ኣቱም ወለዲ፡ ንውሉዳትኩም ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዝኩም ኣሰልጥንዎም
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እንሆ፡ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም፡ ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ” ይብል። (መዝ. 127:3) በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ክርስትያናት ኪወልዱ ኸለዉ ኣዝዮም ዚሕጐሱ።
ቈልዓ ምውላድ፡ ሓጐስ የምጽእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ረዚን ሓላፍነት እውን የሰክም እዩ። ሓደ ቘልዓ፡ ዕቤት ብምግባር ጥዑይ በጽሒ ኪኸውን እንተ ዀይኑ፡ መኣዛታት ዘለዎ ምግቢ ኣዘውቲሩ ኺምገብ ኣለዎ። ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ቘልዓ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ጽኑዕ መትከል ምእንቲ ኺህልዎ፡ መንፈሳዊ ምግቢ ኸምኡውን እቶም ኣምላኻዊ ስርዓታት ኬስርጹሉ ዚጽዕሩ ወለዱ ዚህብዎ መምርሒ የድልዮ እዩ። (ምሳ. 1:8) እሞኸ ወለዲ ኻብ መዓስ ጀሚሮም እዮም ንውሉዳቶም ኬሰልጥንዎም ዘለዎም፧ እቲ ስልጠናኸ እንታይ እዩ ኼጠቓልል ዘለዎ፧
ወለዲ መምርሒ የድልዮም
ነቲ ኻብ ዓሌት ዳን ዝነበረን ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ኣብ ከተማ ጾርዓ ዚነብር ዝነበረን ማኖኣ ዝስሙ ሰብኣይ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። መልኣኽ የሆዋ ነታ መኻን ዝነበረት ሰበይቲ ማኖኣ፡ ወዲ ኸም እትወልድ ነገራ። (መሳ. 13:2, 3) እቲ እሙን ዝነበረ ማኖኣን ሰበይቱን በዚ ኸም እተሓጐሱ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ሓደ ኣዝዩ ዘተሓሳሰቦም ነገር ስለ ዝነበረ፡ ማኖኣ፡ “ዎ ጐይታይ፡ እቲ ዝለአኽካዮ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ነቲ ዚውለድ ቈልዓ እንታይ ከም እንገብረሉ ኺነግረናስ፡ በጃኻ መሊሱ ይምጽኣና” ኢሉ ጸለየ። (መሳ. 13:8) እወ፡ ማኖኣን ሰበይቱን፡ ንውሉዶም ብኸመይ ከም ዜዕብይዎ ኣተሓሳሲብዎም ነበረ። ንሲምሶን ወዶም ብዛዕባ ሕጊ ኣምላኽ ከም ዝመሃርዎ ኣየጠራጥርን እዩ፣ ተዓዊቶም ከኣ እዮም። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መንፈስ እግዚኣብሄር [ንሲምሶን] ኪድርኾ ጀመረ” ይብል እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ሲምሶን ከም ሓደ ኻብቶም ፈረድቲ እስራኤል መጠን፡ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ፈጸመ።—መሳ. 13:25፣ 14:5, 6፣ 15:14, 15።
ማኖኣ ንኣተዓባብያ እቲ ዚውለድ ቈልዓ ዚምልከት መምርሒ ምእንቲ ኺውሃቦ ጸለየ
ንውሉዳት ዚውሃቦም ስልጠና መዓስ እዩ ኺጅምር ዘለዎ፧ ጢሞቴዎስ ካብ ‘ሕጻንነቱ’ ኣትሒዙ፡ ብኤውንቄ ኣዲኡን ብሎኢስ ዓባዩን ብዛዕባ “ቕዱሳት ጽሑፋት” ስልጠና ተዋሂብዎ እዩ። (2 ጢሞ. 1:5፣ 3:15) እወ፡ እቲ ጢሞቴዎስ ዝረኸቦ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስልጠና፡ ካብ ሕጻንነቱ እዩ ጀሚሩ።
ክርስትያን ወለዲ፡ መምርሒ ምእንቲ ኺረኽቡን ንውሉዶም ካብ ‘ሕጻንነቱ’ ኣትሒዞም ንኼሰልጥንዎ ዜኽእሎም መደብ ምእንቲ ኼውጽኡን፡ ኪጽልዩ ጥበባዊ እዩ። ምሳሌ 21:5፡ “ተጠንቂቕካ መደብ እንተ ደኣ ኣውጺእካ ረብሓ ትረክብ” ትብል። (ትርጕም 1990) ወለዲ፡ ቈልዓ ቕድሚ ምውላዶም ተጠንቂቖም ከም ዚዳለዉ ኣየጠራጥርን እዩ። ነቲ ቘልዓ ብዛዕባ ዜድልዮ ነገራት ዚሕብር ዝርዝር የዳልዉ ይዀኑ። ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ዚምልከት መደብ ኬውጽኡ እውን ኣገዳሲ እዩ። እቲ ነቲ ቘልዓ ዚህብዎ ስልጠና ኻብ ሕጻንነቱ እዩ ኺጅምር ዘለዎ።
እታ አርሊ ቻይልድሁድ ካውንትስ—ኤ ፕሮግራሚንግ ጋይድ ኦን አርሊ ቻይልድሁድ ኬር ፎር ደቨሎፕመንት ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ንውልደት ሓደ ሕጻን ስዒበን ዚመጻ ኣዋርሕ፡ ኣብ ብስለት ሓንጎል እቲ ሕጻን ኣዝየን ኣገደስቲ እየን። ኣብዚ እዋን እዚ፡ እቲ ሓደ ሕጻን ትምህርቲ ንኺምሃር ዜኽእሎ ኣብ ሓንጎሉ ዚርከብ መራኸቢታት፡ ብዕስራ ዕጽፊ እዩ ዚውስኽ” በለት። ወለዲ ነዚ ሓደ ሕጻን ኣእምሮኣዊ ዕቤት ዚገብረሉ ሓጺር እዋን ተጠቒሞም፡ ኣብ ኣእምሮኡ መንፈሳዊ ሓሳባትን ስርዓታትን ኬስርጹሉ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ጥበባዊ እዩ!
ሓንቲ ስርዕቲ ፈላሚት ዝዀነት ኣደ፡ ብዛዕባ እታ ንእሽቶ ጓላ ኽትዛረብ ከላ ኸምዚ በለት፦ “ገና ጓል ሓንቲ ወርሒ ኸላ ጀሚረ፡ ምሳይ ናብ ኣገልግሎት እወስዳ ነበርኩ። እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ዘይርዳኣ እኳ እንተ ነበረ፡ ካብ ሕጻንነታ ኣትሒዛ ናብ ኣገልግሎት ምኻዳ ኸም ዝጠቐማ ግና እኣምን እየ። ጓል ክልተ ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እንረኽቦም ሰባት ብትብዓት ትራክት ተበርክተሎም ነበረት።”
ንውሉዳት ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዝካ ምስልጣን፡ ጽቡቕ ፍረ ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ወለዲ ንውሉዳቶም መንፈሳዊ መምርሒ ምሃብ በዳሂ ኪዀኖም ይኽእል እዩ።
“ንግዜኹም ብዝበለጸ ተጠቐሙሉ”
ሕጻናት ውዑያትን ብዙሕ ኣቓልቦ ኺገብሩ ዘይክእሉን ስለ ዝዀኑ፡ ወለዲ ንውሉዳቶም ምስልጣን ኬጸግሞም ይኽእል እዩ። ሕጻናት ብዛዕባ ኸባቢኦም ናይ ምፍላጥ ሃንቀውታ ስለ ዘለዎም፡ ኣቓልቦኦም ብቐሊሉ እዩ ዚስረቕ። እሞኸ ወለዲ ንደቆም፡ ኣብቲ ዚምህርዎም ዘለዉ ንኼተኵሩ ኺሕግዝዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
ነቲ ሙሴ ኣብ ዘዳግም 6:6, 7 ዝበሎ እሞ ኣስተብህለሉ። ንሱ፡ “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም፡ ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ” በለ። ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ፡ እታ “ምሀሮም” እትብል ቃል፡ ደጋጊምካ ብምምሃር ኣብ ኣእምሮ ምቕራጽ እያ እተመልክት። ሓደ ሕጻን፡ ልክዕ ከምቲ ኣዘውቲርካ ማይ ከተስትዮ ዘሎካ ጠጥዒ እዩ። ከምቲ ምድግጋም ንዓበይቲ ሰባት ኣገዳሲ ነገራት ንኺዝክሩ ዚሕግዞም፡ ንሕጻናት እውን ብርግጽ ኪሕግዞም ይኽእል እዩ።
ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቅታት ኪምህርዎም እንተ ደልዮም፡ ምሳታቶም ግዜ ኼሕልፉ ኣለዎም። ኣብዛ ብፍጥነት እትጓዓዝ ዘላ ዓለም፡ ምስ ደቅኻ እተሕልፎ ግዜ ምርካብ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ነቲ ንኣገዳሲ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ዚኸውን ‘ግዜ ብዝበለጸ ኽንጥቀመሉ’ ኣተባቢዑና ኣሎ። (ኤፌ. 5:15, 16) ነዚ ብኸመይ ኢና ኽንገብሮ እንኽእል፧ ሓደ ክርስትያን ሓላዊ፡ ነቲ ንጓሉ ዚህቦ ስልጠናን ንቲኦክራስያዊ ሓላፍነታቱን ንዓለማዊ ስራሑን ብሚዛናዊ መገዲ ምፍጻም ከቢድዎ ነበረ፣ ሰበይቱ ድማ ስርዕቲ ፈላሚት ስለ ዝዀነት፡ ብስራሕ ትሕዝቲ እያ። እሞኸ ንጓሎም ዜሰልጥኑሉ ግዜ ኺረኽቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ እቲ ኣቦ ኸምዚ በለ፦ “ንግሆ ንግሆ ናብ ስራሕ ቅድሚ ምኻደይ፡ ኣነን ሰበይተይን ካብታ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዘርእስታ መጽሓፍ ወይ ከኣ ካብታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ዘርእስታ ንእሽቶ ጽሕፍቲ ንጓልና ነንብበላ ኢና። ምሸት ቅድሚ ምድቃሳ እውን ነንብበላ ኢና፣ ናብ ኣገልግሎት ከኣ ሒዝናያ ንኸይድ ኢና። እዘን ናይ መጀመርታ ዓመታት ህይወታ፡ ከየሰልጠንናያ ኺሓልፋ ኣይንደልን ኢና።”
‘ውሉዳት ከም ፍላጻ እዮም’
ውሉዳትና ሓላፍነት ዚስምዖም ውልቀ ሰባት ኪዀኑ ኢና እንደሊ። ይኹን እምበር፡ ንዓታቶም እነሰልጥነሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ኣብ ልቦም ፍቕሪ ኣምላኽ ንምትካል እዩ።—ማር. 12:28-30።
መዝሙር 127:4፡ “ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻ፡ ውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም” ትብል። ስለዚ፡ ውሉዳት ልክዕ ከምቲ ናብ ዕላማኡ ኪቐንዕ ዘለዎ ፍላጻ እዮም። ሓደ ፍላጻ ዚውርውር ሰብ፡ ነታ ኻብቲ ቐስቲ ዝኸደት ፍላጻ ኺመልሳ ኣይክእልን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ እቶም ከም “ፍላጻ” ዝዀኑ ውሉዳት፡ ኣብ ኢድ ወለዶም ንእተወሰነ እዋን ጥራይ እዮም ዚጸንሑ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ወለዲ ነታ ዘላቶም ግዜ ተጠቒሞም፡ ኣብ ኣእምሮን ልብን ውሉዳቶም ኣምላኻዊ ስርዓታት ኬስርጹ ኣለዎም።
ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ መንፈሳውያን ውሉዳቱ ኺዛረብ ከሎ፡ “ደቀይ በታ ሓቂ ይመላለሱ ኸም ዘለዉ ኻብ ምስማዕ ዚዓቢ ዘመስግነሉ ነገር የብለይን” ኢሉ ጸሓፈ። (3 ዮሃ. 4) ክርስትያን ወለዲ፡ ደቆም “በታ ሓቂ ይመላለሱ” ምህላዎም ኪርእዩ ኸለዉ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ሞሳኦም ኪገልጹ ይኽእሉ እዮም።