ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ምምራጽ ናጽነት እንታይ ይብል፧ ኣምላኽ ንዅሉ ይቈጻጸር ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ምምራጽ ናጽነት እንታይ ይብል፧ ኣምላኽ ንዅሉ ይቈጻጸር ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ኣምላኽ ናይ ምምራጽ ናጽነት ብምሃብ ኣኽቢሩና እዩ። ናይ ምምራጽ ናጽነት ኪብሃል ከሎ፡ ናይ ባዕልና ውሳነ ናይ ምግባር ክእለት የመልክት። እዚ ማለት፡ ተግባርና ብኣምላኽ ወይ ብዕድል ኣቐዲምካ እተወሰነ ኣይኰነን። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር ንርአ።

  •   ኣምላኽ ንሰባት ብመልክዑ እዩ ፈጢርዎም። (ዘፍጥረት 1:26) ስለዚ፡ ከምቶም መብዛሕትኡ ግዜ ብባህረት ዚመላለሱ እንስሳታት ኣይኰንናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከም ፍቕርን ፍትሕን ዝኣመሰለ ባህርያት ናይ ምንጽብራቕ ክእለት ስለ ዘሎና፡ ንፈጣሪና ንመስሎ ኢና። ከም ፈጣሪና ኸኣ፡ ናይ ምምራጽ ናጽነት ኣሎና።

  •   ንመጻኢና ናይ ምውሳን ሰፊሕ ኣጋጣሚ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ድምጺ ኣምላኽ ክንሰምዕ፡’ ማለት ትእዛዛቱ ኽንሕሉ፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ‘ህይወት ክንሓሪ’ የተባብዓና እዩ። (ዘዳግም 30:19, 20) ናይ ምምራጽ ናጽነት ዘይብልና እንተ ንኸውን ኔርና፡ እዚ መተባብዒ እዚ ትርጉም ኣልቦ ወይ ክፉእ ምዀነ። ኣምላኽ ‘ከምዚ ግበሩ’ ኢሉ ኣይግድደናን እዩ፣ የግዳስ፡ “ኣየ፡ ናብ ትእዛዛተይ ኣቕሊብካ እንተ ትኸውን! ሽዑ፡ ሰላምካ ኸም ፈለግ ምዀነ፡ ጽድቅኻ ድማ ከም ማዕበላት ባሕሪ ምዀነ ነይሩ” ኢሉ እዩ ብፍቕሪ ዚምሕጸነና።—ኢሳይያስ 48:18

  •   ኣሳልጦና ወይ ውድቀትና ብዕድል ኣይኰነን ዚውሰን። ኣሳልጦ ንምርካብ፡ ክንጽዕር ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኢድካ ኽትገብሮ እትረኽቦ ዘበለ፡ ብዅሉ ሓይልኻ ግበሮ” ይብል። (መክብብ 9:10) ብተወሳኺ እውን፡ “ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ” ይብል።—ምሳሌ 21:5

 ናይ ምምራጽ ናጽነት ካብ ኣምላኽ እተዋህበና ኽቡር ውህበት እዩ። ስለምንታይሲ፡ ንዕኡ ‘ብምሉእ ልብና፡’ ማለት ብድሌትና ኸነፍቅሮ የኽእለና እዩ።—ማቴዎስ 22:37

ኣምላኽ ንዅሉ ዚቈጻጸር ደይኰነን፧

 ኣምላኽ ኵሉ ዚኽእል ከም ዝዀነ፡ ማለት ብዘይካ ባዕሉ፡ ዋላ ሓደ ንሓይሉ ኺገትኦ ኸም ዘይክእል መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ። (እዮብ 37:23፣ ኢሳይያስ 40:26) ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ብሓይሉ ተጠቒሙ ንዅሉ ይቈጻጸር ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ምስታ ጸላኢት ህዝቡ ዝነበረት ጥንታዊት ባቢሎን ብዚተሓሓዝ፡ “ርእሰይ ገቲአ” ኸም ዝበለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ። (ኢሳይያስ 42:14) ብተመሳሳሊ፡ ነቶም ብናይ ምምራጽ ናጽነቶም ተጠቒሞም ንኻልኦት ዚጐድኡ ሰባት፡ ሕጂ ይዕገሶም ኣሎ። ንሓዋሩ ግና ኣይኪዕገሶምን እዩ።—መዝሙር 37:10, 11