ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሓምለ 2025
እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 15 መስከረም–12 ጥቅምቲ 2025 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።
ታሪኽ ህይወት
“እቲ ውግእ ናይ የሆዋ እዩ”
ኣብ ዝሓለፈ 40 ዓመት፡ ፊሊፕ ብራምሊ ኣብቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዚርከብ ክፍሊ ሕጊ ኣገልጊሉ እዩ። ምስ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ኪተሓባበርን ኣብ ቅድሚ ላዕለዎት ኣብያት ፍርዲ ኪቐርብን ኣብ ቅድሚ ሰበ ስልጣን ኪቐውምን ኣጋጣሚ ረኺቡ እዩ። ሳላ እዚ ተመክሮኡ ኸኣ፡ ብርታዐን ዓወትን ካብ የሆዋ ኸም ዚመጽእ ኪኣምን ክኢሉ እዩ።
ትፈልጥዶ፧
ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ እቶም ካህናት ቤተ መቕደስ ንደም እቶም መስዋእቲ ዚዀኑ እንስሳታት ብኸመይ የወግድዎ ነይሮም፧