ግምቢ ዘብዐኛ ሓምለ 2013 | ክትኣምና እትኽእል ሃይማኖት ኣላዶ፧

ሓያሎ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት ዜጕሂ ተመክሮ ስለ ዘጋጠሞም፡ ብሃይማኖት ኪኣምኑ የሸግሮም እዩ። ብዛዕባ ሓንቲ ኽትኣምና እትኽእል ሃይማኖት መርምር።

ገበር

ሃይማኖትካ ኽትምርምር ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧

ኣባል ሓንቲ ሃይማኖታዊት ውድብ እንተ ዄንካ፡ ንመንፈሳዊ ህይወትካን ንመጻኢ ህይወትካን ኣብ ኢዳ ኢኻ እትሓድጎ።

ገበር

ንገንዘብ ብዚምልከት ክትኣምና እትኽእል ሃይማኖት ኣላዶ፧

ኣብ ከባቢኻ ዘለዋ ሃይማኖታት ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ገንዘብ ንኺረኽባ ጸቕጢ ይገብራ ድየን፧ እዚ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይሰማማዕ ድዩ፧

ገበር

ንውግእ ብዚምልከት ክትኣምና እትኽእል ሃይማኖት ኣላዶ፧

የሱስ ንክርስትያናት ብዛዕባ እታ ኣምላኽ ንብጾቶም ኬፍቅሩ ዝሃቦም ትእዛዝ ኣዘኻኸሮም። ሎሚ ዘለዋ ሃይማኖታት ነዚ ትእዛዛት እዚ ይሕልዋኦ ድየን፧

ገበር

ንስነ ምግባር ብዚምልከት ክትኣምና እትኽእል ሃይማኖት ኣላዶ፧

ሓያሎ መራሕቲ ሃይማኖት ንስነ ምግባር ብዚምልከት ሰናይ ኣብነት ኣይኰኑን እዮም። ኣምላኽ ብዛዕባ ስነ ምግባራውነትና ይግደስ ድዩ፧

ገበር

ክትኣምና እትኽእል ሃይማኖት ኣላዶ፧

ብሃይማኖት ጒሂኻ ዲኻ፧ ጒሂኻ እንተ ዄንካ፡ ንኻልእ ሃይማኖት ክትኣምን ኬጸግመካ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕካ ብኸመይ እዩ ኺሕግዘካ ዚኽእል፧

መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት

ካልኣይ መውስቦ ኸም ዚሰምር ምግባር

ካልኣይ መውስቦ፡ ኣብቲ ቐዳማይ መውስቦ ዘይነበረ ብድሆታት ኬምጽእ ይኽእል እዩ። መጻምድቲ ብኸመይ ኪዕወቱ ይኽእሉ፧

ንኣምላኽ ቅረቦ

‘ንልብና ይመልኦ’

የሆዋ ንሰባት፡ ነቶም ፈጺሞም ዘየማስዉ እውን ከይተረፈ፡ መዓልቲ መዓልቲ ኻብቲ ብዙሕ ሕያውነቱ ኺጥቀሙ ይፈቕደሎም እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

“ሕጂ፡ ንዓለም ክቕይራ ኸም ዘሎኒ ዀይኑ ኣይስምዓንን እዩ”

ማሕበራዊ ለውጢ ንምምጻእ ዚቃለስ ዝነበረ ሰብ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዑ ብዛዕባ ምንጪ እቲ ንደቂ ሰብ ዚኸውን ናይ ሓቂ ለውጢ እተማህረ ብኸመይ እዩ፧

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር ዝርርብ

ኣምላኽ ብዛዕባ መከራና ይግደስ ድዩ፧

ገለ ሰባት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ከባቢና ዚርእይዎ ዘለዉ መከራ፡ ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ይጠራጠሩ እዮም። እቲ ዜጋጠመና መከራን ስቓይን ንኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚትንክፎ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ተምሃር።

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ሰባት ንእርጋን ዜወግዱሉ ሓያሎ መገድታት ኬናድዩ ጸኒሖም እዮም፣ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር ዝኸኣለ ግና የለን። ስለምንታይ፧

ኣብ ኢንተርነት ዝወጸ ተወሳኺ ዓንቀጻት