ኢሳይያስ 18:1-7

  • ኣንጻር ኢትዮጵያ እተዘርበ መልእኽቲ (1-7)

18  ኣብ ዞባ ኣፍላግ ኢትዮጵያ+ ዘላምድሪ እቶም ጅጅ ዚብሉ ኣኽናፍ ሓሸራ፡ ወይለኣ!  2  ኣብ ማያት ብዚሰፍፋ ጃለቡ ጳጲሮስ ኣቢላብባሕሪ ኸምዚ ዚብሉ ልኡኻት ትልእኽ፦ “ኣቱም ፈጣናት ልኡኻት፡ናብ ነዊሕን ልሙጽ ዝቘርበቱን ህዝቢ፡*ኣብ ኵሉ ናብ ዚፍራህ ህዝቢ፡+ናብ ብርቱዕን ዚስዕርን፡*ምድሩ እውን ብኣፍላግ ናብ እተባሕጐገት ህዝቢ ኺዱ።”  3  ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩን ኣብ ምድሪ እትቕመጡን፡እቲ እትርእይዎ ኣብ ኣኽራን ከም እተላዕለ ሰንደቕ ዕላማ ኪኸውን እዩ፣ከም ዚንፋሕ መለኸት ዝበለ ደሃይ ከኣ ክትሰምዑ ኢኹም።  4  የሆዋስ ከምዚ ኢሉኒ፦ “ከም ውሪግሪግ ዚብል ሙቐት ምስ ብርሃን ጸሓይ፡ከም ደበና ኣውሊ ኣብ ሙቐት ቀውዒ፡ከይተረበሽኩ ኽጸንሕ፡ ነታ ቐዋሚት ቦታይ ክጥምታ* እየ።  5  ከመይሲ፡ ቅድሚ ቐውዒ፡ምዕምባብ ምስ ተወድአ፡ እቲ ዕምባባ ድማ ዚበስል ወይኒ ምስ ኰነ፡እቲ ጨናፍር ብገዘሞታት ኪቝረጽ፡መጠንጠን ሓረግ ከኣ ኪጽልጸልን ኪውገድን እዩ።  6  ኵሎም ንኣሞራታት ኣኽራንንንእንስሳታት ምድርን ኪዀኑ እዮም። ኣሞራታት ኣባታቶም ኪሓግዩ፡ኵሎም እንስሳታት ምድሪ ድማ ኣባታቶም ኪቕውዑ እዮም።  7  በቲ ግዜ እቲ፡ ካብ ነዊሕን ልሙጽ ዝቘርበቱን ህዝቢ፡*ኣብ ኵሉ ኻብ ዚፍራህ ህዝቢ፡ካብ ብርቱዕን ዚስዕርን፡*ምድሩ እውን ብኣፍላግ ካብ እተባሕጐጐት ህዝቢ፡ህያብ ናብ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ናብታ ስም የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዘለዋ ቦታ፡ ናብ ከረን ጽዮን+ ኪመጽእ እዩ።”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “እተመዝዘን እተወልወለን ህዝቢ።”
ወይ፡ “ዚረግጽን።”
ወይ፡ “ካብታ ቐዋሚት ቦታይ ክጥምት” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “እተመዝዘን እተወልወለን ህዝቢ።”
ወይ፡ “ዚረግጽን።”