ትፈልጥዶ፧
ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ እቶም ካህናት ቤተ መቕደስ ንደም እቶም መስዋእቲ ዚዀኑ እንስሳታት ብኸመይ የወግድዎ ነይሮም፧
ኣብ ዓዓመት፡ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዚነብሩ ዝነበሩ ኻህናት፡ ኣብቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚርከብ መሰውኢ ኣሽሓት እንስሳታት ይስውኡ ነይሮም እዮም። ብመሰረት እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚነብር ዝነበረ ጆሰፈስ ዚብሃል ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ፡ ልዕሊ 250,000 ገንሸል ይስዋእ ነይሩ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ብዙሕ ደም እዩ ዚፈስስ ነይሩ። (ዘሌ. 1:10, 11፣ ዘሁ. 28:16, 19) እሞ ደኣ እቲ ዅሉ ደም እንታይ እዩ ዚግበር ነይሩ፧
ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ኣብታ ኽሳዕ 70 ድ.ክ. ዝነበረት ቤተ መቕደስ ሄሮድስ መወገዲ ፈሳሲ ረኺቦም እዮም። እቲ መወገዲ ፈሳሲ ኻብታ ቤተ መቕደስ ዚወጽእ ደም ዚውገደሉ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።
ነዚ መወገዲ ፈሳሲ ብግቡእ ኪዓዪ ዜኽእሎ ኽልተ ነገራት እስከ ንርአ፦
ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ዚርከብ ነዃላት፦ ኣብቲ ኣብ መጀመርታ ኽፋል ሳልሳይ ዘመን ድ.ክ. እተዳለወ ሚሽናህ ዚብሃል ትውፊት ኣይሁድ ዚጥርንፍ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ እቲ ኻብቲ መሰውኢ ኣትሒዙ እተዘርግሐ መወገዲ ፈሳሲ ዚሕብር መግለጺ ይርከብ እዩ። ኣብኡ ኸምዚ ዚብል ይርከብ፦ “ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኵርናዕ . . . ክልተ ነዃላት ነይሩ። እቲ ኣብ ምዕራባዊ ባይታን ደቡባዊ ባይታን ዝፈሰሰ ደም ከኣ ብእኡ ኣቢሉ ድሕሪ ምፍሳስ ምስ መትረብ ማይ ተሓዊሱ ናብ ዛራ ቄድሮን ይውሕዝ ነበረ።”
ኣብዚ ግዜና እተረኽበ ስነ ጥንታዊ ርኽበታት እውን ምስቲ ኣብ ጥንታዊ ትውፊት ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ “ነዃላት” ከም ዝነበረ ዚሕብር ሓሳብ ይሰማማዕ እዩ። ኣብ ጥቓ እታ ቤተ መቕደስ “ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ መወገዲ ፈሳሲ” ኸም እተረኽበ ዘ ካምብሪጅ ሂስትሪ ኦቭ ጁዳይዝም ኣረጋጊጹ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ድማ፡ “እዚ ኸኣ ነቲ ምስ ማይ ተሓዊሱ ኻብታ ቤተ መቕደስ ዚወጽእ ደም መስዋእትታት ንምውጋድ እዩ ዜገልግል ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል” ይብል።
እኹል ማይ፦ እቶም ካህናት ነቲ እግሪ መሰውእን ነቲ መትረብ ፈሳስን ጽሬቱ ንምሕላው እኹል ማይ የድልዮም ነይሩ እዩ። ነዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ንምፍጻም ከኣ፡ ካብታ ኸተማ ቐጻሊ ጽሩይ ማይ ይመጾም ነበረ። ነቲ ማይ ናብ ቤተ መቕደስ ንምብጻሕ፡ መትረባትን ትቦታትን መዕቘሪታት ማይን ሓጽብታትን ኣብ ኣገልግሎት ይውዕል ነይሩ እዩ። ፓትሪክ ጆሰፍ ዚብሃል ተመራማሪ ስነ ጥንቲ፡ “ከምዚ ዝበለ ንቤተ መቕደስ ንምጽራይን ፈሳሲ ንምውጋድን ዜገልግል ዜደንቕ ቀረብ ማይ ኣብ ግዜ ጥንቲ ብርቂ እዩ ነይሩ” ብምባል ርእይቶኡ ገሊጹ ኣሎ።