፡ ስሕተትን ኣበሳን ሓጢኣትን ዚሓድግ።” (ዘጸ. 34:6, 7) የሆዋ ለዋህን መሓርን ኣምላኽ እዩ፣ ንዚንስሑ ሓጥኣን እውን ይቕረ ንምባል ወትሩ ድሉው እዩ።—ነህ. 9:17፣ መዝ. 86:15

የሆዋ ንዅሉ እቲ ንስብእናና ዝቐረጾ ነገራት ይፈልጦ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)

5. ብመሰረት መዝሙር 103:13, 14፡ የሆዋ ብዛዕባ ሰባት ዘለዎ ዓሚቝ ፍልጠት እንታይ ኪገብር እዩ ዚድርኾ፧

5 የሆዋ ፈጣሪና ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባና ዅሉ ነገር ይፈልጥ እዩ። ሕስብ እሞ ነብሎ! ኣብ ምድሪ ብዛዕባ ዘሎ ዅሉ ሰብ፡ ኵሉ ዝርዝር ነገራት ይፈልጥ እዩ። (መዝ. 139:15-17) ስለዚ፡ ነቲ ኻብ ወለድና ዝወረስናዮ ዅሉ ዘይፍጽምና ኺርእዮ ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ንዅሉ እቲ ንስብእናና ዝቐረጾ ተመክሮታት ይፈልጦ እዩ። እሞ ደኣ እዚ ብዛዕባ ደቂ ሰብ ዘለዎ ዓሚቝ ፍልጠት እንታይ ኪገብር እዩ ዚድርኾ፧ ብምሕረት ኪሕዘና እዩ ዚድርኾ።—መዝ. 78:39፣ መዝሙር 103:13, 14 ኣንብብ።

6. የሆዋ ንይቕረታ ህንጡይ ምዃኑ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

6 የሆዋ ንይቕረታ ህንጡይ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ብሰሪ ተግባራት እቲ ቐዳማይ ሰብ ዝዀነ ኣዳም፡ ኵላትና ኣብ ትሕቲ መርገም ሓጢኣትን ሞትን ምዃንና ይፈልጥ እዩ። (ሮሜ 5:12) ገዛእ ርእስና ወይ ንኻልእ ሰብ ካብቲ መርገም እቲ ሓራ ኸነውጽኣሉ እንኽእል መገዲ የልቦን። (መዝ. 49:7-9) እቲ ፈቃር ኣምላኽና ግና ራሕሪሑልና፡ ሓራ እንዀነሉ መሰናድዎ እውን ገይሩልና ኣሎ። እንታይከ እዩ ገይሩልና፧ ኣብ ዮሃንስ 3:16 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ የሆዋ ነቲ ሓደ ወዱ ምእንታና ኺመውት ልኢኽዎ። (ማቴ. 20:28፣ ሮሜ 5:19) የሱስ ከኣ ብእኡ ዚኣምኑ ዘበሉ ዅሎም ሓራ ንምውጻእ ኣብ ክንዳና ሞይቱ። (እብ. 2:9) የሆዋ መሸም፡ እቲ ፍቑር ወዱ ብዜሳቕን ብዜዋርድን መገዲ ኺመውት ከሎ ብዙሕ ተሳቕዩ ኪኸውን ኣለዎ! ይቕረ ኺብለልና ዘይደሊ እንተ ዚኸውን፡ ንወዱ ኺመውት ኣይምፈቐደን ነይሩ።

7. ገለ ኻብቶም የሆዋ ብናጻ ይቕረ ዝበለሎም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ኣብነታት መነመን ክትጠቅስ ትኽእል፧

7 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ብናጻ ይቕረ ዝበለሎም ብዙሓት ኣብነታት ተጠቒሶም ኣለዉ። (ኤፌ. 4:32) ንመን ትዝክር፧ ምናልባት ንንጉስ ምናሴ ትዝክር ትኸውን። እቲ እኩይ ሰብ እቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዜስካሕክሕ ሓጢኣት እዩ ገይሩ። ስለምንታይሲ፡ ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኣውራ ተሳታፊ ዀነ። ደቁ ኸኣ ንኣረማውያን ኣማልኽቲ ሰውአ። ሕሉፍ ሓሊፉ ጽሩብ ምስሊ ናይ ሓሶት ኣምላኽ ኣብታ ቕድስቲ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኣእተወ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ፡ “ምእንቲ ኬዀርዮስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ብዙሕ ክፉእ ገበረ” ይብል። (2 ዜና 33:2-7) እንተዀነ ግና፡ ምናሴ ኻብ ልቡ ምስ ተነስሐ፡ የሆዋ ብናጻ ይቕረ በለሉ። ናብ ንግስናኡ እውን ከይተረፈ መለሶ። (2 ዜና 33:12, 13) ብተወሳኺ፡ ምናልባት ንንጉስ ዳዊት ትዝክር ትኸውን። ንሱ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸቢድ ሓጢኣት ፈጺሙ እዩ፣ ገለ ኻብቲ ሓጢኣቱ፡ ዝሙትን ቅትለትን ኪጥቀስ ይከኣል። ኰይኑ ግና፡ ዳዊት ካብ ልቡ ምስ ተነስሐን ጌጋኡ ምስ ተኣመነን፡ የሆዋ ይቕረ በለሉ። (2 ሳሙ. 12:9, 10, 13, 14) እወ፡ የሆዋ ንይቕረታ ህንጡይ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ቀጺልና ኸም እንርእዮ ኸኣ፡ ንሱ ምስ ደቂ ሰብ ኪነጻጸር ከሎ፡ ይቕረ ንምባል ፍሉይ ክእለት ኣለዎ።

የሆዋ ይቕረ ንምባል ዘለዎ ፍሉይ ክእለት

8. እቲ የሆዋ ኸም ፈራዲ መጠን ዘለዎ ፍሉይ ቦታ ነቲ ይቕረ ናይ ምባል ክእለቱ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

8 የሆዋ “ፈራድ ኵላ ምድሪ” እዩ። (ዘፍ. 18:25) ንፉዕ ፈራዲ ብዛዕባ ሕጊ ዓሚቝ ፍልጠት ኪህልዎ ኣለዎ። የሆዋ ፈራዲና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓጋግ ሕግና እውን ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ ሕጊ ዓሚቝ ፍልጠት ኣለዎ። (ኢሳ. 33:22) ከም የሆዋ ገይሩ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ብልክዕ ዚፈልጥ ካልእ የልቦን። ብዘይካዚኸ ንፉዕ ፈራዲ እንታይ የድልዮ፧ ቅድሚ ምፍራዱ፡ ንዅሉ እቲ ምስቲ ጕዳይ እተኣሳሰረ ሓቅታት ኣብ ግምት ኬእቱ ኣለዎ። ኣብዚ መዳይ እዚ እውን የሆዋ ኸም ፈራዲ መጠን ፍሉይ ብቕዓት ኣለዎ።

9. የሆዋ ይቕረ ንምባል ወይ ንዘይምባል ኪውስን ከሎ፡ እንታይ ሓበሬታ እዩ ኣብ ግምት ዜእቱ፧

9 ሰብኣውያን ፈረድቲ ብዛዕባ እቲ ዚቐርበሎም ጕዳይ ኵሉ ሓቅታት ኣይፈልጡን እዮም። የሆዋ ግና ንዅሉ እቲ ሓቅታት ምሉእ ብምሉእ ይፈልጦ እዩ። (ዘፍ. 18:20, 21፣ መዝ. 90:8) በቲ ሰባት ዚርእይዎ ወይ ዚሰምዕዎ ኣይድረትን እዩ። ሓደ ሰብ ዚገብሮ ተግባራት በቲ ዝወረሶ ጂንን ብኣተዓባብያኡን ብኸባቢኡን ብስምዒቱን ብኣእምሮኣዊ ጥዕናኡን ብኸመይ ከም ዚጽሎ የሆዋ ኣጸቢቑ ይርድኦ እዩ። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ልቢ የንብብ እዩ። ንውሽጣዊ ድራኸን ንሃቐናን ንትምኒትን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምሉእ ብምሉእ የስተውዕል እዩ። ካብኡ ዚሕባእ ዋላ ሓንቲ የልቦን። (እብ. 4:13) ስለዚ፡ የሆዋ ዅሉ ሳዕ ብዛዕባ ዅነታት ኣብ ዘለዎ ምሉእ ፍልጠት ተመርኲሱ እዩ ይቕረታ ዚገብር።

የሆዋ ቕኑዕን ፍትሓውን ዘየዳሉን እዩ። ብጉቦ ኣይድለልን እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

10. ፍርድታት የሆዋ ወትሩ ቕኑዕን ፍትሓውን እዩ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ዘዳግም 32:4)

10 ፍርድታት የሆዋ ወትሩ ቕኑዕን ፍትሓውን እዩ። ከቶ ኣድልዎ የብሉን። ይቕረታኡ ብናይ ሰብ ትርኢት፡ ሃብቲ፡ ዝና፡ ወይ ክእለት ፈጺሙ ኣይጽሎን እዩ። (1 ሳሙ. 16:7፣ ያእ. 2:1-4) ንየሆዋ ጸቕጢ ኺገብረሉ ወይ ብጉቦ ኺድልሎ ዚኽእል የልቦን። (2 ዜና 19:7) ውሳነታቱ ብብስጭት ወይ ብስምዒት ተደፊኡ ኣይኰነን ዚገብር። (ዘጸ. 34:7) ብዘይ ጥርጥር እምበኣር፡ እቲ የሆዋ ዘለዎ ፍልጠትን ዓሚቝ ልቦናን ካብ ኵሉ ንላዕሊ ብቑዕ ፈራዲ ይገብሮ እዩ።—ዘዳግም 32:4 ኣንብብ።

11. የሆዋ ዚገብሮ ይቕረታ እንታይ ፍሉይነት ኣለዎ፧

11 ጸሓፍቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ የሆዋ ዘለዎ ይቕረ ናይ ምባል ክእለት ፍሉይ ምዃኑ ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ገሊኡ መዳያት ነዚ ንምግላጽ ሓንቲ ናይ እብራይስጢ ቓል ተጠቒሞም ኣለዉ፣ ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ድማ ብዛዕባ እታ ቓል እቲኣ ኺገልጽ ከሎ፡ “ምናዳ ኣምላኽ ንሓጥእ ዚገብረሉ ምሕረት ንምግላጽ እተሓዝአት ቃል እያ፣ ሰባት ንሓድሕዶም ብዝተሓተ ደረጃ ይቕረ ንዚብሃሃሉሉ ንምግላጽ እውን ከቶ ኣይትውዕልን እያ” ይብል። የሆዋ ጥራይ እዩ ንዚንሳሕ ሓጥእ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ንምባል ስልጣን ዘለዎ። እሞ ደኣ የሆዋ ዚገብሮ ይቕረታ እንታይ እዩ ዜምጽእ፧

12-13. (ሀ) ሓደ ሰብ ብየሆዋ ምሕረት ኪግበረሉ ኸሎ፡ እንታይ እዩ ዚረክብ፧ (ለ) ይቕረታ የሆዋ ዜፍርዮ ጥቕምታት ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ እዩ ዚጸንሕ፧

12 የሆዋ ይቕረ ኸም ዝበለልና እንተ ተሰሚዑና፡ “እዋን ዕረፍቲ” ንረክብ ኢና፣ ማለት ናይ ኣእምሮ ሰላምን ንጹህ ሕልናን ንረክብ ኢና። ከምዚ ዝበለ ይቕረታ፡ “ካብ የሆዋ ባዕሉ” ደኣ እምበር፡ ካብ ሰብ ኪመጽእ ኣይክእልን እዩ። (ግብ. 3:19) የሆዋ ይቕረ ኺብለልና ኸሎ፡ ነቲ ምሳና ዝነበሮ ርክብ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዜዐርዮ፡ ከም ዘይሓጣእና እዩ ዚቘጽሮ።

13 የሆዋ ሓንሳእ ይቕረ ምስ በለልና፡ ድሕሪኡ በቲ ሓጢኣት እቲ ኣይከስሰናን ወይ ኣይቀጽዓናን እዩ። (ኢሳ. 43:25፣ ኤር. 31:34) “ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፡” ንሓጢኣትና ኣዝዩ የርሕቖ እዩ። b (መዝ. 103:12) ይቕረታ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ ምዃኑ ምስ እነስተንትን፡ ልብና ብምስጋናን ብኣድንቖትን ይምላእ እዩ። (መዝ. 130:4) የሆዋ ግና ንመን እዩ ይቕረታ ዚገብር፧

ንመን እዩ የሆዋ ይቕረ ዚብል፧

14. ብዛዕባ እቲ የሆዋ ይቕረ ንምባል ዚገብሮ ውሳነ ኽሳዕ ሕጂ እንታይ ተማሂርና፧

14 ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ይቕረ ንምባል ዚገብሮ ውሳነ፡ እቲ ሓጢኣት ዓብዪ ወይ ንእሽቶ ኣብ ምዃኑ እተመርኰሰ ኣይኰነን። ብተወሳኺ፡ የሆዋ ይቕረ ኺብል ከሎ፡ ነቲ ኸም ፈጣርን ሓጋግ ሕግን ፈራድን መጠን ዘለዎ ፍልጠት ከም ዚጥቀም ርኢና ኢና። እሞ ደኣ የሆዋ እንታይ ረቛሒታት እዩ ኣብ ግምት ዜእቱ፧

15. ብመሰረት ሉቃስ 12:47, 48፡ የሆዋ ይቕረ ንምባል ኣብ ግምት ዜእትዎ ሓደ ረቛሒ እንታይ እዩ፧

15 የሆዋ ኣብ ግምት ዜእትዎ ሓደ ረቛሒ፡ እቲ ሓጥእ ነቲ ዝገበሮ ጌጋ ምዃኑ ይፈልጥ እንተ ነይሩ ወይ እንተ ዘይነይሩ እዩ። የሱስ ነዚ ኣብ ሉቃስ 12:47, 48 ንጹር ገይርዎ ኣሎ። (ኣንብብ።) ብፍታዉ እከይ ኪገብር ዚሕልንን ንየሆዋ ዜጕህዮ ነገር ይገብር ከም ዘሎ ኣጸቢቑ ዚፈልጥን ሰብ፡ ሓጢኣቱ ኸቢድ እዩ ዚኸውን። የሆዋ ንኸምዚ ዚገብር ሰብ ይቕረ ኸይብለሉ ይኽእል እዩ። (ማር. 3:29፣ ዮሃ. 9:41) ይኹን እምበር፡ ሓድሓደ ግዜ ጌጋ ንገብር ምህላውና ኸም ዚፍለጠና ኣይከሓድን እዩ። ኣብቲ መዳይ እቲኸ ተስፋ ኣሎና ድዩ፧ እወ! እዚ ድማ፡ ናብቲ የሆዋ ይቕረ ዚብለሉ ኻልእ ረቛሒ እዩ ዚመርሓና።

ብሓቂ እንተ ተነሲሕና፡ የሆዋ ይቕረ ኸም ዚብለልና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 16-17 ርአ)

16. ንስሓ እንታይ እዩ፧ የሆዋ ይቕረ ኺብለልና እንተ ዀይኑኸ፡ ንስሓ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

16 የሆዋ ኣብ ግምት ዜእትዎ ኻልእ ረቛሒ ኸኣ፡ እቲ ሓጥእ ካብ ልቡ እንተ ተነሲሑ ወይ እንተ ዘይተነሲሑ እዩ። ንስሓ ኺብሃል ከሎ እንታይ እዩ፧ ምንሳሕ ኪብሃል ከሎ፡ “ሓሳብካ፡ ኣረኣእያኻ፡ ወይ ዕላማኻ ምቕያር” ማለት እዩ። ብዘይካዚ እውን፡ ሓደ ሰብ ክፉእ ብምግባሩ ወይ ኪገብሮ ዚግባእ ሰናይ ብዘይምግባሩ ንዚስምዖ ጣዕሳን ዓሚቝ ጓህን የመልክት እዩ። ሓደ ዚንሳሕ ሰብ በቲ ዝፈጸሞ ኣበሳ ጥራይ ዘይኰነስ፡ በቲ ናብቲ ኣበሳ ዝመርሖ ሕማቕ መንፈሳዊ ዅነታት እውን ይጕሂ እዩ። ንጉስ ምናሴን ንጉስ ዳዊትን ከቢድ ሓጢኣት ገይሮም ነይሮም እዮም፣ ብሓቂ ስለ እተነስሑ ግና የሆዋ ይቕረታ ገይሩሎም እዩ። (1 ነገ. 14:8) እወ፡ የሆዋ ይቕረ ንምባል፡ ንስሓ ኺርኢ ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ በቲ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ምጕሃይ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ስጕምቲ ንምውሳድ እውን ድሉዋት ክንከውን ኣሎና። c እዚ ድማ ናብቲ የሆዋ ኣብ ግምት ዜእትዎ ኻልእ ረቛሒ ይመርሓና።

17. ለውጢ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ሓጢኣትና ንዘይምድጋም ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧ (ኢሳይያስ 55:7)

17 የሆዋ ኣብ ግምት ዜእትዎ ኻልእ ኣገዳሲ ረቛሒ፡ ለውጢ እዩ። ለውጢ ኺብሃል ከሎ፡ መገድኻ ቐዪርካ ምምላስ ማለት እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ሓደ ሰብ ነቲ ኽፉእ መገዱ ሓዲጉ፡ መገዲ የሆዋ ብምስዓብ ኣካይዳኡ ኪቕይር ኣለዎ። (ኢሳይያስ 55:7 ኣንብብ።) እቲ ሰብ ብኣተሓሳስባ የሆዋ ምእንቲ ኺምራሕ፡ ኣተሓሳስባኡ ኺልውጥ ኣለዎ። (ሮሜ 12:2፣ ኤፌ. 4:23) ነቲ ዝቐደመ ኽፉእ ኣተሓሳስባኡን ተግባራቱን ንምሕዳግ ቈራጽነት ኪገብር ኣለዎ። (ቈሎ. 3:7-10) ልክዕ እዩ፡ ኣብ መስዋእቲ ክርስቶስ ዘሎና እምነት እዩ ንየሆዋ ኻብ ሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልናን ኬንጽሃናን ናይ ሓቂ መሰረት ዚዀኖ። መገድና ንምልዋጥ ብሓቂ ንጽዕር ከም ዘሎና ምስ ረኣየ፡ ካብ ዋጋ እቲ መስዋእቲ ኽንጥቀም መገዲ ይኸፍተልና እዩ።—1 ዮሃ. 1:7

የሆዋ ይቕረ ኸም ዚብለልካ እምንቶ ይሃሉኻ

18. ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዚገብሮ ይቕረታ እንታይ ተማሂርና፧

18 ገለ ኻብቲ ዝረኣናዮ ቐንዲ ነጥብታት ኣሕጽር ኣቢልና እስከ ንኸልስ። የሆዋ ኣብ ዩኒቨርስ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ይቕረ በሃሊ እዩ። ኣብ ምንታይ ተመርኲስና ኢና ኸምኡ እንብል፧ ቀዳማይ፡ ወትሩ ንይቕረታ ድልዊ እዩ። ካልኣይ፡ ኣጸቢቑ ይፈልጠና እዩ። ንኣፈጣጥራና ምሉእ ብምሉእ ይፈልጦ እዩ፣ ብሓቂ እንተ ተነሲሕና ኺፈልጥ እውን ይኽእል እዩ። ሳልሳይ፡ የሆዋ ይቕረ ኺብለልና ኸሎ፡ ንሓጢኣትና ምሉእ ብምሉእ እዩ ዚድምስሶ። በዚ ኸምዚ፡ ንጹህ ሕልና ይህልወና፡ ሞገሱ እውን ንረክብ ኢና።

19. ዘይፍጹማት ብምዃንና ብቐጻሊ ንሓጥእ እኳ እንተ ዀንና፡ ስለምንታይ ኢና ሕጉሳት ክንከውን እንኽእል፧

19 ዘይፍጹማት ክሳዕ ዝዀንና፡ ብቐጻሊ ንሓጥእ ኢና። በቲ ኣብ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ፡ 2ይ ጥራዝ፡ ገጽ 771 ዚርከብ ከምዚ ዚብል ሓሳብ ግና ክንጸናናዕ ንኽእል ኢና፦ “የሆዋ ብምሕረቱ ተደሪኹ ንስጋዊ ድኽመት ኣገልገልቱ ኣብ ግምት ስለ ዜእቱ፡ ንሳቶም ብሰንኪ ዝወረስዎ ዘይፍጽምና ዚፍጽምዎ ጌጋታት ብቐጻሊ እናተጣዕሱ ኺነብሩ የብሎምን። (መዝ 103:8-14፣ 130:3) ተጠንቂቖም ብመገዲ ኣምላኽ ይመላለሱ እንተ ኣልዮም፡ ሕጉሳት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ፊል 4:4-6፣ 1ዮሃ 3:19-22)።” እዚ ብሓቂ ዜተባብዕ ሓሳብ እዩ!

20. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

20 በቲ ዝገበርናዮ ሓጢኣት ብሓቂ ኽሳዕ ዝጐሃና፡ የሆዋ ንዓና ንምምሓር ድሉው ምዃኑ ብዙሕ ነመስግኖ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ይቕረ ብምባል ንየሆዋ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧ ንሕና እንገብሮ ይቕረታ ምስቲ ናይ የሆዋ ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧ ካብ ናቱ ዚፍለኸ ብኸመይ እዩ፧ ነቲ ፍልልይ ምፍላጥና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ እዚ ሕቶታት እዚ ኺምለስ እዩ።

መዝሙር 45 ምስትንታን ልበይ

a የሆዋ ንዚንስሑ ሓጥኣን ይቕረ ኸም ዚብል ኣብ ቃሉ ገሊጹልና ኣሎ። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ይቕረታኡ ዘይግብኣና ዀይኑ ይስምዓና እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ በቲ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ብሓቂ እንተ ተነሲሕና፡ ኣምላኽና ይቕረ ንምባል ወትሩ ድሉው ዝዀነሉ ምኽንያት ክንርኢ ኢና።

c መግለጺ ቓላት፦ እታ “ንስሓ” እትብል ቃል፡ ነቲ ሰብ ዝገበሮ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ እተመልክት ኰይና፡ ምስኡ ሓቢሩ እውን ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ህይወት፡ ነቲ ግጉይ ተግባራቱ፡ ወይ ነቲ ኸይገበሮ ዝተረፈ ተግባር ካብ ልቢ ኸም እተጣዕሰሉ ተመልክት። ናይ ሓቂ ንስሓ ፍረ ተፍሪ፡ ማለት እቲ ሰብ መገዱ ይቕይር።