ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 46

ነመስግነካ የሆዋ

ነመስግነካ የሆዋ

(1 ተሰሎንቄ 5:18)

  1. 1. የሆዋ ዅል ግዜ ነመስግነካ፡

    ስለ ዝገለጽካልና ብርሃንካ።

    ፍሉይ መሰል’ዩ ምስማዕካ ጸሎትና፣

    ምፍቃድካ ኽንገልጽ ናይ ልብና።

  2. 2. ነመስግነካ ወድኻ ሂብካና፣

    ንዓለም ስዒሩ ኣቕሲኑና።

    ፍቓድካ ኽንገብር ትሕግዘና፣

    መብጽዓ ኽንፍጽም ትረድኣና።

  3. 3. ክንሰብኽ ምኽኣልና ነመስግነካ፣

    ክንምህር ብዛዕባ ዓብዪ ስምካ።

    ኪሓልፍ’ዩ ዅሉ ጭንቂ መከራ፣

    ኪርህወና’ዩ፡ ክንወጽእ ሓራ።