ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧

መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧

እንታይ ምበልካ፧

  • እወ

  • ኣይፋል

  • ምናልባት

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ኣምላኽ . . . ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።”​—ራእይ 21:3, 4ትርጉም ሓዳስ ዓለም።

እዚ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧

ንጸገማትና፡ ኣምላኽ ከም ዘየምጽኦ የረጋግጸልካ።​—ያእቆብ 1:13

መከራ ኺወርደና ኸሎ፡ ኣምላኽ ከም ዚስምዖ ምፍላጥካ የጸናንዓካ።​—ዘካርያስ 2:8

ኵሉ መከራ ኸም ዜብቅዕ ተስፋ ይህልወካ።​—መዝሙር 37:9-11

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ብሓቂ ኽንኣምኖ ንኽእልዶ፧

እወ ንኽእል ኢና፣ እንተ ወሓደ ብኽልተ ምኽንያት።

  • ኣምላኽ፡ መከራን ግፍዕን ይጸልእ እዩ። እቶም ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ ኪግፍዑ ኸለዉ፡ የሆዋ ኸመይ ይስምዖ ኸም ዝነበረ እሞ ሕሰብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ኣምላኽ ‘ብዛዕባ እቶም ዝገፍዕዎም’ ከም ዝጓሃየ ይገልጽ እዩ።​—መሳፍንቲ 2:18

    ኣምላኽ ነቶም ንኻልኦት ዚጐድኡ ሰባት ይጸልኦም እዩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ነተን “ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው” ከም ዚፍንፍነን ይገልጽ እዩ።​—ምሳሌ 6:16, 17

  • ኣምላኽ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ይሓልየልና እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ “ቍስሉን ስቓዩን ይፈልጥ እዩ።” የሆዋ እውን ነዚ ይፈልጦ እዩ።​2 ዜና መዋእል 6:29, 30

    የሆዋ በታ መንግስቱ ኣቢሉ ንመከራ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከም ዜኽትም ኪገብሮ እዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ነቶም ብቕንዕና ዚደልይዎ ሰባት ብለውሃት የጸናንዖም እዩ።​—ግብሪ ሃዋርያት 17:27፣ 2 ቈረንቶስ 1:3, 4

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ ሮሜ 5:12፣ 2 ጴጥሮስ 3:9 ይምልሳ እዩ።