ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ፡ ሓሳቡ ብንጹር ዜመሓላልፍ ኣምላኽ

የሆዋ፡ ሓሳቡ ብንጹር ዜመሓላልፍ ኣምላኽ

“ክዛረበካስ ስምዓኒ ዀታ።”—እዮ. 42:4

መዝሙር፦ 37, 23

1-3. (ሀ) ኣምላኽ ዚጥቀመሉ ቛንቋን ሓሳቡ ዜመሓላልፈሉ መገድን ካብ ናይ ሰባት ዚበልጽ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

እቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ፡ ህይወት ዝሃቦምን ሓጐስ ዘካፈሎምን መስተውዓልቲ ፍጡራት ፈጢሩ እዩ። (መዝ. 36:9፣ 1 ጢሞ. 1:11) ሃዋርያ ዮሃንስ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበረ ቐዳማይ ፍጡር፡ “ቃል”ን “መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ”ን ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (ዮሃ. 1:1፣ ራእ. 3:14) የሆዋ ኣምላኽ ሓሳባቱን ስምዒታቱን ነቲ በኹሪ ወዱ ገሊጹሉ እዩ። (ዮሃ. 1:14, 17፣ ቈሎ. 1:15) ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኻብ ቋንቋ ሰባት ዚበልጽ ኣብ ሰማይ ሓሳባኦም ዚላዋወጡሉ ‘ቛንቋታት መላእኽቲ’ ተዛሪቡ ኣሎ።—1 ቈረ. 13:1

2 የሆዋ ብዛዕባ እቶም ኣብ ምድርን ሰማይን ዘለዉ ቢልዮናት መስተውዓልቲ ፍጡራቱ ዓሚቝ ፍልጠት ኣለዎ። ማእለያ ዘይብሎም ውልቀ ሰባት ብሓያሎ ቛንቋታት ኣብ ሓደ እዋን ናብኡ ኺጽልዩ ይኽእሉ እዮም። ንሱ ድማ ነዚ ዅሉ ጸሎት እዚ ይሰምዖ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብታ ህሞት እቲኣ መምርሒ ኺህብን ምስ ሰማያውያን ፍጡራቱ ሓሳብ ኪላዋወጥን ይኽእል እዩ። ከምኡ ንምግባር፡ ሓሳባቱን ቋንቋኡን ሓሳቡ ዜመሓላልፈሉ መገድን ካብ ናይ ሰባት ኣዝዩ ዚበልጽ ኪኸውን ኣለዎ። (ኢሳይያስ 55:8, 9 ኣንብብ።) እምበኣር፡ የሆዋ ንሰባት ሓሳባቱ ኼመሓላልፈሎም ከሎ፡ ንሳቶም ምእንቲ ኺርድእዎ፡ ነቲ ሓሳባቱ ዚገልጸሉ መገዲ የቕልሎ እዩ።

3 ሕጂ ኸኣ እዚ ልዕሊ ዅሉ ጥበበኛ ዝዀነ ኣምላኽ ንህዝቡ ብንጹር ሓሳቡ ንምምሕልላፍ፡ ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ደቂ ሰብ ዝወሰዶ ስጕምትታት ክንምርምር ኢና። ነቲ ሓሳቡ ዜመሓላልፈሉ መገዲ ኸከም ኣድላይነትን ኵነታትን ከመይ ገይሩ ኸም ዜተዓራሪ እውን ክንርኢ ኢና።

ንሰባት እተዋህበ ቓል ኣምላኽ

4. (ሀ) የሆዋ ንሙሴን ንሳሙኤልን ንዳዊትን ንምዝራብ እንታይ ቋንቋ እዩ ተጠቒሙ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ሒዙ ኣሎ፧

4 ኣብ ገነት ኤድን፡ የሆዋ ብቛንቋ ሰብ ገይሩ እዩ ንኣዳም ተዛሪብዎ። እቲ ሽዑ እተጠቕመሉ ቛንቋ፡ ጥንታዊ እብራይስጢ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጸኒሑ፡ ንኸም እኒ ሙሴን ሳሙኤልን ዳዊትን ዝኣመሰሉ እብራይስጢ ዚዛረቡ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባቱ ኣፍሊጥዎም እዩ፣ ንሳቶም ድማ ነቲ ሓሳባት እቲ ብናታቶም ቃላትን ኣጸሓሕፋን ገይሮም ገሊጾምዎ ኣለዉ። ኣብ ርእሲ እቲ ኻብ ኣምላኽ ብቐጥታ ዘመሓላለፍዎ ሓሳብ፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ህዝቡ ዘለዎ ርክብ መዝጊቦም እዮም፣ እዚ ድማ እንተላይ ነቲ ብዛዕባ እምነቶምን ፍቕሮምን፡ ብዛዕባ ጕድለቶምን ዘይምእማኖምን ዚገልጽ ዛንታታት የጠቓልል። ኵሉ እዚ ሓበሬታ እዚ፡ ሎሚ ዓብዪ ዋጋ ኣለዎ።—ሮሜ 15:4

5. የሆዋ ንህዝቡ፡ እብራይስጢ ጥራይ ኪጥቀሙ ገዲድዎም ድዩ፧ ግለጽ።

5 ኵነታት እናተቐየረ ምስ ከደ ግና፡ ኣምላኽ ነቲ ንሰባት ሓሳቡ ዚገልጸሉ መገዲ ብእብራይስጢ ጥራይ ኣይቀየዶን። ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን፡ ኣራማይስጢ መዓልታዊ ቛንቋ ገሊኦም ህዝቢ ኣምላኽ ኰይኑ ነይሩ እዩ። የሆዋ ንነብዪ ዳንኤልን ንነብዪ ኤርምያስን ንእዝራ እቲ ኻህንን ገሊኡ ኽፋል እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጻሕፍቶም ብኣራማይስጢ ኺጽሕፍዎ ዝደረኾም፡ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኪኸውን ዚኽእል።—ኣብ እግረ ጽሑፍ (NW) እዝራ 4:8፣ 7:12፣ ኤርምያስ 10:11፣ ዳንኤል 2:4 ርአ።

6. ቃል ኣምላኽ ብዘይካ ብእብራይስጢ ብኻልእ ቋንቋታት ኪህሉ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

6 ጸኒሑ፡ እስክንድር እቲ ዓብዪ ንመብዛሕትኡ ኽፋል ጥንታዊት ዓለም ተቘጻጺሩ ነይሩ፣ ኪኒ ዚብሃል ተራ ግሪኽኛ ድማ ዓለምለኻዊ ቛንቋ ዀይኑ የገልግል ነይሩ። ብዙሓት ኣይሁድ ከኣ በቲ ቛንቋ እቲ ኺዛረቡ ጀሚሮም፣ በዚ ምኽንያት እዚ እውን ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ናብ ግሪኽኛ ተተርጒሙ። እቲ ትርጉም እቲ፡ ብ72 ተርጐምቲ ኸም እተተርጐመ እዩ ዚእመነሉ፣ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት ተባሂሉ ድማ ይፍለጥ። ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ቐዳማይ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ እውን እዩ ነይሩ። * ኣዝዮም ብዙሓት ተርጐምቲ ስለ ዝተርጐምዎ፡ ካብ ቃል ብቓሉ ኣትሒዙ ኽሳዕ ፍንው ዝበለ ዓይነት ኣተራጕማ እዮም ተጠቒሞም። ኰይኑ ግና፡ ግሪኽኛ ዚዛረቡ ኣይሁድን ክርስትያናትን ንትርጉም ሰብዓ ሊቃናት ከም ቃል ኣምላኽ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም።

7. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንምምሃር እንታይ ቋንቋ ተጠቒሙ ኪኸውን ኣለዎ፧

7 እቲ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ምስ መጸ፡ ብእብራይስጢ ተዛሪቡን ምሂሩን ኪኸውን ኣለዎ። (ዮሃ. 19:20፣ 20:16፣ ግብ. 26:14) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚዝረብ ዝነበረ እብራይስጢ ብኣራማይስጢ ተጸልዩ ስለ ዝነበረ፡ የሱስ ኣብ ዘረባኡ እተወሰነ ኣራማይስጢ ተጠቒሙ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ኣብ ሰሰሙን ኣብ ምኵራባት ዚንበብ ዝነበረ ብግዜ ሙሴን ነብያትን ዝነበረ ጥንታዊ እብራይስጢ እውን ይፈልጦ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 4:17-19፣ 24:44, 45፣ ግብ. 15:21) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ኣብ እስራኤል ግሪኽኛን ላቲንን ይዝረብ ነይሩ እዩ። የሱስ ነዚ ቛንቋታት እዚ ምዝራቡ ዚሕብር ሓበሬታ ግና ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይርከብን እዩ።

8, 9. ክርስትና እናኣስፋሕፍሐ ምስ ከደ፡ ግሪኽኛ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ብቐዳምነት ዝውቱር ቋንቋ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እዚኸ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይገልጽ፧

8 ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ እብራይስጢ ይፈልጡ ነይሮም እዮም፣ ድሕሪ ሞት የሱስ ግና ደቀ መዛሙርቱ ኻልእ ቋንቋታት እውን ይዛረቡ ነይሮም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 6:1 ኣንብብ።) ክርስትና እናኣስፋሕፍሐ ምስ ከደ፡ ክርስትያናት መብዛሕትኡ ሓሳቦም ብግሪኽኛ እዮም ዜመሓላልፉ ነይሮም። እተን ብዛዕባ ትምህርትን ተግባራትን የሱስ ዝሓዛ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፋ ወንጌል ማቴዎስን ወንጌል ማርቆስን ወንጌል ሉቃስን ወንጌል ዮሃንስን፡ ብግሪኽኛ እየን ተዘርጊሐን። ስለዚ፡ መብዛሕትኦም ደቀ መዛሙርቲ ዜዘውትርዎ ዝነበሩ ቛንቋ፡ እብራይስጢ ዘይኰነስ፡ ግሪኽኛ እዩ ነይሩ። * መልእኽትታት ሃዋርያ ጳውሎስን ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፋ ኻልኦት መጻሕፍትን እውን ብግሪኽኛ እየን ተዘርጊሐን።

9 ጸሓፍቲ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኺጠቕሱ ኸለዉ፡ ካብ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት ከም ዝጠቐሱ ኸነተኵረሉ ይግባእ። እቲ ዝጠቐስዎ ጥቕስታት ሓድሓደ ግዜ ምስቲ ጽሑፍ እብራይስጢ ብልክዕ ሕደ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ካብኡ ንነጀው ግና ክፋል እቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቕዱሳት ጽሕፋት ኰይኑ ኣሎ። በዚ ኸምዚ፡ ዕዮ ዘይፍጹማት ተርጐምቲ ኽፋል እቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ ኰይኑ እዩ፣ ኣምላኽ ከኣ ሓደ ባህሊ ወይ ቋንቋ ኻብ ካልእ ኣብሊጹ ኸም ዘይርኢ ኣርእዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34 ኣንብብ።

10. የሆዋ ንቓሉ፡ በቲ ንሰባት ኪርድኦም ዚኽእል ቋንቋ ኸም ዚረኽብዎ ምግባሩ፡ ናብ ምንታይ መደምደምታ ኸም እንበጽሕ ይገብረና፧

10 እዚ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ኣምላኽ ንሰባት ሓሳቡ ዜመሓላልፈሉ መገዲ፡ የሆዋ ኸከም ኣድላይነቱን ኵነታቱን ምምዕርራይ እናገበረ ሓሳቡ ኸም ዜመሓላልፍ ይምህረና። ብዛዕባኡን ብዛዕባ ዕላማኡን ንምፍላጥ፡ ሓደ ቛንቋ ኽንፈልጥ ግዲ ኣይብለናን እዩ። (ዘካርያስ 8:23፣ ራእይ 7:9, 10 ኣንብብ።) የሆዋ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈሱ ኸም ዚጽሓፍ እኳ እንተ ገበረ፡ ብእተፈላለየ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ኺጽሓፍ ግና ፈቒዱ እዩ።

ኣምላኽ ንመልእኽቱ ዓቂብዎ

11. ሰባት እተፈላለየ ቛንቋታት ምጥቃሞም፡ ነቲ ኣምላኽ ሓሳቡ ንምምሕልላፍ ዝገበሮ ጻዕሪ ዘይዓገቶ ስለምንታይ እዩ፧

11 ሰባት እተፈላለየ ቛንቋታት ምጥቃሞምን ኣብ ትርጉም ደቀቕቲ ፍልልያት ምህላዉን፡ ነቲ ኣምላኽ ሓሳቡ ንሰባት ንምምሕልላፍ ዚገብሮ ጻዕሪ ዓጊትዎዶ፧ ኣይዓገቶን። ንኣብነት፡ ገለ ኻብቲ የሱስ ብበዅሪ ቛንቋ እተጠቕመሉ ቓላት ንፈልጥ ንኸውን ኢና። (ማቴ. 27:46፣ ማር. 5:41፣ 7:34፣ 14:36) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነቲ የሱስ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ናብ ግሪኽኛ፡ ደሓር ድማ ናብ ካልኦት ቋንቋታት ከም ዚትርጐም ገይሩ እዩ። ድሕሪ ግዜ፡ ኣይሁድን ክርስትያናትን ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ቐዲሖም እዮም፣ በዚ ኸምዚ እውን ንቕዱሳት ጽሑፋት ዓቂቦምዎ እዮም። እዚ ኸኣ ናብ ሓያሎ ቛንቋታት ተተርጒሙ እዩ። ኣብ ራብዓይ/ሓምሻይ ዘመን ድ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ጆን ክሪሰስተም፡ ኣብ ግዜኡ ትምህርትታት የሱስ ናብ ቋንቋታት ሶርያውያንን ግብጻውያንን ህንዳውያንን ፋርሳውያንን ኢትዮጵያውያንን ካልኦት ህዝብታትን ተተርጒሙ ኸም ዝነበረ ሓቢሩ እዩ።

12. መጽሓፍ ቅዱስ ናባና ምእንቲ ኸይመሓላለፍ ተቓውሞ ዘጋጠሞ ብኸመይ እዩ፧

12 መጽሓፍ ቅዱስ ብሓያሎ ቛንቋታት ምትርጓሙ፡ ነቲ ኸም እኒ ሃጸይ ሮሜ ዝነበረ ድዮክለጥያኖስ ዝኣመሰሉ ሰባት ዝገበርዎ ጻዕርታት ዜፍሽል እዩ ነይሩ፣ እቲ ሰብ እቲ፡ ብ303 ድ.ክ. ኵሉ ቕዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት ኪነድድ ኣዚዙ ነይሩ እዩ። ኣብ ልዕሊ ቓል ኣምላኽን ኣብ ልዕሊ እቶም ንዕኡ ዚትርጕምዎን ዚዝርግሕዎን ማእለያ ዘይብሉ መጥቃዕትታት ተፈንዩ እዩ። ኣብ መበል 16 ዘመን፡ ዊልያም ቲንደል ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ እብራይስጥን ግሪኽኛን ናብ እንግሊዝኛ ኺትርጕም ምስ ተላዕለ፡ ንሓደ ምሁር፡ “ኣምላኽ ንብዙሕ ዓመታት ብህይወት ክነብር እንተ ፈቂዱለይ፡ ንሓደ ሓረስታይ ካባኻ ንላዕሊ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ከም ዚፈልጥ ክገብሮ እየ” ኢልዎ እዩ። ቲንደል ንትርጉሙ ንምድላውን ንምሕታምን ካብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ኣህጉር ኤውሮጳ ኺሃድም ነይርዎ። ኣቕሽሽቲ ነቲ ኺረኽብዎ ዚኽእሉ ዘበለ መጽሓፍ ቅዱሳት ብግህዶ የንድድዎ እኳ እንተ ነበሩ፡ ብዙሕ ቅዳሕት ኪዝርጋሕ ጀሚሩ ነይሩ እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ንቲንደል ኣብ ጕንዲ ገይሮም ሓኒቖሞን ኣንዲዶምዎን እዮም። ንሱ ዝተርጐሞ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ግና ኣይጠፍኣን። ነቲ ሎሚ ብብዝሒ ተዘርጊሑ ዚርከብ ኪንግ ጄምስ ቨርሽን ዚብሃል ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ንምድላው እውን ብዙሕ ሓጊዙ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 2:9 ኣንብብ።

13. ኣብ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት እተገብረ መጽናዕቲ እንታይ ይሕብር፧

13 ልክዕ እዩ፡ ገሊኡ ሕጂ ዚርከብ ጥንታዊ ቕዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኣሽቱ ጌጋታትን ጕድለታትን ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ ንኣሽሓት ቍርጽራጻትን ኢደ ጽሑፋትን ጥንታዊ ትርጉማትን ብደቂቕ ኣነጻጺሮምዎን ኣጽኒዖምዎን እዮም። እዚ መጽናዕቲ እዚ ኸኣ ትሕዝቶ መብዛሕትኡ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕነቱ እተረጋገጸ ምዃኑ እዩ ሓቢሩ። እቲ ብእተወሰነ ዜጠራጥር ሒደት ፍቕድታት እውን፡ ንሓፈሻዊ መልእኽቱ ዚጸሉ ኣይኰነን። ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት ዝገበርዎ መጽናዕቲ፡ እቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ከምቲ የሆዋ ኣብ ፈለማ ብድራኸ መንፈሱ ዘጽሓፎ ምዃኑ ምትእምማን ኣሕዲሩሎም እዩ።—ኢሳ. 40:8 *

14. መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ እዩ ብቐሊሉ ዚርከብ፧

14 ካብ ጸላእቲ ኸቢድ ተጻብኦ እኳ እንተ ኣጋጠመ፡ የሆዋ ግና ንቓሉ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ልዕሊ ዅሉ እተተርጐመ መጽሓፍ ከም ዚኸውን ገይርዎ እዩ። ብዙሓት ኣብ ኣምላኽ ብዙሕ እምነት ዘይብሎም ወይ እውን ጠሪሶም እምነት ዘይብሎም ኰይኖምሉ ኣብ ዘለዉ እዋን እኳ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ ዅሉ ዝርጋሐ ዝረኸበ መጽሓፍ ኰይኑ ኣሎ፣ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ድማ ናብ ልዕሊ 2,800 ቋንቋ ተተርጒሙ ኣሎ። ብስፍሓት ዝርጋሐኡን ብቐሊሉ ዚርከብ ብምዃኑን ጥቓ መጽሓፍ ቅዱስ ዚቐርብ ካልእ ጽሑፍ የልቦን። ገሊኡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ግና ንጹርን ዜተኣማምንን ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ ተስፋን ድሕነትን ዳርጋ ኣብ ኵሉ ትርጉማት ይርከብ እዩ።

ኣድላይነት ሓድሽ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ

15. (ሀ) ኣብዚ ግዜና ቛንቋ ዜምጽኦ ዕንቅፋታት ብኸመይ ተሰጊሩ፧ (ለ) እንግሊዝኛ፡ ንምዕዳል መንፈሳዊ ምግቢ ዜገልግል ጽቡቕ ቋንቋ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

15 ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ዘመን፡ ሓደ ብሒደት ትጉሃት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝቘመ ጕጅለ፡ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኰይኑ ምስ ተሸመ፡ መብዛሕትኡ እቲ ምስቶም ‘ኣገልገልቲ ቤት’ ዝነበሮ ርክብ ብእንግሊዝኛ እዩ ዚገብሮ ነይሩ። (ማቴ. 24:45) እቲ “ባርያ” እቲ ኸኣ ነቲ መንፈሳዊ ምግቢ ብዝያዳ ቛንቋታት ንምድላው ብዙሕ ጻዕሪ ገይሩ እዩ፣ ሕጂ ብዝሒ እቲ ቛንቋታት ናብ ልዕሊ 700 ዓብዩ ኣሎ። ከምቲ ኪኒ ዚብሃል ግሪኽኛ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሮ፡ እንግሊዝኛ ኸም ቋንቋ ንግድን ትምህርትን ኰይኑ ብሰፊሑ ስለ ዚዕየየሉ፡ ናብ ካልኦት ቋንቋታት ንምትርጓም ከም መሰረት ኰይኑ የገልግል ኣሎ።

16, 17. (ሀ) ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ከም ዜድሊ እዩ ተሰሚዕዎም፧ (ለ) ነቲ ዜድሊ ዝነበረ ንምምላእ እንታይ ተገይሩ፧ (ሐ) ብ1950፡ ትርጉም ሓዳስ ዓለም እንታይ ኪኸውን እዩ ተስፋ ተገይሩሉ፧

16 መንፈሳዊ ምግቢ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚምስረት። ኣብ መፋርቕ መበል 20 ዘመን፡ እቲ ብ1611 እተዳለወ ኪንግ ጄምስ ቨርሽን ብብዝሒ ዚዝውተር ዝነበረ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ቋንቋኡ ኣመና ግዜኡ ዝሓለፎ እዩ ነይሩ። ስም ኣምላኽ ኣብ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሽሓት ሳዕ እናተረኽበ ኽነሱ ድማ፡ ኣብቲ ትርጉም እቲ ሒደት ሳዕ ጥራይ እዩ ዚርከብ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ናይ ትርጉም ጌጋታትን ኣብቲ ወግዓዊ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት ዘይርከብ ግጉይ ፍቕድታትን ነይርዎ እዩ። ካልእ ኣብቲ ግዜ እቲ ብእንግሊዝኛ ዚርከብ ዝነበረ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ተመሳሳሊ ሽግራት ነይርዎ እዩ።

17 ስለዚ፡ ንመልእኽቲ እቲ በዅሪ ጽሑፋት ናብ ዘመናዊ ቛንቋ ብልክዕ ዜመሓላልፍ መጽሓፍ ቅዱስ የድሊ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኮሚተ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ሓዳስ ዓለም ቈይሙ፣ ካብ 1950 ክሳዕ 1960 ኣብ ዝነበረ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዚኸውን ንውሓት ግዜ ኸኣ፡ እቲ ኮሚተ ዘዳለዎ ትርጉም ብሽዱሽተ ጥራዛት ወጺኡ። ብ2 ነሓሰ 1950፡ ሓውና ናታን ኖር ኣብ ሓደ ዓብዪ ኣኼባ እታ ቐዳመይቲ ጥራዝ ከም ዝወጸት ኬፍልጥ ከሎ፡ ከምዚ ኢሉ እዩ፦ “ምስ እተገልጸ ሓቂ ዚሰማማዕ ብዘመናዊ ቛንቋ እተዳለወ፡ ምስናይዚ እውን ነቲ በዅሪ ጽሑፋት ብተኣማንነት ብምትርጓም ተወሳኺ ሓቂ ንምርካብ መሰረት ዚኸውን ትርጉም ከም ዜድሊ ብዝያዳ ኺስምዓና ጸኒሑ እዩ፣ እወ፡ ከምቲ ብግዜ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ በዅሪ ጽሑፋት ንተራን ንትሑታትን ኣንበብቲ ዚርድኦም ዝነበረ፡ ነዞም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኣንበብቲ እውን ብቐሊሉ ዚርድኦም ዓይነት ትርጉም የድሊ ኣሎ።” ኣብ ርእሲ እዚ፡ እዚ ትርጉም እዚ ንሚልዮናት ሰባት መንፈሳዊ ሓገዝ ከም ዚገብረሎም ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ ነይሩ እዩ።

18. እንታይ ውሳነታት እዩ ንትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ኣቀላጢፍዎ፧

18 እቲ ተስፋ እቲ ኸንቱ ዀይኑ ኣይተረፈን፣ ክሳዕ 1963 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም (ማቴዎስ-ራእይ) ብሽዱሽተ ተወሳኺ ቛንቋ፡ ማለት ብስጳንኛን ብዳችን ብጀርመንኛን ብጥልያንኛን ብፈረንሳይኛን ብፖርቱጋልኛን ተዳልዩ እዩ። ብ1989 ከኣ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ዜቀላጥፍ ክፍሊ ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኣቚሙ። ብ2005 ድማ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ኣብተን እዛ መጽሔት እዚኣ እትሕተመለን ቋንቋታት ቀዳምነት ከም ዚውሃቦ ተገይሩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ሎሚ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብልዕሊ 130 ቋንቋ ይርከብ ኣሎ።

19. ብ2013 ኣብ እተገብረ ታሪኻዊ ኣኼባ እንታይ እዩ ዀይኑ፧ እትቕጽል ዓንቀጽከ እንታይ እያ ኽትገልጽ፧

19 ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ እቲ ብእንግሊዝኛ እተዳለወ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ነቲ ኣብ ቋንቋ እንግሊዝኛ እተገብረ ለውጥታት ንምንጽብራቕ ዜኽእል ምምዕርራይ ከም ዜድልዮ ንጹር ኰይኑ እዩ። ኣብቲ ኣብ 5ን 6ን ጥቅምቲ 2013 ዝወዓለ ቐዳመ ሰንበት፡ መበል 129 ዓመታዊ ኣኼባ እቲ ናይ ፐንስልቨንያ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ 31 ሃገራት ናብ ዚርከቡ 1,413,676 ተኣከብቲ ተመሓላሊፉ እዩ። እተኸለሰ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብእንግሊዝኛ ኸም ዝወጸ ሓደ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ምስ ኣፍለጠ ድማ ኵሎም ተሓጒሶም እዮም። እቶም ኣአንገድቲ ነቲ እተኸለሰ መጽሓፍ ቅዱስ ኪዕድሉ ኸለዉ፡ ብዙሓት ነቢዖም እዮም። እቲ ተዛራባይ ካብቲ እተኸለሰ ጽሑፍ ምስ ኣንብበ ኸኣ፡ እቲ ናብ እንግሊዝኛ እተተርጐመ ቓል ኣምላኽ ንምንባቡን ንምርዳኡን ንጹር ምዃኑ ተገንዚቦም እዮም። እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እዚ እተኸለሰ ትርጉም እዝን ናብ ሓያሎ ቛንቋታት ንምትርጓሙ ዚግበር ዘሎ ዕዮን ብዝርዝር ክትገልጽ እያ።

^ ሕ.ጽ. 6 ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት ኣብ ግብጺ ኣብ ሳልሳይ ዘመን ቅ.ክ. ኪትርጐም ከም ዝጀመረ እሞ ኽሳዕ 150 ቅ.ክ. ኣብ ዘሎ እዋን ድማ ከም እተዛዘመ እዩ ዚንገረሉ። እቲ ትርጉም እቲ ንምሁራት፡ ንገሊኡ ዘይንጹር ቃላትን ጽሑፍን እብራይስጢ ኼስተውዕልዎ ስለ ዚሕግዞም፡ ክሳዕ ሕጂ ኣገዳሲ ጌርካ እዩ ዚርአ።

^ ሕ.ጽ. 8 ማቴዎስ ንወንጌሉ ፈለማ ብእብራይስጢ ኸም ዝጸሓፋ፡ ደሓር ድማ ናብ ግሪኽኛ ኸም እተተርጐመት፡ ምናልባት እውን ባዕሉ ኸም ዚተርጐማ ዚኣምኑ ኣለዉ።

^ ሕ.ጽ. 13 ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ሀ3 እቲ እተኸለሰ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ርአ፣ ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብታ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ ዘርእስታ ብሮሹር፡ ኣብታ ኣብ ገጽ 7-9 እትርከብ፡ “እቲ መጽሓፍ ከመይ ኢሉ ኢዩ ክሳዕ ሕጂ ዝጸንሐ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።