ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣስቴር ፓርከር | ታሪኽ ህይወት

ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ውፉይ ዝዀነ ህይወት ክነብር እደሊ ነይረ

ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ውፉይ ዝዀነ ህይወት ክነብር እደሊ ነይረ

 ወለደይ ካብ ሕጻንነተይ ኣትሒዞም ሓቂ ስለ ዝመሃሩኒ ኣዝየ እየ ዘመስግኖም። በቲ ኣብታ ፓራዳይዝ ሎስት ቱ ፓራዳይዝ ገይንድ ዘርእስታ መጽሓፍ ዘሎ ስእልታትን ዛንታታትን ኣቢሎም ንየሆዋ ኸፍቅሮ ምሂሮምኒ እዮም። ነቲ እተምሃርክዎ ጐረባብትና ንዝዀኑ ቘልዑን ንኣቦሓጎይ ኪበጽሓና ኺመጽእ ከሎን ብውዕዉዕ ስምዒት አካፍሎም ነይረ። ወለደይ ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ስለ ዝነበሮም ካብ ኣስመራ፡ ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኢትዮጵያ ምስ ገዓዝና ምስቲ ሓድሽ ኵነታት ክንላመድ ሓጊዙና እዩ።

 ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ንሓቂ እፈትዋ ነይረ እየ። ርእሰይ ንየሆዋ ኽውፍን ክጥመቕን እደሊ ነይረ። ጓል 13 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣብዚ ሸቶይ ብምብጻሐይ ተሓጒሰ እየ። ጓል 14 ዓመት ምስ ኰንኩ ድማ ሓውና ሀልየ ሊንክ a ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ክሓስበሉ ሓቲቱኒ ነይሩ። ነታ ህሞት እቲኣ ፈጺመ ኣይርስዓን እየ። ኣቦይን ኣደይን ግዝያዊ ፈለምቲ (ሕጂ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዚብሃል) ኰይኖም የገልግሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ብዛዕባ ስሩዕ ፈላምነት ግና ብዙሕ ኣፍልጦ ኣይነበረንን። እታ ሓውና ሊንክ ዝሓተተኒ ሕቶ፡ ኣብ ዕዮ የሆዋ ዝያዳ ምእንቲ ኽገብር ኣብ ልበይ ዘርኢ ዘሪኣ እያ።

መንእሰይ ከለኹ ምስ ጆሳያ ሓወይ

ንመስጐጕቲ ምድላው

 እቲ ብ1974 ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቕልውላው፡ ማእሰርትን ቅትለትን ህውከትን ኣስዒቡ እዩ። ሽዑ፡ ኣብ በቤት ኬድና ኽንሰብኽ ኣይንኽእልን ኔርና፣ ኣኼባ ንገብር ዝነበረና ድማ በብንእሽቶ ጕጅለ ዄንና ኢና። ወለድና ንተወሳኺ ምጽራር ኬዳልዉና ጀሚሮም። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ትርጉም ክርስትያናዊ ገለልትነት ክንርዳእ ሓጊዙና እዩ። ሕቶታት ምስ እንሕተት መልሲ ኽንህብ የሆዋ ኸም ዚሕግዘና፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ስቕ ክንብል ከም ዜድልየና ተማሂርና ኢና።—ማቴዎስ 10:19፣ 27:12, 14

AFP PHOTO

ብ1974 ኣብ እዋን ናዕቢ

 ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ፡ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኽሰርሕ ጀሚረ። ሓደ ንግሆ ናብ ስራሕ ክኣቱ ኸለኹ፡ መሳርሕተይ፡ ‘ሰልፊ ዓመታዊ በዓል መንግስቲ ኽትመርሒ ስለ እተመረጽኪ እንቋዕ ሓጐሰኪ’ ኢሎምኒ። ኣነ ድማ ብኡብኡ ብምኽንያት ክርስትያናዊ ገለልትነተይ ኣብቲ ጽምብል ከም ዘይሳተፍ ንሓለቓይ ነጊረዮ።

 ንጽብሒቱ፡ ኣብ ስራሕ ከለኹ ብርሕቀት ጠበናጁ እተዓጥቁ ሰብኡት ናብቲ መቐበል ትኬት ገጾም ኪመጹ ኸለዉ ረኣኹ። ንሓደ ኻብ ሃገር ዜምልጥ ዘሎ ሰብ ንኺኣስሩ ዝመጹ እዩ መሲሉኒ ነይሩ፣ ኣጻብዖም ግና ናባይ እየን ዜመልክታ ነይረን። ስለምንታይ እዮም ንዓይ ዝደልዩኒ ነይሮም፧ እቲ ልሙድ ዝነበረ መዓልቲ ስራሕ ሃንደበት ተቐየረ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝረኸብክዎ ሓገዝ

 ወተሃደራት ናብቲ ንነዊሕ ሰዓታት እተመርመርኩሉ መመርመሪ ኽፍሊ ወሲዶምኒ። ኣብኡ ድማ፡ “ንናይ የሆዋ መሰኻኽር መን እዩ ዚኸፍሎም፧ ኣባል ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዲኺ፧ ንስኺ ወይ ኣቦኺ ምስ መንግስቲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ርክብ ኣሎኩምዶ፧” ብምባል ኣትሪሮም ይሓትቱኒ ነይሮም። እቲ ዅነታት ኣዝዩ ዜጨንቕ እኳ እንተ ነበረ፡ ሳላ ሓገዝ የሆዋ ግና ህድኣት ተሰሚዑኒ እዩ።—ፊልጲ 4:6, 7

 ድሕሪ እቲ ምርመራ፡ እቶም ወተሃደራት ናብ ሓንቲ ኻብ መንበሪ ናብ ቤት ማእሰርቲ እተቐየረት 28 ትርብዒት ሜተር ዝስፍሓታ ቤት ወሰዱኒ፣ እታ ኽፍሊ ብ15 ዝዀና ናይ ፖለቲካ እሱራት ኣዋልድ ዝመልአት እያ ነይራ።

ሰራሕተኛ መገዲ ኣየር ከለኹ

 ኣብታ ምሸት እቲኣ፡ ክዳን መገዲ ኣየር ተኸዲነ ኣብ ባይታ ዀይነ ብዛዕባ ስድራይ እጭነቕ ነይረ። ከም እተኣሰርኩ ይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣበይ ከም እተኣሰርኩ ግና ኣይፈለጡን እዮም ነይሮም። ስድራይ ነቲ እተኣሰርኩሉ ቦታ ምእንቲ ኺረኽብዎ ኺሕግዞም ንየሆዋ ለሚነዮ።

 ንጽብሒቱ ንግሆ፡ ካብ ድቃሰይ ምስ ተበራበርኩ፡ ሓደ ዝፈልጦ መንእሰይ ሓላዊ ረኣኹ። ንሱ ድማ ደንጽይዎ፡ “ኣስቴር ኣብዚ እንታይ ትገብሪ ኣለኺ፧” ኢሉኒ። ኣነ ኸኣ ኣበይ ከም ዘለኹ ንስድራይ ክነግሮም ለሚነዮ። ጸኒሑ፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ወለደይ ምግብን ክዳንን ልኢኾምለይ። ከመይሲ፡ እቲ ሓላዊ ኣበይ ከም ዘለኹ ስለ ዝነገሮም እዩ። የሆዋ ንጸሎተይ መሊሱለይ እዩ። እቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ በይነይ ከም ዘይኰንኩ ኣዘኻኺሩኒ እዩ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ፡ ካልእ ጽሑፋት ክሕዝ ከምኡ እውን ስድራ ቤተይን ፈተውተይን ኪበጽሑኒ ኣይተፈቕደለይን። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ በተን መተኣስርተይ ገይሩ ኣተባቢዑኒ እዩ። መዓልታዊ እሰብከለን ነይረ፣ እቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቅታት ድማ ይስሕበን ነይሩ። ብዙሕ ግዜ፡ “ንሕና ምእንቲ ሰብኣዊ መንግስቲ ኢና እንቃለስ፡ ንስኺ ግና ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኢኺ እትቃለሲ፣ ስለዚ፡ ዋላ እኳ ኸም ዚቐትሉኺ እንተ ኣፈራርሁኺ፡ ኣጆኺ ኸይትለማለሚ” ይብላኒ ነይረን።

 ሓድሓደ ግዜ፡ እቶም ሓለውቲ ነቶም እሱራት ይምርምርዎምን ይወቕዕዎምን ነይሮም። ሓደ ለይቲ፡ ከባቢ ሰዓት 11:00 ኣቢሉ ናባይ መጹ። ኣብቲ መመርመሪ ኽፍሊ ምስ በጻሕና፡ ብዙሕ ክስታት ኣቕረቡለይ፣ ገለ ኻብኡ፡ “ንመንግስቲ ኣይትድግፍን ኢኺ፧” ዚብል እዩ። ፖለቲካዊ ጭርሖ ምጭራሕ ስለ ዝኣበኹ ኸኣ ክልተ ሓለውቲ ወቒዖምኒ። እቶም ሓለውቲ ናብቲ መመርመሪ ኽፍሊ ብተደጋጋሚ ይወስዱኒ ነይሮም። ኵሉ ግዜ፡ ብጽኑዕ ናብ የሆዋ እጽሊ ነይረ፣ ንሱ ድማ ደጊፉኒ እዩ።

 ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ፡ ሓደ ኻብቶም ሓለውቲ ኸም እተፈታሕኩ ነጊሩኒ። በዚ ኣዝየ እኳ እንተ ተሓጐስኩ፡ ነተን መተኣስርተይ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ደጊም ክሰብከለን ስለ ዘይክእል ግና ቍሩብ ተሰሚዑኒ እዩ።

 ምስ ተፈታሕኩ እተወሰነ ኣዋርሕ ጸኒሑ፡ ኣብ ቤት ኣብ ዘይነበርኩሉ እዋን፡ ወተሃደራት ንዅሎም መንእሰያት ኣባላት ስድራ ቤትና ኺኣስርዎም መጹ። ሽዑ ድማ ንኽልተ ኣሓተይን ንሓደ ሓወይን ኣሰርዎም። ድሕሪኡ፡ ካብታ ሃገር ክወጽእ ዝሓሸ ኸም ዝዀነ ወሲነ። ንኻልኣይ ሳዕ ካብ ስድራ ቤተይ ምፍልላይ እኳ እንተ ኸበደኒ፡ ኣደይ ግና ክተብዕን ኣብ የሆዋ ኽእመንን ኣተባቢዓትኒ እያ። ድሕሪኡ፡ ናብታ ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትኸይድ ነፋሪት ተሰቒለ። በታ ምሸት እቲኣ ወተሃደራት ንኻልኣይ ግዜ ኽኣስሩኒ ናብ ገዛና መጹ። ኣብ ገዛይ ስለ ዘይረኸቡኒ ግና ብፍጥነት ናብ መዕርፎ ነፈርቲ መጹ። እንተ ዀነ ግና፡ ኣየርከቡንን።

 ድሕሪኡ፡ ኣብ ሜሪላንድ በጺሐ፡ ኣብኡ ድማ ሃይውድ ዋርድን ጃን ዋርድን ዚብሃሉ ንወለደይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሑሎም ሚስዮናውያን ተቐቢሎምኒ። ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ ድማ ነቲ ፈላሚት ክኸውን ዝነበረኒ ሸቶ ወቓዕክዎ። ሲንዲ ጓል ዋርድ ከኣ መገላግልተይ ኰይና፡ ብዕዮ ፈላምነት ድማ ምስኣ ብዙሕ ጽቡቕ ግዜ ኢና ኣሕሊፍና።

ኣብ ዕዮ ፈላምነት መገላግልተይ ምስ ዝነበረት ሲንዲ ዋርድ

ኣብ ቤት-ኤል ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ዘሕለፍክዎ ግዜ

ምስ ሰብኣየይ ኣብ ዎልኪል፡ ኒው ዮርክ ኣብ ቤት-ኤል ከነገልግል ከለና

 ኣብ ሓጋይ 1979፡ ኣብ ኒው ዮርክ ናብ ዚርከብ ቤት-ኤል ዑደት ክገብር ምስ ከድኩ፡ ምስ ወስሊ ፓርከር ተላሊና። ነቲ ጽቡቕ ባህርያቱን መንፈሳዊ ሸቶታቱን ኣድኒቐዮ። ስለዚ፡ ብ1981 ተመርዓና፣ ምስ ወስሊ ኣብ ቤት-ኤል ከገልግል ድማ ናብ ዎልኪል፡ ኒው ዮርክ ገዓዝኩ። ኣብኡ፡ ኣብ ጽሬት ገዛን ኣብ ክፍሊ ሕጽቦን ጸኒሐ ድማ ኣብ ክፍሊ ኮምፒዩተር ምስ ጕጅለ መፕስ ዓይየ እየ። ኣብ ቤት-ኤል ምግልጋለይ፡ ብምሉእ ነፍሰይ ንየሆዋ ኸገልግሎን ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ነባሪ ዕርክነት ክምስርትን ኣጋጣሚ ኸፊቱለይ እዩ።

 ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ስድራ ቤተይ ሓያል መስጐጕቲ የሕልፉ ስለ ዝነበሩ፡ የጨንቐኒ ነይሩ።ክልተ ኣሓተይን ሓደ ሓወይን ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ b እዮም ነይሮም። እቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ምግቢ ስለ ዘየቕርብ ኣደይ መዓልታዊ ምግቢ ተዳልወሎምን ተብጻሓሎምን ነይራ።

 ኣብቲ ዜጨንቕ እዋናት፡ የሆዋ መዕቈቢ ዀይኑለይ፡ ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ድማ ኣጸናኒዖምንን ደጊፎምንን እዮም። (ማርቆስ 10:29, 30) ኣብ ሓደ እዋን፡ ሓውና ጆን ቡስ፡ “ኣብ ቤት-ኤል ምሳና ምግልጋልኪ ኣዚና ሕጉሳት ኢና። ብበረኸት የሆዋ እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ ኣብዚ ኣይምሃለኽን” c ኢሉኒ። እዘን ብለውሃት እተዘርባ ቓላት፡ ነቲ ኻብ ኢትዮጵያ ኽወጽእ ዝገበርክዎ ውሳነ፡ የሆዋ ኸም ዝባረኾ፡ ንስድራይ ከም ዚሓልየሎም ድማ ኣረጋጊጸናለይ እየን።

ብስድራ ቤት ንየሆዋ ምግልጋል

 ኣብ ጥሪ 1989፡ ጥንስቲ ኸም ዝዀንኩ ፈሊጥና። ኣብ ፈለማ ኣዚና ኢና ሰምቢድና፡ ድሕሪ እተወሰነ መዓልትታት ግና፡ ስምባድና ናብ ሓጐስ ተቐዪሩ። እንተዀነ ግና፡ እንታይ ዓይነት ወለዲ ኸም እንኸውን፡ ኣበይ ከም እንነብር፡ ካብ ቤት-ኤል ምስ ወጻእና ብኸመይ ከም እንናበር ኣተሓሳሲቡና ነይሩ እዩ።

 ብ15 ሚያዝያ 1989፡ ንብረትና ብመኪና ጽዒንና፡ ናብቲ ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል ዝመደብናዮ ናብ ኦሪገን ገዓዝና። ኣብኡ ምስ በጻሕና ብዙሕ ከይጸናሕና፡ ፈተውትና ብቕኑዕ ድራኸ ተበጊሶም ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል ምኽንያታዊ ኸም ዘይኰነ ነጊሮምና። ሓቂ እዩ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ርኹባት ኣይነበርናን፡ ብጽሕቲ ወርሒ ኸኣ እየ ነይረ። እሞ ደኣ እንታይ ኢና ኽንገብር፧ ሽዑ፡ ሓላው ወረዳ ዝነበረ ጋይ ፒርስን ሰበይቱ ፐኒን ምብጻሕ ገይሮምልና። d ኣብቲ ዘውጻእናዮ ሸቶ ኽንጸንዕ ድማ ኣተባቢዖምና። ስለዚ፡ ዕዮ ፈላምነት ጀሚርና፡ የሆዋ ኸም ዚሕግዘና ኸኣ ተኣማሚንና። (ሚልክያስ 3:10) እቲ በኹሪ ወድና ልሙኤልን እቲ ኻልኣይ ወድና ዝዀነ ጀደንን ምስ ተወልዱ እውን፡ ፈለምቲ ዄንና ምግልጋልና ቐጺልና ኢና።

 ነቲ ቘልዑ እናኣዕበና ፈለምቲ ዄንና ዘሕለፍናዮ ተመክሮ ኣዚና ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ። ኣገልግሎት ፈላምነት፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦትን ንደቅናን ከነካፍል ብዙሕ ኣጋጣሚ ኸፊቱልና እዩ። (ዘዳግም 11:19) እንተዀነ ግና፡ እቲ ሳልሳይ ወድና ጆፍታሄ ምስ ተወልደ፡ ኣገልግሎት ፈላምነት ንግዜኡ ደው ከነብል ነይሩና እዩ።—ሚክያስ 6:8

ደቅና ንየሆዋ ኼገልግልዎ ምሂርናዮም

 ከም ወለዲ መጠን እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ሓላፍነት፡ ንዅሎም ደቅና የሆዋ ጋህዲ ኪዀነሎም ምግባርን ምስኡ ናይ ብሕቲ ርክብ ኪምስርቱ ምሕጋዝን ምዃኑ ተገንዚብና ኢና። ከምዚ ንምግባር፡ ኣምልኾ ስድራ ቤት ብሃንቀውታ ዚጽበይዎ ነገር ኪዀነሎም ጽዒርና ኢና። ቈልዑ ኸለዉ፡ ንመጽሓፍ ልስኒን ቱ ዘ ግሬት ቲቸርን ንመጽሓፍ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ዛንታታትን ብሓባር ኴንና ነንብብን ኔርና። ንገሊኡ ዛንታታት ድማ ንዋስኦ ኔርና። ኣብ ገዛና ጓል ኣንስተይቲ ኣነ ጥራይ ስለ ዝዀንኩ፡ ንዛንታ ኢዛቤል ክንዋሳእ ከለና፡ ከም ኢዛቤል ኰይነ እዋሳእ ነበርኩ። ደቅና ኻብቲ ሶፋ ኽደፍኡኒ ደሓር ድማ ከም ኣኽላባት ኰይኖም ኪዋስኡ ባህ ይብሎም ነይሩ። ኣብ ርእሲ እቲ እንገብሮ ኣምልኾ ስድራ ቤት፡ ወስሊ ንደቅና በበይኖም ገይሩ መጽናዕቲ ይመርሓሎም ነይሩ።

 ንደቅና ንፈትዎምን ንሓልየሎምን ኔርና፣ ከምኡ ድማ ንሓድሕድና ምእንቲ ኽንቀራረብ ንጽሊ ኔርና። እናዓበዩ ምስ ከዱ ድማ ዕዮ ገዛ ምሂርናዮም። ስለዚ፡ ኣቕሑ ይሓጽቡ፡ ክፍሎም የጽርዩ፡ ክዳውንቶም ይሓጽቡ ነይሮም እዮም። ብዘይካዚ፡ ምኽሻን እውን ተማሂሮም እዮም።

 ደቅና ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ንሕና እውን ተማሂርና ኢና። ንደቅናን ንሓድሕድናን ብዘይ ለውሃት እተዛረብናሉ ግዜ ነይሩ እዩ፣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት ትሕትና ኣርኢናን ይቕረ ተባሃሂልናን ኢና።

 ብዙሕ ግዜ፡ ደቂ ጉባኤና፡ ቤት-ኤላውያን፡ ሚስዮናውያን፡ ገየሽቲ ሓለውቲ ኸምኡ እውን ነቶም ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ኸይዶም ዜገልግሉ ንዕድም ኔርና ኢና። (ሮሜ 12:13) ምስ ኣጋይሽ ግዜ ኸነሕልፍ ከለና፡ ደቅና ናብ ካልእ ክፍሊ ኸይዶም ኪጻወቱ ኣይንገብርን ኢና። የግዳስ፡ ምሳና ኾፍ ኢሎም ዕላልን ተመክሮን ኪሰምዑ ኢና እንገብር። ደቅና ነቲ ዕላል መብዛሕትኡ ግዜ ኻባይን ካብ ወስሊን ንላዕሊ እዮም ዚዝክርዎ።

 ኣነን ወስሊን ህይወትና ብኣገልግሎት የሆዋ ትሕዝቲ ኽትከውን ጽዒርና ኢና። ንኣብነት፡ ናብ እተፈላለያ ሃገራት ምእንቲ ኽንከይድ፡ ኣቐዲምና ንውጥን፡ ገንዘብን ዕረፍትን ድማ ነዋህልል ኔርና። ኣብ ዝኸድናዮ ሃገር፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዑደት ንገብር፡ ኣኼባ ንእከብ፡ ኣብ ኣገልግሎት እውን ንካፈል ኢና። እዚ ድማ ንዓለምለኻዊ ውድብ የሆዋ ኸነድንቕን ኣብ ንሓድሕድና ኽንቀራረብን ሓጊዙና እዩ።

ብ2013 ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዝዀነ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ብስድራ ቤት ዑደት ክንገብር ከለና

ኣብ ኣገልግሎትና ምሉእ ብምሉእ ውፉያት ኴንና ቐጺልና ኢና

 ኣብ ክልና ሓያሎ ተዛረብቲ ስጳንኛ እኳ እንተ ነበሩ፡ ብስሩዕ ከም ዘይተሰብከሎም ግና ኣስተብሂልና ኔርና። ስለዚ፡ ደቅና ገና ንኣሽቱ ኸለዉ፡ ብቛንቋ ስጳንኛ ናብ እትምራሕ ጉባኤ ኽንጽንበር ንሓውና ፒርስ ሓሳብ ኣቕሪብናሉ። ንሱ ድማ ፍሽኽ ኢሉ፡ “ገፈፍቲ ዓሳ እንተ ዄንኩም፡ ዓሳ ናብ ዘለዎ ኺዱ” በለና። በዚ ተተባቢዕና ኸኣ ኣብ ውድበርን፡ ኦሪገን ናብ እትርከብ ብቛንቋ ስጳንኛ ናብ እትምራሕ ጉባኤ ተጸምበርና። ኣብኡ ዕቤት ዚገብሩ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀሚርና፡ ንገሊኦም ኪጥመቑ ሓጊዝናዮም፡ እታ ንእሽቶ ጕጅለ ስጳንኛ ኸኣ ጉባኤ ዀይና።

 ኣብ ሓደ እዋን፡ ወስሊ ስራሑ ሰኣነ፡ ኣብ ካሊፎርንያ ሓድሽ ስራሕ ስለ ዝረኸበ ድማ ናብኡ ገዓዝና። ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ኣነን ልሙኤልን ጀደንን ፈለምቲ ኽንከውን ወሲንና። ብ2007 ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ ምስ ደቅና ናይ ምክፋል ኣጋጣሚ ስለ ዝረኸብኩ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ ምስ ተኻፈልና ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ኣብ ክልና ብዙሓት ተዛረብቲ ቛንቋ ዓረብኛ ኸም ዘለዉ ኣስተብሂልና። ስለዚ፡ ን13 ዓመት ኣብ ክሊ ስጳንኛ ምስ ኣገልገልና፡ ስድራና ናብ ጉባኤ ቛንቋ ዓረብኛ ኽትጽምበር ወሲና። ኣብ ክልና ንዚርከቡ ቛንቋ ተዛረብቲ ዓረብኛ ንዝዀኑ ስደተኛታት ምስባኽና፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዚግበር ፍሉይ ወፈራ ስብከት ምክፋልና፡ ኣሐጒሱና እዩ። ኣብ ክሊ ዓረብኛ ኣብ ሳን ዲያጎ፡ ካሊፎርንያ ፈለምቲ ዄንና ምግልጋልና ቐጺልና ኢና።

 ወስሊ ንፉዕ ሰብኣይን ንፉዕ ርእሲ ስድራ ቤትን እዩ። ንውድብ የሆዋ ድማ ዓሚቝ ኣኽብሮት ኣለዎ። ብዛዕባ ቤት-ኤልን ብዛዕባ መሰናድዎታት ጉባኤን ኣሉታዊ ነገራት ፈጺሙ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን እዩ። የግዳስ፡ ወትሩ ኣወንታዊ ነገራት እዩ ዚዛረብ። ምሳይ ኰይኑ ይጽሊ፡ ብዛዕባይ ይጽሊ፣ ጸሎቱ ኸኣ ዜጨንቕ ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ ኽጸናናዕን ክሃድእን ሓጊዙኒ እዩ።

 ምልስ ኢለ ብዛዕባ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት፡ ብዛዕባ ምዕባይ ቈልዑ፡ ብዛዕባ ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ጉባኤ ምግልጋል ክሓስብ ከለኹ፡ ኣዝየ እየ ዝሕጐስ። የሆዋ ነቶም ቀዳምነት ዚህብዎ ኸም ዚባርኾም ርኢና፣ ገለ ነገር እውን ኣይጐደለናን። (መዝሙር 37:25) ንየሆዋ ውፉይ ኴንካ ምግልጋል ምምራጽ፡ ካብቲ ዝገበርክዎ ውሳነታት እቲ ዝበለጸ ኸም ዝዀነ ርግጸኛ ኪኸውን ገይሩኒ እዩ።—መዝሙር 84:10

ካብ ጸጋም፦ ጆፍታሄ፡ ልሙኤል፡ ኣነ፡ ጄደን ከምኡ እውን ወስሊ

a ሓውና ሊንክ ኣብታ ንዕዮ ኢትዮጵያ እትከታተል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኬንያ ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ።

b ክልተ ኣሓተይን ሓደ ሓወይን ኣርባዕተ ዓመት ምስ ተኣስሩ ተፈቲሖም።

c ሓውና ቡስ ብ1996 ምድራዊ ህይወቱ ኽሳዕ ዚውድእ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ።

d ጸኒሑ፡ ሓውና ፒርስ ብ2014 ምድራዊ ህይወቱ ኽሳዕ ዚውድእ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ።