ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

Maremagnum/Corbis Documentary via Getty Images

ንቕሑ!

ኣርማጌዶን ኣብ እስራኤል ድዩ ዚጅምር፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣርማጌዶን ኣብ እስራኤል ድዩ ዚጅምር፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ንኣርማጌዶን፡ ኣብ መንጎ ዅሎም ሰብኣውያን መንግስትታትን ኣብ መንጎ ኣምላኽን ከም ዚግበር ዓለምለኻዊ ውግእ ገይሩ ደኣ እምበር፡ ከም ዞባዊ ግጭት ገይሩ ኣይኰነን ዚገልጾ።

  •   “እዚኣቶም ከኣ ብድራኸ ኣጋንንቲ ዚዝረቡ ዘረባታት እዮም፣ . . . ናብ ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኪእክብዎም ድማ፡ ናብ ነገስታት ብዘላ ዓለም ይወጹ። ንሳቶም ከኣ ናብቲ ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን ዚብሃል ቦታ ኣከብዎም።”—ራእይ 16:14, 16

 እታ “ኣርማጌዶን” እትብል ቃል፡ ሃር መጊዶን ካብ ዚብል ናይ እብራይስጢ ቓል እተወስደት ኰይና፡ “ከረን መጊዶ” ዚብል ትርጉም ኣለዋ። መጊዶ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረት ከተማ እያ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ገሊኦም ሰባት ውግእ ኣርማጌዶን ኣብ እስራኤል ዚካየድ ይመስሎም። እንተዀነ ግና፡ እቲ መጊዶ ዚብሃል ቦታ ዀነ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዚርከብ ካልእ ቦታ፡ “ነገስታት ብዘላ ዓለም”ን ሰራዊቶምን ኪእክብ ዚኽእል ኣይኰነን።

 መጽሓፍ ራእይ፡ “ብምልክታት” ወይ ብምሳልያዊ ቛንቋ እያ ተጻሒፋ። (ራእይ 1:1) ኣርማጌዶን ከኣ ቃል ብቓሉ ንሓደ ቦታ ዘይኰነስ፡ ኣህዛብ ኣንጻር ግዝኣት ኣምላኽ ንዚእከቡሉ ዓለምለኻዊ ዅነት እዩ ዜመልክት።—ራእይ 19:11-16, 19-21