ምኽሪ መጽናዕቲ
ከተካፍል ኢልካ ኣጽንዕ
መጽናዕቲ ባህ ዜብል ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ዝረኸብናዮ መንፈሳዊ ሃብቲ ንኻልኦት እንተ ኣካፊልና ኸኣ፡ ብዝያዳ እዩ ባህ ዚብለና። ምሳሌ 11:25፡ “እቲ ዜርዊ . . . ንርእሱ ይረዊ” ትብል።
ነቲ እተምሃርናዮ እንተ ኣካፊልና፡ ነቲ ነጥብታት ብዝያዳ ንዝክሮ፡ ርድኢትና እውን ነዕምቝ ኢና። እቲ ነጥብታት እቲ ንኻልኦት ኪጠቕሞም ስለ ዚኽእል ድማ፡ ነዚ ሃብቲ እዚ ብምክፋልና ንሕጐስ ኢና።—ግብ. 20:35።
ነዚ ፈትኖ፦ ኣብ ዚቕጽል ሰሙን፡ እተምሃርካዮ ነገር ንሰብ ከተካፍለሉ እትኽእል ኣጋጣሚ ኣናዲ። ምናልባት ንኣባል ስድራ ቤትካ፡ ኣብ ጉባኤኻ ንዘሎ ሰብ፡ ንመሳርሕትኻ፡ ንመማህርትኻ፡ ንጐረቤትካ፡ ወይ ኣብ ኣገልግሎት ንእትረኽቦ ሰብ ከተካፍሎ ትኽእል ትኸውን። ነቲ ሓበሬታ ብናትካ ቓላት ብቐሊልን ብንጹርን ክትገልጽ ጽዓር።
ኣይትረስዕ፦ ከተተባብዕ ኢልካ ደኣ እምበር፡ ብፍልጠትካ ንሰባት ክትምስጥ ኢልካ ኣይትዛረብ።—1 ቈረ. 8:1።