ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕጊ ሙሴ ኣብ ዘሌዋውያን 3:17፡ “ስብሒ ዘበለ . . . ኣይትብልዑ” ዚብል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ነህምያ 8:10 ግን ንኣይሁድ፡ “ዝሰብሔ ብልዑ” ተባሂሉ ተነግሮም። እዚ ኽልቲኡ ብኸመይ ኪሰማማዕ ይኽእል፧

ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ፡ እታ ኣብ ነህምያ 8:10 እትርከብ “ዝሰብሔ” ተባሂላ እተተርጐመት ቃልን እታ ኣብ ዘሌዋውያን 3:17 እትርከብ “ስብሒ” ተባሂላ እተተርጐመት ቃልን እተፈላለያ እየን። እታ ኣብ ዘሌዋውያን 3:17 እትርከብ “ስብሒ” ተባሂላ እተተርጐመት ኸለቭ እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ንስብሒ እንስሳታት ወይ ሰባት ተመልክት። (ዘሌ. 3:3፣ መሳ. 3:22) ኣብ ከባቢ ቝጽሪ 17 ዘሎ ሓሳባት ከም ዚሕብሮ፡ “ኵሉ ስብሒ ናይ እግዚኣብሄር” ስለ ዝዀነ፡ እስራኤላውያን ኣብቲ ንመስዋእቲ ዚቐርቡ እንስሳታት ዚርከብ ንናውቲ ኸብድን ንዅሊትን ዚኸድን ስብሒ ዀነ ኣብ ውሽጢ ሽምጢ ዘሎ ስብሒ ኺበልዑ ኣይነበሮምን። (ዘሌ. 3:14-16) ስለዚ፡ ኣብ ውሽጢ እንስሳ ዚርከብ ንየሆዋ ዚቐርብ ስብሒ ኺብላዕ ኣይነበሮን።

በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ እታ ኣብ ነህምያ 8:10 እትርከብ “ዝሰብሔ” ተባሂላ እተተርጐመት ቃል፡ ማሽማኒም እያ እትብል፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እውን ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ጥራይ እያ እትርከብ። ካብታ ሻመን እትብል ግሲ ዝመጸት ኰይና፡ “ስባሕ፡ ህጠር” ዚብል ትርጕም ኣለዋ። መሰረታዊ ሓሳብ እተን ምስዛ ግሲ እዚኣ ዚዛመዳ ቓላት፡ ምስ ብልጽግናን ጣዕሚ ናብራን እተተሓሓዘ ይመስል። (ምስ ኢሳይያስ 25:6 ኣረኣኢ።) ሓንቲ ኻብተን ካብዛ ግሲ እዚኣ ዝወጸት ብብዝሒ እትጥቀስ ቃል፡ ሸመን እትብል ስም ኰይና፡ መብዛሕትኡ ግዜ “ዘይቲ” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ፣ ኣብታ “ዘይቲ ኣውልዕ” እትብል መግለጺት እውን ትርከብ እያ። (ዘዳ. 8:8፣ ዘሌ. 24:2) እታ ኣብ ነህምያ 8:10 ተዓዩላ ዘሎ ማሽማኒም እትብል ቃል፡ ነቲ ብብዙሕ ዘይቲ እተዳለወ ምግቢ ኸተመልክት ትኽእል እያ፣ ምናልባት እውን ኣብቲ ምግቢ ቝሩብ ስብሒ ዘለዎ ስጋ ኺኣትዎ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ስብሒ ንባዕሉ ግን ኣይኣትዎን እዩ ነይሩ።

እስራኤላውያን ስብሒ ኸይበልዑ እኳ እንተ ተኸልከሉ፡ ቅብኢ ዘለዎ ምግቢ ግን ኪበልዑ ይኽእሉ ነይሮም። ከም እኒ ኻብ እኽሊ ዚስራሕ ዓይነት ጐጎ፡ ብስብሒ እንስሳ ዘይኰነስ፡ ብዘይቲ ኣትክልቲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ብዘይቲ ኣውልዕ እዩ ዚስራሕ ነይሩ። (ዘሌ. 2:7) ስለዚ፡ ከምቲ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ዚሕብሮ፡ እቲ ኣብዚ “ዝሰብሔ” ተባሂሉ ዘሎ፡ “ቅብኢ ዘለዎ፡ ደረቕ ዘይኰነ፡ ምዑዝ፡ ከምኡውን ብዘይቲ ኣትክልቲ ንእተዳለወ ምቁር ነገራት” ዜመልክት እዩ።

ልክዕ እዩ፡ ስብሒ ኸይብላዕ ዚኽልክል ሕጊ፡ ክፍሊ ሕጊ ሙሴ ምዃኑ፡ ክርስትያናት ይፈልጡ እዮም። ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ኸኣ ኣይኰኑን፣ ስለዚ፡ ምስ መስዋእቲ እንስሳታት ዚተሓሓዝ ትእዛዝ ኣይምልከቶምን እዩ።—ሮሜ 3:20፣ 7:4, 6፣ 10:4፣ ቈሎ. 2:16, 17