ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሓምለ 2025

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 15 መስከረም–12 ጥቅምቲ 2025 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 28

ምኽሪ እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧

ኣብ 15-21 መስከረም 2025 ዚጽናዕ።

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 29

ብኸመይ ምኽሪ ትህብ፧

ኣብ 22-28 መስከረም 2025 ዚጽናዕ።

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 30

ብሕጂ እውን ካብ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትምሃርዶ ትኽእል ኢኻ፧

ኣብ 29 መስከረም–5 ጥቅምቲ 2025 ዚጽናዕ።

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 31

ናይ ዕግበት ‘ምስጢር ትፈልጥዶ፧’

ኣብ 6-12 ጥቅምቲ 2025 ዚጽናዕ።

ታሪኽ ህይወት

“እቲ ውግእ ናይ የሆዋ እዩ”

ኣብ ዝሓለፈ 40 ዓመት፡ ፊሊፕ ብራምሊ ኣብቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዚርከብ ክፍሊ ሕጊ ኣገልጊሉ እዩ። ምስ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ኪተሓባበርን ኣብ ቅድሚ ላዕለዎት ኣብያት ፍርዲ ኪቐርብን ኣብ ቅድሚ ሰበ ስልጣን ኪቐውምን ኣጋጣሚ ረኺቡ እዩ። ሳላ እዚ ተመክሮኡ ኸኣ፡ ብርታዐን ዓወትን ካብ የሆዋ ኸም ዚመጽእ ኪኣምን ክኢሉ እዩ።

ትፈልጥዶ፧

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ እቶም ካህናት ቤተ መቕደስ ንደም እቶም መስዋእቲ ዚዀኑ እንስሳታት ብኸመይ የወግድዎ ነይሮም፧

ምኽሪ መጽናዕቲ

ከተካፍል ኢልካ ኣጽንዕ

ነቲ እተምሃርናዮ እንተ ኣካፊልና፡ ነቲ ነጥብታት ብዝያዳ ንዝክሮ፡ ርድኢትና እውን ነዕምቝ ኢና።