ካብ የሱስ ተምሃር

ዓመጻ መፍትሒ ኣይኰነን

ዓመጻ መፍትሒ ኣይኰነን

 ሎሚ፡ ሓያሎ ሰባት ግጭት ወይ ፍታሕ ዜድልዮ ጸገማት ምስ ዜጋጥሞም፡ ብዓመጻ ኸም ዚፍታሕ እዮም ዚኣምኑ። ግናኸ፡ እዚ ኣተሓሳስባ ምስ ትምህርትን ኣብነትን የሱስ ክርስቶስ ዚጋጮ እዩ። ንገለ ኻብቲ ንሱ እተዛረቦን ዝገበሮን እስከ ንመርምር።

የሱስ እንታይ ኢሉ፧

 የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት፡ ዘይምስምማዕ ብቝጥዓን ብነድርን ብዓመጻን ከም ዘይፍታሕ ምሂሩ ነይሩ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

  •   “ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩሎም።” (ማቴዎስ 7:12፣ ሉቃስ 6:31) እዛ ምኽሪ እዚኣ ወርቃዊት ሕጊ ተባሂላ ትፍለጥ፡ a በቲ ንዓና ኺሕዙና እንደልዮም መገዲ ንኻልኦት ክንሕዞም ድማ ተተባብዕ። ከምቲ ኻልኦት ንዓና ብዓመጻ ኺሕዙና ዘይንደሊ፡ ንሕና እውን ዘይምርድዳእ ዋላ እኳ እንተ ኣጋጠመና ንኻልኦት ሰባት ብኣኽብሮትን ብለውሃትን ክንሕዞምዶ ኣይግባእን፧

  •   “የማነይቲ ምዕጕርትኻ ንዚጸፍዓካ ዘበለ፡ እታ ኻልአይቲ ምለሰሉ።” (ማቴዎስ 5:38, 39፣ ሉቃስ 6:29) የሱስ ካልኦት ኪብድሉና ኽንዕድም ኣይኰነን ዚምህር ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት ብዛዕባ ምፍዳይ ሕነ ዚምህርዎ ዝነበሩ ግጉይ ሓሳባት እዩ ዚእርም ነይሩ። የሱስ ንሰዓብቱ ዋላ እውን ካልኦት ኪገፍዕዎም ከለዉ ሕነ ኣብ ክንዲ ዚፈድዩ ብልእመት ኪምልሱ እዩ ነጊርዎም። b

  •   “ጸላእትኹም ኣፍቅሩ።” (ማቴዎስ 5:43, 44፣ ሉቃስ 6:27) የሱስ ነቶም ዚጸልኡና ወይ ዚገፍዑና ብለውሃት ክንሕዞም እዩ ምሂሩ። ግናኸ፡ ነቲ ግጉይ ተግባራቶም ንድግፎ ማለት ኣይኰነን። c ይኹን እምበር፡ ነቶም ዚጸልኡና ብለውሃት እንተ ሒዝናዮም፡ ቍጥዓኦም ኪዝሕልን ብለውሃት ኪሕዙና ኺለዓዓሉን ይኽእሉ ይዀኑ።

የሱስ እንታይ ገይሩ፡ እንታይከ ኺገብር እዩ፧

 የሱስ ነቲ ዝብሎ ዝነበረ ብተግባር ብምርኣይ፡ ዓመጻ መፍትሒ ኸም ዘይኰነ ምሂሩ እዩ። ኣብታ እተታሕዘላ ምሸት፡ ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ ኺከላኸለሉ ምስ ፈተነ፡ የሱስ ግና ከምዚ በለ፦ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም፡ ብሰይፊ ኺጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ሰፈራ ምለሳ።” (ማቴዎስ 26:52) የሱስ ነቶም ዚገፍዕዎ ዝነበሩ ይቕረ ብምባልን ንዓታቶም ብምጽላይን ንጸላእቱ ፍቕሪ ኣርእዩ እዩ።—ሉቃስ 23:33, 34፣ 1 ጴጥሮስ 2:23

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ከም መስፍን ሰላም መጠን ንዓመጻ መወዳእታ ኸም ዚገብረሉ የተስፍወና እዩ። (ኢሳይያስ 9:6, 7) ብዛዕባ እዚ ዜደንቕ መጻኢ ንምፍላጥ ነታ “ውግእን ዓመጻ ዝመልኦ ግጭትን ዜብቅዕ ብኸመይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብባ።

a ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ነታ “ወርቃዊት ሕጊ እንታይ እያ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብባ።

b ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ነታ “‘ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ’ እንታይ ማለት እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብባ።

c ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ነታ “‘ጸላእትኹም ኣፍቅሩ’ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብባ።