ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽናዕቲ 19

ልቢ ንምትንካይ ጻዕሪ ተገይሩ

ልቢ ንምትንካይ ጻዕሪ ተገይሩ

ምሳሌ 3:1

ጽማቝ ሓሳባት፦ ሰማዕትኻ ነቲ እተማህርዎ ኼድንቕዎን ኪትግብርዎን ሓግዞም።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ሰማዕትኻ ገዛእ ርእሶም ኪምርምሩ ሓግዞም። ሰማዕትኻ ስምዒታቶም ምእንቲ ኺምርምሩ፡ ብልቦም ምላሽ ዚህቡሉ ሕቶታት ሕተቶም።

  • ነቲ ጽቡቕ ውሽጣዊ ድራኸታቶም ኣለዓዕሎ። ሰማዕትኻ ስለምንታይ ጽቡቕ ተግባራት ከም ዚገብሩ ኺምርምሩ ተማሕጸኖም። ብሉጽ ውሽጣዊ ድራኸ ኼማዕብሉ ሓግዞም፣ እዚ ኸኣ ፍቕሪ ንየሆዋን ፍቕሪ ንሰባትን ፍቕሪ ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስን እዩ። ንሰማዕትኻ ኣረድኣዮም እምበር፡ ክትገንሖም ኣይትፈትን። ኣብ መወዳእታ እቲ ትምህርትኻ፡ ከም ዝበደሉ ዀይኑ ኣብ ክንዲ ዚስምዖም፡ ዚከኣሎም ኪገብሩ ኸም እተተባብዑን እተደረኹን ኰይኑ ኺስምዖም ኣለዎ።

  • ናብ የሆዋ ኸም ዜተኵሩ ግበር። ትምህርትታትን ስርዓታትን ትእዛዛትን መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ገይሩ ንባህርያት ኣምላኽን ነቲ ንሱ ንዓና ዘለዎ ፍቕርን ከም ዜንጸባርቕ ኣጕልሕ። ሰማዕትኻ ንስምዒታት የሆዋ ዚሓልዩን ንዕኡ ባህ ኬብልዎ ዚደልዩን ኪዀኑ ኣተባብዓዮም።