ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ”

“ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ”

“ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ”

ኦልጋ ካምፕበል ዘዘንተወቶ

እታ ኤምሊ ዝስማ ሓብተይ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ን60 ዓመት ብምግልጋለይ እንቋዕ ሓጐሰኪ ንምባል ኣብ ዝጸሓፈትለይ ደብዳበ: “ሓደ ሰብ ዜርእዮ ሰናይ ኣብነት: ልክዕ ከምቲ ኻልኦት ንኺመጹ ዚዕድም ደወል እዩ፣ ንስኺ ነታ ደወል ደወልክያ: ኣነ ኸኣ ምላሽ ሃብኩ” በለት። ንግዜ ንእስነተይን ነዚ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ዝዓየኽዎ ዕዮ ብኸመይ ከም ዝጀመርክዎን እስከ ኸዘንትወልኩም።

ብ19 ጥሪ 1927 ካብታ ኣብ ምዕራብ ማእከላይ ካናዳ ኣብ ጥቓ ዋካ: ሰስካችወን እትነብር ዝነበረት ዩክረይናዊት ስድራ ቤት እየ ተወሊደ። ኣነን እቲ ማንታይ ዝዀነ ቢልን ካብቶም ሸሞንተ ውሉዳት: መበል ሻድሻይን ሻብዓይን ነበርና። እቶም ቈልዑ ዘበልና ነቲ ኣብ ሕርሻ ዝሰርሕ ዝነበረ ህርኩት ኣቦና ንሕግዞ ነበርና። ኣዴና በቲ ዜልምስ ሕማም ሪሕ ወይ ኣርትራይትስ ትሳቐ እኳ እንተ ነበረት: ኣብታ ንእሽቶ ገዛና ዀይና ትሕብሕበና ነበረት፣ ደሓር ግን ብሰንኪ እዚ ሕማም እዚ ሞተት። ክትመውት ከላ ጓል 37 ዓመት ጥራይ እያ ነይራ: ኣነ ድማ ጓል 4 ዓመት ነበርኩ።

ኣደይ ምስ ሞተት ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ: ኣቦይ እንደገና ተመርዓወ። ምስተን ሓሙሽተ ዝዀና ደቂ እታ ሰበይቲ ኣቦና ኽንነብር ስለ ዝጀመርና: ቤትና ውጥረት መልአት። ኣነ ነታ ሰበይቲ ኣቦና ኣኽብሮት ከርእያ እጽዕር ነበርኩ: እቲ ጆን ዝስሙ ዓብዪ ሓወይ ግን እዚ ኣጸጊምዎ ነበረ።

ኣብ መወዳእታ 1930ታት ኣነን ቢልን ኣብ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣተና: ካብቲ ኣብ ቤትና ዝነበረ ውጥረት ድማ ከነምልጥ ከኣልና። ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣንጠልጢሉ ብምንባሩ: ፍቕሪ ሃገር ኣስፋሕፊሑ ነበረ። እታ ሓዳስ መምህርና ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ኸም እንህብ ክትገብረና ጀመረት: ሓንቲ ጓል ግን ኣብዚ ምክፋል ኣበየት። እቶም ተመሃሮ ድማ ሕርሕራይ ገይሮም ጸረፍዋ። ኣነ ግን በቲ ትብዓታ ስለ ዘድነቕክዋ: ስለምንታይ ሰላምታ ኸም ዘይትህብ ሓተትክዋ። ሓንቲ ኻብቶም ኣብቲ እዋን እቲ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚፍለጡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃናን ንኣምላኽ ጥራይ ተኣማንነት ከም እተርእን ነገረትኒ።—ዘጸ. 20:2, 3፣ ግብ. 5:29

ብርእሰይ ሓደርኩ

ብ1943 ኣብ ፕሪንስ ኣልበርት ማካይን ጽዕነት ክጽዕንን ልስሉስ መስተ ኸከፋፍልን ጀመርኩ። መንፈሳዊ መምርሒ ኽረክብ እህንጠ ስለ ዝነበርኩ: መጽሓፍ ቅዱስ ዓደግኩ፣ ነቲ ዘንብቦ ዝነበርኩ ኽርድኦ ስለ ዘይከኣልኩ ግን ብሓርቖት በኸኹ። ጸሎት ኣቡነ ዘበሰማያት እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት ኣይነበረንን።—ማቴ. 6:9-13

ሓደ ሰንበት: እታ ኣዘውቲራ ናብ ቤተ ክርስትያን እትኸይድ ዋና ገዛይ ንሓንቲ “መጽሓፍ ቅዱስ እትምህር ሰበይቲ” ኸም ዝሰጐጐታ ብሓበን ነገረትኒ። ኣነ ግን ‘እዛ ሰበይትስ ክንደይ ትጭክን፧’ ኢለ ሓሰብኩ። ድሕሪ ገለ ሰሙናት: ስለ ዝሓመምኩ: ካብ ቤተ ክርስትያን ተረፍኩ። ሽዑ: እታ “መጽሓፍ ቅዱስ እትምህር ሰበይቲ” ተመሊሳ መጸት።

“ትጽልዪዶ፧” ኢላ ሓተተትኒ።

“ኣቡነ ዘበሰማያት እጽሊ እየ” ኢለ መለስኩላ።

ንትርጕም እቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ክትገልጸለይ ከላ: ብህንጥዮት እሰምዓ ነበርኩ። ኣብታ ቐጺላ ዘላ ረቡዕ ከም እትመጽእ ድማ ነገረትኒ።

እታ ዋና ገዛ ምስ ተመልሰት: እታ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት “መጽሓፍ ቅዱስ እትምህር ሰበይቲ” መጺኣ ኸም ዝነበረት ብታሕጓስ ነገርክዋ። እቲ ዜሕዝን ግን: እታ ዋና ገዛ “ረቡዕ ተመሊሳ እንተ መጺኣ: ንኽልቴኽን እየ ኻብዚ ገዛ ዝሰጐክን” ኢላ ኣጕባዕብዐትለይ።

ነዛ ደሓር ወይዘሮ ራምፐል ከም እትበሃል ዝፈለጥኩ ናይ የሆዋ ምስክር ንምርካብ ዘይኣተኽዎ ቦታ ኣይነበረን። ምስ ረኸብክዋ: ነቲ ዘጋጠመኒ ጸገም ነገርክዋ፣ ንዅሉ እቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እትፈልጦ ኽትነግረኒ ድማ ሓተትክዋ። ካብ ዘፍጥረት ክሳዕ ራእይ ዘሎ ዝሸፈንናዮ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ንግዜና ምስ ግዜ ኖህ ኣመሳሰለቶ፣ ኣምላኽ ነታ ርኽስቲ ዓለም ኣጥፊኡ ንኖህን ንስድራ ቤቱን ናብታ ዝጸረየት ምድሪ ኸም ዘድሓኖም ከኣ ነገረትኒ።—ማቴ. 24:37-39፣ 2 ጴጥ. 2:5፣ 3:5-7, 12

ንነዊሕ ሰዓታት ድሕሪ ምዝርራብና ወይዘሮ ራምፐል: “ነዚ ናይ ሓቂ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተቐበልክዮ ርግጸኛ እየ” በለትኒ። ቀጺላ ድማ “ድሕሪ ኽልተ ሰሙን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ዓብዪ ኣኼባ ኣሎ: ሽዑ ኽትጥመቒ ኣሎኪ” በለትኒ። ኣብታ ለይቲ እቲኣ ብዛዕባ እቲ እተመሃርክዎ ኽሓስብ ከይደቀስኩ ሓደርኩ። ጥምቀት ኣዝዩ ረዚን ስጕምቲ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ንኣምላኽ ግን ከገልግሎ እደሊ ነበርኩ። እቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረኒ ፍልጠት ውሱን እኳ እንተ ነበረ: ብ15 ጥቅምቲ 1943 ጓል 16 ዓመት ከለኹ ተጠመቕኩ።

ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ ካናዳ ገዓዝኩ

ኣብ ወርሒ ሕዳር: ፍሬድ ዝስሙ ሓወይ ኣብቲ ኣብ ምብራቓዊ ካናዳ ኣብ ቶሮንቶ ዚርከብ ኣርባዕተ ደርቢ ዘለዎ ገዛኡ: ኣጽራዪት ኰይነ ኽዓዪ ሓተተኒ። ኣነ ድማ ኣብኡ ንየሆዋ ንምምላኽ ዝያዳ ናጽነት ከም ዝረክብ ተስፋ ገይረ በቲ ሓሳብ ተሰማማዕኩ። ቅድሚ ናብኡ ምኻደይ ግን ናብታ ኣብ ጥቓ ሰስካችወን እትነብር ዝነበረት ኣን ዝስማ ሓብተይ ከድኩ። ንሳን ዶሪስን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይገብራ ምንባረን ምስ ፈለጥኩ ዘይተጸበኽዎ ነገር ኰነኒ፣ ኣን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክጅምር ከተተባብዓኒ ድማ ጀመረት። ሽዑ ኸኣ ኣነ እውን ነቲ ዓቂበዮ ዝነበርኩ ምስጢር: ማለት እተጠመቕኩ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃነይ ነገርክዋ።

ኣነን እታ ምንኣሰይ ሓብተይ ኤምሊን ናብ ቶሮንቶ ብባቡር ነዊሕ ተጐዓዝና። ቢል ኣብቲ መደበር ባቡር ይጽበየና ነበረ: ናብቲ ምስ ፍሬድን ጆንን ብሓባር ዚነብሩሉ ዝነበሩ ቤት ከኣ ወሰደና። ኣብቲ ገዛ ዚነብር ካልእ ሰብ እንተ ኣልዩ ንፍሬድ ሓተትክዎ። “ነቲ ኣሌክስ ሪድ ዝስሙ ኣብ ዓድና ዚነብር ዝነበረ ሰብኣይ ትዝክርዮዶ፧ ኣብቲ ላዕለዋይ ክፍሊ እዩ ዚነብር: ዝገርመኪ ኸኣ ምስቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሃሮ ይቀራረብ እዩ” በለኒ። ልበይ ብሓጐስ ፍንጭሕ በለት!

ምስ ኣሌክስ ክራኸብን ኣብታ ምሸት እቲኣ ኣብ ዚግበር ኣኼባ ምስኡ ክኸይድን ናብቲ ላዕለዋይ ክፍሊ ቐስ ኢለ ኸድኩ። ኣሕዋተይ ምእንቲ ኸየታርፉኒ ቐልጢፈ ናብ ኣኼባ ክኸይድ ደለኹ። ብድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሓሉ ሰብ እኳ እንተ ዘይረኸብኩ: ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዕዮ ስብከት ተኻፈልኩ። ነቲ ኣብ እዋን ቍልዕነት እተመሃርክዎ ቛንቋ ዩክረይን ተጠቒመ ምስ ብዙሓት ዩክረይናውያን ምዝርራበይ ኣሐጐሰኒ።

ቢል ነቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ክፍሉ ዘቐምጠሉ ዝነበርኩ ግምቢ ዘብዐኛ የንብቦ ነበረ። ናብታ ኣብ ምዕራብ ካናዳ እትርከብ ብሪጣንያዊ ኮሎምቢያ ምስ ገዓዘ: ከም ህያብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ኵንትራት ለኣኽኩሉ። ብዙሕ ምዝራብ ዘይፈቱ እኳ እንተ ዀነ: ሞሳኡ ንምግላጽ ግን ዓሰርተ ገጽ ዝሓዘ ደብዳበ ለኣኸለይ። ድሕሪ ግዜ: ርእሱ ንየሆዋ ወፍዩ ቐናእ ክርስትያን ሓላዊ ዀነ። በዚ ኸምዚ ኽልተ ኻብ ኣሕዋተይን ሰለስተ ኻብ ኣሓተይን: ማለት ቢልን ኣንን ፍሬድን ዶሪስን ኤምሊን ርእሶም ዝወፈዩ ኣምለኽቲ የሆዋ ምዃኖም ኣዝዩ ኣሐጐሰኒ።

ብ22 ግንቦት 1945 መንግስቲ ካናዳ ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረ እገዳ ኣልዓሎ። a ኣነ ግን ነዚ ምልክታ እዚ ድሕሪ ምስምዐይ እየ ኣብ ትሕቲ እገዳ ምንባርና ፈሊጠ። ኣነን ጁዲ ሉካስ ዝስማ መሓዛይን ኣብቲ ተዛረብቲ ፈረንሳይኛ ዚርከቡሉ ምብራቓዊ ሸነኽ ኲበክ ፈለምቲ ዄንና ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክንዓዪ ወሰንና። እተን ዶሪስን ኤምሊን ዝስመን ኣሓተይ ነቲ ዘውጻእናዮ መደብ ምስ ሰምዓ: ንሳተን እውን ኣብ ቫንኮቨር: ብሪጣንያዊ ኮሎምቢያ: ማለት ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ካናዳ ፈለምቲ ዀይነን ከገልግላ ወሰና።

ኣብ ኲበክ ዘጋጠመ ሃይማኖታዊ ዘይተጻዋርነት

ናብ ኲበክ ክግዕዝ ከለኹ: ቦታ ጥራይ ኣይኰንኩን ቀይረ። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምኽንያት ዕዮ ስብከት ብርቱዕ መስጐጒቲ ይወርዶም ነበረ። b ነታ ኲበክስ በርኒንግ ሄይት ፎር ጎድ ኤንድ ፍሪደም ኢዝ ዘ ሸይም ኦቭ ኦል ካናዳ ዘርእስታ ትራክት ኣብ ምዕዳል ምክፋልና ኣሐጒሱና እዩ። እዚ መሪር መልእኽቲ እዚ ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚወርድ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ዘይተጻዋርነት ዜቃልዕ እዩ ነይሩ።

ን16 መዓልትታት: ሰዓት ክልተ ለይቲ ጀሚርና ነቲ ትራክትታት ሰላሕ ኢልና ብትሕቲ እቲ ማዕጾ ነእትዎ ነበርና። ሓደ ግዜ: ኣብ ሓደ ኣፓርታማ ምስ በጻሕና: ፖሊስ ይመጹ ኸም ዘለዉ ፈለጥና። ኣብ መሽጐራጉር ተሓቢእና ድማ ኣሕለፍናዮም። ንጽባሒቱ: ናብቲ ጐደናታት ኬድና ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ኣበርከትና። ኣዋርሕ እናሓለፈ ምስ ከደ ግን: እቶም ፖሊስ ብተደጋጋሚ ይኣስሩና ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ: ኵሉ ሳዕ ንማእሰርቲ ድልውቲ ንምዃን: ናይ ስኒ ብራሽን መዅሓሊት ርሳስን ካባይ ኣይፈልን እየ ነይረ።

ኣብ ሕዳር 1946 እቲ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መሪሕ ግደ ዝነበሮ ናታን ኖር ካብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ኪበጽሓና መጸ። ነቶም ኣብ ኲበክ ዝነበርና 64 እንኸውን ፈለምቲ ድማ ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ላንሲንግ: ኒው ዮርክ ዚርከብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ኣብ መበል ታሽዓይ ክፍሊ ኽንካፈል ጻውዒት ኣቕረበልና። ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ሓሙሽተ ወርሒ ዝወሰደ ብዛዕባ መምርሒ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ ዓሚቝ ስልጠና ተዋህበና። ኣብ ነሓሰ 1947 ምስ ተመረቕና: ኣብተን ኣብ ኲበክ ዚርከባ ኸተማታት ሓደስቲ ጉባኤታት ክንምስርት ተለኣኽና።

ዓስቢ ዘለዎ ኣገልግሎት

ንዓይ ሓዊስካ ኣርባዕተ እንኸውን መንእሰያት ኣሓት ናብ ሸርብሮክ ተለኣኽና። ፈረንሳይኛ ንኽንክእል ብትግሃት ንለማመድ ነበርና: ናብቲ እንሰብከሉ ኽሊ ኽንከይድን ክንምለስን ከለና ድማ ንእተፈላለየ ግስታት ደጋጊምና ንዛረበሉ። ሓድሓደ ግዜ ኣብ እዋን ምሳሕ ንምግቢ ዚኸውን ገንዘብ ንስእን፣ ከምዚ ኼጋጥም ከሎ: ናብ ገዛና ተመሊስና ነጽንዕ ነበርና። እታ መገላግልተይ ዝነበረት ከይ ሊንድሆርስት ብሰዋስው ዝመጸ ንፍዕቲ ነበረት። ንሰዋስው ፈረንሳይኛ ምእንቲ ኽንርድኦ: ፈለማ ሰዋስው እንግሊዝኛ መሃረትኒ።

ፈላሚት ካብ ዝኸውን ኣብ ህይወተይ ጕሉሕ ቦታ ዘለዎ: እቲ ኣብታ ሽዑ 15,000 ነበርቲ ጥራይ ዝነበርዋ ቪክቶርያቫይል ዘጋጠመ እዩ። ኣብቲ ቦታ እቲ እንግሊዝኛ ዚዛረብ ሰብ ዳርጋ ኣይነበረን: እዚ ኸኣ እቲ ናይ ፈረንሳይኛ ኽእለትና ንኸነመሓይሽ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኸፈተልና። እቲ ናይ መጀመርታ ሰሙን ኣዝዩ ባህ ዜብል ነበረ። ኣብ ዝኸድናዮ ዘበለ ሰባት ንጽሑፋትና ይወስዱ ነበሩ። ምስ ተመለስና ግን: ኵሉ ማዕጾን መጋረጃን ተዓጽዩ ጸንሓና። እንታይ ኰን እዩ ኣጋጢሙ፧

እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝነበረ ኻህን ነቶም ህዝቢ ኸይሰምዑና ኣጠንቀቖም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ካብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ከለና: ሓድሓደ ቘልዑ ደድሕሬና ብምስዓብ ርሕቕ ኢሎም እምንን በረድን ይድርብዩልና ነበሩ። ኰይኑ ግን: ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ ኺሰምዑ ህንጥዮት ነበሮም። ኣብ ፈለማ: ምስ መሰየ ጥራይ ክንበጽሖም ይደልዩ ነበሩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ፍልጠት እናወሰኸ ምስ ከደ ግን: ካብ ጐረባብቶም ዚመጽእ ምጽራር እናሃለወ ኽነሱ: ብናጽነት የጽንዑ ነበሩ።

ብ1950ታት ኣነን ሓብተይን ንኽንበጽሕ ኢልና ናብ ዋካ ኸድና። ኣብቲ ጉባኤ ድማ ኣብ ስብከት ዝረኸብናዮ ተመክሮታት ነገርናዮም። ብድሕሪኡ እቲ ኣስተናባሪ ኣገልጋሊ “ኣዴኽን ካብ ሞት ተንሲኣ: ደቃ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃነን ምስ ፈለጠት ኣዝያ ኽትሕጐስ እያ” በለና። ቅድሚ ሙማታ ምስ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትገብር ከም ዝነበረት ነገረና። ኣዴና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ትመሃር ከም ዝነበረት ምስ ፈለጥና: ንብዓት ሰዓረና፣ ብንእስነታ እንተ ዘይትመውት ነዚ ሓቂ እዚ ንዓና እውን ምነገረትና ነይራ።

ሓዳርን ሓባራዊ ኣገልግሎትን

ብ1956 ምስ ሓደ ብግዜ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ብምኽንያት ገለልትነቱ ን27 ኣዋርሕ እተኣስረ መርቶን ካምፕበል ዝስሙ ናይ የሆዋ ምስክር ተራኸብኩ። ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዓሰርተ ዓመት ኣገልጊሉ እዩ። መርቶን ጽቡቕ መንፈሳዊ ባህርያት ነበሮ: ንፉዕ ሰብኣይ ኪኸውን ከም ዚኽእል ድማ ፈለጥኩ። ንእተወሰነ ኣዋርሕ ደብዳበ ንጸሓሓፍ ነበርና: እቲ ዝነበረና ምክብባርን ምቅርራብን ድማ ናብ ፍቕሪ ኣምርሐ።

ኣነን መርቶንን ብ24 መስከረም 1960 ተመርዓና። ን47 ዓመት ምስዚ ዜደንቕ መንፈሳዊ ሰብኣይ ምሕላፈይ ኣዝየ እየ ተባሪኸ። መርቶን ምስቲ ነተን ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከባ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓገዝን መምርሕን ዚህብ ክፍሊ ኣገልግሎት ን58 ዓመት ዓየየ። ኣነ ድማ ንልዕሊ 30 ዓመት: መጀመርታ ኣብ ብሩክሊን ንኽፍልታት መቐበል ኣጋይሽ ደሓር ከኣ ነቲ ኣብ ከባቢ ኒው ዮርክ ዚርከብ ዓበይቲ ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባ ኣብ ምጽብባቕ እዓዪ ነበርኩ። ብድሕሪኡ ብ1995 ኣነን መርቶንን ናብቲ ኻብ ኒው ዮርክ ብሸነኽ ሰሜን 110 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ፓተርሰን ዚርከብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ገዓዝና።

ጓል 12 ዓመት ኰይነ ኻብ ቤት ክወጽእ ከለኹ: ንኣሕዋተይን ኣሓተይን እውን ሓዊስካ ብዓብዪ ስድራ ቤት ክኽበብ እየ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን ነይረ። ኣብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም: ንኣዴና ኸቢብና ነቲ ደቂሳ ኸላ ዘጋጠመ ነገራት: ብፍላይ ድማ የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ንደቃ ብመንፈሳዊ ዜድልዮም ነገራት ብኸመይ ብፍቕሪ ይህቦም ከም ዝነበረ ኽንነግራ ተሃንጥየ እየ ዘለኹ። የሆዋ ‘ብመገዲ ጽድቂ ስለ ዝመርሓና’ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እንሕጐስ!—መዝሙር 23:3

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብምኽንያት እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርኣይዎ ገለልትነት: መንግስቲ ካናዳ ብ4 ሓምለ 1940 ንዕዮኦም ኣጊድዎ ነበረ።

b ብዛዕባ እቲ ኣብ ኲበክ ዘጋጠመ ሃይማኖታዊ መስጐጕቲ ብዝርዝር ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ: ነታ ናይ 22 ሚያዝያ 2000 ቅዳሕ ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 20-3 ርአ።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ወለደይን ምስቶም ሸውዓተ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዝዓበኹላ ቤትን

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ብ1953 ኣብ ኦታዋ ምስተን መገላግልተይ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ኣሕዋተይን ኣሓተይን (ካብ ጸጋም ንየማን) ኣን: ሜሪ: ፍሬድ: ዶሪስ: ጆን: ኣነ: ቢል: ኤምሊ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚ ምስ መርቶን