ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽናዕቲ 9

ግቡእ ኣጠቓቕማ ትዕይንታዊ ደገፍ

ግቡእ ኣጠቓቕማ ትዕይንታዊ ደገፍ

ዘፍጥረት 15:5

ጽማቝ ሓሳባት፦ ኣገዳሲ ነጥብታት እቲ ትምህርቲ ንምንጻር ትዕይንታዊ ደገፍ ወይ ዚርአ ነገራት ተጠቐም።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ንትምህርትኻ ዜጕልሕ ትዕይንታዊ ደገፍ ሕረ። ንኣሽቱ ዝርዝራት ዘይኰነስ፡ ኣገዳሲ ነጥብታት ዜጕልሕ ስእልታት፡ ዲያግራማት፡ ካርታታት፡ ሰሌዳታት ግዜ፡ ወይ ካልእ ትዕይንታዊ ደገፍ ተጠቐም። ንሰማዕትኻ ነቲ ትዕይንታዊ ደገፍ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኺመሓላለፍ እተደልየ ትምህርቲ ኺዝክርዎ ሓግዞም።

  • ሰማዕትኻ ነቲ ትዕይንታዊ ደገፍ ከም ዚርእይዎ ኣረጋግጽ።