ኢሳይያስ 18:1-7
-
ኣንጻር ኢትዮጵያ እተዘርበ መልእኽቲ (1-7)
18 ኣብ ዞባ ኣፍላግ ኢትዮጵያ+ ዘላምድሪ እቶም ጅጅ ዚብሉ ኣኽናፍ ሓሸራ፡ ወይለኣ!
2 ኣብ ማያት ብዚሰፍፋ ጃለቡ ጳጲሮስ ኣቢላብባሕሪ ኸምዚ ዚብሉ ልኡኻት ትልእኽ፦
“ኣቱም ፈጣናት ልኡኻት፡ናብ ነዊሕን ልሙጽ ዝቘርበቱን ህዝቢ፡*ኣብ ኵሉ ናብ ዚፍራህ ህዝቢ፡+ናብ ብርቱዕን ዚስዕርን፡*ምድሩ እውን ብኣፍላግ ናብ እተባሕጐገት ህዝቢ ኺዱ።”
3 ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩን ኣብ ምድሪ እትቕመጡን፡እቲ እትርእይዎ ኣብ ኣኽራን ከም እተላዕለ ሰንደቕ ዕላማ ኪኸውን እዩ፣ከም ዚንፋሕ መለኸት ዝበለ ደሃይ ከኣ ክትሰምዑ ኢኹም።
4 የሆዋስ ከምዚ ኢሉኒ፦
“ከም ውሪግሪግ ዚብል ሙቐት ምስ ብርሃን ጸሓይ፡ከም ደበና ኣውሊ ኣብ ሙቐት ቀውዒ፡ከይተረበሽኩ ኽጸንሕ፡ ነታ ቐዋሚት ቦታይ ክጥምታ* እየ።
5 ከመይሲ፡ ቅድሚ ቐውዒ፡ምዕምባብ ምስ ተወድአ፡ እቲ ዕምባባ ድማ ዚበስል ወይኒ ምስ ኰነ፡እቲ ጨናፍር ብገዘሞታት ኪቝረጽ፡መጠንጠን ሓረግ ከኣ ኪጽልጸልን ኪውገድን እዩ።
6 ኵሎም ንኣሞራታት ኣኽራንንንእንስሳታት ምድርን ኪዀኑ እዮም።
ኣሞራታት ኣባታቶም ኪሓግዩ፡ኵሎም እንስሳታት ምድሪ ድማ ኣባታቶም ኪቕውዑ እዮም።
7 በቲ ግዜ እቲ፡ ካብ ነዊሕን ልሙጽ ዝቘርበቱን ህዝቢ፡*ኣብ ኵሉ ኻብ ዚፍራህ ህዝቢ፡ካብ ብርቱዕን ዚስዕርን፡*ምድሩ እውን ብኣፍላግ ካብ እተባሕጐጐት ህዝቢ፡ህያብ ናብ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ናብታ ስም የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዘለዋ ቦታ፡ ናብ ከረን ጽዮን+ ኪመጽእ እዩ።”
እግረ ጽሑፍ
^ ቃ.ቃ.፡ “እተመዝዘን እተወልወለን ህዝቢ።”
^ ወይ፡ “ዚረግጽን።”
^ ወይ፡ “ካብታ ቐዋሚት ቦታይ ክጥምት” ኪኸውን ይኽእል።
^ ቃ.ቃ.፡ “እተመዝዘን እተወልወለን ህዝቢ።”
^ ወይ፡ “ዚረግጽን።”