ኢሳይያስ 16:1-14
-
ኣንጻር ሞኣብ እተዘርበ መልእኽቲ ይቕጽል (1-14)
16 ናብ ገዛኢ እታ ምድሪ፡ካብ ሴላዕ ብበረኻ ኣቢልኩም፡ናብ ከረን ጓል ጽዮን፡ ድዑል ስደዱ።
2 ካብ ሰፈራ ኸም ዝሃደመት ዑፍ፡+ኣዋልድ ሞኣብ ኣብ መሳገሪታት ኣርኖን ከምኡ ኪዀና እየን።+
3 “ምኽሪ ሃቡ፡ ውሳነ ፈጽሙ።
ቀትሪ ኸሎ፡ ንጽላሎትኪ ኸም ለይቲ ግበርዮ።
ንእተበተኑ ሕብእዮም፡ ንህዱማት ኣሕሊፍኪ ኣይትሃቢ።
4 ኣቲ ሞኣብ፡ እቶም ብቱናተይ ኣባኺ ይንበሩ።
ካብ ቅድሚ እቲ መጥፍኢ፡ መሕብኢ ዅንዮም።+
እቲ ጨቋኒ ናብ መወዳእታኡ ኺበጽሕ፡እቲ ጥፍኣት እውን ኪውዳእ እዩ፣እቶም ዚረግጹ ድማ፡ ካብ ምድሪ ኺጠፍኡ እዮም።
5 ሽዑ፡ ዝፋን ብተኣማንነት ብዚርአ ፍቕሪ ኺጸንዕ እዩ።
እቲ ኣብኡ ኣብ ድንኳን ዳዊት ዚቕመጥ፡ እሙን ኪኸውን እዩ፣+ብቕንዕና ኺፈርድ፡ ብፍጥነት ከኣ ጽድቂ ኺፍጽም እዩ።”+
6 ብዛዕባ ትምክሕቲ ሞኣብ፡—ንሱስ ኣዝዩ ዕቡይ እዩ፡+—ብዛዕባ ትዕቢቱን ትምክሕቱን ነድሩን ሰሚዕና፣+እቲ ባዶ ዘረባኡ ግና ከንቱ ኪኸውን እዩ።
7 ስለዚ፡ ሞኣብ ንሞኣብ ዋይዋይ ኪብለሉ እዩ፣ኵላቶም ዋይዋይ ኪብሉ እዮም።+
እቶም እተወቕዑ ድማ፡ ብዛዕባ ጎጎ ዘቢብ ቂር-ሓረሰት ኪቝዝሙ እዮም።+
8 ከመይሲ፡ ዛላታት ሔስቦን+ ኰነ፡ተኽሊ ወይኒ ሲብማ+ ነቒጹ፣ገዛእቲ ኣህዛብ ነቲ ብሩህ ቀይሕ ጨናፍራ* ረጊጾምዎ፣ክሳብ ያዕዜር በጺሖም፣+ክሳብ በረኻ ተዘርጊሖም።
ጨናፍራ ኣስፋሕፊሑ፡ ክሳብ ባሕሪ ድማ በጺሑ።
9 ስለዚ፡ ከምቲ ንያዕዜር ዝበኸኹላ፡ ንተኽሊ ወይኒ ሲብማ ኽበኽየላ እየ።
ኦ ሔስቦንን ኤልዓለን፡+ ጭድርታ ፍረ ሓጋይክንን ቀውዕኽንን ኣብቂዑ እዩ እሞ፡*ብንብዓተይ ከጠስጥሰክን እየ።
10 ሓጐስን ባህታን ካብ ግራት ፍረታት ተወሲዱ እዩ፣ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ደርፊ ሓጐስ ወይ እልልታ የልቦን።+
ንጭድርታ ኸም ዜቋርጽ ገይረዮ እየ እሞ፡+ረጋጺ ኣብ መጽመቝ ወይኒ ደጊም ኣይኪረግጽን እዩ።
11 ስለዚ፡ ኣምዑተይ ብሞኣብ፡+ውሽጠይ ድማ ብቂር-ሓረሰት፡+ከም ትሪምሪምታ መሰንቆ* ይናወጽ ኣሎ።
12 ሞኣብ ኣብ በሪኽ እኳ ንርእሱ እንተ ኣድከማ፡ ኣብ መቕደሱ እውን እንተ ጸለየ፡ ሓንቲ እኳ ኣይኪዓምምን እዩ።+
13 የሆዋ ብዛዕባ ሞኣብ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ።
14 ሕጂ ኸኣ የሆዋ፡ “ክብሪ ሞኣብ፡ ከም ዓመታት ዕሱብ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት* ምስ ብዙሕ ህውከት ኪዋረድ እዩ፣ እቶም ዚተርፉ እውን ኣዝዮም ሒደትን ዘይረብሑን ኪዀኑ እዮም” ይብል።+

