ታሪኽ ህይወት
“እቲ ውግእ ናይ የሆዋ እዩ”
ብ28 ጥሪ 2010፡ ኣብታ ቘራሪት መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብታ ኣብ ፈረንሳ እትርከብ ምጭውቲ ኸተማ ስትራዝቡግ ነበርኩ። እንተዀነ ግና፡ ንዙረት ኣይኰንኩን ናብኡ ኸይደ። የግዳስ፡ ሓደ ኻብቶም ንመሰላት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቅድሚ እቲ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ዚጣበቑ ዝነበሩ ጠበቓታት ኰይነ እየ ኸይደ። እቲ ጕዳይ እተላዕለ፡ መንግስቲ ፈረንሳ ኻብ ኣሕዋትና ሰፍ ዘይብል ግብሪ፡ ማለት ዳርጋ 64 ሚልዮን ኤሮ (89,000,000 ዶላር ኣመሪካ) ኪኽፈሎ ስለ ዝጠለበ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ እዚ ነገር እዚ ንስም የሆዋን ንስም ህዝቡን ንናይ ኣምልኾ ሓርነትናን ዚትንኪ እዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዘጋጠመ ነገር፡ “እቲ ውግእ ናይ የሆዋ እዩ” ንዚብል ቃላት እዩ ኣረጋጊጹልና። (1 ሳሙ. 17:47) እዚ ብኸመይ ከም ዝዀነ እስከ ኽገልጸልኩም።
እቲ ነገር ኣብ መወዳእታ 1990ታት፡ መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ፈረንሳ ዚርከብ ጨንፈርና ኻብ 1993 ክሳዕ 1996 ዝኣከቦ ወፈያታት ዘይሚዛናዊ ግብሪ ምስ ሰልዐ እዩ ተጀሚሩ። ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ፈረንሳ ፍትሒ እኳ እንተ ደለና፡ ግናኸ ኣይሰለጠናን። ኣብቲ ይግባይ ዚሰምዕ ቤት ፍርዲ ምስ ተሰዓርና፡ እቲ መንግስቲ ነቲ ኣብ ናይ ባንክ ሕሳብ ጨንፈርና ዝነበረ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ፈረቓን ኤሮ (6,300,000 ዶላር ኣመሪካ) ገበቶ። ስለዚ፡ ናይ መወዳእታ ተስፋና ኣብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ገበርና። እቲ ቤት ፍርዲ ግና ኣብቲ ጕዳይ ብይን ቅድሚ ምሃቡ፡ ንሕናን ጠበቓታት መንግስትን ኣብ ቅድሚ ሓደ ኻብቶም ንምምሕዳራውን ንፍርዳውን ንጥፈታት እቲ ቤት ፍርዲ ብሓላፍነት ዚመርሑ ተሓዝቲ መዝገብ ቀሪብና ነቲ ነገር ከነደቅሶ ንኽእል እንተ ዄንና ሕቶ ኣቕረበልና።
እታ ነቲ ነገር ዝሓዘቶ ተሓዚት መዝገብ እተወሰነ ኽፋል እቲ ገንዘብ ክንከፍል ጸቕጢ ኸም እትገብረልና ኢና ተጸቢና ኔርና። ኰይኑ ግና፡ ዋላ ሓንቲ ኤሮ ምኽፋል፡ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጋጮ ብንጹር ተረዲኡና ነይሩ እዩ። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ እዮም ገንዘቦም ወፍዮም፣ ስለዚ፡ ገንዘቦም ንመንግስቲ ዚብጽሖ ኣይነበረን። (ማቴ. 22:21) እንተዀነ ግና፡ ንስርዓት እቲ ቤት ፍርዲ ኻብ ዘሎና ኣኽብሮት ተላዒልና ናብቲ ኣኼባ ኸድና።
ብ2010 ጠበቓታትና ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ
እቲ ኣኼባ ኣብ ሓደ ኻብቲ ምዕሩግ መአከቢታት እቲ ቤት ፍርዲ እዩ ተኻይዱ። ኣብ መጀመርታ፡ ኣካይዳ እቲ ኣኼባ ጽቡቕ
ኣይነበረን። እታ ተሓዚት መዝገብ ኣብቲ ናይ መኽፈቲ ዘረባኣ፡ ኣብ ፈረንሳ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተወሰነ ኻብቲ እተሰልዐ ግብሪ ኪኸፍሉ ትጽቢት ከም እትገብር ገለጸት። ንሕና ድማ ገለ ነገር ውሽጥና ስለ ዝደረኸና ብሃንደበት፡ “መንግስቲ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮንን ፈረቓን ኤሮ ኻብ ናይ ባንክ ሕሳብና ድሮ ገቢቱ ኸም ዘሎስ ትፈልጢዶ፧” ኢልና ሓተትናያ።በዚ ኸም ዝሰምበደት፡ ኣብ ገጻ ኣንበብናዮ። እቶም ጠበቓታት መንግስቲ ኸምኡ ኸም እተገብረ ምስ ኣረጋገጹላ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዝነበራ ኣረኣእያ ምሉእ ብምሉእ ተቐየረ። ንዓታቶም ድሕሪ ምግናሕ፡ ነቲ ኣኼባ ብኡብኡ ዓጸወቶ። ኣብቲ ህሞት እቲ፡ የሆዋ ብዘይተጸበናዮ መገዲ ንኣካይዳ እዚ ፍርዲ እዚ ኸም ዝቐየሮ ተገንዘብኩ። ካብቲ ኣኼባ እቲ ኸኣ ኣዚና ተሓጒስና ወጻእና፣ እንታይ ይኸውን ከም ዝነበረ እውን ክንኣምን ኣይከኣልናን።
ብ30 ሰነ 2011፡ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ንዓና ዚድግፍ ብይን በየነ። እቲ እተሰልዐ ግብሪ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ወሰነ፣ ንመንግስቲ ድማ ነቲ ዝገበቶ ገንዘብ ምስ ወለዱ ኺመልስ ኣዘዞ! እዚ ታሪኻዊ ብይን እዚ፡ ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ ነቲ ኣብ ፈረንሳ ዚግበር ንጹህ ኣምልኾ ዕቝባ ዀይንዎ ኣሎ። እታ ብወዝቢ ዘበገስናያ ሕቶ፡ ኣብቲ ውግእ ነጥበ መቐይሮ እያ ነይራ፣ ከምታ ናብ ግምባር ጐልያድ ዝኣተወት እምኒ እያ ነይራ። እሞ ደኣ ስለምንታይ ኢና ተዓዊትና፧ ምኽንያቱ፡ ከምቲ ዳዊት ንጐልያድ ዝበሎ፡ “እቲ ውግእ ናይ የሆዋ እዩ።”—1 ሳሙ. 17:45-47።
እንተዀነ ግና፡ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ጥራይ ኣይኰንናን ተዓዊትና። ክሳዕ ሎሚ፡ ሓያላት ፖለቲካውያንን ሃይማኖታውያንን ተጻረርቲ እናሃለዉና ኽነሱ፡ ኣብ 70 ሃገራት ኣብ ዚርከብ ላዕለዎት ኣብያተ ፍርድን ኣብ ገሊኡ ኣህጉራዊ ኣብያተ ፍርድን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚድግፍ 1,225 ብይን ረኺብና ኣለና። እዚ ሕጋዊ ዓወታት እዚ ኸኣ፡ ነቲ ኸም ሃይማኖት መጠን ዘሎና ሕጋዊ መሰል፡ ነቲ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ንምስታፍ ዘሎና መሰል፡ ነቲ ኣብ ሓርበኛዊ ጽምብላት ንዘይምስታፍ ዘሎና መሰል፡ ነቲ ደም ንዘይምውሳድ ዘሎና መሰል፡ ኰታስ ንመሰረታዊ መሰላትና ዜዕቍብ እዩ።
እንተዀነ ግና፡ ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እናኣገልገልኩ ኽነሰይ፡ ኣብቲ ኣብ ኤውሮጳ እተላዕለ ጕዳይ ብኸመይ እየ ኽሳተፍ ክኢለ፧
ብቕንኣት ዜገልግሉ ሚስዮናውያን እዮም ቀሪጾምኒ
ጆርጅን ሉስየልን ዚብሃሉ ወለደይ ካብ መበል 12 ክፍሊ ጊልዓድ እተመረቑ እዮም ነይሮም። ኣነ ብ1956 ኣብ እተወለድኩሉ እዋን ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ የገልግሉ ነበሩ። ንዓይ ድማ ግብ. 21:8) ንዓመታኡ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ንኣምልኾና ኣገዶ። ገና ሕጻን እኳ እንተ ነበርኩ፡ ብስድራ ቤት ብሕቡእ ከነምልኽ ከለና ግና ብንጹር እዝክሮ እየ። ሕጻን ስለ ዝነበርኩ፡ እዚ መሳጢ ኸም ዝዀነ ገይረ እየ ዝሓስብ ነይረ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ሰበ ስልጣን እታ ዓዲ ብ1960 ካብታ ሃገር ሰጐጉና።
ብስም “ፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ፡” ፊሊፕ ኢሎም ሰመዩኒ። (ብ1959 ናታን ኖር (ጸጋም) ንስድራ ቤትና ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኢትዮጵያ ኺበጽሓና ምስ መጸ
ብስድራ ቤት ናብ ዊቺታ፡ ካንሳስ፡ ሕ.መ.ኣ. ድሕሪ ምግዓዝና እውን፡ ወለደይ ነቲ ሚስዮናውያን ከለዉ ዝነበሮም ቅንኣት ኣየጥፍኡን። ንሓቂ ውፉያት ነበሩ፣ ኣባይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብቶም ኣብ ኢትዮጵያ እተወልዱ ጁዲ እትብሃል ዓባይ ሓብተይን ለስሊ ዚብሃል ንእሽቶ ሓወይን እውን መንፈሳውነት ተኸሉልና። ኣነ ኸኣ ወዲ 13 ዓመት ምስ ኰንኩ ተጠመቕኩ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልይዎ ንምግልጋል ናብ ኣሬኲፓ፡ ፐሩ ብስድራ ቤት ገዓዝና።
ብ1974 ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ጨንፈር ፐሩ ንዓይን ንኣርባዕተ ኣሕዋትን ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል መደበና። ኣብ ማእከላይ ኣኽራን ኣንደስ፡ ኣብ ዘይተዓይየ ኽልታት ክንሰብኽ ኢና ተላኢኽና። ኣብኡ ድማ ነቶም ደቀባት ዝዀኑ ማሕበረ ሰብ ኴቹዋን ኣይማራን ሰበኽናሎም። በታ “መርከብ ኖህ” ኢልና ዝሰመናያ ሳጹን እትመስል ማኪና ኢና እንጐዓዝ ኔርና። የሆዋ ኣብ ቀረባ ግዜ ንድኽነትን ንሕማምን ንሞትን ከም ዜወግዶ ዚገልጽ መልእኽቲ ነቶም ደቀባት ምንጋር፡ ሓደ ኻብቲ ዝፈትዎ ተዘክሮታተይ እዩ። (ራእ. 21:3, 4) ብዙሓት እውን ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተቐበልዎ።
ብ1974 እተገልግለና ዝነበረት “መርከብ ኖህ” ኢልና ዝሰመናያ ማኪና
ኣብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ከገልግል ተመደብኩ
ኣልበርት ሽሮደር ዚብሃል ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብቲ ብ1977 ናብ ፐሩ ዝገበሮ ምብጻሕ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ንምግልጋል ከመልክት ኣተባብዓኒ። ስለዚ ኸምኡ ገበርኩ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ብ17 ሰነ 1977 ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ቤት-ኤል ከገልግል ጀመርኩ። ኣብቲ ዚቕጽል ኣርባዕተ ዓመት፡ ኣብ ክፍሊ ጽሬትን ኣብ ክፍሊ ጽገናን ኣገልገልኩ።
ብ1979 ኣብ መዓልቲ መርዓና
ኣብ ሰነ 1978 ምስ ኤሊዛቤት ኣቫሎን ኣብቲ ኣብ ኒው ኦርሊንስ፡ ሉዊዝያና እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ተራኸብና። ንሳ እውን ከማይ ንሓቂ ውፉያት ብዝዀኑ ወለዲ እያ ዓብያ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ምግልጋል ካብ እትጅምር ኣርባዕተ ዓመት ገይራ ነይራ። ኣብ ምሉእ ህይወታ እውን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክትቅጽል እያ እትደሊ ነይራ። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ዝነበረና ርክብ ኣይተቛረጸን። ነዊሕ ከይጸናሕና እውን፡ ኣብ መንጎና ሓያል ፍቕሪ ማዕበለት። ስለዚ፡ ብ20 ጥቅምቲ 1979 ተመራዓውና፣ ንሳ ድማ ኣብ ኣገልግሎት ቤት-ኤል ተጸምበረትኒ።
ኣብታ ብሩክሊን ስፓንሽ እትብሃል ቀዳመይቲ ጉባኤና ዝነበሩ ኣሕዋትናን ኣሓትና ልቦም ከፊቶም እዮም ተቐቢሎምና። ኣብዚ ዅሉ ዓመታት ኣብ ዝኸድናዮ ሰለስተ ኻልኦት ጉባኤታት ዚርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐቢሎምና፡ ኣብ ኣገልግሎት ቤት-ኤል ከኣ ደጊፎምና እዮም። ነቲ ንሳቶም ዝገበሩልና ሓገዝ ኰነ፡ ነቲ ፈተውትናን ቤተ ሰብናን ንወለድና ኣብ ግዜ እርጋኖም ክንኣልዮም ዝገበሩልና ደገፍ ኣኽቢርና ንርእዮ ኢና።
ብ1986 ኣብ ጉባኤ ብሩክሊን ስፓንሽ ዝነበሩ ቤት-ኤላውያን
ኣብ ሕጋዊ ቓልስታትና ተጸምበርኩ
ኣብ ጥሪ 1982 ብሃንደበት ኣብቲ ኣብ ቤት-ኤል ዚርከብ ክፍሊ ሕጊ ኸገልግል ተመደብኩ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ድማ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕጊ ኽምሃርን ወረቐት ፍቓድ ዘለዎ ጠበቓ ክኸውንን ሕቶ ቐረበለይ። ኣብቲ ትምህርተይ ድማ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዀነ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዚርከቡ ብዙሓት ሰባት ከም ትሑዝ ገይሮም ዚርእይዎ መሰረታዊ ናጽነታት፡ ሳላ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝረኸብዎ ሕጋዊ ዓወታት ኪጸንዕ ከም ዝኸኣለ ምፍላጠይ ብሓቂ እዩ ኣሐጒሱኒ። ነዚ ጕዳያት እዚ ኣብ ትምህርትና ብሰፊሑ ኢና ተመያይጥናሉ።
ብ1986 ወዲ 30 ዓመት ከለኹ፡ ሓላዊ ኽፍሊ ሕጊ ዀይነ ተሸምኩ። ገና ንእሽቶ ስለ ዝነበርኩ፡ ክብደት እቲ ዕዮ እውን ገና ስለ ዘይተረድኣኒ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ክብሪ ኺስምዓኒ ኸሎ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ግና ልዕሊ ዓቕመይ ኰይኑ ተሰምዓኒ።
ብ1988 ጠበቓ ንምዃን ዜኽእለኒ ብቕዓት ረኸብኩ። እዚ ግና ንመንፈሳውነተይ ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ምንባሩ ኣይፈለጥኩን ነይረ። ዝለዓለ ትምህርቲ ርእስኻ ኽብ ንምባል ድሌት ኬሕድረልካ ይኽእል እዩ። ፍሉይ ፍልጠት ስለ ዘሎካ ኸኣ፡ ካብቶም ከምኡ ዓይነት ትምህርቲ ዘይረኸቡ ልዕል ከም ዝበልካ ጌርካ ኸም እትሓስብ ይገብረካ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኤሊዛቤት እያ ኣድሒናትኒ። ናብቲ ቕድሚ እቲ ናይ ሕጊ ቤት ትምህርቲ ዝነበረኒ መንፈሳዊ ልማድ ክምለስ ሓጊዛትኒ እያ። ግዜ እኳ እንተ ወሰደለይ፡ በብቝሩብ ብመንፈሳዊ መዳይ ጠዓኹ። ብፍሉይ ፍልጠት ዝመልአ ርእሲ ምሓዝ፡ ኣብ ህይወት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ነገር ዘይምዃኑ ኽምስክር እኽእል እየ። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ናይ ቀረባ ርክብን ንዕኡን ንህዝቡን ዘሎና ዓሚቝ ፍቕርን እዩ ኣብ ህይወትና ናይ ሓቂ ዋጋ ዘለዎ።
ምእንቲ እቲ ብስራት ምምጓትን ነቲ ብስራት ብሕጊ ምስራትን
ነቲ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ፡ ኣብ ቤት-ኤል ንኽፍሊ ሕጊ ኣብ ምውዳብን ምእንቲ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ምምጓትን ኣተኰርኩ። ነታ ብፍጥነት እትግስግስን እትዓብን እትተዓጻጸፍን ውድብና ምድጋፍ ዜሐጕስ እኳ እንተ ዀነ፡ ቀሊል ኣይነበረን። ንኣብነት፡ ጽሑፋት ከነበርክት ከለና፡ ወፈያ ኺግበር ንሓትት ኔርና ኢና። ኣብ መጀመርታ 1990ታት ግና፡ ነዚ ብኸመይ ክንሓድጎ ኸም እንኽእል ንኽፍሊ ሕጊ ሕቶ ቐረበልና። ድሕሪኡ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ጽሑፋት ብዘይ ክፍሊት ኪዕድሉ ጀመሩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ቤት-ኤል ኰነ ኻብ ቤት-ኤል ወጻኢ ዚዕየ ዕዮና ኣቕለሎ። ካብቲ ምስ ግብሪ እተተሓሓዘ ጸገማት እውን ከነምልጥ ከኣልና። ገሊኦም ሰባት፡ እዚ ለውጢ እዚ ንገንዘብና ኸም ዚውድኦ፡ ኣብ ኣገልግሎትና እውን ዕንቅፋት ከም ዚኸውን ሓሲቦም ዘጸ. 15:2፣ ማቴ. 24:45።
ነይሮም እዮም። ከም ሓቂ ግና፡ ብኣንጻሩ እዩ ዀይኑ። ካብ 1990 ንነጀው፡ ብዝሒ እቶም ንየሆዋ ዜገልግሉ ልዕሊ ዕጽፊ እዩ ዀይኑ ዘሎ። ሎሚ ድማ ሰባት ብዘይ ክፍሊት ህይወት ዜድሕን መንፈሳዊ ምግቢ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እዝን ሓያሎ ኻልእ ውድባዊ ምትዕርራያትን ዕዉት ኪኸውን ዝኸኣለ፡ ሳላ እቲ የሆዋ ዚህቦ ብርታዐን በቲ እሙን ባርያ ኣቢሉ ዚህቦ መምርሕን ጥራይ ምዃኑ ብዓይነይ ርእየ እየ።—መብዛሕትኡ ግዜ ሕጋዊ ዓወታት፡ ሳላ ጽቡቕ ጥብቅና ኣይኰነን ዚርከብ። የግዳስ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሰበ ስልጣን ብሰናይ ኣካይዳ ህዝቢ የሆዋ ተደሪኾም እዮም ዚድግፉና። ብ1998 ሰለስተ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካልን ኣንስቶምን ኣብቲ ኣብ ኩባ እተገብረ ፍሉይ ኣኼባታት ምስ ተኣከቡ፡ ሓደ ኣብነት ናይዚ ርእየ እየ። እቶም ሰበ ስልጣን ካብቲ ንሕና ኣብ ወግዓዊ ኣኼባታት ዝበልናዮም ንላዕሊ፡ እቲ እዞም ኣሕዋትናን ኣንስቶምን ዘለዎም ለውሃትን ኣኽብሮትን እዩ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ገለልትነትና ኣእሚንዎም።
እንተዀነ ግና፡ ሕጋዊ ጕዳያት ብስምምዕ ኪፍታሕ እንተ ዘይተኻኢሉ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቐሪብና ‘ነቲ ብስራት ንማጐተሉን ብሕጊ ንስርቶን’ ኢና። (ፊል. 1:7) ንኣብነት፡ ኣብ ኤውሮጳን ደቡብ ኮሪያን ዚርከቡ ሰበ ስልጣን፡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናይ ምእባይ መሰል ከም ዘሎና ንሓያሎ ዓመታት ኣይተረድኦምን ነይሩ። ብሰንኪ እዚ ድማ ኣስታት 18,000 ኣሕዋት ኣብ ኤውሮጳ፡ ልዕሊ 19,000 ኣሕዋት ከኣ ኣብ ደቡብ ኮርያ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ሕልናኦም ስለ ዘይፈቐደሎም፡ ንእተወሰነ እዋን ተኣሲሮም እዮም።
ኣብ መወዳእታ፡ ብ7 ሓምለ 2011፡ ኣብቲ ባያትያን ኣንጻር ኣርመንያ እተባህለ ጕዳይ፡ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ታሪኻዊ ብይን በየነ። እቲ ብይን ድማ ኣብ ምሉእ ኤውሮጳ ናይ ኣማራጺ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ኪቐርብ ዜገድድ ነበረ። ብ28 ሰነ 2018 ከኣ፡ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ደቡብ ኮሪያ ተመሳሳሊ ውሳነ ገበረ። ሒደት ካብቶም መንእሰያት ኣሕዋትና ኣብ መትከሎም እንተ ዚለማለሙ ነይሮም፡ እዚ ዓወታት እዚ ኣይምተረኽበን።
ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኰነ ኣብቲ ኣብ ጨናፍር ዚርከብ ክፍልታት ሕጊ እንዓዪ ኣሕዋት፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምጥባቕ ደኺመ ኸይበልና ንዓዪ ኢና። ነቶም ካብ መንግስቲ ተቓውሞ ዜጋጥሞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንውክሎም ብምኽኣልና ኽብሪ እዩ ዚስምዓና። ኣብ ቤት ፍርዲ ንተዓወት ኣይንተዓወት ብዘየገድስ፡ እዚ ጻዕርና ንሹማምንትን ንነገስታትን ንኣህዛብን ምስክርነት ይህብ እዩ። (ማቴ. 10:18) ብዛዕባ እቲ ጕዳይና ብጽሑፍ ኰነ ብቓል ክንማጐት ከለና፡ ደያኑን ሰበ ስልጣን መንግስትን መራኸቢ ብዙሓንን ህዝቢ ብሓፈሻን ነቲ ኣብ ኣብኡ እነቕርቦ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ይሰምዕዎ እዮም። ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መን ምዃኖም፡ እምነቶም ድማ ኣብ ምንታይ ከም እተሰረተ ኺፈልጡ ኣጋጣሚ ይኽፈተሎም እዩ። ገሊኦም ሰባት ከኣ በዚ ኸምዚ ክርስትያናት ብጾትና ዀይኖም እዮም።
ኦ የሆዋ፡ ነመስግነካ!
ኣብ ዝሓለፈ 40 ዓመት፡ ብዛዕባ ሕጋዊ ጕዳያት ምስ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ክተሓባበርን ኣብ ቅድሚ ሓያሎ ላዕለዎት ኣብያተ ፍርዲ ክቐርብን ኣብ ቅድሚ ሰበ ስልጣን ክቐውምን ኣጋጣሚ ረኺበ እየ። ነቶም ኣብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ኰነ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ዚርከብ ክፍልታት ሕጊ ዜገልግሉ ክርስትያናት ብጾተይ እፈትዎምን አድንቖምን እየ። ኣብ ህይወተይ ብዙሕ ተባሪኸ እየ፡ ኣዝየ እውን ዕጉብ እየ።
ኣብ ዝሓለፈ 45 ዓመት፡ ኣብ ጽቡቕ እዋን ኰነ ኣብ ሕማቕ እዋን፡ ኤሊዛቤት ብተኣማንነትን ብፍቕርን ደጊፋትኒ እያ። ንስርዓተ ምክልኻል ሰብነታ ዜዳኽምን ንሓይላ ዚጽንቅቕን ሕማም እናሃለዋ ኽነሱ ስለ እትድግፈኒ አድንቓ እየ።
ብርታዐን ዓወትን ብናትና ኽእለት ከም ዘይመጽእ ብዓይንና ርኢና ኢና። ከምቲ ዳዊት ዝበሎ፡ “የሆዋ ንህዝቡ ብርታዐ እዩ።” (መዝ. 28:8) እወ፡ “እቲ ውግእ ናይ የሆዋ እዩ።”