ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምጽንናዕ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክረክብ እኽእል ድየ፧

ምጽንናዕ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክረክብ እኽእል ድየ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 እወ። (ሮሜ 15:4) ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታትን ጭንቀትን ንዚርከቡ ብዙሓት ሰባት ኬጸናንዕ ዝኸኣለ ገለ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንርኢ ኢና።

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

 ጸበባ

 መዝሙር 23:4 “ንስኻ ምሳይ ኢኻ፡ . . . ብርቱዕ ጽላሎት ብዘለዎ ስንጭሮ እኳ እንተ ኸድኩ፡ ከይጕዳእ ኣይፈርህን እየ።”

 ትርጉሙ፦ ናብ ኣምላኽ ምስ እትጽልን ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እትውከልን፡ ንጸበባ ብትብዓት ክትገጥሞ ኢኻ።

 ፊልጲ 4:13 “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።”

 ትርጉሙ፦ ንጸገማትካ ብትብዓት ምእንቲ ኽትገጥሞ ዚሕግዘካ ሓይሊ፡ ኣምላኽ ኪህበካ እዩ።

 ሞት እተፍቅሮ ሰብ

 መክብብ 9:10 “ዕዮ ዀነ፡ ውጥን ኰነ፡ ፍልጠት ኰነ፡ ወይ ጥበብ የልቦን።”

 ትርጉሙ፦ ምዉታት ሃለዋቶም ስለ ዘይፈልጡ፡ ስቓይ የብሎምን። ኪጐድኡና እውን ኣይክእሉን እዮም።

 ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ‘ትንሳኤ ኪኸውን እዩ።’

 ትርጉሙ፦ ኣምላኽ ነቶም እነፍቅሮም ምዉታትና ናብ ህይወት ኪመልሶም እዩ።

 መጠኑ ዝሓለፈ ስምዒት በደለኛነት

 መዝሙር 86:5 “ኦ የሆዋ፡ a ንስኻስ ሕያዋይን ንይቕረታ ድልውን ኢኻ፣ ንዅሎም እቶም ዚጽውዑኻ፡ ኣብዚሕካ ብተኣማንነት ተፍቅሮም ኢኻ።”

 ትርጉሙ፦ ኣምላኽ፡ ነቶም ብሰንኪ ዝገበርዎ ጌጋ ብሓቂ ዚጕህዩን ንኸይደግምዎ ኸኣ ቈራጽነት ዚገብሩን ይቕረ ይብለሎም እዩ።

 መዝሙር 103:12 “ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፡ ንኣበሳና ኻባና ኣዝዩ ኣርሒቕዎ።”

 ትርጉሙ፦ ኣምላኽ ይቕረ ኺብለልና ኸሎ፡ ንሓጢኣትና ኻብቲ ንሕና ኽንግምቶ እንኽእል ንላዕሊ እዩ ኻባና ዜርሕቖ። ምእንቲ ኺወቕሰና ወይ ኪቐጽዓና ኢሉ፡ ጸጸኒሑ ሓጢኣትና ኣየዘኻኽረናን እዩ።

 ዝንታ

 መዝሙር 31:7 “ጸበባይ ርኢኻ፡ ብርቱዕ ጭንቀይ ትፈልጥ ኢኻ።”

 ትርጉሙ፦ ኣምላኽ ነቲ ዅሉ እተሕልፎ ስቓይ፡ ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ። ዋላ ኣኳ ኻልኦት ኣይረድእዎ፡ ንሱ ነቲ ዓሚቝ ስምዒታትካ የስተብህለሉ እዩ።

 መዝሙር 34:18 “የሆዋ ነቶም ስቡር ዝልቦም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም መንፈሶም እተደቝሰ ኸኣ የድሕኖም።”

 ትርጉሙ፦ ኣምላኽ ኣብ ግዜ ጓሂኻ ኸም ዚድግፈካ ኣተስፍዩ ኣሎ። ንስቓይካ ምእንቲ ኽትክእሎ ሓይሊ ይህበካ እዩ።

 ሕማም

 መዝሙር 41:3 “የሆዋ ኣብ ዓራት ሕማሙ ኺድግፎ እዩ።”

 ትርጉሙ፦ ኣምላኽ ውሽጣዊ ሰላም፡ ሓይሊ፡ ተጻዋርነት፡ ከምኡ እውን ቅኑዕ ውሳነ ንኽትገብር ጥበብ ብምሃብ፡ ንሕማምካ ኽትጻወሮ ይሕግዘካ እዩ።

 ኢሳይያስ 33:24 “ካብቶም ነበርቲ ሓደ እኳ፡ “ሓሚመ” ኣይኪብልን እዩ።”

 ትርጉሙ፦ ኣምላኽ፡ ኵሎም ደቂ ሰብ ምሉእ ጥዕና ረኺቦም ዚሕጐሱሉ ግዜ ኺመጽእ ምዃኑ ኣተስፍዩ ኣሎ።

 ጸቕጢ

 መዝሙር 94:19 “ጭንቀት ምስ ወሓጠኒ፡ ንስኻ ኣጸናኒዕካንን ኣደዓዒስካንን ኢኻ።”

 ትርጉሙ፦ ኣብ ግዜ ጭንቅና ናብ ኣምላኽ ቍሊሕ ምስ እንብል ንኽንሃድእ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

 1 ጴጥሮስ 5:7 “ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ።”

 ትርጉሙ፦ ኣምላኽ በቲ እነሕልፎ ስቓይ ዘይግደስ ኣይኰንን። ብዛዕባ እቲ ዜጋጥመና ጸገማት ናብኡ ኽንጽሊ ይዕድመና እዩ።

 ውግእ

 መዝሙር 46:9 “ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ።”

 ትርጉሙ፦ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ንዅሉ ውግእ ከተጥፍኦ እያ።

 መዝሙር 37:11, 29 “ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም፣ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ። ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”

 ትርጉሙ፦ ሕያዎት ሰባት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ብሰላም ኪነብሩ እዮም።

 ብዛዕባ መጻኢ ምጭናቕ

 ኤርምያስ 29:11 “‘ኣነ ዝሓስበልኩም ዘለኹ ሓሳብሲ ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ’ ይብል የሆዋ፡ ‘ብሩህ መጻእን ተስፋን ክህበኩም፡ ሓሳብ ሰላም እምበር፡ ናይ መዓት ኣይኰነን።”

 ትርጉሙ፦ ኣምላኽ ንህዝቡ ኣብ መጻኢ ሕጉስ ህይወት ኪህልዎም ምዃኑ የረጋግጸሎም።

 ራእይ 21:4 “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”

 ትርጉሙ፦ ኣምላኽ ነዚ ሕጂ ዜጋጥመና ዘሎ ሕማቕ ነገራት ኬጥፍኦ ምዃኑ ኣተስፍዩ ኣሎ።

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ። (መዝሙር 83:18) “የሆዋ መን እዩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።