ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓመታትን ኣዋርሕን ብኸመይ እዩ ዚቝጸር ነይሩ፧

ኣብቶም ኣብ ምድሪ ተስፋ ዝነበሩ እብራውያን፡ ብመሰረት እቲ ዓለማዊ ዓውደ ኣዋርሕ፡ ዓመት ኣብቲ ምሕራስን ምዝራእን ዚጅመረሉ እዋን እዩ ዚጅመር ነይሩ፣ እዚ ድማ በዚ ናይ ሕጂ ኣቈጻጽራ ኣብ ክፍላ መስከረምን ጥቅምትን እዩ ዚውዕል።

እቲ ንወርሒ እናረኣኻ ዚቝጸር 12 ኣዋርሕ (ዐዕስራን ትሽዓተን ወይ ሰሰላሳ መዓልቲ ዘለዎ ማለት እዩ) ካብ ጸሓያዊ ዓመት ዝሓጸረ ንውሓት እዩ ዚህልዎ። ነዚ ኽልቲኡ ንምምዕርራይ እተፈላለየ ሜላታት ኣብ ኣገልግሎት ውዒሉ እዩ። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ትርፊ መዓልትታት ይውሰኽ፡ ወይ እውን ሓሓሊፍካ ተወሳኺ ወርሒ ይውሰኽ ነይሩ እዩ፣ ነዚ ድማ ምናልባት እቲ ዚቕጽል ዓመት ቅድሚ ምጅማሩ እዩ ዚግበር ነይሩ። እዚ ስርዓት እዚ፡ ነቲ ዓውደ ኣዋርሕ ምስቲ እኽሊ ዚዝርኣሉ ወይ ዚሕፈሰሉ ወቕትታት የዛምዶ እዩ።

ብግዜ ሙሴ ግና፡ ኣምላኽ ንህዝቡ፡ ሃይማኖታዊ ዓውደ ኣዋርሕ ዚቘጽሩሉ ስርዓት ሰርዓሎም፣ ብመሰረት እዚ ዓውደ ኣዋርሕ እዚ ኸኣ፡ ሓደ ዓመት ኣብታ ሎሚ ኣብ ክፍላ መጋቢትን ሚያዝያን እትውዕል ወርሒ ኣቢብ ወይ ኒሳን እዩ ዚጅምር። (ዘጸ. 12:2፣ 13:4) ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኸኣ ምስ ዓጺድ ስገም እተተሓሓዘ በዓል ይብዓል ነበረ።—ዘጸ. 23:15, 16

ኤሚል ሹረር ዝስሙ ምሁር፡ ኣብታ ዘ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ጂዊሽ ፒፕል ኢን ዘ ኤጅ ኦቭ ጂሰስ ክራይስት፡ (175 ቢ.ሲ.–ኤ.ዲ. 135) ዘርእስታ መጽሓፉ፡ “ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ተወሳኺ ወርሒ ንምእታው ወይ ንዘይምእታው ዚውሰነሉ ሕጊ ኣዝዩ ቐሊል እዩ ነይሩ” ኢሉ ኣሎ። ብተወሳኺ ድማ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “እቲ ኣብ ወርሒ ኒሳን፡ ወርሒ ምልእቲ ምስ ኰነት (14 ኒሳን) ዚብዓል በዓል ፋስጋ፡ ወትሩ ድሕሪ እቲ ናይ ጽድያ ኤኲኖክስ ኪውዕል ኣለዎ። . . . ስለዚ፡ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ዓመት ገጾም ምስ በጽሑ፡ እቲ ፋስጋ ቕድሚ እቲ ናይ ጽድያ ኤኲኖክስ ከም ዚውዕል እንተ ኣስተብሂሎም፡ ቅድሚ ኒሳን ተወሳኺት [መበል 13] ወርሒ ኸም እትኣቱ ይእውጁ ነበሩ።”

ድራር ጐይታ ኣብ ጽድያ፡ ማለት ብመሰረት ዓውደ ኣዋርሕ እብራውያን ኣብ 14 ኒሳን እዩ ዚብዓል። ስለዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድራር ጐይታ ዚብዓለላ ዕለት ንምውሳን ነዚ ሕጊ እዚ እዮም ዚጥቀሙ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ዘለዋ ጉባኤታት፡ እታ ዕለት እቲኣ መዓስ ከም እትውዕል ኣቐዲምካ ይሕበረን እዩ። a

እንተዀነ ግና፡ እብራውያን ሓንቲ ወርሒ ኣብቂዓ ሓዳስ ወርሒ ኸም ዝጀመረት ብኸመይ እዮም ዚፈልጡ ነይሮም፧ ሎሚ ኣብ እተሓትመ ዓውደ ኣዋርሕ ወይ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ኣብ ዘሎ ኣፕሊኬሽን ርኢኻ ብቐሊሉ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ቀሊል ኣይነበረን።

ብግዜ ማይ ኣይሂ፡ ኣዋርሕ ሰሰላሳ መዓልቲ ኸም ዘለዎ ጌርካ እዩ ዚቝጸር ነይሩ። (ዘፍ. 7:11, 24፣ 8:3, 4) ኣብ እብራውያን ግና፡ ሓደ ወርሒ ውሱን 30 መዓልቲ ኣይኰነን ነይርዎ። ብመሰረት ዓውደ ኣዋርሕ እብራውያን፡ ሰርቂ ወርሒ ምስ ኰነ ማለት ሓዳስ ወርሒ ኽትቅልቀል ምስ ጀመረት እዮም ወርሒ ኸም ዝጀመረ ኪቘጽሩ ዚጅምሩ። ብመሰረት እዚ ኣቈጻጽራ እዚ፡ ሓደ ወርሒ 29 ወይ 30 መዓልቲ ኺህልዎ ይኽእል እዩ።

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ዳዊትን ዮናታንን ብዛዕባ ሓደ ወርሒ ኺዛረቡ ኸለዉ፡ “ጽባሕ ሰርቂ ወርሒ እዩ” ኢሎም ተዛሪቦም እዮም። (1 ሳሙ. 20:5, 18) ስለዚ፡ ኣብ መበል 11 ዘመን ቅ.ክ.፡ ኣዋርሕ ኣቐዲምካ ይቝጸር ዝነበረ እዩ ዚመስል። እሞ ደኣ ሓደ ተራ እስራኤላዊ መዓስ ሓድሽ ወርሒ ኸም ዚጅምር ብኸመይ እዩ ዚፈልጥ ነይሩ፧ እቲ ንትውፊትን ንያታን ኣይሁድ ዚጥርንፍ ሚሽናህ ዚብሃል ጽሑፍ ነዚ ምላሽ ዚኸውን ሓበሬታ ይህበና እዩ። ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ኣብ ዝነበረ እዋን፡ እቲ ዋዕላ ዚብሃል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ኣብዚ ይሳተፍ ነይሩ እዩ። ኣብቲ በዓላት ዚብዓለሉ ሸውዓተ ኣዋርሕ፡ እቲ መጋባእያ ኣብ መበል 30 መዓልቲ ናይ ወርሒ ይእከብ ነበረ። እቶም ሰብኡት እቲኦም ከኣ፡ እታ እትቕጽል ወርሒ መዓስ ከም እትጅምር ናይ ምውሳን ሓላፍነት ነበሮም። እሞ ደኣ ኣብ ምንታይ ተመርኲሶም እዮም ዚውስኑ ነይሮም፧

ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ኣብ ዚርከብ በሪኽ ቦታታት ዝቘሙ ሰባት ብለይቲ ሰርቂ ወርሒ እንተ ተራእያ ይቋመቱ ነበሩ። ንሳቶም ከኣ ብቕልጡፍ ነቲ ዋዕላ የፍልጥዎ ነበሩ። እቶም ኣብቲ መጋባእያ እተቐመጡ ሰባት ከኣ ሰርቂ ወርሒ ኸም እተራእየት ዚሕብር እኹል ምስክርነት ከም ዝረኸቡ እንተ ተሰሚዕዎም፡ ሓድሽ ወርሒ ኸም ዝጀመረ ይእውጁ ነበሩ። ኰይኑ ግና፡ እቶም ሓለውቲ ብሰንኪ ደበና ወይ ብሰንኪ ግመ፡ ሰርቂ ወርሒ ኺርእዩ እንተ ዘይከኣሉኸ፧ እቲ ሒዞምዎ ዘለዉ ወርሒ 30 መዓልቲ ኸም ዘለዎ ይእወጅ ነበረ፣ እቲ ሓድሽ ወርሒ ድማ ድሕሪኡ ይጅመር ነበረ።

እቲ ዋዕላ ኣይሁድ ዚገብሮ ውሳነ ንምግላጽ፡ ኣብቲ ኣብ ጥቓ የሩሳሌም ዚርከብ ደብረ ዘይቲ ኸም ምልክት ዚኸውን ሓዊ ይውላዕ ከም ዝነበረ፡ ኣብ ሚሽናህ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ብዘሎ እስራኤል ኣብ ዚርከብ በረኽቲ ቦታታት እውን፡ ነዚ ወረ እዚ ንምብጻሕ ሓዊ ይኣጕዱ ነበሩ። ኣብቲ ድሒሩ ዝነበረ እዋናት ከኣ፡ ልኡኻት ይልእኩ ነይሮም እዮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ብዘሎ እስራኤልን ኣብ ፋሕ ዝበለ ማሕበረ ሰባትን ዚነብሩ ኣይሁድ ሓድሽ ወርሒ ኸም ዝጀመረ ይፈልጡ ነበሩ። ኵላቶም ከኣ ኣብ ሓደ እዋን በዓላት ኬብዕሉ ይኽእሉ ነበሩ።

ኣብዚ ዚስዕብ ሰሌዳ ዘሎ ሓበሬታ፡ ኵሉ ኣዋርሕን በዓላትን ወቕትታትን እብራውያን ክሳዕ ክንደይ ተኣሳሲሩ ኸም ዝነበረ ኽትርዳእ ይሕግዘካ እዩ።

a ኣብ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ናይ 15 ለካቲት 1990 (እንግሊዝኛ)፡ ገጽ 15፡ ከምኡ እውን ኣብ ናይ 15 ሰነ 1977 (እንግሊዝኛ) ዝወጸት “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።