ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ብሓቂ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ይግደስ ድዩ፧

ኣምላኽ ብሓቂ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ይግደስ ድዩ፧

ኣምላኽ ብሓቂ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ይግደስ ድዩ፧

“ሓጢኣት ብሰበይቲ እዩ ጀሚሩ፣ ብሰንካ ኸኣ ክንመውት ኣሎና።” —ኤክለስያስቲከስ፡ ካልኣይ ዘመን ቅ.ክ.።

“ንስኻትክን ኣፍ ደገ ሰይጣን ኢኽን፣ ካብታ እተኸልከለት ኦም ዝበላዕክን ንስኻትክን ኢኽን፣ ንመለኮታዊ ሕጊ ንፈለማ እዋን ዝጠሓስክናኦ ንስኻትክን ኢኽን፣ . . . ነቲ ምስሊ ኣምላኽ ዝዀነ ወዲ ተባዕታይ ብቐሊሉ ዘጥፋእክናኦ ንስኻትክን ኢኽን።” —ተርቱልያን፡ ኦን ዘ ኣፓረል ኦቭ ዊመን፡ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ.።

እዚ ጥንታዊ ጥቕስታት እዚ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ እዚ ሓሳባት እዚ፡ እቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዜጋጥመን ኣድልዎ ቕኑዕ ምዃኑ ንምግላጽ፡ ንብዙሕ ዘመናት ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ጸኒሑ እዩ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ገሊኦም ጥሩፋት ሰባት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዜውርድዎ ግፍዒ መመኽነይታ ንምቕራብ፡ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ይጠቕሱ እዮም፣ ደቂ ኣንስትዮ ብጸገማት ደቂ ሰብ ተሓተቲ ምዃነን ከኣ ይገልጹ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብደቂ ተባዕትዮ ኺነዓቓን ኪህሰያን ዕላማኡ ድዩ ነይሩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ዚብል፧ ብዛዕባ እዚ እስከ ንርአ።

ደቂ ኣንስትዮ ብኣምላኽ ተረጊመን ድየን፧

ኣይፋልን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ “ድያብሎስ . . . ዚብሀል . . . ናይ ጥንቲ ተመን” እዩ ‘ተረጊሙ።’ (ራእይ 12:9፣ ዘፍጥረት 3:14) ኣምላኽ፡ ኣዳም ንሰበይቱ ኸም ‘ዚመልካ’ ኺሕብር ከሎ፡ ስምረቱ ኣይኰነን ዚገልጽ ነይሩ። (ዘፍጥረት 3:16) ብዛዕባ ሳዕቤን ሓጢኣት እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን እዩ ዚገልጽ ነይሩ።

ስለዚ፡ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዚወርድ ማህሰይቲ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ሓጥእ ዝንባለ ደቂ ሰብ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጓል ኣንስተይቲ ነቲ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ንምትዕራቕ ብሰብኣይ ክትምለኽ ከም ዘለዋ ኣይምህርን እዩ።—ሮሜ 5:12

ኣምላኽ ንጓል ኣንስተይቲ ኻብ ወዲ ተባዕታይ ኣትሒቱ ድዩ ፈጢርዋ፧

ኣይፋልን። ዘፍጥረት 1:27፡ “ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም” ትብል። ስለዚ፡ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ፡ ደቂ ሰብ፡ ማለት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ንባህርያት ኣምላኽ ኬንጸባርቑ ኸም ዚኽእሉ ዀይኖም እዮም ተፈጢሮም። ኣዳምን ሄዋንን ብስምዒታውን ብኣካላውን መዳይ ይፈላለዩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ሓደ ዓይነት መምርሒ እዩ ተዋሂብዎም፣ ንኽልቲኦም ከኣ መሰሎም ይሕለወሎም ነበረ።—ዘፍጥረት 1:28-31

ኣምላኽ ንሄዋን ቅድሚ ምፍጣሩ፡ “ንእኡ [ንኣዳም] እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ” በለ። (ዘፍጥረት 2:18) እታ “ደጋፊት” እትብል ቃል፡ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝተሓተት ምዃና እትሕብር ድያ፧ ኣይፋልን፣ እታ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ምስ ሰብኣይ “እትመዓራረ ሓጋዚት” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። ብዛዕባ እቲ ሓደ መጥባሕቲ ዚገብር ሓኪምን ምስኡ ዚዓዪ መደንዘዚ ዚህብ ሓጋዚኡን እናተደጋገፉ ዚገብርዎ ዕዮ እሞ ሕሰብ። እቲ ሓደ ብዘይ እቲ ኻልእ ኪዓዪ ይኽእልዶ፧ ኣይክእልን እዩ። ነቲ መጥባሕቲ ዜካይዶ፡ እቲ ሓኪም ስለ ዝዀነ፡ ካብቲ ኻልኣዩ ይበልጽ እዩ ማለት ድዩ፧ ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ብተመሳሳሊ፡ ኣምላኽ ንሰብኣይን ንሰበይትን ንሓድሕዶም ኪወዳደሩ ዘይኰነስ፡ ተሓባቢሮም ኪዓይዩ እዩ ፈጢርዎም።—ዘፍጥረት 2:24

ኣምላኽ ንደቂ ኣንስትዮ ኸም ዚሓልየለን ዜርኢ እንታይ እዩ፧

ኣምላኽ፡ እቶም ሓጥኣን ዝዀኑ ሰብኡት ብዛዕባ ዚገብርዎ ነገራት ኣቐዲሙ ስለ ዝፈለጠ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ንምዕቋብ መሰናድዎ ገበረ። ሎር ኣናርድ ዝስማ ደራሲት ኣብታ ላ ቢብለ ኦ ፌሚኒን (መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣንስታይ ጾታ) ዘርእስታ መጽሓፋ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መበል 16 ዘመን ቅ.ክ. እተዋህበ ሕጊ ሙሴ ኽትገልጽ ከላ፡ “መብዛሕትኡ እዋን፡ ኪዳን ሕጊ ሙሴ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ኺዛረብ ከሎ፡ ንኺከላኸለለን ኢሉ እዩ” በለት።

ንኣብነት፡ እቲ ሕጊ፡ ኣቦን ኣደን ኪኽበሩ ኸም ዘለዎም ይእዝዝ ነበረ። (ዘጸኣት 20:12፣ 21:15, 17) ኣብ ልዕሊ ጥንስቲ ሰበይቲ ጕድኣት ከይወርድ እውን ይእዝዝ ነበረ። (ዘጸኣት 21:22) ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ እቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሕግታት፡ ምስቲ ኣብ ብዙሕ ክፋል ዓለም ንደቂ ኣንስትዮ ዚንፈገን ሕጋዊ መሰላት ኣዝዩ ይፈላለ እዩ። ኣምላኽ ንደቂ ኣንስትዮ ኸም ዚሓልየለን ዜርኢ ኻልእ ነገር እውን ኣሎ።

ኣምላኽ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ዜንጸባርቕ ሕጊ

እቲ የሆዋ ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል ዝሃቦም ሕጊ፡ ንዅሎም እቶም ህዝቢ፡ ማለት ንሰብኡትን ንኣንስትን፡ ኣካላውን ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ጥቕሚ የምጽኣሎም ነበረ። እዙዛት ክሳዕ ዝዀኑ ኸኣ፡ ‘ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ኽብ ይብሉ ነበሩ።’ (ዘዳግም 28:1, 2) ሕጊ ሙሴ ንደቂ ኣንስትዮ መሰለን ዚሕልወለን ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ ነዚ ዚስዕብ እስከ ርአ።

1. ብሕታዊ ናጽነት። እስራኤላውያን ደቂ ኣንስትዮ ኻብተን ኣብ ካልኦት ጥንታውያን ሃገራት ኣህዛብ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ብእተፈልየ መገዲ፡ ብዙሕ ናጽነት ነበረን። ሰብኣይ ርእሲ ስድራ ቤት እኳ እንተ ዀነ፡ ንሰበይቱ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዚተኣማመነላ፡ ‘ግራት ክትምልከትን ክትዕድግን’ ከምኡውን ‘ኣታኽልቲ ወይኒ ኽትተክል’ ትኽእል ነበረት። ናይ ምፍታልን ምእላምን ክእለት እንተ ኣልይዋ ኸኣ፡ ንግዲ ኸተካይድ ትኽእል ነበረት። (ምሳሌ 31:11, 16-19) ሕጊ ሙሴ ንደቂ ኣንስትዮ ኸም መሰለን ኪሕለወለን ዘለዎ ውልቀ ሰባት ደኣ እምበር፡ ከም ላቔባ ደቂ ተባዕትዮ ገይሩ ኣይኰነን ዚርእየን።

ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምስ ኣምላኽ ብሕታዊ ርክብ ናይ ምምስራት ናጽነት እውን ነበረን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እታ ንብሕታዊ ጕዳያታ ብዚምልከት ናብ ኣምላኽ ዝጸለየትን እተመባጽዐትን ሃና ይገልጽ እዩ። (1 ሳሙኤል 1:11, 24-28) ሓንቲ ሹናማዊት ሰበይቲ እውን ንነብዪ ኤልሳእ ኣብ መዓልትታት ሰንበት ተማኽሮ ነበረት። (2 ነገስት 4:22-25) ከም ዴቦራን ሑልዳን ዝኣመሰላ ኣንስቲ ድማ፡ ከም ተወከልቲ ኣምላኽ ኰይነን ኣገልጊለን እየን። እቲ ዜገርም ከኣ፡ ጕሉሕ ቦታ ዝነበሮም ሰብኡትን ካህናትን፡ ካባታተን ምኽሪ ንምሕታት ፍቓደኛታት እዮም ነይሮም።—መሳፍንቲ 4:4-8፣ 2 ነገስት 22:14-16, 20

2. ዕድል ትምህርቲ። ደቂ ኣንስትዮ ተሳተፍቲ ኺዳን ሕጊ ሙሴ ስለ ዝነበራ፡ እቲ ሕጊ ኺንበብ ከሎ ኺሰምዓ ይኽእላ ነበራ፣ እዚ ኸኣ ንኺመሃራ ኣጋጣሚ ይኸፍተለን ነበረ። (ዘዳግም 31:12፣ ነህምያ 8:2, 8) ኣብ ገሊኡ መዳያት ህዝባዊ ኣምልኾ ንኺካፈላ ዜኽእለን ስልጠና ኺወስዳ እውን ይኽእላ ነበራ። ንኣብነት፡ ገሊአን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ማሕደር የገልግላ ነበራ፣ ገሊኣተን ከኣ ኣባላት መዘምራን ኰይነን ይዓይያ ነበራ።—ዘጸኣት 38:8፣ 1 ዜና መዋእል 25:5, 6

ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ፡ ዜኽስብ ንግዲ ንኼካይዳ ዜኽእለን ፍልጠትን ክእለትን ነበረን። (ምሳሌ 31:24) ካብቲ ሽዑ ዝነበረ፡ ኣቦ ጥራይ ንኣወዳት ደቁ ኺምህር ከም ዘለዎ ዚገልጽ ባህሊ ብእተፈልየ መገዲ፡ ሓንቲ እስራኤላዊት ኣደ፡ ኣወዳት ደቃ በጽሕታት ክሳዕ ዚዀኑ ትምህሮም ነበረት። (ምሳሌ 31:1) ብንጹር እምበኣር፡ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዘይተማህራ ኣይነበራን።

3. ኣኽብሮት። እተን ዓሰርተ ትእዛዛት ብንጹር፡ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” ይብላ። (ዘጸኣት 20:12) እቲ ጥበበኛ ንጉስ ዝነበረ ሰሎሞን ኣብ ዝጸሓፎ ምስላ እውን፡ “ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ” ኢሉ ነይሩ እዩ።—ምሳሌ 1:8

ሕጊ ሙሴ፡ ኣብ መንጎ ኣንጻር ጾታ ኺህሉ ብዛዕባ ዚግባእ ጠባይ ዚገልጽ ዝርዝራዊ ስርዓታት ዜጠቓልል እዩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ደቂ ኣንስትዮ ብኣኽብሮት ኪተሓዛ ኸም ዚግባእ ዜርኢ እዩ። (ዘሌዋውያን 18:6, 9፣ ዘዳግም 22:25, 26) ሓደ ንፉዕ ሰብኣይ፡ ንኣካላዊ ድሩትነት ሰበይቱ ኣብ ግምት ኬእቱ ነበሮ።—ዘሌዋውያን 18:19

4. ዕቝባ ናይ ምርካብ መሰል። የሆዋ ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንገዛእ ርእሱ ኸም “ኣቦ ዘኽታማትን ጠበቓ መበለታትን” ገይሩ ገሊጽዋ ኣሎ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ነቶም ዚከላኸለሎም ኣቦ ወይ ሰብኣይ ዘይብሎም ሰባት የዕቍቦም ነበረ። (መዝሙር 68:5፣ ዘዳግም 10:17, 18) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሰበይቲ ሓደ ነብዪ ዝነበረት ሓንቲ መበለት፡ ብኣለቃሒኣ ምስ ተበደለት፡ የሆዋ ምእንታኣ ኢሉ ኢዱ ብምእታው ተኣምር ገበረ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ብህይወት ኣንበራን ክብረታ ሓለወላን።—2 ነገስት 4:1-7

እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ቕድሚ ምእታዎም፡ እቲ ርእሲ ስድራ ቤት ዝነበረ ጸሎፍሓድ፡ ወዲ ኸይወለደ ሞተ። እተን ሓሙሽተ ኣዋልዱ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ተስፋ “ርስቲ” ምእንቲ ኺወሃበን፡ ንሙሴ ሓተታኦ። የሆዋ ኸኣ ኻብቲ ዝሓተታኦ ንላዕሊ ገበረለን። ንሙሴ፡ “ኣብ ማእከል ሓወቦታተን ርስቲ ሀበን፡ እቲ ርስቲ ኣቦኤን ናባታተን ኣሕልፎ” በሎ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ እስራኤላውያን ደቂ ኣንስትዮ ኻብ ኣቦታተን ርስቲ ኺወርሳን ንደቀን ኬሕልፋሎምን ይኽእላ ነበራ።—ዘሁልቍ 27:1-8

ኣምላኽ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ኣረኣእያ ተጠምዘዘ

ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኽቡር ቦታ ነበረን፣ መሰለን ከኣ ይሕለወለን ነበረ። ይኹን እምበር፡ ካብ ራብዓይ ዘመን ቅ.ክ. ንነጀው፡ ኣይሁድነት በቲ ንደቂ ኣንስትዮ ኣትሒቱ ዚርኢ ዝነበረ ባህሊ ግሪኽ ኪጽሎ ጀመረ።—ነታ፡ “ኣብ ጥንታዊ ጽሑፋት፡ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ እተገብረ ኣድልዎ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ንኣብነት፡ ሂሲድ ዝስሙ ግሪኻዊ ገጣሚ (ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ.)፡ ብምሉኡ መከራ ደቂ ሰብ፡ ብሰንኪ ደቂ ኣንስትዮ ኸም ዝመጸ ገለጸ። ኣብታ ቲኦጎኒ እትብሃል መጽሓፉ፡ ብዛዕባ “እተን ኣብ መንጎ መወትቲ ደቂ ተባዕትዮ ዚነብራ ግናኸ ዓብዪ ጸገም ዘምጽኣሎም፡ ሞት ዜስዕባ ዓሌት ደቂ ኣንስትዮ” ተዛሪቡ ነበረ። እዚ ሓሳብ እዚ፡ ኣብ መጀመርታ ኻልኣይ ዘመን ቅ.ክ. ኣብ ኣይሁድነት ህቡብ ኰነ። እቲ ኻብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ጀሚሩ እተሰናደወ ታልሙድ፡ “ኣብ መወዳእታኡ ናብ ርኽሰት ኪመርሓካ ስለ ዚኽእል፡ ምስ ሰበይቲ ብዙሕ ኣይተዕልል” ዚብል ንሰብኡት ዚኸውን መጠንቀቕታ ዝሓዘ እዩ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ዓይነት ኣተሓሳስባ፡ ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ ኣይሁድ ዝነበረን ግደ ኣዝዩ ጸልይዎ እዩ። ብግዜ የሱስ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኻብቲ ኣጸድ ደቂ ኣንስትዮ ዚብሃል ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ቦታ ኣይሓልፋን እየን ነይረን። ንደቂ ተባዕትዮ ጥራይ እዩ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ዚወሃቦም ነይሩ፣ ኣብ ቤት ጸሎት ድማ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኻብ ደቂ ተባዕትዮ ተፈልየን ኮፍ ይብላ ነበራ። ሓደ ረቢ፡ “ዝዀነ ይኹን ንጓሉ ቶራህ [ሕጊ ሙሴ] ዚምህራ ሰብ፡ ብዕልግና እዩ ዚምህራ” ኸም ዝበለ ኣብ ታልሙድ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣይሁዳውያን መራሕቲ ሃይማኖት ንኣመለኻኽታ ኣምላኽ ብምጥምዛዝ፡ ኣብ ልቢ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ፡ ንዕቀት ደቂ ኣንስትዮ ተኸሉ።

የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ ነቲ ኣብቲ ባህሊ ሱር ሰዲዱ ዝነበረ ንደቂ ኣንስትዮ ናይ ምንዓቕ ዝንባለ ኣስተብሂሉሉ ነበረ። (ማቴዎስ 15:6, 9፣ 26:7-11) እሞኸ እዚ ዝንባለ እዚ ነቲ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ዝነበሮ ርክብ ጸልይዎዶ፧ ካብ ጠባዩን ኣረኣእያኡን እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ናይ ሓቂ ክርስትና ንደቂ ኣንስትዮ ዕረፍቲ ኣምጺኡለንዶ፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ኽትምልሶ እያ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ጥንታዊ ጽሑፋት፡ ኣንጻር ደቂ ኣንስትዮ እተገብረ ኣድልዎ

ካብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ንነጀው፡ ከም ፊሎ ብዓል እስክንድርያ ዝበሉ ጸሓፍቲ፡ ነቲ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ዚርከብ ጸብጻብ ብፍልስፍና ግሪኽ ገይሮም ኪትርጕምዎ ጀመሩ። ብኣረኣእያ ፊሎ፡ ሄዋን ብጾታዊ ሓጢኣት ገበነኛ ስለ ዝነበረት፡ “ናጽነታ ኽትግፈፍን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ ደጋፊኣ ዝዀነ ወዲ ተባዕታይን ክትከውንን” ተፈሪድዋ እዩ። ከምዚ ዝበለ ንዕቀት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ኣይሁድነት እውን ሰሊኹ ኣተወ፣ ኣብ ጽሑፋት ኣበው ቤተ ክርስትያን ድማ ኪንጸባረቕ ጀመረ።

ኣብ ካልኣይ ዘመን ኣብ ዝነበረ ሚድራሽ ራባ ዚብሃል ናይ ኣይሁዳውያን ጽሑፍ፡ ሓደ ረቢ፡ ደቂ ኣንስትዮ ስለምንታይ ጕልባብ ኪገብራ ኸም ዘለወን ኪገልጽ ከሎ፡ “ጌጋ ብምግባሩ ገጽ ሰብ ምርኣይ ከም ዜሕፍሮ ሰብ እየን” በለ። እቲ ናይ ሃይማኖት ምሁር ዝነበረ፡ ካብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ኣትሒዙ ድማ ጽሑፋቱ ሓያል ጽልዋ ዜሕድር ዝነበረ ተርቱልያን፡ ‘ደቂ ኣንስትዮ ልክዕ ከም ሄዋን ሓጥኣን ስለ ዝዀና፡ ኪሓዝናን ኪንስሓን ኣለወን’ ኢሉ ይምህር ነበረ። ከምዚ ዝበለ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመጸ ዚመስል ትምህርትታት፡ ንደቂ ኣንስትዮ ኣደዳ ብዙሕ ኣድልዎ ኸም ዚዀና ገይርወን እዩ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ሄዋን፡ ሓጋዚትን መመላእታን ኣዳም ኰይና እያ ተፈጢራ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ንግዲ ይካፈላ ነበራ