ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ነዛ ወይኒ ብጽሓያ’!

‘ነዛ ወይኒ ብጽሓያ’!

‘ነዛ ወይኒ ብጽሓያ’!

እቶም 12 ሰለይቲ ኻብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ እታ ምድሪ ተስፋ ተጓዕዙ። ሙሴ ነቶም ነበርቲ ኺዕዘብዎምን ካብ ፍረ እታ ምድሪ መርኣዪ ሒዞም ኪመጹን ነጊርዎም ነይሩ። ኣየናይ ፍረኸ ብፍላይ ንኣቓልቦኦም ሰሓቦ፧ ካብ ኬብሮን ብዙሕ ከይረሓቑ: ዝፈረየ ወይኒ ዘለዎ ግራት ረኸቡ፣ ሓደ ኣስካል ኣዝዩ ዓብዪ ብምንባሩ ድማ ንምስካም ክልተ ሰለይቲ ኣድለዩ። እቲ ፍርያት ኣዝዩ ዜደንቕ ብምንባሩ: እቶም ሰለይቲ ነዛ ፍርያም ቦታ “ለሰ ኤሽኮል” ወይ “ኣስካል ወይኒ” ኢሎም ሰመይዋ።—ዘሁልቍ 13:21-24

ኣብ መበል 19 ዘመን ናብ ፍልስጥኤም ዝኸደ በጻሒ: “ኤሽኮል ወይ ለሰ ወይኒ: ሕጂውን እንተዀነ ብተኽሊ ወይኒ ዝመልአ እዩ፣ እቲ ወይኑ ኸኣ ካብቲ ኣብ ፍልስጥኤም ዘሎ እቲ ዝበለጸን ዝፈረየን እዩ” ብምባል ጸብጸበ። ዋላኳ ወይኒ ኤሽኮል ዝበለጸ እንተዀነ: ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ግን መብዛሕትኡ ምድሪ ፍልስጥኤም ጽቡቕ ወይኒ እዩ ዜፍሪ ነይሩ። መዛግብቲ ግብጺ: ፈርኦን ካብ ከነኣን ወይኒ የምጽእ ከም ዝነበረ ይሕብር።

ዘ ናቹራል ሂስትሪ ኦቭ ዘ ባይብል ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “እቲ ኸውሒ ዝመልኦ ዅድዅዶታት [ፍልስጥኤም]: ሑጻ ዝበዝሖ መሬትን ብዙሕ ናይ ጸሓይ ብርሃንን ሙቐት ክረምትን ዚረክብ ከምኡውን እቲ ኣብ ሓጋይ ዚዘንም ዝናም ቀልጢፉ ዚነጽፍ ብምዃኑ: እዚ ዅሉ ፍልይ ዝበለ ምድሪ ወይኒ ገበሮ።” ኢሳይያስ ገሊኡ ቦታታት ሽሕ ተኽሊ ወይኒ ኸም ዝነበሮ ሓበረ።—ኢሳይያስ 7:23

‘ምድሪ ወይኒ’

ሙሴ ንህዝቢ እስራኤል ኣብ ምድሪ “ወይንን በለስን ሮማንን” ከም ዚነብሩ ነገሮም። (ዘዳግም 8:8) ብመሰረት ቤከር ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ባይብል ፕላንትስ: “ኣብ ጥንታዊት ፍልስጥኤም: ወይኒ ብብዝሒ ይርከብ ብምንባሩ: ኣብ መብዛሕትኡ ወይ ዳርጋ ኣብ ኵሉ እቲ እተዃዕተ መሬት ዘርኢ ወይኒ ተረኺቡ እዩ።” ወይኒ እታ ምድሪ ተስፋ ኣዝዩ ፍርያም ስለ ዝነበረ: ሰራዊት ነቡካድነጻር ንይሁዳ ብ607 ቅ.ክ. ምስ ኣጥፍኣ እውን ከይተረፈ: እቶም ዝተረፉ ህዝቢ “ኣዝዩ ብዙሕ ወይንን ፍረን . . . አከቡ።”—ኤርምያስ 40:12፣ 52:16

ሓረስቶት እስራኤል: ወይኒ ብብዝሒ ኼፍርዩ እንተ ደልዮም: ኪከናኸንዎ ነበሮም። ትንቢት ኢሳይያስ: ሓደ እስራኤላዊ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ ኸመይ ገይሩ ኣብ ሓደ ዅርባ ኸም ዚዅዕት ከምኡውን ከመይ ገይሩ ቕድሚ “ሕሩይ ተኽሊ ወይኒ” ምትካሉ ነቲ ዓበይቲ ኣእማን ካብኡ ኸም ዜልግሶ ትገልጽ። ብድሕርዚ: ነቲ ኻብቲ መሬት ዘልገሶ ኣእማን ተጠቒሙ መካበብያ ይሃንጽ። እዚ መካበብያ እዚ ድማ ነቲ ተኽሊ ወይኒ ብኸብቲ ንኸይርገጽ ከምኡውን ካብ ወኻሩን ናይ ዱር መፍለስን ሰረቕትን ይከላኸለሉ። ብተወሳኺውን: መሓምተሊ ኺሰርሓሉ: ብግዜ ዓጺድ ዝያዳ ሓለዋ ኣብ ዜድልየሉ እዋን ዝሕል ዝበለ መቐመጢ ቦታ ዚኸውን ንእሽቶ ግምቢ ኸኣ ኪሃንጽ ይኽእል እዩ። ድሕሪ እዚ ዅሉ ኣፈናዊ ስራሕ እዚ ጽቡቕ ፍረ ወይኒ ኺጽበ ይኽእል።—ኢሳይያስ 5:1, 2 a

ሓደ ሓረስታይ ብዙሕ ምህርቲ ንኺረክብ: ነቲ ወይኒ ወትሩ ብምጽልጻል ፍርያምነቱ የዛይዶ ኸምኡውን ጻህያይን ዳንዴርን እሾኽን ከይበቍል ንምቍጽጻር ይጫዅሮ። ካብቲ ብጽድያ ዚወቅዕ ዝናም እኹል ጠሊ እንተ ዘይረኺቡ: ብኽረምቲ ማይ ኬስትዮ የድልዮ ይኸውን።—ኢሳይያስ 5:6፣ 18:5፣ 27:2-4

እቲ ኣብ መወዳእታ ኽረምቲ ዚካየድ ዓጺድ ወይኒ: ኣዝዩ ዜሐጕስ ግዜ እዩ። (ኢሳይያስ 16:10) ኣብ መጽሓፍ መዝሙር “ብጌቲት” ዚብል ልዕለ-ጽሑፍ ዘለወን ሰለስተ ምዕራፋት ኣለዋ። (መዝሙር ምዕራፍ 8፣ 81፣ 84) እዚ ብርግጽ ዘይፍለጥ ሙዚቃዊ ኣገላልጻ እዚ ኣብ ቅዳሕ ሰፕቱጀንት “መርገጽ ወይኒ“ ተባሂሉ ተተርጕሙ ኣሎ: እዚ ድማ እስራኤላውያን ነዘን መዝሙራት እዚኣተን ኣብ እዋን ዓጺድ ወይኒ ይዝምርወን ነይሮም ማለት ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ፍረ ወይኒ ብቐንዱ መስተ ወይኒ ንምስራሕ ዜገልግል እኳ እንተ ነበረ: እስራኤላውያን ግን ከይጸመቑ ይበልዕዎ ወይ ከኣ ዘቢብ ክሳዕ ዚኸውን ኣንቂጾም: ጐጎ ይገብርዎ ነበሩ።—2 ሳሙኤል 6:19፣ 1 ዜና መዋእል 16:3

ወይኒ እስራኤል

መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ንህዝቢ ኣምላኽ ከም ወይኒ ገይሩ ይጠቕሶም: እዚ ድማ ምስቲ ወይኒ ንእስራኤላውያን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣረኣኢኻ ብቑዕ ምሳሌ እዩ። ኣብ መዝሙር ምዕራፍ 80: ኣሳፍ ንህዝቢ እስራኤል ምስ ሓንቲ የሆዋ ኣብ ከነኣን ዝተኸላ ወይኒ ኣመሳሲልዎም ኣሎ። እዛ ወይኒ እስራኤል ሱር ንኽትሰድድን ንኽትዓብን ነታ ምድሪ ኣጽረያ። ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ ግን እቲ ሓጹራ ፈረሰ። እቶም ህዝቢ ኣብ የሆዋ ስለ ዘይተወከሉ: ንሱውን ዕቝባኡ ኣቋረጸ። ልክዕ ከምቲ ናይ ዱር መፍለስ ንተኽሊ ወይኒ ዜብርሳ: እቶም ጸላእቲ ህዝብታት ድማ ንሃብቲ እስራኤል ወሓጥዎ። ኣሳፍ: የሆዋ ንህዝቡ ብምሕጋዝ ናብቲ ናይ ቀደም ክብሮም ንኺመልሶም ጸለየ። ‘ነዛ ወይኒ ብጽሓያ’ ብምባል ድማ ለመነ።—መዝሙር 80:8-15

ኢሳይያስ ን“ቤት እስራኤል” ምስ ሓንቲ ኣብ መወዳእታኡ “መጺጽ ፍረ” ወይ ሕማቕ ፍረ ዘፍረየት ተኽሊ ወይኒ ኣመሳሲልዎም ኣሎ። (ኢሳይያስ 5:2, 7) እዚ መጺጽ ፍረ እዚ ኻብቲ ኻልእ ወይኒ ንእስ ዝበለን እቲ ወይኑ ዝደቐቐን እዩ። ወይኒ ንምስራሕ ወይ ከኣ ንምብላዕ ዚኸውን ኣይኰነን: እዚ ድማ ነቲ ሕጊ ኻብ ምጥሓስ ሓሊፉ ጽድቂ ዘየፍሪ ኸሓዲ ህዝቢ ዚሰማማዕ ተምሳል እዩ። ዘይረብሕ ፍረ ኺህልዎ ዝኸኣለ ብሰንኪ ጕድለት እቲ ተኻሊኡ ኣይኰነን። የሆዋ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ፍርያም ንኪዀኑ ዝከኣሎ ዅሉ ገይሩ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ “ነታኽልቲ ወይነይሲ ሓለፋ እቲ ኣነ ዝገበርኩሉ እንታይ ኰን ምተገብረሉ ነይሩ፧” ብምባል ዝሓተተ።—ኢሳይያስ 5:4

ወይኒ እስራኤል ዘየፍሪ ብምዃኑ: የሆዋ ነቲ ኣብ ዙርያኦም ዝሃነጾ መካበብያ ኸም ዜፍርሶ ኣጠንቀቖም። ነዚ ምሳልያዊ ተኽሊ ወይኑ ኣይኪጽልጽሎን ንመሬቱ ድማ ኣይኪዅስኵሶን እዩ። ብግዜ ጽድያ ዚሃርም ዝናም ስለ ዘይዘንም: እቲ ተኽሊ ወይኒ ብእሾኽን ጻህያይን ኪምህምን እዩ።—ኢሳይያስ 5:5, 6

ሙሴ: እስራኤላውያን ምስ ዚኽሕዱ ተኽሊ ወይኖም ቃል ብቓሉ ኸም ዚቕምስል ተነብዩ ነይሩ እዩ። ከምዚ በለ:- “ወይኒ ትተክል ትዅስኵሶ ኸኣ: ግናኸ: ሓሰኻ ኺበልዖ እዩ እሞ: ወይኒ ኣይትሰትየሉን: ገለ እኳ ድማ ኣይትእክብን።” (ዘዳግም 28:39) ሓደ ሓሰኻ ናብ ቀንዲ ጕንዲ እቲ ወይኒ ኣትዩ እንተ በሊዕዎ: ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኪቕምስል ይኽእል እዩ።—ኢሳይያስ 24:7

“ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ”

ልክዕ ከምቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ምስ ተኽሊ ወይኒ ዘመሳሰሎም: የሱስ ድማ ተመሳሳሊ ምሳሌ ተጠቕመ። ኣብቲ ብዙሓት ሰባት ድራር ጐይታ ዚብልዎ እዋን: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ: ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 15:1) ብድሕርዚ: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ምስ ጨናፍር ተኽሊ ወይኒ ኣመሳሰሎም። ልክዕ ከምቲ ጨናፍር ካብቲ ቐንዲ ጕንዲ ሓይሊ ዚረኽቡ: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እውን ምስኡ ኺጸንዑ ኣለዎም። የሱስ “ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም። (ዮሃንስ 15:5) ከምቲ ሓረስቶት ፍረ ንኺረኽቡ ኢሎም ወይኒ ዚተኽሉ: የሆዋ ድማ ህዝቡ መንፈሳዊ ፍረ ኺፈርዩ ይጽበ እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ተኻሊ ወይኒ ዝዀነ ኣምላኽ: ቅድስናን ክብርን የምጽኣሉ።—ዮሃንስ 15:8

ቃል ብቓሉ ወይኒ ፍርያም ንኪኸውን ምጽልጻልን ምጽራይን ኣገዳሲ እዩ: የሱስ ድማ ንኽልቲኡ እዚ መስርሕ እዚ ጠቒስዎ ኣሎ። ሓደ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ ጽቡቕ ምህርቲ ንኺረክብ ነቲ ወይኒ ኣብ ዓመት ክልተ ሳዕ ይጽልጽሎ። ብግዜ ሓጋይ መብዛሕትኡ ጨናፍር እቲ ወይኒ ይቝረጽ። እቲ ሓረስታይ ነቲ ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓመት ዝበቘለ እዩ ዚቘርጾ። ኣብ ነፍሲ ወከፉ ሓደ ወይ ክልተ ጠጥዒ ዘለዎ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዚኸውን ጨንፈር ድማ ይሓድገሉ። እቲ ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓመት ኪዓቢ ዝጀመረ ሓድሽ ጠጥዒ: ኣብቲ ቐጺሉ ዘሎ ኽረምቲ ፍረ ዚፈሪ ጨንፈር ይኸውን። ኣብ መወዳእታ: እቲ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ ምጽልጻሉ ምስ ወድአ ነቲ ዝጸልጸሎ ጨናፍር የንድዶ።

የሱስ ነዚ ብምጥቃስ: “ኣባይ ዘይጸንዕ ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ: ኣኪቦም ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ” በለ። (ዮሃንስ 15:6) ዋላኳ ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ተኽሊ ወይኒ: ጨንፈር ዘይብሉ እንተ መሰለ: ገና ኻልእ ብግዜ ጽድያ እናሓረኻ ዚግበር ምጽልጻል ግን ኣሎ።

የሱስ “ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር የርሕቖ” ብምባል ተዛረበ። (ዮሃንስ 15:2) እዚ ድማ እቲ ወይኒ ዚኣክል ሓድሽ ጠጥዒ ምስ ኣብቈለን እቲ ንኣሽቱ ዘለላ ወይኒ ብግልጺ ኺርአ ምስ ጀመረን ንዚግበር ምጽልጻል ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ ነቲ ዜፍርን ዘየፍርን ጨንፈር ንምፍላይ ተጠንቂቑ ይርእዮ። እቲ ዘየፍሪ ጨናፍር ኣብቲ ተኽሊ ወይኒ እንተ ተሓዲጉ: ካብቲ ጕንዲ ኣድላዪ ምግብን ማይን ኪወስድ ይኽእል እዩ። ስለዚ: እቲ ሓረስታይ ነዚ ፍረ ዘየፍሪ ጨናፍር ይጽልጽሎ: እዚ ድማ እቲ ምግቢ ናብቲ ፍረ ዜፍሪ ጨንፈር ጥራይ ከም ዚኸይድ ይገብሮ።

የሱስ ኣብ መወዳእታ ነቲ ናይ ምጽራይ መስርሕ ጠቐሰ። “ነቲ ፍረ ዚፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግና: ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈሪ: የጽርዮ” ብምባል ድማ ገለጸ። (ዮሃንስ 15:2) እቲ ፍረ ዘየፍሪ ጨንፈር ምስ ተቘርጸ: እቲ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ ነቲ ፍረ ዜፍሪ ጨንፈር ተጠንቂቑ ይርእዮ። ከመይሲ: ኵሉ ግዜ ኣብ እግሪ እቲ ፍረ ዜፍሪ ጨንፈር ኬልግስ ዘለዎ ሓደስቲ ጠጥዒ ይረክብ እዩ። እዚ ኺዓቢ እንተ ተሓዲጉ: ነቲ ናብቲ ወይኒ ኪኸይድ ዚግብኦ ኣድላዪ ጠሊ ይመጽዮ። ብተወሳኺውን እቲ ውልዶ ወይኒ እኹል ናይ ጸሓይ ብርሃን ንኺረክብ እቲ ዓበይቲ ኣቝጽልቲ ኼልግስ ኣለዎ። እዚ ዅሉ እቲ ፍረ ዚህብ ጨናፍር ብዙሕ ፍረ ንኺፈሪ ዚሕግዝ ስጕምትታት እዩ።

‘ብዙሕ ፍረ ፍረዩ’

እቲ ምሳልያዊ ጨናፍር እቲ “ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ” ንቕቡኣት ክርስትያናት ዜመልክት እዩ። ኰይኑ ግን እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” እውን ፍረ ዜፍርዩ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ምዃኖም ኬርእዩ ኣለዎም። (ዮሃንስ 10:16) “ብዙሕ ፍረ” ኺፈርዩን ነቲ ሰማያዊ ኣቦኦም ክብሪ ኼምጽኡሉን ይኽእሉ እዮም። (ዮሃንስ 15:5, 8) የሱስ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ እተዛረቦ ምሳሌ: ምድሓንና ምስ ክርስቶስ ኣብ ምጽናዕን ጽቡቕ መንፈሳዊ ፍረ ኣብ ምፍራይን እተመርኰሰ ምዃኑ የዘኻኽረና። የሱስ ከምዚ በለ:- “ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ዝሐሎኹ: ኣብ ፍቕሩውን ጸኒዔ ዘሎኹ: ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሐሎኹም: ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም።”—ዮሃንስ 15:10

ብግዜ ነብዪ ዘካርያስ: ኣምላኽ ነቶም እሙናት ተረፍ እስራኤላውያን ኣብታ ምድሪ: “ዘርኢ ሰላም ኪኸውን እዩ: ወይኒ ፍሬኣ ኽትህብ እያ: ምድሪ ኸኣ ብቝላ ኽትህብ” ኢሉ ተመባጽዐ። (ዘካርያስ 8:12) ተኽሊ ወይኒ ነቲ ህዝቢ ኣምላኽ ብግዜ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ ዚህልዎም ሰላም ንምግላጽ እውን ተጠቒምሉ እዩ። ሚክያስ ከምዚ ብምባል ተነበየ:- “ኣፍ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ተዛሪብዎ እዩ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ: ዜፍርሆም ከኣ የልቦን።”—ሚክያስ 4:4

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብመሰረት ኢንሳይክሎፔድያ ጁዳይካ: ሓረስቶት እስራኤል ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 5:2 ተጠቒሱ ዘሎ ሶረክ ተባሂሉ ዚፍለጥ ጁኽ ዝሕብሩ ዓይነት ወይኒ እዮም ዚመርጹ። እዚ ኸኣ ጥዑም ቀይሕ ወይኒ የፍሪ።

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቀረባ እዋን ዝቐምሰለት ተኽሊ ወይኒ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ግዜ ሓጋይ ዚግበር ምጽልጻል

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ ዘየድሊ ጨናፍር ምንዳድ