ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ጸላእትኹም ኣፍቅሩ” ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

“ጸላእትኹም ኣፍቅሩ” ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

 የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት፡ “ጸላእትኹም ኣፍቅሩ” ኢሉ ነይሩ። (ማቴዎስ 5:44፣ ሉቃስ 6:27, 35) እተን ቃላቱ ንዚጸልኡና ወይ ንዚገፍዑና ፍቕሪ ኸነርእዮም ከም ዘለና ዘርእያ እየን።

 የሱስ ንዝገፍዕዎ ይቕረ ብምባል ንጸላእቱ ኣፍቂሩ እዩ። (ሉቃስ 23:33, 34) እቲ ንጸላእትኻ ብዛዕባ ምፍቃር ዝመሃሮ ትምህርትታት፡ ምስቲ ብልምዲ ብሉይ ኪዳን ተባሂሉ ኣብ ዚፍለጥ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዘሎ ሓሳብ ዚሰማማዕ እዩ።—ዘጸኣት 23:4, 5፣ ምሳሌ 24:17፣ 25:21

 ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ምእንቲ እቶም ዚሰጕጉኹም እውን ጸልዩ።”ማቴዎስ 5:43, 44

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ

 ንጸላእትኻ ኸተፍቅር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

  •   ኣምላኽ ኣብነት ሰሪዑልና እዩ። ኣምላኽ፡ “ንዘየመስግኑን ንእኩያትን ለዋህ እዩ።” (ሉቃስ 6:35) እወ፡ “ንሱ ንእኩያት . . . ጸሓዩ የብርቕ” እዩ።—ማቴዎስ 5:45

  •   ፍቕሪ ንጸላኢካ ኪቕየር ክትድርኾ ትኽእል እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ንጸላኢና ብለውሃት ክንሕዞ ይምዕደና እዩ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ‘ጓህሪ ኣብ ርእሱ ኽንኵምር’ ኢና። (ምሳሌ 25:22) እዚ ኣባሃህላ እዚ፡ ክቡር ብረት ካብ ሓመድ ብረት ብሓዊ ኣምኪኽካ ንምፍላይ ምስ ዚግበር መስርሕ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ንሓደ ዚጸልኣና ሰብ እንተ ለዊህናሉ፡ ንቝጣዓኡ ኣምኪኽና ነቲ ጽቡቕ ባህርያቱ ኸም ዚወጽእ ክንገብር ንኽእል ኢና።

 ንጸላእትኻ ኸተፍቅረሉ እትኽእል ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

  •   “ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ።” (ሉቃስ 6:27) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጸላኢኻ እንተ ጠምዩ፡ ኣብልዓዮ፣ እንተ ጸሚኡ፡ ኣስትዮ” ይብል። (ሮሜ 12:20) ንጸላኢኻ ፍቕሪ ኸተርእየሉ እትኽእል ካልእ መገዲ ድማ ነታ፡ “ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ እውን፡ ንስኻትኩም ከምኡ ግበሩሎም” እትብል ወርቃዊት ሕጊ ብምትግባር እዩ።— ሉቃስ 6:31

  •   “ንዚረግሙኹም መርቑ።” (ሉቃስ 6:28) ጸላእትና ሕማቕ እንተ ገበሩና እውን ብለውሃት ብምዝራብን ሓልዮት ብምርኣይን ንምርቖም ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ። ኣብ ክንዳኡስ፡ . . . ባርኹ” ይብል እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:9) እዚ ምኽሪ እዚ፡ ንዓንኬል ጽልኢ ኽንሰብሮ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

  •   “ምእንቲ እቶም ዚጸርፉኹም ጸልዩ።” (ሉቃስ 6:28) ሓደ ሰብ እንተ ጸሪፉካ፡ “ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ” ኣይትፍደ። (ሮሜ 12:17) ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣምላኽ ይቕረ ምእንቲ ኺብሎ ለምነሉ። (ሉቃስ 23:34፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:59, 60) ሕነ ኣይትፍደ፣ የግዳስ፡ በቲ ፍጹም ስርዓታቱ ምእንቲ ኺፈርዶ ንኣምላኽ ሕደገሉ።—ዘሌዋውያን 19:18፣ ሮሜ 12:19

 “ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፣ ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ፣ ንዚረግሙኹም መርቑ፣ ምእንቲ እቶም ዚጸርፉኹም ጸልዩ።”— ሉቃስ 6:27, 28

  •   “ዓቃልን ለዋህን” ኩን። (1 ቈረንቶስ 13:4) እቲ ክርስትያን ዝዀነ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ፍቕሪ ንምግላጽ እተጠቕመላ ናይ ግሪኽኛ ቓል (ኣጋፐ) ምስተን ኣብ ማቴዎስ 5:44ን ሉቃስ 6:27, 35ን ዚርከባ ቓላት ተመሳሰሊት እያ። ቅንእን ትዕቢትን ንቕጽናን ኣወጊድና፡ ዓቓላትን ለውሃትን ብምዃን ንጸላእትና ክርስትያናዊት ፍቕሪ ኸነርእዮም ንኽእል ኢና።

 ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ። ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ኣይትጀሃርን፡ ኣይትንፋሕን፡ ስዲ ኣይኰነትን፡ ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን፡ ኣይትቝጣዕን፡ ኣይትቕየምን እያ። ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጻ ኣይትሕጐስን እያ። ኵሉ ኽኢላ ትነብር፡ ኵሉ ትኣምን፡ ኵሉ ተስፋ ትገብር፡ ኵሉ ትጻወር። ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ።”1 ቈረንቶስ 13:4-8

 ምስ ጸላእትኻ ኽትዋጋእ ኣሎካ ድዩ፧

 ኣይፋልን። ከመይሲ፡ የሱስ ንሰዓብቱ ምስ ጸላእቶም ኪዋግኡ ኸም ዘይብሎም እዩ ምሂርዎም። ንኣብነት፡ የሩሳሌም ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ኼጠንቅቖም ከሎ፡ ኣብታ ኸተማ ጸኒሖም ኪዋግኡ ዘይኰነስ፡ ካብኣ ኪሃድሙ እዩ ነጊርዎም። (ሉቃስ 21:20, 21) ብዘይካዚ፡ የሱስ ንሃዋርያ ጴጥሮስ፦ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም፡ ብሰይፊ ኺጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ሰፈራ ምለሳ” ኢልዎ እዩ። (ማቴዎስ 26:52) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ካልእ ናይ ታሪኽ መጻሕፍትን ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰዓብቲ የሱስ ምስ ጸላእቶም ኣይተዋግኡን። a2 ጢሞቴዎስ 2:24

 ንጸላእትኻ ብዛዕባ ምፍቃር ዘሎ ግጉይ ርድኢት

 ግጉይ ርድኢት፦ ሕጊ ኣምላኽ፡ እስራኤላውያን ንጸላእቶም ኪጸልኡ ይእዝዝ ነይሩ።

 ሓቂ፦ እቲ ሕጊ ኸምዚ ዓይነት ትእዛዝ ኣይነበሮን። እኳ ደኣስ፡ እስራኤላውያን ንብጾቶም ኬፍቅሩ እዩ ዚእዝዝ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 19:18) እታ “ብጻይ” እትብል ቃል፡ ንኻልኦት ሰባት ተመልክት እኳ እንተ ዀነት፡ ገሊኦም ኣይሁድ ግና፡ እዛ ቓል ኣብ ኣይሁድ ጥራይ ከም እትውዕል ብምሕሳብ፡ ኣይሁድ ንዘይኰኑ ሰባት ከም ጸላእቶም ኪርእይዎም ከም ዘለዎም ይኣምኑ ነይሮም እዮም። (ማቴዎስ 5:43, 44) የሱስ ግና፡ ምሳሌ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ብምዝንታው ነቲ ግጉይ ኣረኣእያኦም ኣሪምዎ እዩ።—ሉቃስ 10:29-37

 ግጉይ ርድኢት፦ ንጸላእትኻ ምፍቃር ማለት፡ ነቲ ሕማቕ ኣካይዳኦም ምቕባል ማለት እዩ።

 ሓቂ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ሰብ፡ ነቲ ሕማቕ ኣካይዳኡ ኸይተቐበልና ኸነፍቅሮ ኸም እንኽእል ይገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ የሱስ ዓመጻ ዀኒኑ እዩ፣ እንተዀነ ግና ነቶም ዝቐተልዎ ጸልዩሎም እዩ። (ሉቃስ 23:34) ብዘይካዚ፡ ሓጢኣት ይጸልእ እዩ፣ ኰይኑ ግና ህይወቱ ምእንቲ ሓጥኣን ሂቡ እዩ።—ዮሃንስ 3:16፣ ሮሜ 6:23

a አርነስት ዊልያም በርነስ፡ ኣብታ ዘ ራይዝ ኦፍ ክርስትያኒቲ ዘርእስታ መጽሓፉ ኸምዚ ዚስዕብ ኢሉ ኣሎ፦ “ንዅሉ ሓበሬታ ብጥንቃቐ ምስ እንምርምሮ፡ ክሳዕ ማርኩስ ኦርዩሉስ [ሃጸይ ሮሜ ኻብ 161 ክሳዕ 180 ድ.ክ.] ዋላ ሓደ ክርስትያን ወተሃደር ከም ዘይነበረ፡ ዋላ ሓደ ወተሃደር ክርስትና ምስ እተቐበለ ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከም ዘይጸንሐ ኽንርኢ ንኽእል ኢና።”