ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ኣምላኽ ይግደሰልካ ድዩ፧

ኣምላኽ ይቐርበካ

ኣምላኽ ይቐርበካ

“እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ዚስሕቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን።”—ዮሃንስ 6:44

ገሊኦም ዚጠራጠሩ ስለምንታይ እዮም፧ ኣብ ኣምላኽ ዚኣምኑ መብዛሕትኦም ሰባት፡ ካብኡ ኣዝዮም ከም ዝረሓቑ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ኣብ ሰሰሙን ቤተ ክርስትያን እትኸይድ ክርስቲና ዝስማ ኣብ ኣይርላንድ እትነብር ሰበይቲ፡ “ንኣምላኽ፡ ንዅሉ ኸም ዝፈጠረ ፈጣሪ ገይረ ጥራይ ደኣ እየ ዝርእዮ እምበር፡ ኣይፈልጦን እየ። ሓንሳእ እውን ይኹን፡ ኪቐርቦ ኸም ዚኽእል ኰይኑ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥ እዩ” በለት።

ቃል ኣምላኽ እንታይ ይምህር፧ ከም ዝጠፋእና ዀይኑ ምስ ዚስምዓና፡ የሆዋ ብኣና ኣይሕለልን እዩ። የሱስ፡ ኣምላኽ ከም ዝሓልየልና፡ በዚ ዚስዕብ ምሳሌ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ሓደ ሰብ ሚእቲ ኣባጊዕ እንተ ኣለዋኦ እሞ ሓንቲ ኻባታተን እንተ ጠፊኣ፡ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ ኣኽራን ሓዲጉ፡ ነታ ሓንቲ ዝጠፍአት ኪደሊዶ ኣይከይድን፧” እዚ ንዓና እንታይ ትምህርቲ እዩ ዜመሓላልፈልና፧ የሱስ ኣስዒቡ፡ “ከምኡ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ፡ ሓደ ኻብዞም ንኣሽቱ ኺጠፍእ ኣይደልን እዩ” በለ።—ማቴዎስ 18:12-14

ኵሎም እቶም “ካብዞም ንኣሽቱ” እተባህሉ ሰባት፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡራት እዮም። ኣምላኽ “ነታ ሓንቲ ዝጠፍአት” ብኸመይ እዩ ‘ዚደልያ፧’ እታ ኣብ መእተዊ ዘላ ጥቕሲ ኸም እትሕብሮ፡ የሆዋ ንሰባት ናብኡ ይስሕቦም እዩ።

ሎሚ ንሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺነግርዎም ኢሎም ኣብ በቤትን ኣብ ህዝባዊ ቦታታትን ዚኸዱ ዘለዉ መን እዮም፧

ኣምላኽ ንቕኑዓት ሰባት ናብኡ ንኺስሕቦም ብኸመይ ተበግሶ ኸም ዝወሰደ ንርአ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ኣምላኽ ነቲ ክርስትያን ወደ መዝሙር ዝነበረ ፊልጶስ፡ ምስ ሓደ ኣብ ሰረገላ ተቐሚጡ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ዜንብብ ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን ተራኺቡ፡ ንትርጕም እቲ ትንቢት ኪገልጸሉ ለኣኾ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:26-39) ድሕርዚ እውን ኣምላኽ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ናብ ቤት ሓደ ኣዘውቲሩ ዚጽልን ንኣምላኽ ኬምልኽ ዚጽዕርን ዝነበረ ቆርኔሌዎስ ዝስሙ ሮማዊ ብዓል ስልጣን ኪኸይድ ኣዘዞ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:1-48) ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ንሃዋርያ ጳውሎስ ምስ ብጾቱ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ፊልጲ ናብ ዚርከብ ርባ ኪኸይድ መሪሕዎ እዩ። ጳውሎስን ብጾቱን ናብቲ ቦታ ምስ ከዱ፡ ልድያ ዝስማ ‘ንኣምላኽ እተምልኽ ሰበይቲ’ ረኸቡ፣ ዘረባኦም “ከተቕልብ ከኣ፡ የሆዋ ልባ ኸፈተላ።”—ግብሪ ሃዋርያት 16:9-15

ኣብ ኵሉ እዚ ዝረአናዮ ኣብነታት፡ የሆዋ ነቶም ንዕኡ ዚደልይዎ ዝነበሩ ሰባት ንኺፈልጥዎ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም እዩ። ሎሚ ንሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺነግርዎም ኢሎም ኣብ በቤትን ኣብ ህዝባዊ ቦታታትን ዚኸዱ ዘለዉ መን እዮም፧ ሓያሎ ሰባት፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም” ኢሎም እዮም ዚምልሱ። እምበኣር፡ ‘ኣምላኽ ንኪቐርበኒ ኢሉ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ይጥቀመሎም ድዩ ዘሎ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ። ነቲ ኣምላኽ ናብኡ ንኺስሕበካ ኢሉ ዚገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ኣወንታዊ ምላሽ ምእንቲ ኽትህበሉ ናብ ኣምላኽ ጸሊ። *

^ ሕ.ጽ. 8 ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ፡ ኣብ www.jw.org/ti ርኣያ።