ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር ዝርርብ

ኣምላኽ ብዛዕባ መከራና ይግደስ ድዩ፧

ኣምላኽ ብዛዕባ መከራና ይግደስ ድዩ፧

ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ካልእ ሰብ ዚገብሮ ዝርርብ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኪመስል ይኽእል እዩ። ምሕረት እትብሃል ናይ የሆዋ ምስክር ናብ እንዳ ሓንቲ ሶፍያ እትብሃል ሰበይቲ ኸም ዝኸደት ጌርና እስከ ንሕሰብ።

ከምዚ ኼጋጥም ከመይ ኢሉ ይፈቅድ፧

ምሕረት፦ ሎሚ ነዛ ትራክት እዚኣ፡ ኣብዚ ኸባቢ ንዘለዉ ዅሎም ሰባት እዕድሎም ኣለኹ። ኣርእስታ ኸኣ፡ “ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧” ዚብል እዩ። እዛ ትራክት እዚኣ፡ ንዓኺ እያ።

ሶፍያ፦ ብዛዕባ ሃይማኖት ድዩ፧

ምሕረት፦ እወ፡ ኣብዚ ገበር እዚ ተጻሒፉ ዘሎ ሽዱሽተ ሕቶታት እሞ ኣቕልብሉ። ካብዚ ሕቶታት እዚ—

ሶፍያ፦ ሓንሳእ ከቋርጸኪ። ምሳይ ክትዛረቢ እንተ ዄንኪ፡ ግዜኺ ኸተጥፍኢ ኢኺ።

ምሕረት፦ ስለምንታይ ከምኡ ኢልኪ፧

ሶፍያ፦ ሓቂ ዘረባ፡ ኣምላኽ ምህላዉ እውን የጠራጥረኒ እዩ።

ምሕረት፦ ብቕንዕና ስለ እተዛረብኪ አመስግነኪ። እስከ ኽሓትተኪ፧ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ድዩ ኸምኡ ዚስምዓኪ፧

ሶፍያ፦ ኣይኰነን፡ ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዘ ቤተ ክርስትያን እኸይድ ነይረ እየ። ይኹን እምበር፡ ካብ ዜቋርጽ ነዊሕ ኰይኑ ኣሎ።

ምሕረት፦ ኣሃ። ስመይዶ ኽነግረኪ፧ ምሕረት እብሃል።

ሶፍያ፦ ኣነ ኸኣ ሶፍያ እብሃል።

ምሕረት፦ ጽቡቕ ሌላ ይግበረልና።

ሶፍያ፦ ኣሜን።

ምሕረት፦ እንታይ ይመስለኪ ሶፍያ። ኣገዲደ እምነተይ ከም እትቕበሊ ኽገብረኪ ኣይደልን እየ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ነገር ክፈልጥ ምደለኹ። ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ከም እትጠራጠሪ ዝገበረኪ ፍሉይ ነገር ኣሎ ድዩ፧

ሶፍያ፦ እወ። ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ይገብር፡ ኣደይ፡ ሓደጋ ማኪና ኣጋጢምዋ ነይሩ።

ምሕረት፦ ምሽክነይቲ። እሞኸ ደሓን ድያ ወይስ ተጐዲኣ እያ፧

ሶፍያ፦ ካብ ሽዑ ኣትሒዛ ለሚሳ እያ ዘላ።

ምሕረት፦ ብሓቂ ዜሕዝን እዩ። ብዙሕ ተጐዲእኺ ኽትኰኒ ኣሎኪ።

ሶፍያ፦ እወ። ‘ኣምላኽ እንተ ኣልዩ፡ ስለምንታይ እዩ ነዚ ዚፈቅድ፧ ብኸምዚ ዝኣመሰለ መከራ ኽንሳቐ ዚፈቅድከ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢለ እየ ዝሓስብ።

ስለምንታይ ኢልካ ምሕታት ጌጋ ድዩ፧

ምሕረት፦ ከምኡ ኺስምዓኪ ንቡር እዩ። መከራ ኼጋጥመና ኸሎ፡ “ስለምንታይ፧” ኢልና ንሓትት ኢና። ገለ ኻብቶም ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን እውን ከይተረፈ ኸምኡ ኢሎም ሓቲቶም እዮም።

ሶፍያ፦ ሓቅኺ ዲኺ፧

ምሕረት፦ እወ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ኣብነትዶ ኸርእየኪ፧

ሶፍያ፦ ደስ ይብለኒ።

ምሕረት፦ እቲ እሙን ነብዪ ዝነበረ ኣንባቆም ንኣምላኽ እንታይ ኢሉ ኸም ዝሓተቶ ኣስተብህሊ። ኣብ ኣንባቆም ምዕራፍ 1፡ ፍቕዲ 2ን 3ን ከንብበልኪ፦ “ዎ እግዚአብሔር፡ ንስኻ ኸይሰማዕካንስ፡ ክሳዕ መኣዝ ከእዊ እየ፧ ኣነ፤ ዓመጽ፡ ኢለ ናባኻ ኣእዌኹ፡ ንስኻውን ኣየድሓንካን። ስለምንታይ ኣበሳ እተርእየኒ፧” እዚ ሕቶታት እዚ፡ ምስቲ ናትኪ ዚመሳሰል ኰይኑዶ ይስምዓኪ፧

ሶፍያ፦ እወ ተመሳሳሊ እዩ።

ምሕረት፦ ኣምላኽ ንኣንባቆም፡ ‘ንምንታይ ከምኡ ኢልካ ትሓትት’ ኢሉ ኣይገንሖን። ዝያዳ እምነት ከም ዜድልዮ እውን ኣይነገሮን።

ሶፍያ፦ ዜገርም እዩ።

የሆዋ፡ መከራ ይጸልእ

ምሕረት፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ነቲ ዜጋጥመና መከራ ኸም ዜስትብህለሉን ከም ዜተሓሳስቦን ይምህር እዩ።

ሶፍያ፦ እንታይ ማለትኪ እዩ፧

ምሕረት፦ ካብ ዘጸኣት 3:7 ሓደ ኣብነት ከርእየኪ። ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ተንብብያዶ፧

ሶፍያ፦ ሕራይ። ከምዚ ትብል፦ “እግዚኣብሄር ድማ፡ ጸበባ  እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ፈሊጠ እየ እሞ፡ ስቓዮም ኣጸቢቐ ርኤኹ፡ እቲ ብሰሪ መጨነቕቶም ዜእውይዎ ኸኣ ሰሚዔ አሎኹ።”

ምሕረት፦ አመስግነኪ። ብመሰረት እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ኣምላኽ፡ ህዝቡ ኺሳቐዩ ኸለዉ የስተብህለሉ ድዩ፧

ሶፍያ፦ እወ፡ ዜስተብህል ይመስል።

ምሕረት፦ ብላዕለ ላዕሉ ጥራይ እውን ኣይኰነን ዚርእዮ። ነታ ጥቕሲ እሞ እንደገና ርኣይያ። ኣምላኽ፡ “ስቓዮም ኣጸቢቐ ርኤኹ” በለ። ኣምላኽ ዘይግደስ ነይሩ እንተ ዚኸውንሲ ኸምዚ ምበለዶ፧

ሶፍያ፦ ኣይ፡ ፈጺሙ ኸምኡ ኺብል ኣይክእልን እዩ።

ምሕረት፦ ይኹን እምበር፡ ንሓደ ዅነታት ምስትብሃል ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን፣ ‘ብዛዕባ እቲ ዅነታትከ ይስምዖ ድዩ፧’ ዚብል ሕቶ እውን ኪብገስ ይኽእል እዩ።

ሶፍያ፦ ልክዕ።

ምሕረት፦ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ እውን ህዝቢ ኣምላኽ ኪሳቐዩ ኸለዉ፡ ኣምላኽ እንታይ ከም እተሰምዖ ዚገልጽ ጸብጻብ ንርአ። እዚ ኣብ ኢሳይያስ 63:9 ተመዝጊቡ ይርከብ። እታ ጥቕሲ፡ “ኣብ ኵሉ ጸበባኦም ጸበቦ” ብምባል ትጅምር። ኣምላኽ፡ ህዝቡ ኺሳቐዩ ኸለዉ፡ ዚስምዖ ዝነበረዶ ይመስለኪ፧

ሶፍያ፦ እወ፡ ዚስምዖ ዝነበረ እዩ ዚመስል።

ምሕረት፦ ሶፍያ፡ እዚ ሓቂ እዩ። ኣምላኽ ኣጸቢቑ ይግደሰልና እዩ። ክንሳቐ ፈጺሙ ኣይደልን እዩ። ክንሳቐ ኸለና፡ ንሱ እውን ይሳቐ እዩ።

ክሳዕ ሕጂ ዝጸንሐ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧

ምሕረት፦ ቅድሚ ምኻደይ፡ ክነግረኪ ዝደሊ ኻልእ ነጥቢ ኣሎ።

ሶፍያ፦ ሕራይ ንገርኒ።

ምሕረት፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓይሊ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚምህር ንርአ። ሓሲበያ ዘሎኹ ጥቕሲ፡ ኤርምያስ 10:12 እያ። ከተንብብያዶ፧

ሶፍያ፦ ደስ ይብለኒ። ከምዚ ትብል፦ “ንሱ ብሓይሉ ምድሪ ፈጠረ፡ ብጥበቡ ኸኣ ንዓለም ኣቘማ፡ ብኣእምሮኡ ድማ ንሰማያት ዘርግሔ።”

ምሕረት፦ አመስግነኪ። ሓንሳእ እሞ ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ንሕሰብ። ኣምላኽ ነዚ ግዙፍ ዩኒቨርስን ንዅሉ ኣብኡ ዘሎ ነገራትን ንኺፈጥር ብርቱዕ ሓይሊ ኣድልይዎ ድዩ፧

ሶፍያ፦ እወ፡ ብርግጽ።

ምሕረት፦ እምበኣር፡ ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ነገራት ንኺፈጥር ሓይሊ ኻብ ሃለዎ፡ ንፍጥረቱ ንኺቈጻጸር እውን ሓይሊ ኺህልዎ ኣለዎ። ኣይመስለክን፧

ሶፍያ፦ እወ፡ ጽቡቕ ኣለኺ።

ምሕረት፦ ሕጂ ብዛዕባ ኣዴኺ እሞ ሕሰቢ። ኣዴኺ ኽትሳቐ ኸላ እትጕህዪ ስለምንታይ ኢኺ፧

ሶፍያ፦ ስለ ዝፈትዋ። ኣደይ እምበር እያ!

ምሕረት፦ ሎም መዓልቲ ንኸተሕውይያ ሓይሊ እንተ ዚውሃበኪ፡ መሕወኽያዶ፧

ሶፍያ፦ ከመይ ደኣ!

ምሕረት፦ ብዛዕባዚ እሞ ሕሰቢ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ነዚ ዜጋጥመና ዘሎ መከራን ስቓይን ከም ዜስተብህለሉ ይምህር እዩ። ክንሳቐ ኸለና ይስምዖ እዩ። ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ድማ ኣለዎ። ኣምላኽ ንዜጋጥመና መከራን ስቓይን ንምውጋድ ስጕምቲ ንኸይወስድ፡ ክሳዕ ክንደይ ርእሱ ኸም ዚገትእ እሞ ሕሰቢ።

ሶፍያ፦ ቅድሚ ሕጂ ነዚ ሓሲበሉ ኣይፈልጥን እየ።

ምሕረት፦ ንጸገማትና ንኼወግድ፡ ዛጊት ስጕምቲ ዘይወሰደ፡ ብቑዕ ምኽንያት ስለ ዘለዎ ደዀን ይኸውን፧ *

ሶፍያ፦ እወ፡ ምኽንያት ዘለዎ ይመስለኒ።

ምሕረት፦ ተሌፎንኪ ትድውል ኣላ። ስለዚ፡ ካልእ መዓልቲ ኽምለስ፡ ብዛዕባ እዚ ነጥቢ እዚ ብዝያዳ ኽንመያየጥ ንኽእል ኢና።

ሶፍያ፦ አመስግነኪ። ደስ ይብለኒ። *

ክትዘራረበሉ እትደሊ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ርእሰ ነገር ኣሎካዶ፧ ብዛዕባ እምነትን ሃይማኖታዊ ልምድታትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ከይተሰከፍካ ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ሕተቶ። ንሱ እውን ተሓጒሱ ኺምልሰልካ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 61 ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 11 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 64 ኣብ ዚቕጽል፡ በዚ ኣርእስቲ እዚ ኣብ ዚወጽእ ዓንቀጽ፡ ኣምላኽ መከራ ዝፈቐደሉ ምኽንያት ከነቕርብ ኢና።