ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከመይ ዝበልካ ኽትከውን ከም ዚግብኣካ ሕሰብ

ከመይ ዝበልካ ኽትከውን ከም ዚግብኣካ ሕሰብ

“ብቕዱስ ኣነባብራን ብግብርታት ኣምላኻዊ ተወፋይነትን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም!” —2 ጴጥ. 3:11

1, 2. ስምረት ኣምላኽ ምእንቲ ኽንረክብ፡ ‘ከመይ ዝበልና ኢና ኽንከውን ዘሎና፧’

ካልኦት ብዛዕባና እንታይ ኢሎም ከም ዚሓስቡ የገድሰና እዩ። ከም ክርስትያናት መጠን ግና፡ ብዝያዳ ዜገድሰና፡ የሆዋ ብዛዕባና ዘለዎ ርእይቶ ደይኰነን፧ ከመይሲ፡ ንሱ ኻብ ኵሉ ፍጥረት እቲ ዝዓበየን ‘ናይ ህይወት ፈልፋልን’ እዩ።—መዝ. 36:9

2 ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ‘ኸመይ ዝበልና ኽንከውን ከም ዘሎና’ ኣብ ዘጕልሓሉ እዋን፡ ‘ኣብ ቅዱስ ኣነባብራን ኣብ ግብርታት ኣምላኻዊ ተወፋይነትን’ ክንሳተፍ ኣተባቢዑና ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 3:11 ኣንብብ።) ስምረት ኣምላኽ ክንረክብ እንተ ደሊና፡ ‘ኣነባብራና’ ቕዱስ፡ ማለት ብስነ ምግባራውን ብኣእምሮኣውን ብመንፈሳውን መዳይ ንጹህ ኪኸውን ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ ንኣምላኽ ብዘሎና ኣኽብሮትን ተኣማንነትን ተደሪኽና፡ ‘ግብርታት ኣምላኻዊ ተወፋይነት’ ክንገብር ኣሎና። ስለዚ፡ ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ ምጽዓር፡ ንኣነባብራና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንውሽጣዊ እንታይነትና እውን ዜጠቓልል እዩ። የሆዋ ‘ልቢ ዚፍትን’ ስለ ዝዀነ፡ ኣነባብራና ቕዱስ እንተ ዀይኑን ምሉእ ብምሉእ ንዕኡ እተወፈና እንተ ዄንናን ይፈልጥ እዩ።—1 ዜና 29:17

3. ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ብዚምልከት፡ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንሓትት ዘሎና፧

3 ሰይጣን ድያብሎስ፡ ስምረት ኣምላኽ ክንረክብ ኣይደልየናን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኪበትኮ ሒዅ እዩ ዚብል። ምእንቲ ኼስድዓናን ካብቲ እነምልኾ ኣምላኽ ምእንቲ ኼርሕቐናን፡ ሓሶትን ምትላልን ካብ ምጥቃም ድሕር ኣይብልን እዩ። (ዮሃ. 8:44፣ 2 ቈረ. 11:13-15) ስለዚ፡ ንገዛእ ርእስና፡ ‘ሰይጣን ንሰባት ዜታልሎም ብኸመይ እዩ፧ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብ ንምዕቃብ እንታይ ክገብር እኽእል፧’ ኢልና ኽንሓትታ ጥበባዊ እዩ።

ሰይጣን ንሰባት ዜታልሎም ብኸመይ እዩ፧

4. ሰይጣን ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ምእንቲ ኺበትኮ፡ ነየናይ እዩ ዕላማ መጥቃዕቱ ዚገብሮ፧ ስለምንታይከ፧

4 ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “ነፍሲ ወከፍ . . . ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡን ተሓቢሉን እዩ ዚፍተን። ሽዑ፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፣ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእ. 1:14, 15) ሰይጣን ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ምእንቲ ኺበትኮ፡ ነቲ ምንጪ ባህግታትና ዝዀነ ልብና እዩ ዕላማ መጥቃዕቱ ዚገብሮ።

5, 6. (ሀ) ሰይጣን ብኸመይ እዩ ዕላማ መጥቃዕቱ ዚገብረና፧ (ለ) ሰይጣን ንባህግታት ልብና ምእንቲ ኼበላሽዎ፡ እንታይ መህረሪታት እዩ ዚጥቀም፧ ከመይ ዝበለ ልምዲኸ እዩ ዘለዎ፧

5 ሰይጣን ብኸመይ እዩ ንልብና ዕላማ መጥቃዕቱ ዚገብሮ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዘላ ዓለም . . . ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና” ይብል እዩ። (1 ዮሃ. 5:19) ሰይጣን “ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ” ነገራት እዩ ኸም ኣጽዋር ዚጥቀመሉ። (1 ዮሃንስ 2:15, 16 ኣንብብ።) ንሰባት ምእንቲ ኼታልሎም ድማ፡ ንኸባቢና ንኣሽሓት ዓመታት ብውዲት ኪኣልሞ ጸኒሑ እዩ። ንሕና ኸኣ ኣብዛ ዓለም ስለ እንነብር፡ ነቲ ብጕርሒ እተኣልመ ውዲቱ ኽንጥንቀቐሉ ኣሎና።—ዮሃ. 17:15

6 ሰይጣን ንባህግታት ልብና ኼበላሹ ዚኽእል ሜላታት እዩ ዚጥቀም። ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ሰለስተ መህረሪታት ገሊጹ ነይሩ እዩ፣ ንሱ ኸኣ፡ (1) “ትምኒት ስጋ፡” (2) “ትምኒት ዓይኒ፡” (3) “መነባብሮኻ ርኣዩለይ ምባል” እዩ። ሰይጣን ነዚ መህረሪታት እዚ ተጠቒሙ ንየሱስ ኣብ በረኻ ፈቲንዎ እዩ። ናይ ነዊሕ ዓመታት ልምዲ ስለ ዘለዎ ድማ፡ ከከም ሰቡ እናቐያየረ፡ ብውጽኢታዊ መገዲ ይጥቀመሉ ኣሎ። ኣብዚ መዳይ እዚ ብኸመይ ገዛእ ርእስና ኸነዕቍብ ከም እንኽእል ቅድሚ ምምርማርና፡ ድያብሎስ ንገለ ኻብቲ መህረሪታት ተጠቒሙ ንሄዋን ብኸመይ ከም ዘታለላ፡ ኣብ ወዲ ኣምላኽ ግና ስለምንታይ ከም ዘይተዓወተ ኽንርኢ ኢና።

“ትምኒት ስጋ”

ሄዋን ብ“ትምኒት ስጋ” ወደቐት (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

7. ሰይጣን ንሄዋን ንምፍታን “ትምኒት ስጋ” እተጠቕመ ብኸመይ እዩ፧

7 ደቂ ሰብ ንሰብነቶም ንምክንኻን ዜድልዮም ሓደ መሰረታዊ ነገር ኣሎ፣ ንሱ ኸኣ ምግቢ እዩ። ፈጣሪ እውን እንተ ዀነ፡ ንምድሪ ብዙሕ ምግቢ ኸም እተፍሪ ገይሩ እዩ ነዲፍዋ። ኰይኑ ግና፡ ሰይጣን፡ ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ምፍጻም ምእንቲ ኸነስግል፡ ነቲ ምግቢ ንምርካብ ዘሎና ባህርያዊ ባህጊ ኺጥቀመሉ ይኽእል እዩ። ነዚ ኣብ ሄዋን ብኸመይ ከም እተጠቕመሉ እስከ ንርአ። (ዘፍጥረት 3:1-6 ኣንብብ።) ሰይጣን ንሄዋን፡ ካብታ “ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም” ክትበልዕ ከም እትኽእል፡ ካብታ ኦም ብምብላዓ ኸም ዘይትመውት፡ ከምኡውን በታ ኻብታ ኦም እትበልዓላ መዓልቲ ኸም ኣምላኽ ከም እትኸውን ነገራ። (ዘፍ. 2:9) ሰይጣን ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ሄዋን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር ንኣምላኽ ክትእዘዞ ኸም ዘየድልያ እዩ ዚእምት ነይሩ። እዝስ ከመይ ዝበለ ዓይኒ ዘውጽአ ሓሶት ኰን እዩ ነይሩ! ሰይጣን ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ኣእምሮ ሄዋን ምስ ዘርኦ፡ ሄዋን ክልተ ምርጫ እዩ ነይርዋ፦ ወይ ነቲ ሓሳብ ምንጻግ፡ ወይ ከኣ ብዛዕባኡ ብምስትንታን ካብታ ኦም ንምብላዕ ንዘለዋ ባህጊ ምጕህሃር። ብዙሕ ክትበልዖ እትኽእል ፍረ ኦም እኳ እንተ ነበረ፡ ንሳ ግና ነቲ ሰይጣን ብዛዕባ እታ ኣብ ማእከል ገነት ዝነበረት ኦም ዝበሎ ኽትሓስበሉ መረጸት፣ ‘ካብ ፍሪኣ ወሲዳ ድማ በልዐት።’ በዚ ኸምዚ፡ ሰይጣን ኣብ ውሽጢ ሄዋን፡ ብዛዕባ እቲ ብፈጣሪኣ እተኸልከለ ነገር ባህጊ ኸም እተሕድር ገበራ።

የሱስ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣቓልቦኡ ኺሰርቆ ኣይፈቐደን (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)

8. ሰይጣን ን“ትምኒት ስጋ” ተጠቒሙ ንየሱስ ኬህርሮ ዝፈተነ ብኸመይ እዩ፧ እዚ ፈተና እዚ ዕዉት ዘይነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧

8 ሰይጣን ንየሱስ ኣብ በረኻ ኺፍትኖ ኸሎ፡ ተመሳሳሊ ሜላ እዩ ተጠቒሙ። የሱስ ን40 መዓልትን ን40 ለይትን ምስ ጾመ፡ ሰይጣን ነቲ የሱስ ምግቢ ንምርካብ ዘለዎ ባህጊ ተጠቒሙ ኼህርሮ ፈተነ። “ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ነዚ እምኒ እንጌራ ኪኸውን በል” ድማ በሎ። (ሉቃ. 4:1-3) የሱስ ክልተ ምርጫ እዩ ነይርዎ፦ ነቲ ምግቢ ናይ ምርካብ ባህጉ ንምርዋይ ኢሉ ነቲ ተኣምር ናይ ምግባር ሓይሉ ብዘይ ግቡእ ከም ዘይጥቀመሉ ኺመርጽ ይኽእል ነበረ፣ ወይ ከኣ ነቲ ሓይሉ ብዘይ ግቡእ ኪጥቀመሉ ይኽእል ነበረ። የሱስ ንሓይሉ ንጥቕሚ ርእሱ ኺጥቀመሉ ኸም ዘይብሉ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ጠምዩ እኳ እንተ ነበረ፡ ንጥሜቱ ምርዋይ ግና ካብቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ኣይዓብዮን እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ “‘ሰብ ካብ ኣፍ የሆዋ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ” ኢሉ መለሰ።—ማቴ. 4:4

“ትምኒት ዓይኒ”

9. እታ “ትምኒት ዓይኒ” እትብል ሓረግ እንታይ እያ እትሕብር፧ ሰይጣን ንሄዋን ኪፍትና ኸሎ ነዚ መህረሪ እዚ እተጠቕመ ብኸመይ እዩ፧

9 ዮሃንስ፡ “ትምኒት ዓይኒ” እውን መህረሪ ኸም ዝዀነ ጠቒሱ ነይሩ እዩ። እዛ ሓረግ እዚኣ፡ ሓደ ሰብ ንዝዀነ ይኹን ነገር ብዓይኑ ብምርኣይ ኪብህጎ ኸም ዚኽእል እያ እትሕብር። ሰይጣን ንሄዋን ኪፍትና ኸሎ፡ ከምኡ እዩ ገይሩ፣ ‘ኣዒንትኹም ኪኽፈታ እየን’ ድማ በላ። ሄዋን ንፍረ እታ ኦም ብዝያዳ ብዝረኣየታ መጠን፡ እታ እተኸልከለት ፍረ ብዝያዳ ሰሓበታ። እታ ኦም ‘ንኣዒንቲ ጽብቕቲ ምዃና’ ኸኣ ረኣየት።

10. ሰይጣን ንየሱስ ንምፍታን “ትምኒት ዓይኒ” እተጠቕመ ብኸመይ እዩ፧ የሱስከ እንታይ ምላሽ ሃበ፧

10 ሰይጣን ንየሱስ ኪፍትኖ ኸሎ፡ “ትምኒት ዓይኒ” ተጠቒሙዶ፧ ሰይጣን ንየሱስ፡ “ኵለን መንግስትታት ዓለም ብቕጽበት ኣርኣዮ፣ ድያብሎስ ከኣ፡ “እዚ ዅሉ ስልጣንን ክብረንን . . . ንዓኻ ኽህበካ እየ” በሎ። (ሉቃ. 4:5, 6) የሱስ ንዅለን መንግስትታት ቃል ብቓሉ ብቕጽበት ርእይወን ማለት ኣይኰነን፣ ኰይኑ ግና፡ ሰይጣን፡ የሱስ ንኽብሪ እተን መንግስትታት ብመልክዕ ራእይ ስለ ዝረኣዮ፡ ኣቓልቦኡ ዚሰሓብ መሲልዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይ ሕንከት ከኣ ንየሱስ፡ “እንተ ሰጊድካለይ፡ እዚ ዅሉ ናትካ ኪኸውን እዩ” በሎ። (ሉቃ. 4:7) የሱስ ከምቲ ሰይጣን ኪኸውን ዚደልዮ ዓይነት ሰብ ኪኸውን ኣይደልን እዩ ነይሩ። ብቕልጡፍ ከኣ ንሰይጣን ምላሽ ሃቦ። “‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣምልኽ፡ ንዕኡ በይኑ ድማ ኣገልግል’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ” በሎ።—ሉቃ. 4:8

“መነባብሮኻ ርኣዩለይ ምባል”

11. ሄዋን ብሰይጣን እተታለለት ብኸመይ እያ፧

11 ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ነገራት ኪጠቅስ ከሎ፡ “መነባብሮኻ ርኣዩለይ ምባል” እውን ጠቒሱ ነይሩ እዩ። ኣዳምን ሄዋንን፡ ኣብዛ ምድሪ ብዘይካኦም ካልእ ሰብ ስለ ዘይነበረ፡ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ሰባት ‘መነባብሮኦም ኬርእዩ’ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ትዕቢት ግና ኣርእዮም እዮም። ሰይጣን ንሄዋን ኪፍትና ኸሎ፡ ኣምላኽ ካባታቶም ጽቡቕ ነገር ከም ዝሓብአ ኣሚቱላ ነይሩ እዩ። “ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም” ኣብ እትበልዓላ መዓልቲ፡ ‘ከም ኣምላኽ ከም እትኸውንን ጽቡቕን ክፉእን ከም እትፈልጥን’ ነገራ። (ዘፍ. 2:17፣ 3:5) ሰይጣን ንሄዋን፡ ካብ የሆዋ ተፈልያ ብርእሳ ኽትነብር ከም እትኽእል እዩ ዚነግራ ነይሩ። ሄዋን ነዚ ሓሶት እዚ ንኽትቅበሎ ዝደረኻ ድማ፡ ትዕቢት እዩ ነይሩ። ዘይትመውት ስለ ዝመሰላ ኸኣ፡ ካብታ እተኸልከለት ፍረ በልዐት። ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እያ ተጋግያ!

12. ሰይጣን ንየሱስ ዝፈተነሉ ኻልእ መገዲ እንታይ እዩ ነይሩ፧ የሱስከ እንታይ ምላሽ ሃበ፧

12 የሱስ ካብ ሄዋን ብእተፈልየ መገዲ፡ ንትሕትና ዚምልከት ሰናይ ኣብነት ሓዲጉ እዩ። ሰይጣን ንየሱስ ብኻልእ መገዲ ኺፍትኖ እኳ እንተ ጸዓረ፡ የሱስ ግና ንኣምላኽ ዚፍትን ዝዀነ ይኹን መሳጢ ነገር ኪገብር ፍቓደኛ ብዘይምዃን፡ ነቲ ፈተና ነጸጎ። ከመይሲ፡ ከምኡ ምግባር፡ ምልክት ትዕቢት እዩ ነይሩ። የሱስ ግና፡ “‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣይትፈትኖ’ ተባሂሉ እዩ” ብምባል ንጹርን ቀጥታውን ምላሽ ሃበ።—ሉቃስ 4:9-12 ኣንብብ።

ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ብኸመይ ክንዕቅቦ ንኽእል፧

13, 14. ብዛዕባ እቲ ሎሚ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ገለ መህረሪታት ግለጽ።

13 ሰይጣን ሎሚ እውን ነቲ ኣብ ሄዋንን ኣብ የሱስን እተጠቕመሉ መህረሪታት እዩ ዚጥቀም። ብ“ትምኒት ስጋ” ገይሩ ንሰባት ንምስሓብ፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ተጠቒሙ ርኽሰትን ህርፋን ምግብን መስተን የተባብዕ እዩ። ብፍላይ በቲ ብኢንተርነት ዚርአ ስእለ ጽዩፍ ገይሩ ድማ፡ ንሓደ ገርሂ ሰብ ብ“ትምኒት ዓይኒ” ገይሩ ኺስሕቦ ይኽእል እዩ። ነቶም ዕቡያትን ‘መነባብሮኦም ኬርእዩ’ ዚደልዩን ሰባት ድማ፡ ብፍቕረ ንዋይን ብስልጣንን ብዝናን ገይሩ ኺፍትኖም ይኽእል እዩ።

ከምዚ ዓይነት ኵነታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኢኻ ኽትዝክር ዘሎካ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 13, 14 ርአ)

14 እቲ “ኣብ ዓለም ዘሎ” ነገራት፡ ልክዕ ከምቲ ገፋፍ ዓሳ ዚጥቀመሉ መህረሪታት እዩ። እቲ መህረሪ ሰሓቢ እኳ እንተ ዀነ፡ ዓንቃሪቦ ግና ኣለዎ። ሰይጣን ነቲ ሰባት ከም መዓልታዊ ዜድልዮም ገይሮም ዚርእይዎ ነገራት ተጠቒሙ፡ ምስ ሕግታት ኣምላኽ ዚጻረር ነገራት ክንገብር እዩ ዚደፋፍኣና። ከምዚ ዝበለ ጕርሒ ዝመልኦ ፈተናታት፡ ንባህግታትና ኺጸልዎን ንልብና ኼበላሽዎን ተባሂሉ እዩ ዚዳሎ። እቲ ፈተናታት፡ ብውልቅና ዜድልየና ነገራትን ምሾትናን፡ ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ምፍጻም ንላዕሊ ኸም ዜገድስ ኰይኑ ኸም ዚስምዓና እዩ ዚገብር። እሞኸ ኸምዚ ዓይነት መህረሪታት ኣባና ኺዓዪ ይኽእል ድዩ፧

15. ንፈተናታት ሰይጣን ኣብ ምቅዋም፡ ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

15 ሄዋን ብፈተና ሰይጣን እኳ እንተ ወደቐት፡ የሱስ ግና ተቓዊምዎ እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን፡ “ጽሑፍ ኣሎ” ወይ “ተባሂሉ እዩ” ብምባል ቅዱስ ጽሑፋዊ ምላሽ እዩ ሂቡ። ንሕና እውን ትጉሃት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዄንና፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ፡ ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ ኸኣ ኣተሓሳስባና ንኽንሕሉ ዜኽእለና ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንዝክር ኢና። (መዝ. 1:1, 2) ነቲ እቶም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተጠቕሱ እሙናት ውልቀ ሰባት ዝሓደግዎ ኣብነት ምዝካርና፡ ንዓታቶም ንኽንመስሎም ኪሕግዘና እዩ። (ሮሜ 15:4) ንየሆዋ ናይ ሓቂ ኣኽብሮት እንተ ኣልዩና፡ ከምኡውን ነቲ ንሱ ዜፍቅሮ እንተ ኣፍቂርናዮን ነቲ ዚጸልኦ እንተ ጸሊእናዮን፡ ኬዕቍበና እዩ።—መዝ. 97:10

16, 17. ‘ኣእምሮና’ ኣባና እንታይ ጽልዋ እዩ ኼሕድር ዚኽእል፧

16 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ብኣተሓሳስባ ዓለም ዘይኰነስ፡ ብኣተሓሳስባ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንቅረጽ፡ ‘ንኣእምሮና’ ኽንጥቀመሉ ኣተባቢዑና ኣሎ። (ሮሜ 12:1, 2) ንኣተሓሳስባና ኣዚና ኽንሕልዎ ኸም ዘሎና ኼጕልሕ ከሎ ድማ፡ “ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ዚጻረር ኵሉ ልዕል ዝበለን ነፍርስ ኣለና፣ ኵሉ ሓሳብ ንክርስቶስ ምእንቲ ኺእዘዝ ድማ፡ ንማርኾ ኣለና” በለ። (2 ቈረ. 10:5) ሓሳባትና ሓያል ጽልዋ ስለ ዜሕድረልና፡ ኣዘውቲርና ዚሃንጽ ‘ዘበለ ኽንሓስብ’ ኣሎና።—ፊል. 4:8

17 ንኣእምሮና ብዘይ ግቡእ ሓሳባትን ትምኒታትን እንተ መሊእናዮ፡ ቅዱሳት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ንየሆዋ “ኻብ ንጹህ ልቢ” ኢና ኸነፍቅሮ ዘሎና። (1 ጢሞ. 1:5) ኰይኑ ግና፡ ልቢ ጐራሕ ስለ ዝዀነ፡ እቲ “ኣብ ዓለም ዘሎ” ነገራት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጸለወና ኣይንግንዘብን ንኸውን። (ኤር. 17:9) ስለዚ፡ ንገዛእ ርእስና ብመሰረት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽናዕናዮ ነጥብታት ጌርና ብቕንዕና ብምምርማር፡ ‘ብእምነት እንተ ኣሊና፡ ርእስና ኽንፍትንን ክንምርምርን’ ደይኰንናን ዚግብኣና፧—2 ቈረ. 13:5

18, 19. ኵላትና ኸምቲ የሆዋ ኽንኰኖ ዚደልየና ንኽንከውን ቈራጽነት ክንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

18 ነቲ፡ “ዓለም ከኣ ትሓልፍ እያ ዘላ፡ ትምኒታ እውን ከምኡ፣ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ዚብል መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓላት ዮሃንስ ምዝካርና፡ ካብቲ “ኣብ ዓለም ዘሎ” ነገራት ንኽንርሕቕ ዚሕግዘና ኻልእ መገዲ እዩ። (1 ዮሃ. 2:17) ስርዓት ሰይጣን ነባርን ናይ ሓቅን እዩ ዚመስል። ኰይኑ ግና፡ ሓደ መዓልቲ ኺጠፍእ እዩ። ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘሎ ዝዀነ ይኹን ነገር፡ ሓላፊ ምዃኑ ምዝካርና፡ ብመህረሪታት ድያብሎስ ንኸይንታለል ይሕግዘና እዩ።

19 ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ‘ነቲ ሰማያት ብሓዊ ዚጠፍኣሉ፡ ባእታታት ከኣ ብረስኒ ዚመኩሉ፡ ከምኡውን ነቲ መዓልቲ የሆዋ ኣብዚ እትህልወሉ እዋን እናተጸበና፡’ ስምረት ኣምላኽ ዘሎና ሰባት ክንከውን ምዒዱና ኣሎ። (2 ጴጥ. 3:12) ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ እታ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ፣ የሆዋ ኸኣ ንዅሉ ኽፋል እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ኬጥፍኦ እዩ። ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ሰይጣን ልክዕ ከምቲ ንሄዋንን ንየሱስን ዝፈተኖም፡ ነቲ “ኣብ ዓለም ዘሎ” ነገራት ተጠቒሙ፡ ንዓና እውን ካብ ምፍታን ኣይኬቋርጽን እዩ። ልክዕ ከምታ ባህግታታ ኸተርዊ እትደሊ ዝነበረት ሄዋን ክንከውን የብልናን። ባህግታትና ኸነርዊ እንተ ጽዒርና፡ ንሰይጣን ከም ኣምላኽና ጌርና ኢና እንርእዮ ማለት እዩ። ዋላ እኳ መህረሪታት ሰይጣን ማራኺ እንተ መሰለ፡ ልክዕ ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ኽንነጽጎ ኣሎና። ሃየ እምበኣር፡ ኵላትና ኸምቲ የሆዋ ኽንኰኖ ዚደልየና ንኽንከውን ቈራጽነት ንግበር።