ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ሓጢኣትና ኺሕደገልና ይኽእል ድዩ፧

ስምረት ኣምላኽ፡ ክንረኽቦ ዘይንኽእል ነገር ኣይኰነን

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኵሎም ሰባት ሓጥኣን እዮም። እቲ ንኽንሓጥእ ዘሎና ዝንባለ፡ ካብቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ካብ ኣዳም ኢና ወሪስናዮ። ስለዚ ኸኣ፡ ሓድሓደ ግዜ፡ ሕማቕ ነገራት ንገብር ኢና፣ ጸኒሕና ድማ ንጠዓስ ንኸውን። እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ብሙማት ንሓጢኣትና ኸፊሉልና እዩ። ሳላ እቲ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ድማ፡ ሕደገት ሓጢኣት ኪርከብ ተኻኢሉ እዩ። እዚ በጃ እዚ፡ ውህበት ኣምላኽ እዩ።—ሮሜ 3:23, 24 ኣንብብ።

ገሊኦም ሰባት፡ ከቢድ ሓጢኣት ስለ ዝፈጸሙ፡ ኣምላኽ ዘይሓድገሎም ኰይኑ ይስምዖም። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ቃል ኣምላኽ፡ “ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱ እውን ካብ ኵሉ ሓጢኣትና የንጽሃና እዩ” ይብል። (1 ዮሃንስ 1:7) የሆዋ፡ እንተ ተነሲሕና፡ ንዝፈጸምናዮ ኸቢድ ሓጢኣት እውን ከይተረፈ፡ ብፍታው ኪሓድገልና ይኽእል እዩ።—ኢሳይያስ 1:18 ኣንብብ።

ሓጢኣትና ንኺሕደገልና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

የሆዋ፡ ሓጢኣትና ኺሓድገልና እንተ ደሊና፡ ብዛዕባኡ ኽንመሃር፡ ማለት ብዛዕባ መገድታቱን ብዛዕባ ምኽሩን ብዛዕባ እቲ ኻባና ዝደልዮ ብቕዓታትን ክንመሃር ኣሎና። (ዮሃንስ 17:3) የሆዋ ነቶም ካብ ግጉይ ተግባራቶም ተነሲሖም ኪልወጡ ዚደልዩ ሰባት ንሓጢኣቶም ብኸምኡ እዩ ዚሓድገሎም።—ግብሪ ሃዋርያት 3:19 ኣንብብ።

ስምረት ኣምላኽ፡ ክንረኽቦ ዘይንኽእል ነገር ኣይኰነን። የሆዋ ድኻምና ይርድኣልና እዩ። ንሱ መሓርን ለዋህን እዩ። ሳህሊ የሆዋ፡ ንዕኡ ብኸመይ ከም እተሐጕሶ ብዝያዳ ንኽትመሃር ኪድርኸካ ኣይግባእንዶ፧—መዝሙር 103:13, 14 ኣንብብ።