ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስትንታን ባህ ዜብል ግበሮ

ምስትንታን ባህ ዜብል ግበሮ

ምስትንታን ባህ ዜብል ግበሮ

ገሊኦም ሰባት ምስትንታን ከቢድ ገይሮም ኪወስድዎ ይኽእሉ እዮም። ከም ሓደ ኸቢድ ኣትኵሮ ዜድልዮ ኣጸጋሚ ዕዮ ገይሮም እውን ኪርእይዎ ይኽእሉ እዮም። ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ብዙሕ ዘየስተንትኑ ብምዃኖም: ብሕልፊ ድማ ብዛዕባ ኣድላይነቱ ኼንብቡ ኸለዉ ናይ ጣዕሳ ስምዒት ኪስምዖም ይኽእል እዩ። (ፊልጲ 4:8) ይኹን እምበር: ነቲ ብዛዕባ የሆዋ እተመሃርናዮ ሓቂ: ዜደንቕ ባህርያቱ: ዝፈጸሞ ዜስደምም ዕማም: ከነማልኦ ዚደልየና ብቕዓት: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኽብሪ ዝዓሰሎ ዕላማኡ ኣዕሚቝካ ብምሕሳብ ባህ ዜብል ግዜ ምሕላፍ ይከኣል እዩ: ከምኡ ድማ እዩ ኺግበር ዚግብኦ። ስለምንታይ፧

የሆዋ ኣምላኽ ልዑላዊ ገዛኢ እዚ ዩኒቨርስ ብምዃኑ ነቲ ዓብዪ ዕላማኡ ንምፍጻም ብስራሕ ትሑዝ እዩ። (ዮሃንስ 5:17) ይኹን እምበር: ብዛዕባ እቲ ነፍሲ ወከፍ ኣምለኽቱ ዚሓስብዎ ነገር ይግደስ እዩ። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነዚ ስለ ዝፈለጠ: ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ “ጐይታየ: ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒውን። ንምቕማጠይን ምትንሳኤይን ትፈልጦ: ንሓሳበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ” ብምባል ጸሓፈ።​—⁠መዝሙር 139:1, 2

ሓደ ሰብ ነዘን ቃላት እዚ ጸሓፍ መዝሙር ርእይ ምስ ኣበለን ብኣሉታዊ መገዲ ይርእየን ይኸውን። ‘ዋላኳ ኣምላኽ ቦታኡ “ርሑቕ” እንተዀነ: ነቲ ዝሓስቦ ሕማቕ ነገር የስተብህለሉ እዩ ማለት እዩ’ ኺብል ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ንሕማቕ ሓሳባት ከም ዜስተውዕሎ ምፍላጥና ጠቓሚ እዩ። ከመይሲ: ምስ ግጉይ ሓሳባት ንኽንቃለስ: ከምኡውን ኣምላኽ ኣብቲ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ዘሎና እምነት መሰረት ብምግባር ይቕረ ኸም ዚብለልና ብምትእምማን ነቲ ግጉይ ሓሳባትና ንኽንንስሓሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። (1 ዮሃንስ 1:8, 9፣ 2:1, 2) እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግን: የሆዋ ንኣምለኽቱ ብኣወንታዊ መገዲ ኸም ዚምርምሮም ክንርስዕ የብልናን። ነቲ ብዛዕባኡ ኻብ ሞሳ ተላዒልና እንሓስቦ ነገር የቕልበሉ እዩ።

‘የሆዋ ነቲ እቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣምለኽቱ ዚሓስብዎ ሰናይ ሓሳባት ብሓቅዶ የስተውዕሎ እዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ብርግጽ የስተውዕሎ እዩ። የሱስ: የሆዋ ብዛዕባና ኸም ዚግደስ ንምጕላሕ ንነኣሽቱ ኣዕዋፍ እውን እንተዀነ ኸም ዜስተብህለለን ሓበረ፣ ወሲኹ ድማ “ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም” ብምባል ተዛረበ። (ሉቃስ 12:6, 7) ኣዕዋፍ ብዛዕባ የሆዋ ኺሓስባ ኣይክእላን እየን። ስለዚ: ብዛዕባ እዘን ኣዕዋፍ ዚግደስ እንተደኣ ዀይኑ: ብዛዕባናን ብዛዕባ እቲ ንዕኡ ብዚምልከት እንሓስቦ ነገራትን ግዳ ኸመይ ብዝያዳ ዘይግደስ! እወ: ከም ዳዊት ንሕናውን “ዎ እግዚኣብሄር: ከውሔይን መድሓንየይን: ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ብሁግ ይኹን” ብምባል ብእምነት ክንጽሊ ንኽእል ኢና።​—⁠መዝሙር 19:14

የሆዋ ብዛዕባ እቲ እሙናት ኣምለኽቱ ዚገብርዎ ምስትንታን ከም ዚግደስ ዜርኢ ኻልእ መርትዖ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ነብዪ ሚልክያስ ይርከብ። ነዚ እዋንና ብዚምልከት ከምዚ ብምባል ተነበየ:- “ሽዑ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ: እግዚኣብሄር ከኣ ጽን በለ ሰምዔውን። ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁን ንስሙ ኸኣ ዚሐስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ።” (ሚልክያስ 3:16) ብዛዕባ የሆዋ ኽንሓስብ ከለና “ጽን” ኢሉ ኸም ዚሰምዓና ወይ ድማ ከም ዜቕልበሉ ምፍላጥና ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ እንገብሮ ምስትንታን ባህ ዜብል ይገብሮ። እምበኣር: ነተን “ንብዘሎ ግብርታትካ ድማ ከስተንትኖ: ንዕዮኻውን ክምርምሮ እየ” ዚብላ ቓላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነቃልሕ።​—⁠መዝሙር 77:12