ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ

ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ

“መምህራን ክትኰኑ [እዩ] ዚግብኣኩም።” (እብ. 5:12) ሕስብ እሞ ኣብሎ! እቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ መምህር ዝዀነ የሆዋ፡ ብዛዕባኡ ንሰባት ክንምህር ንዓና ጻውዒት ኣቕሪቡልና ኣሎ! ኣብ ስድራ ቤት ኰነ፡ ኣብ ጉባኤ ዀነ፡ ወይ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ብዛዕባ የሆዋ ሓቂ ኽንምህር ዚውሃበና ዝዀነ ዕዮ፡ ክቡር መሰልን ከቢድ ሓላፍነትን እዩ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ዕዉታት ክንከውን እንኽእል፧

መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብተን ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ንህዝቢ ኣብ ምንባብን ኣብ ምምዓድን ኣብ ምምሃርን ትጋህ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ይርከብ እዩ። ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “እዚ እንተ ጌርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ” ኢልዎ እዩ። (1 ጢሞ. 4:13, 16) ንስኻ እውን ህይወት ዜድሕን መልእኽቲ ኢኻ ሒዝካ ዘለኻ። ስለዚ፡ ናይ ምንባብን ናይ ምምሃርን ክእለትካ ንምምሕያሽ ጻዕሪ ኽትገብር ኣሎካ። እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ከምኡ ንምግባር ክትሕግዘካ እያ ተዳልያ። ገለ ኻብቲ ኣብኣ ዘሎ መዳያት እስከ ንርአ።

እቲ ኣብ ገገጽ ዘሎ ሓሓደ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስቲ ነጥቢ መጽናዕቲ ዚዛመድ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ወይ እቲ ነጥቢ መጽናዕቲ እተዓይየሉ ኣብነት እዩ

የሆዋ “ዓብዪ መምህር” እዩ። (ኢሳ. 30:20) እዛ ብሮሹር እዚኣ ንናይ ምንባብን ምምሃርን ክእለትካ ትስሕለልካ እኳ እንተ ዀነት፡ ምንጪ መልእኽትና የሆዋ ምዃኑን ንሱ ንሰባት ከም ዚስሕቦምን ከቶ ኣይትረስዕ። (ዮሃ. 6:44) እምበኣር፡ መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበካ ኣዘውቲርካ ጸሊ። ንቓል ኣምላኽ ወትሩ ተጠቐመሉ። ኣቓልቦ ሰባት ናባኻ ዘይኰነስ፡ ናብ የሆዋ ከም ዚስሓብ ግበር። ኣብ ልቢ ሰማዕትኻ ንዕኡ ዓሚቝ ፍቕሪ ንምምዕባል ጽዓር።

ክሳዕ ሕጂ ንሰባት ካብ እተዋህበ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ መልእኽቲ ኽትምህር ኢኻ ተዓዲምካ ዘለኻ። ኣብቲ “ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ” እንተ ተጸጊዕካ፡ ከም እትዕወት ንተኣማመን ኢና።—1 ጴጥ. 4:11

ከማኻ መምህራን ዝዀኑ፡

ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር