ታሪኽ ህይወት

ኣብ ዝሃለና ሃሊና፡ ንየሆዋ ተሃንጢና ኣገልጊልናዮ

ኣብ ዝሃለና ሃሊና፡ ንየሆዋ ተሃንጢና ኣገልጊልናዮ

ቅድሚኡ በይነይ ኣገልጊለ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ኣመና ስለ ዝፈራህኩ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣገልግሎት ዝወጻእኩሉ እዋን፡ ኣእጋረይ የንቀጥቅጥ ነበረ። ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ኸኣ፡ እቶም ኣብቲ ኽሊ ዝነበሩ ሰባት፡ ነቲ መልእኽቲ ኣይቅበልዎን እዮም ነይሮም። ገሊኦም ሓራቓት እዮም ነይሮም፣ ከም ዚሃርሙኒ ኸኣ የፈራርሁኒ ነበሩ። ኣብታ ፈላሚ ዝዀንኩላ ናይ መጀመርታ ወርሒ፡ ሓንቲ ንእሽቶ መጽሓፍ ጥራይ እየ ኣበርኪተ።—ማርኩስ።

እዚ ፍጻመ እዚ፡ ልዕሊ 60 ዓመት ይገብር ብ1949 ዘጋጠመ እኳ እንተ ዀነ፡ ታሪኽ ህይወተይ ግና ቅድሚኡ ብዙሕ ዓመታት ይገብር እዩ ጀሚሩ። እቲ ሄንድሪክ ዝስሙ ኣቦይ፡ ሰራሕ ሳእንን ኣትክልተኛን እዩ ነይሩ፣ ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ድረንት፡ ነዘርላንድስ፡ እትርከብ ዶንድረን እትብሃል ንእሽቶ ገጠር ድማ እዩ ዚነብር ነይሩ። ኣነ እውን ብ1927 ኣብኣ እየ ተወሊደ፣ ካብቶም ሸውዓተ ውሉዳት ድማ ራብዓይ ነበርኩ። ቤትና ኣብ ሓደ ኣውራጃ ገጠር፡ ኣብ ጥቓ ዘይተጸርገ መገዲ እያ ነይራ። መብዛሕትኦም ጐረባብትና ኸኣ ሓረስቶት እዮም ነይሮም፣ ንናብራ ሕርሻ ኣዝየ እየ ዝፈትዎ ነይረ። ብ1947 ወዲ 19 ዓመት ከለኹ፡ ካብቲ ቱኒስ ቢን ዝስሙ ጐረቤትና ብዛዕባ ሓቂ ሰማዕኩ። ትዝ ይብለኒ፡ ምስ ቱኒስ ንፈለማ እዋን ምስ ተራኸብና፡ ኣይፈተኽዎን ነይረ፣ ደድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ኰነ ግና፡ ካብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ሕያዋይ ከም ዝዀነ ኣስተብሃልኩ። እቲ ዝገበሮ ናይ ባህርይ ለውጢ ስለ ዘገረመኒ ኸኣ፡ ብዛዕባ እቲ ምድሪ ገነት ከም እትኸውን ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓ ኺነግረኒ ኸሎ፡ ጽን ኢለ ሰማዕክዎ። ንሓቂ ብቕልጡፍ ተቐበልክዋ፣ ምስ ቱኒስ ከኣ ኣዕሩኽ ኰንና። *

ኣብ ግንቦት 1948 ክሰብኽ ጀመርኩ፣ ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ወርሒ፡ ማለት ብ20 ሰነ ድማ፡ ኣብቲ ኣብ ዩትረኽት እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ ተጠመቕኩ። ብ1 ጥሪ 1949 ፈላሚ ዀንኩ፣ ኣብታ ኣብ ምብራቕ ነዘርላንድስ ዝነበረት ቦርኩሎ እትብሃል ገጠር ድማ ተመደብኩ፣ ኣብቲ ቦታ እቲ፡ ንእሽቶ ጉባኤ ነበረት። ናብኡ ንምብጻሕ፡ ኣስታት 130 ኪሎ ሜተር ክጐዓዝ ስለ ዝነበረኒ፡ ብብሽክለታ ክኸይድ ወሰንኩ። ሽዱሽተ ሰዓት ኣቢሉ ዚወስደለይ እዩ መሲሉኒ ነይሩ፣ ኰይኑ ግና፡ ሓያል ዝናም ስለ ዝዘነመን ብርቱዕ ንፋስ ስለ ዝነበረን፡ ዋላ እኳ ነቲ 90 ኪሎ ሜተር ብባቡር እንተ ኸድኩዎ፡ ብድምር 12 ሰዓት ወሰደለይ። ምስ መሰየ ድማ ምስታ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ከለኹ ኣብ ቤታ ንኸዕርፍ እተቐበለትኒ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ስድራ ቤት ተራኸብኩ።

ኣብተን ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ዝነበራ ዓመታት፡ ሰባት ሒደት ጥሪት እዩ ነይርዎም። ኣነ እውን፡ ሓደ ዝገፍሓኒ ምሉእ ክዳንን ክልተ ዝሓጸራኒ ስረን ጥራይ እየን ነይረናኒ። ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስክዎ፡ እታ ኣብ ቦርኩሎ ዘሕለፍክዋ ናይ መጀመርታ ወርሒ ኣጸጋሚት እኳ እንተ ነበረት፡ የሆዋ ሓያሎ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሃብ ባሪኹኒ እዩ። ኣብቲ ቦታ እቲ ንትሽዓተ ወርሒ ምስ ኣገልገልኩ፡ ናብ ኣምስተርዳም ተመደብኩ።

ካብ ገጠር ናብ ከተማ

ኣብ ገጠር ስለ ዝዓበኹ፡ ኣብታ ኣብ ነዘርላንድስ ዝዓበየት ከተማ ዝዀነት ኣምስተርዳም ምስ በጻሕኩ፡ ሓድሽ ኰነኒ። ኣገልግሎት ጽቡቕ እዩ ነይሩ። ኣብታ ናይ መጀመርታ ወርሒ፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓተ ወርሒ ዘበርከትክዎ ጽሑፋት ንላዕሊ ኣበርከትኩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ድማ፡ ሸሞንተ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሕ ከኣልኩ። ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ኰይነ ምስ ተሸምኩ፡ ንፈለማ እዋን ህዝባዊ መደረ ከቕርብ ተመደብኩ። ኣመና እዩ ኸቢዱኒ ነይሩ፣ ቀቅድሚ ነቲ መደረ ምቕራበይ ናብ ካልእ ጉባኤ ምስ ተቐየርኩ ግና፡ እፎይ በልኩ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓመታት፡ ልዕሊ 5,000 መደረ ሃብኩ።

ላዕሊ፦ ማርኩስ (ብየማናይ ጫፍ) ብ1950 ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ መገዲ ኼገልግል ከሎ

ኣብ ግንቦት 1950 ናብ ከተማ ሃርለም ተመደብኩ። ኣብ ዕዮ ወረዳ ንኸገልግል ከኣ ጻውዒት ቀረበለይ። ንሰለስተ መዓልቲ ኣይደቀስኩን። ንሓደ ኻብቶም ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚሰርሑ ዝነበሩ ሮበርት ቪንክለር፡ ነቲ ዕዮ ኸም ዘይበቅዕ ነገርክዎ፣ ንሱ ግና፡ “ደሓን፡ ነቲ ፎርም እሞ ምልኣዮ፡ ክትለምዶ ኢኻ” በለኒ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንሓደ ወርሒ ስልጠና ተዋህበኒ፣ ሓላው ወረዳ ዀይነ ኸኣ ከገልግል ጀመርኩ። ንሓንቲ ኻብተን ኣብቲ ወረዳ ዝነበራ ጉባኤታት ክበጽሓ ኸለኹ፡ ምስ የኒ ታትኸን እትብሃል ንየሆዋ ዓሚቝ ፍቕሪ ዘለዋን ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ እተርእን ሕጉስቲ ፈላሚት ተላለኹ። ብ1955 ድማ ተመርዓና። ታሪኸይ ቅድሚ ምቕጻለይ፡ የኒ፡ ብኸመይ ፈላሚት ከም ዝዀነትን ድሕሪ መርዓና ብኸመይ ብሓባር ከም ዘገልገልናን ከተዘንትወልኩም እያ።

ሰብ ሓዳር ኴንና ኣገልገልና

የኒ፦ ኣደይ ብ1945 እያ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና፣ ሽዑ ኣነ ጓል 11 ዓመት እየ ነይረ። ብኡብኡ ድማ ኣደይ ምስ ሰለስተ ደቃ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ከም ዘለዋ ተገንዘበት፣ ኣቦይ ተጻራሪ ስለ ዝነበረ ግና፡ ኣብ ቤት ኣብ ዘይህልወሉ እዋን እያ እትምህረና ነይራ።

ንመጀመርታ እዋን እተኻፈልኩሉ ኣኼባ፡ እቲ ብ1950 ኣብ ሄግ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ንመጀመርታ እዋን ኣብቲ ኣብ ኣሰን (ድረንት) ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተኣከብኩ። ኣቦይ በዚ ኣመና ስለ ዝሓረቐ፡ ካብ ቤት ሰጐጐኒ። ኣደይ ግና፡ “ኣበይ ክትነብሪ ኸም እትኽእሊ ትፈልጢ ኢኺ” በለትኒ። ብዛዕባ እቶም መንፈሳውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ትዛረብ ከም ዝነበረት እፈልጥ ነበርኩ። ኣብ መጀመርታ፡ ኣብ ጥቓና ምስ ዝነበረት ናይ የሆዋ ምስክር ስድራ ቤት እነብር እኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣቦይ ገና የሸግረኒ ስለ ዝነበረ፡ ናብታ 95 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ዴቨንተር (ኦቨሪጂሰል) ዝነበረት ጉባኤ ገዓዝኩ። ኰይኑ ግና፡ ካብ ቤት ክስጐጕ ከለኹ ትሕቲ ዕድመ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣቦይ በቶም ሰበ ስልጣን ኣብ ሽግር ኣተወ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ናብ ቤት ክምለስ ነገረኒ። ሓቂ እኳ እንተ ዘይተቐበለ፡ ኣብ መወዳእታኡ ግና ናብ ኣኼባታትን ናብ ኣገልግሎትን ክኸይድ ፈቐደለይ።

ታሕቲ፦ የኒ (ብየማናይ ጫፍ) ብ1952 ሓጋዚት ፈላሚት ከላ

ናብ ቤት ካብ ዝምለስ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣደይ ኣመና ስለ ዝሓመመት፡ ኵሉ ዕዮ ቤት ኣነ እየ ዝዓይዮ ነይረ። ኰይኑ ግና፡ መንፈሳዊ ዕቤት ብምግባር፡ ብ1951 ጓል 17 ዓመት ምስ ኰንኩ ተጠመቕኩ። ብ1952 ኣደይ ምስ ሓወየት፡ ምስ ካልኦት ሰለስተ ፈለምቲ ኣሓት ኰይነ ንኽልተ ወርሒ ሓጋዚት ፈላሚት ኰንኩ። ኣብ ጃልባ ኢና እንቕመጥ ኔርና፣ ኣብ ድረንት ኣብ ዚርከባ ኽልተ ኸተማታት ድማ ነገልግል ነበርና። ብ1953 ስርዕቲ ፈላሚት ኰንኩ። ንዓመታኡ፡ ሓደ መንእሰይ ሓላው ወረዳ ንጉባኤና በጽሓ። ማርኩስ እዩ ነይሩ። ከም ሰብ ሓዳር ኴንና ንየሆዋ ብዝሓሸ መገዲ ኸነገልግሎ ኸም እንኽእል ኰይኑ ስለ እተሰምዓና ድማ፡ ኣብ ግንቦት 1955 ተመርዓና።—መክ. 4:9-12

የማን፦ ብ1955 ኣብ እተመርዓናላ መዓልቲ

ማርኩስ፦ ድሕሪ መርዓና፡ ኣብ ቪዳም (ኽሮኒንን) ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል ተመደብና። ክልተ ብሰለስተ ሜተር ኣብ ዝምግፍሓ ንእሽቶ ቤት ንነብር ነበርና። ኰይኑ ግና፡ የኒ ነታ ኽፍሊ ምሽእቲ ገበረታ። ምሸት ምሸት ነቲ ኣብ መንደቕ ደው ኢሉ ዚውዕል ዓራትና ምእንቲ ኽንዝርግሖ፡ ንሰደቓናን ንኽልተ ወናብርናን ነላዕሎ ነበርና።

ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ኣብ በልጅዩም ኣብ ዕዮ መገሻ ኽንካፈል ጻውዒት ቀረበልና። ብ1955 ኣብታ ሃገር እቲኣ፡ 4,000 ዝዀኑ ኣስፋሕቲ እዮም ነይሮም። ሕጂ ግና ብሽዱሽተ ዕጽፊ ወሲኾም እዮም። እቶም ኣብቲ ፍላንደርስ ዚብሃል ሰሜናዊ በልጅዩም ዚነብሩ ሰባት ዚዛረብዎ ቛንቋ፡ ምስ ናይ ነዘርላንድስ ተመሳሳሊ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣዘራርባኦም ፍልይ ዝበለ እዩ፣ ስለዚ፡ ኣብ ፈለማ ነቲ ናይ ቋንቋ ጸገም ክንሰግሮ ነበረና።

የኒ፦ ዕዮ መገሻ፡ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ እዩ ዚሓትት። ንጉባኤታት ብብሽክለታ እናኸድና ንበጽሐን፡ ኣብ ቤት ኣሕዋትን ኣሓትን ድማ ነዕርፍ ነበርና። ንሓንቲ ጉባኤ በጺሕና ምስ ወዳእና፡ ናብታ እትቕጽል ቅድሚ ምኻድና እነዕርፈሉ ቤት ስለ ዘይነበረና፡ ክሳዕ ሰኑይ ንጸንሕ ነበርና፣ ሽዑ ሰሉስ ንግሆ ናብታ ቐጺላ ዘላ ጉባኤ ንኸይድ ነበርና። ኰይኑ ግና፡ ንኣገልግሎትና ወትሩ ኸም በረኸት የሆዋ ጌርና ኢና እንርእዮ ኔርና።

ማርኩስ፦ ኣብ ፈለማ፡ ነቶም ኣብተን እንበጽሐን ዝነበርና ጉባኤታት ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣይንፈልጦምን ኢና ኔርና፣ ኰይኑ ግና፡ ብሕያውነት ይቕበሉና ነበሩ። (እብ. 13:2) ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓመታት፡ ንዅለን እተን ኣብ በልጅዩም ዝነበራ ቛንቋ ዳች ዚጥቀማ ጉባኤታት ብተደጋጋሚ በጻሕናየን። እዚ ኸኣ ብዙሕ በረኸት ኣምጽኣልና። ንኣብነት፡ ዳርጋ ምስ ኵሎም እቶም ኣብ ኣውራጃ ዳች ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ተፋለጥና፣ ኣዚና ኸኣ ንፈትዎም ነበርና። ብኣማእታት ዚቝጸሩ መንእሰያት ኣካላውን መንፈሳውን ዕቤት ብምግባር ርእሶም ንየሆዋ ኺውፍዩ ኸለዉን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ኪህብዎ ኸለዉን ርኢና ኢና። መብዛሕትኦም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንየሆዋ ብተኣማንነት ኬገልግልዎ ኸለዉ ምርኣይና ኣዝዩ እዩ ዜሐጕሰና። (3 ዮሃ. 4) በዚ መገዲ እዚ ‘ንሓድሕድና ምትብባዕና፡’ ነቲ እተዋህበና ዕዮ ብምሉእ ልቢ ንኽንቅጽሎ ደሪኹና እዩ።—ሮሜ 1:12

ዓብዪ ብድሆን ናይ ሓቂ በረኸትን

ማርኩስ፦ ካብ እንምርዖ ኣትሒዝና፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንኣቱ ንምነ ነበርና። በብመዓልቱ ድማ እንተ ወሓደ ንሓደ ሰዓት እንግሊዝኛ ነጽንዕ ነበርና። ይኹን እምበር፡ እንግሊዝኛ ኻብ መጻሕፍቲ ኽትምሃር ቀሊል ኣይኰነን፣ ስለዚ፡ ኣብ እዋን ዕረፍትና ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብምኻድ፡ ኣብኡ እናኣገልገልና እንግሊዝኛ ኽንለማመድ ወሰንና። ኣብ መወዳእታኡ፡ ብ1963 ካብቲ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት፡ ደብዳበ በጽሓና። ክልተ ደብዳበ እየን ነይረን፣ ሓንቲ ንዓይ፡ ሓንቲ ኸኣ ንየኒ። እታ ናተይ፡ ኣብቲ ኣብ ጊልዓድ ዚግበር ዓሰርተ ወርሒ ዚወስድ ፍሉይ ክፍሊ ኽካፈል እትዕድም ነበረት። ቀንዲ ዕላማ እዚ ስልጠና እዚ፡ ንኣሕዋት ኣብ ውድባዊ መምርሒታት ንምስልጣን እዩ። ስለዚ፡ ካብቶም ጻውዒት ዝቐረበሎም 100 ተመሃሮ፡ እቶም 82 ኣሕዋት እዮም ነይሮም።

የኒ፦ እታ ኣነ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ እተቐበልክዋ ደብዳበ፡ ማርኩስ ኣብ ጊልዓድ ኪምሃር ከሎ፡ ኣነ ኣብ በልጅዩም ክጸንሕ ፍቓደኛ እንተ ዀይነ ብጸሎት ክሓስበሉ እትሓትት ነበረት። ሓቂ ይሓይሽ፡ ኣብ ፈለማ ጕህየ እየ። የሆዋ ነቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ ጻዕሪ ዘይባረኾ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ኰይኑ ግና፡ ንገዛእ ርእሰይ፡ ዕላማ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ፡ ነቶም ተመሃሮ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚግበር ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኺፍጽሙ ምሕጋዝ ምዃኑ ኣዘኻኸርክዋ። ስለዚ፡ ኣብ በልጅዩም ክጸንሕ ፍቓደኛ ምዃነይ ገለጽኩ፣ ኣብታ ጀንት እትብሃል ከተማ ምስተን ኣና ኮልፐርትን ማሪያ ኮልፐርትን ዚብሃላ ኽልተ ምኩራት ፍሉያት ፈለምቲ ኸገልግል ድማ ተመደብኩ።

ማርኩስ፦ እንግሊዝኛይ ከመሓይሽ ስለ ዝነበረኒ፡ እቲ ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ንሓሙሽተ ወርሒ ኣብ ብሩክሊን ክጸንሕ ተነግረኒ። ኣብ ክፍሊ ምልኣኽ ጽሑፋትን ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎትን ድማ እዓዪ ነበርኩ። ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ምግልጋልን ነቲ ናብ እስያን ኤውሮጳን ደቡብ ኣመሪካን ዚኸይድ ጽሑፋት ኣብ ምልኣኽ ምሕጋዝን፡ ብዛዕባ እቲ ዘሎና ሕውነት ከም ዝግንዘብ እዩ ገይሩኒ። ብፍላይ ነቲ ብግዜ ሓውና ራስል ፒልግሪም (ገያሺ ሓላዊ) ዝነበረ ሓውና ማክሚላን እዝክሮ እየ። ብዕድመ ደፊኡን እዝኑ ይጻንዖን እኳ እንተ ነበረ፡ ብተኣማንነት ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ጉባኤ ይእከብ ነበረ። እዚ ንልበይ ተንከፎ፣ ንክርስትያናዊ ምሕዝነትና ኣቕሊልና ኽንርእዮ ኸም ዘይብልና ኸኣ መሃረኒ።—እብ. 10:24, 25

የኒ፦ ኣነን ማርኩስን ኣብ ሰሙን ብተደጋጋሚ ደብዳበ ንጸሓሓፍ ነበርና። ኣዚና ተነፋፊቕና ነበርና። ኰይኑ ግና፡ ማርኩስ ነቲ ስልጠና ፈትይዎ ነበረ፣ ኣነ ኸኣ ብኣገልግሎተይ ሕጕስቲ ነበርኩ። ማርኩስ ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ እተመልሰሉ እዋን፡ 17 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እመርሕ ነበርኩ። ንዓመትን ሰለስተ ወርሕን ምፍልላይና ኣዝዩ ኸቢድ እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ በቲ ዝገበርናዮ መስዋእቲ ባሪኹና እዩ። ኣብታ ማርኩስ እተመልሰላ መዓልቲ፡ እታ ነፋሪት ንነዊሕ ሰዓታት ደንጐየት፣ ኣብ መወዳእታኡ ምስ ተራኸብና፡ ተሓቛቝፍና በኸና። ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዝና፡ ተፈላሊና ኣይንፈልጥን ኢና።

ንዝረኸብናዮ ዅሉ መሰላት ኣገልግሎት ነማስወሉ ኢና

ማርኩስ፦ ኣብ ታሕሳስ 1964 ካብ ጊልዓድ ምስ ተመለስኩ፡ ኣብ ቤት-ኤል ከነገልግል ተመደብና። ኰይኑ ግና፡ ምድብና ብተደጋጋሚ ኸም ዚቀያየር ኣይፈለጥናን ኔርና። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ፡ ኣብ ፍላንደርስ ዕዮ ኣውራጃ ኽንዓዪ ተመደብና። ኣልዘን ቪኸርስማን ኢልስ ቪኸርስማን ሚስዮናውያን ኰይኖም ናብ በልጅዩም ምስ መጹ፡ ኣብ ዕዮ ኣውራጃ ተመደቡ፣ ንሕና ኸኣ ናብ ቤት-ኤል ተመለስና፣ ኣነ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት እዓዪ ነበርኩ። ካብ 1968 ክሳዕ 1980 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ምድብና ብተደጋጋሚ ተቐያይሩ እዩ፣ ኣብ ቤት-ኤልን ኣብ ዕዮ መገሻን ብምግልጋል ድማ ኢና ኣሕሊፍናዮ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ካብ 1980 ክሳዕ 2005 እንደገና ሓላው ኣውራጃ ዀይነ ኣገልገልኩ።

ምድብና ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ተቐያየረ፡ ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስና ንኸነገልግሎ ኢልና ርእስና ኸም ዝወፈና ኣይረሳዕናን። ዕላማ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዜጋጥመና ለውጢ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ምዃኑ ንተኣማመን ስለ ዝነበርና፡ ንነፍሲ ወከፍ ዕዮ ተሓጒስና ንዓይዮ ነበርና።

የኒ፦ ብፍላይ ማርኩስ ከም ኣባል ኮሚተ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር መጠን ተወሳኺ ስልጠና ንኺወስድ፡ ብ1977 ናብ ብሩክሊን፡ ብ1997 ድማ ናብ ፓተርሰን ምስ ከድና፡ ኣዝየ ተሓጐስኩ።

የሆዋ ዜድልየና ዘበለ ይፈልጥ እዩ

ማርኩስ፦ ብ1982 የኒ መጥባሕቲ ገይራ ሓወየት። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ በታ ኣብ ሉቫን ዝነበረት ጉባኤ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እትርከብ ሓንቲ ኣፓርታማ ተዋህበትና። ድሕሪ 30 ዓመት ንፈለማ እዋን፡ ናይ ገዛእ ርእስና ቤት ኪህልወና ኸኣለ። ሰሉስ ሰሉስ ንጉባኤታት ንምብጻሕ ኣቕሑና ኽንጥርንፍ ከለና፡ ንባልጃና ንምውሳድ በቲ 54 መደያይቦ ብተደጋጋሚ እመላለስ ነበርኩ። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ብ2002 ኣብ ምድሪ ቤት እትርከብ ሓንቲ ኣፓርታማ ተዋህበትና። ወዲ 78 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣብ ከተማ ሎክረ ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል ተመደብና። በዚ መገዲ እዚ ኸነገልግልን በብመዓልቱ ናብ ኣገልግሎት ክንከይድን ብምኽኣልና ኣዚና ሕጉሳት ኢና።

“ካብቲ እነገልግለሉ ቦታን ዘሎና ዓቕምን ንላዕሊ፡ እቲ እነገልግሎ ኣካል ብዝያዳ ኸም ዜገድስ ብጽኑዕ ንኣምን ኢና”

የኒ፦ ክልቴና ብድምር ንልዕሊ 120 ዓመት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣገልጊልና ኢና። ነቲ የሆዋ፡ ‘ከቶ ኸም ዘይሓድገናን’ ብተኣማንነት እንተ ኣገልጊልናዮ ‘ገለ እኳ ኸም ዘይጐድለናን’ ዝኣተዎ መብጽዓ ተመኪርናዮ ኢና።—እብ. 13:5፣ ዘዳ. 2:7

ማርኩስ፦ ንኣሽቱ ኸለና፡ ርእስና ንየሆዋ ወፊና ኢና። ንገዛእ ርእስና ዓብዪ ነገር ክንረክብ እውን ኣይደለናን። ንዝዀነ ይኹን እተዋህበና ምድብ ብፍታው ኢና ተቐቢልናዮ፣ ከመይሲ፡ ካብቲ እነገልግለሉ ቦታን ዘሎና ዓቕምን ንላዕሊ፡ እቲ እነገልግሎ ኣካል ብዝያዳ ኸም ዜገድስ ብጽኑዕ ንኣምን ኢና።

^ ሕ.ጽ. 5 ዓመታት ጸኒሑ፡ ኣቦይን ኣደይን ምዕባየይ ሓብተን ክልተ ንኣሽቱ ኣሕዋተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ።