ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ታሕሳስ 2015

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 1 ክሳዕ 28 ለካቲት 2016 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ትዝክሮዶ፧

ኣብ ዝሓለፈ መፋርቕ 2015 ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ትዝክሮ እንተ ዄንካ ርአ።

የሆዋ፡ ሓሳቡ ብንጹር ዜመሓላልፍ ኣምላኽ

ኣምላኽ ንሰባት ሕሳቡ ንምምሕልላፍ እተፈላለየ ቛንቋታት ምጥቃሙ፡ ሓደ ኣገዳሲ ሓቂ ይምህረና።

ህያው ትርጉም ቃል ኣምላኽ

ኮሚተ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጉም ሓዳስ ዓለም እተመርሓሉ ሰለስተ መሰረታዊ ስርዓታት።

ብ2013 እተኸለሰ ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ገለ ኻብቲ ኣብዚ ትርጉም እዚ ዚርከብ ቀንዲ ምትዕርራያት እንታይ እዩ፧

ልሳንካ ንጽቡቕ ተጠቐመሉ

መዓስን እንታይን ብኸመይን ከም እትዛረብ ኣብነት የሱስ ከመይ ገይሩ ኺሕግዘካ ይኽእል፧

የሆዋ ኺድግፈካ እዩ

ክንሓምም ከለና እንታይ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ፧ እንታይከ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

ታሪኽ ህይወት

ምስ ኣምላኽን ምስ ኣደይን ኣብ ዘሎኒ ርክብ ሰላም ረኺበ

ሚቺዮ ኩማጋይ ንኣቦታታ እተቕርቦ ኣምልኾ ምስ ሓደገቶ፡ ኣብ መንጎኣን ኣብ መንጎ ኣዲኣን ጋግ ተፈጢሩ። እሞኸ ሚቺዮ ኸመይ ገይራ ሰላም ክትረክብ ክኢላ፧

መሐበሪ ርእሰ ነገር ግምቢ ዘብዐኛ 2015

ኣብ ሕታም ህዝብን ኣብ ሕታም መጽናዕትን እተሓትመ ዝርዝር ዓንቀጻት።