ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 53

ንስብከት ንዳሎ

ንስብከት ንዳሎ

(ኤርምያስ 1:17)

  1. 1. ሃሩርን

    ብርቱዕ ቍርን

    ፈተና ይዀነና፣

    ኵነታት ኣየር

    የኽብዶ ዕዮና፡

    ንፍተን ክንጸንሕ ኣብ ገዛ፡

    ማሚቚና።

    (ኣዝማች)

    ኣወንታዊ ሓሳብ ሰኒቕና

    እንተ ተዳሊና፡

    ክንርኢ’ና ምላሽ ጸሎትና፡

    ልማኖና።

    መላእኽቲ ይድግፉና፡

    ብትእዛዝ ጐይታና፡

    ዘይሕለሉ ብጾት’ውን ሒዝና

    ይሰልጠና።

  2. 2. ጸኒዕና

    ’ተ ’ገልጊልና፡

    ክንረክብ ኢና ባህታ፣

    የሆዋ ኣምላኽ

    ይርእዮ ጻዕርና፣

    ኪኸፍለና’ውን’ዩ ውሬታ፡

    ብደስታ።

    (ኣዝማች)

    ኣወንታዊ ሓሳብ ሰኒቕና

    እንተ ተዳሊና፡

    ክንርኢ’ና ምላሽ ጸሎትና፡

    ልማኖና።

    መላእኽቲ ይድግፉና፡

    ብትእዛዝ ጐይታና፡

    ዘይሕለሉ ብጾት’ውን ሒዝና

    ይሰልጠና።