ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት

ካልኣይ መውስቦ ኸም ዚሰምር ምግባር

ካልኣይ መውስቦ ኸም ዚሰምር ምግባር

ሄርመን፦ * “እታ ቐዳመይቲ ሰበይተይ 34 ዓመት ብሓንሳእ ድሕሪ ምጽናሕና ብሕማም መንሽሮ ሞተት። እንደገና ምስ ተመርዓኹ፡ ሊንዳ ሰበይተይ፡ ወትሩ ምስታ ቐዳመይቲ ሰበይተይ ከም ዘወዳድራ ዀይኑ ተሰምዓ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ናይ ቀደም ፈተውተይ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብዛዕባ ጽቡቕ ባህርያት እታ ቐዳመይቲ ሰበይተይ ስለ ዚዛረቡ፡ ሊንዳ ትበሳጮ ነበረት።”

ሊንዳ፦ “ኣነን ሄርመንን ምስ ተመርዓና፡ ሰብኣየይን ካልኦትን ከምታ ቐዳመይቲ ሰበይቱ ገይሮም ከም ዘይርእዩኒ ዀይኑ ይስምዓኒ ነበረ። ንሳ ኣዝያ ተፈታዊትን ህድእትን እድብትን እያ ነይራ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብኣየይ ከምኣ ክኸውን ዝኽእል እንተ ዀይነ የተሓሳስበኒ እዩ።”

ሊንዳ እውን ንሄርመን ቅድሚ ምምርዓዋ፡ ሰብኣይ ነይርዋ እዩ። ምስቲ ቐዳማይ ሰብኣያ ተፋቲሓ፡ ምስ ሄርመን ምስ ተራኸበት ግና፡ ንሳን ሄርመንን ሕጉሳት እዮም። ኰይኑ ግና፡ ክልቲኦም ከም ዚእመኑሉ፡ ካልኣይ መውስቦ፡ ኣብቲ ቐዳማይ መውስቦ ዘይነበረ ብድሆታት ኬምጽእ ይኽእል እዩ። *

እንደገና እተመርዓኻ እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ ኻልኣይ መውስቦኻ ኸመይ ይስምዓካ። ምስ ተፋትሐት ሰለስተ ዓመት ጸኒሓ እተመርዓወት ታማራ ዝስማ ሰበይቲ፡ “ንመጀመርታ ግዜኻ ኽትምርዖ ኸለኻ፡ ሓዳርካ ንዘለኣለም ዚቕጽል ኰይኑ እዩ ዚስምዓካ። ካልኣይ ግዜ ኽትምርዖ ኸለኻ ግና፡ እቲ ቐዳማይ መውስቦኻ ኸም ዝፈረሰ ስለ እትፈልጥ፡ ከምኡ ዓይነት ስምዒት ከይህልወካ ይኽእል እዩ” በለት።

ይኹን እምበር፡ ሓያሎ ሰብ ሓዳር እንደገና ምስ ተመርዓዉ፡ ቀጻሊ ዝዀነ ብዙሕ ሓጐስ ረኺቦም እዮም። ሓዳሮም ከም ዚሰምር ድማ ገይሮምዎ እዮም። ንስኻ እውን ንሓዳርካ ኸም  ዚሰምር ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧ መልሱ ንኽትረኽቦ፡ ሰለስተ ልሙድ ብድሆታትን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእልን ንርአ። *

ብድሆ 1፦ እቲ ብዛዕባ ናይ ቀደም ሓዳርካ ዘሎካ ተዘክሮ፡ ነቲ ናይ ሕጂ ሓዳርካ ንኸይዕብልሎ ትቃለስ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትነብር ኢለን፡ “ብፍላይ ናብቲ ምስ ቀዳማይ ሰብኣየይ ኰይነ ንዕረፍቲ ዝኸዶ ዝነበርኩ ቦታታት ክንከይድ ከለና፡ ብዛዕባ እቲ ቐዳማይ መውስቦይ ዘሎኒ ተዘክሮታት፡ ብቐሊሉ ኽሓኮ ኣይክእልን እየ። ሓድሓደ ግዜ፡ ነቲ ናይ ሕጂ ሰብኣየይ ምስቲ ቐዳማይ ሰብኣየይ አወዳድሮ እየ” በለት። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ መጻምድትኻ ኣቐዲሙ እተመርዓወ እንተ ነይሩ እሞ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ እቲ ቐዳማይ መጻምድቱ ጥራይ ዚዛረብ እንተ ዀይኑ፡ ቅር ይብለካ ይኸውን።

ከም ሰብኣይን ሰበይትን መጠን ሓድነትኩም ኬደልድል ዚኽእል ሓድሽ ተዘክሮታት ይሃልኹም

ርእይቶ፦ ንስኻ ዀነ መጻምድትኻ፡ ብፍላይ ምስቲ ቐዳማይ መጻምድትኹም ዝነበረኩም ርክብ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ እንተ ነይሩ፡ ነቲ ቐዳማይ መውስቦ ብቐሊሉ ኽትርስዕዎ ተስፋ ምግባር ዘይርትዓዊ እዩ። አረ ገሊኣቶምሲ፡ ከይተፈለጦም ንመጻምድቶም ብስም እቲ ናይ ቀደም መጻምድቶም ከም ዚጽውዕዎ ይዛረቡ እዮም። ከምዚ ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ዅነታት ምስ ዜጋጥመካ ብኸመይ ኢኻ ኽትሰግሮ እትኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሓድሕድኩም ክትረዳድኡ ጽዓሩ” ዚብል ምኽሪ ይህብ።—1 ጴጥሮስ 3:8ኒው ሰንችሪ ቨርሽን።

ብዛዕባ እቲ ቐዳማይ መውስቦ ኺጥቀስ ከሎ ኣይትቕናእ። መጻምድትኻ ብዛዕባ እቲ ምስቲ ቐዳማይ መጻምድቱ ዘሕለፎ ናብራ ኺዛረብ ምስ ዚደሊ፡ ብድንጋጽን ብርሕራሐን ስምዓዮ። ብዘይካዚ፡ የወዳድረካ ኸም ዘሎ ጌርካ ኣይትሕሰብ። ዓሰርተ ዓመት ይገብር እንደገና እተመርዓወ ኢያን፡ “ሰበይተይ ኬትሊን፡ ብዛዕባ እታ ዝሞተት ቀዳመይቲ ሰበይተይ ኣርእስቲ ኸልዕል ከለኹ፡ ከም ነውሪ ገይራ ኣይትርእዮን እያ ነይራ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነዚ ሕጂ ዘሎኒ ባህርያት ንኸጥሪ እንታይ ከም ዝሓገዘኒ ንኽትፈልጥ ከም ዚሕግዛ ገይራ እያ እትርእዮ” በለ። እቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዝርርብ፡ ምስቲ ናይ ሕጂ መጻምድትኻ ብዝያዳ ንኽትቀራረብ ከም ዚሕግዘካ እውን ትግንዘብ ትኸውን።

ኣብቲ ፍሉይን ኣወንታውን ባህርያት እዚ ናይ ሕጂ መጻምድትኻ ኣተኵር። ሓቂ እዩ፡ እዚ ናይ ሕጂ መጻምድትኻ ገለ ኻብቲ ናይ ቀደም መጻምድትኻ ዝነበሮ ባህርያት ወይ ክእለት ዘይብሉ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ካልእ ብሉጽ ባህርያት ግና ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ‘ምስ ካልእ ከየነጻጸርካ፡’ ብዛዕባ እቲ እትፈትዎ ባህርያት እዚ ናይ ሕጂ መጻምድትኻ ብምስትንታንን ሞሳኻ ብምግላጽን ነቲ ምስኡ ዘሎካ ርክብ ኣደልድሎ። (ገላትያ 6:4) ክልተ ግዜ እተመርዓወ ኤድሞንድ፡ “ከምቲ ሕደ ዝዀነ ኽልተ ዕርክነት ዘየለ፡ ሕደ ዝዀነ ኽልተ ሓዳር እውን የለን” በለ።

ነቲ ብዛዕባ እቲ ቐዳማይ መውስቦኻ ዘሎካ ባህ ዜብል ተዘክሮታት ምስቲ ሕጂ ዝጀመርካዮ ናብራ ሚዛናዊ ኽትገብሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ጃሬድ፡ “ሓደ መዓልቲ ንሰበይተይ፡ እቲ ቐዳማይ መውስቦይ፡ ልክዕ ከም ሓደ ኣነን እታ ቐዳመይቲ ሰበይተይን ዝጸሓፍናዮ ጽቡቕ መጽሓፍ ከም ዚመስል” ገለጽኩላ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ሓሓሊፈ፡ ነቲ መጽሓፍ ገንጺለ ብምንባብ ብዛዕባ እቲ ጽቡቕ ተመክሮታትና አስተንትን እኳ እንተ ዀንኩ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ጥሒለ ኣይተርፍን እየ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣነን ሰበይተይን ሓቢርና ናይ ርእስና መጽሓፍ ንጽሕፍ ኣሎና፣ በዚ ሕጂ ዘሎኒ ናብራ ኸኣ ሕጉስ እየ” በለ።

ነዚ ፈትኖ፦ መጻምድትኻ ብዛዕባ ኣርእስቲ እቲ ቐዳማይ መውስቦኻ ኺለዓል ከሎ ቕር ዚብሎ እንተ ዀይኑ ሕተቶ። ብዛዕባ እቲ ቐዳማይ መውስቦኻ መዓስ ክትዛረብ ከም ዘይብልካ ፍለጥ።

ብድሆ 2፦ ምስቲ ናይ ሕጂ መጻምድትኻ ሌላ ምስ ዘይብሎም ናይ ቀደም ፈተውቲ ኽትረዳዳእ ትቃለስ።

ድሕሪ ምፍታሑ፡ ሽዱሽተ ዓመት ጸኒሑ ኻልኣይ ሳዕ እተመርዓወ ኻቭየር፡ “ድሕሪ መርዓና ንገለ ግዜ ዚኸውን፡ ሰበይተይ ገለ ኻብ ፈተውተይ፡ ከም ዚምርምርዋ ዀይኑ ይስምዓ ነበረ” በለ። ካብዚ ፍልይ ዝበለ ዅነታት ዘጋጠሞ ሊኦ ዝስሙ ብዓል ሓዳር፡ “ገሊኦም ሰባት ንሰበይተይ ነቲ ቐዳማይ ሰብኣያ ብዙሕ ከም ዚፈትውዎን ከም ዚናፍቕዎን፡ ኣብ ቅድመይ ይገልጹላ ነበሩ” በለ።

ርእይቶ፦ ንርእስኻ ኣብ ቦታ መጻምድትኻ ኸተእትዋ ፈትን። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኢያን፡ “ናይ ቀደም ፈተውቲ ሓድሓደ ግዜ ንሓደ ኻብቶም መጻምድቲ ጥራይ ምስ ዚፈልጥዎ ስድራ ቤት ኪቀራረቡ ኣዝዩ ዜሸግሮም ኰይኑ ይስምዓኒ” በለ። ስለዚ፡ ‘ልዙብ ኩን፡ ልእመት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ኣርኢ።’ (ቲቶስ 3:2) ፈተውትኻን ስድራ ቤትካን ነቲ ዅነታት ኪለምድዎ ግዜ የድልዮም እዩ። ሓዳርካ ኪቕየር ከሎ፡ ምስ ሰባት ዘሎካ ምሕዝነት እውን ኪቕየር ይኽእል እዩ። እቲ ኣቐዲሙ  እተጠቕሰ ኻቭየር፡ ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ንሱን ሰበይቱን ምስቶም ናይ ቀደም ፈተውቶም ከም ብሓድሽ ኪቀራረቡ ኸም ዚፍትኑ ይገልጽ። “ግናኸ፡ ክልቴና እንፈልጦም ሓደስቲ ፈተውቲ ኸነጥሪ እውን ንጽዕር ኢና፣ እዚ ሓጊዙና እዩ” በለ።

ምስ ናይ ቀደም ፈተውቲ ግዜ ኸተሕልፍ ከለኻ፡ ንስምዒት መጻምድትኻ ኣብ ግምት ኣእቱ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ቐዳማይ መውስቦኻ ኣርእስቲ እንተ ተላዒሉ፡ እዚ ናይ ሕጂ መጻምድትኻ እተጠልየ ዀይኑ ምእንቲ ኸይስምዖ፡ ሜላ ተጠቐም፡ ኣመዛዝን ድማ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳሌ፡ “ብዕሽነት ዚዝረብ ዘረባ ኸም ዚቘርጽ ሰይፊ እዩ። ብልቦና ዚዝረብ ዘረባ ግና ፈውሲ እዩ” ይብል።—ምሳሌ 12:18ትርጕም 1990።

ነዚ ፈትኖ፦ ብዛዕባ ሓደ ንዓኻ ወይ ንመጻምድትኻ ባህ ዘየብል ማሕበራዊ ጕዳይ ሕሰብ። ነቲ ፈተውትኹም ብዛዕባ እቲ ቐዳማይ መውስቦ ኼበግስዎ ዚኽእሉ ሕቶታትን ሓሳባትን ብኸመይ ምላሽ ከም እትህቡሉ፡ ኣቐዲምካ ምስ መጻምድትኻ ተመያየጠሉ።

ብድሆ 3፦ እቲ ናይ ቀደም መጻምድትኻ ስለ ዝጠለመካ፡ ነቲ ሓድሽ መጻምድትኻ ንኽትኣምኖ የጸግመካ።

ቀዳመይቲ ሰበይቱ ዝጠለመቶ ኣንድሩ፡ “እንደገና ንኸይጥለም ኣዝየ እየ ዝፈርህ ነይረ” በለ። ጸኒሑ ግና፡ ነታ ራይሊ ዝስማ ናይ ሕጂ ሰበይቱ ተመርዓዋ። ከምዚ ኸኣ በለ፦ “ከምቲ ናይቲ ቐዳማይ ሰብኣያ ዝዓይነቱ ተፈታዊ ባህርያት እንተ ኣልዩኒ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እሓስብ እየ። ክሳዕ ክንድቲ ዚፍቶ ባህርያት ከም ዘይብለይ ብምውሳን ጠንጢናትኒ ንኻልእ ሰብኣይ ከይትምርዖ እውን እጭነቕ እየ።”

ርእይቶ፦ ንመጻምድትኻ ኸይተሰከፍካ ብዛዕባ ሻቕሎትካ ግለጸሉ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብቲ ምኽሪ ዜብሉ፡ ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን” ይብል። (ምሳሌ 15:22) ኣንድሩን ራይሊን እሂን ምሂን ተባሃሂሎም ስለ እተማኸሩ፡ ንሓድሕዶም ክተኣማመኑ ኽኢሎም እዮም። ኣንድሩ፡ “ንራይሊ ንፍትሕ ካብ ጸገማት ዜዕቍብ መህደሚ ገይረ ፈጺመ ኸም ዘይርእዮ ነገርክዋ፣ ንሳ እውን ከም ናተይ ኣመለኻኽታ ኸም ዘለዋ ኣረጋገጸትለይ። በብቝሩብ፡ ምሉእ ብምሉእ ክኣምና ኽኢለ እየ” በለ።

እዚ ናይ ሕጂ መጻምድትኻ፡ በቲ ቐዳማይ መጻምድቱ እተጠልመ እንተ ዀይኑ፡ ከም ዚኣምነካ ንምግባር ዚከኣለካ ጽዓር። ንኣብነት፡ ቀዳማይ ሓዳሮም ብፍትሕ ዝፈረሰ ሚሸልን ሳቢንን፡ ምስቲ ቐዳማይ መጻምድቶም ኪራኸቡ ኣብ ዜድልየሉ እዋን ንሓድሕዶም ኪነጋገሩ ተሰማምዑ። ሳቢን፡ “ከምዚ ዓይነት ውዕል ምግባርና፡ ድሕንነትን ቅሳነትን ከም ዚስምዓና ገበረ” በለት።—ኤፌሶን 4:25

ነዚ ፈትኖ፦ ነቲ ምስ ኣንጻር ጾታ ገጽ ንገጽ፡ ብተሌፎን፡ ወይ ብኢንተርነት እትገብሮ ብሕታዊ ዝርርብ ደረት ግበረሉ።

ናይ ብዙሓት ሰባት፡ ካልኣይ መውስቦ ኺሰምር ክኢሉ እዩ፣ መውስቦኻ እውን ኪሰምር ይኽእል እዩ። ምስቲ ቐዳማይ መውስቦኻ ብምንጽጻር፡ ሕጂ ንርእስኻ ብዝያዳ ትፈልጣ ትኸውን። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣንድሩ፡ “ንራይሊ ምስ ተመርዓኹዋ፡ ብዙሕ ምጽንናዕ ረኺበ እየ። ኣብ ሓዳር ን13 ዓመት ድሕሪ ምጽናሕና፡ ንሓድሕድና ኣዝዩ ጥብቂ ርክብ እዩ ዘሎና። ነዚ ኸኣ ፈጺምና ኸነጥፍኦ ኣይንደልን ኢና” በለ።

^ ሕ.ጽ. 3 ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 5 ሞት መጻምድትን ፍትሕን ዜሕድሮ ጽልዋ ፈጺሙ እተፈላለየ እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ንዘጋጠሞ ሰብ፡ ካልኣይ መውስቦ ምስ መስረተ፡ ሓዳሩ ንኺሰምረሉ ኽትሕግዞ ተባሂላ እያ ተዳልያ።

^ ሕ.ጽ. 7 ንደቂ መጻምድትኻ ኸተዕቢ ኸለካ ብዛዕባ ዜጋጥመካ ብድሆታት ዚገልጽ ተወሳኺ ሓበሬታ ኽትረክብ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ “ሰክረትስ ኦቭ ሳክሰስፉል ስተፕፋሚልስ” (ሰይተቦ ወይ ሰብኣይ ኣደ ዘለወን ስድራ ቤታት ንኺዕወታ ዚሕግዘን መፍትሕ) ዘርእስቱ ገበር ዘለዋ ናይ ሚያዝያ 2012 ሕታም ንቕሑ! ርአ።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦

  • መጻምድተይ ኣነ ብፍላይ ዘድንቖ እንታይ ፍሉይ ባህርያት እዩ ዘለዎ፧

  • ብዛዕባ ኣርእስቲ እቲ ቐዳማይ መውስቦይ ኪለዓል ከሎ፡ ነቲ ጕዳይ፡ ነዚ ናይ ሕጂ መጻምድተይ ኬረጋግጸሉን ኬኽብሮን ብዚኽእል መገዲ ኽሕዞ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧