ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

መዝሙር 102:26 ምድርን ሰማያትንኪጠፍኡ” ምዃኖም ትዛረብ። እዚ ሓሳብ እዚ ምድሪ ኽትጠፍእ ምዃና ዚሕብር ድዩ፧

እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንየሆዋ ኣብ ዘቕረቦ ጸሎት: “ካብ ጥንቲ ንምድሪ ሰረትካያ: ሰማያት ከኣ ግብሪ ኣእዳውካ እዮም። ንሳቶም ኪጠፍኡ እዮም: ንስኻ ግና ትነብር: ኵላቶም ከም ክዳን ኪበልዩ እዮም: ከም ልብሲ ኽትልውጦም ኢኻ: ኪልወጡውን እዮም” በለ። (መዝሙር 102:25, 26) እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ሓሳባት: እዛ ጥቕሲ ብዛዕባ ምጥፋእ ምድሪ ዘይኰነስ: ብዛዕባ ዘለኣለማውነት ኣምላኽ ከም እትዛረብ ይሕብረና። ብተወሳኺውን እዚ ኣገዳሲ ሓቂ እዚ ነቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ስለምንታይ ምንጪ ምጽንናዕ ከም ዝዀነ የርኢ።

እዚ ምናልባት ናብ ባቢሎን ብምርኮ ተሰዲዱ ዝነበረ ጸሓፍ መዝሙር: ነቲ ዝበጽሖ ጭንቂ ብምግላጽ እዩ ዚጅምር። መዓልትታቱ ልክዕ “ከም ትኪ” ይበና ስለ ዝነበራ ኣዝዩ ሓዚኑ ነበረ። ብርቱዕ ጭንቀት ንኣካላቱ ስለ ዝጐድኦ ኣዕጽምቱ ኸም “እያድ ይነድድ” ከም ዘሎ ዀይኑ ይስምዖ ነበረ። ሓይሉ ተጸንቂቑ ልክዕ ከም ‘ሳዕሪ ነቒጹ’ ነበረ፣ “ከምቲ ኣብ ናሕሲ በይኑ ዘሎ ዑፍ” ድማ ብጽምዋ ተበሊዑ ነበረ። እቲ ዝበጽሖ ፈተና ሸውሃቱ ኽሳዕ ዚዕጾ ገበሮ: መዓልትታቱ ድማ ብሓዘን መሊአን ነበራ። (መዝሙር 102:3-11) ይኹን እምበር: እቲ ጸሓፍ መዝሙር ተስፋ ኣይቈረጸን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ: የሆዋ ንጽዮን ወይ ድማ ንየሩሳሌም ሓደ ነገር ከም ዚገብረላ መብጽዓ ኣትዩ ነበረ።

ዋላኳ ጽዮን ዓንያ እንተ ነበረት: የሆዋ ግን ናብቲ ዝነበረቶ ኸም እትምለስ ኣተስፍዩ ነበረ። (ኢሳይያስ 66:8) ስለዚ ድማ እዩ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንየሆዋ: “ጊዜ ምሕረታ እዩ: እቲ ምዱብ ጊዜ በጺሑ: ክትትንስእ ንጽዮንውን ክትርሕርሓላ ኢኻ። . . . እግዚኣብሄር ንጽዮን ኪሀንጻ [እዩ]” ብምባል እተዛረቦ። (መዝሙር 102:13, 16) ብድሕርዚ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ናብቲ ብሕታዊ ስቓዩ ምልስ ይብል። እታ ዓንያ ዝነበረት የሩሳሌም ብሓይሊ ኣምላኽ ናብቲ ዝነበረቶ እንተደኣ ተመሊሳ: የሆዋ ድማ ካብቲ ንዕኡ ዜጋጥሞ ዘሎ ዜሕዝን ኵነታት ከም ዜናግፎ ርግጸኛ ዀነ። (መዝሙር 102:17, 20, 23) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ምሉእ ትውክልቱ ኣብ የሆዋ ንኺገብር ዝደረኾ ኻልእ ምኽንያት ነበሮ። እዚ ድማ ዘለኣለማውነት ኣምላኽ እዩ።

እቲ ናይ የሆዋ ዘለኣለማዊ ህላወ ምስቲ ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ሓጺር ህይወት ኪነጻጸር ከሎ ዓብዪ ፍልልይ ኣለዎ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንየሆዋ “ዓመታትካ ንውሉድ ወለዶ እዩ” በሎ። (መዝሙር 102:24) ቀጺሉ ድማ “ካብ ጥንቲ ንምድሪ ሰረትካያ: ሰማያት ከኣ ግብሪ ኣእዳውካ እዮም” በለ።​—⁠መዝሙር 102:25

ኰይኑ ግን: እቲ ነዊሕ ዕድመ ምድርን ሰማያትን ምስቲ ዘለኣለማዊ ህላወ የሆዋ ኺወዳደር ኣይክእልን እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ወሲኹ “ንሳቶም ኪጠፍኡ እዮም: ንስኻ ግና ትነብር” በለ። (መዝሙር 102:26) እዛ ምድርን እዚ ሰማያትን ኪጠፍኡ ይኽእሉ እዮም። ርግጽ እዩ የሆዋ ኣብ ካልእ ጥቕስታት ንዘለኣለም ከም ዚነብሩ ተዛሪቡ ኣሎ። (መዝሙር 119:90፣ መክብብ 1:4) ፍቓድ ኣምላኽ እንተ ዚኸውን ግን ኪጠፍኡ ይኽእሉ እዮም። ካብዚ ፍልይ ብዝበለ ግን ኣምላኽ ኪጠፍእ ወይ ድማ ኪመውት ኣይክእልን እዩ። እዚ ግኡዝ ፍጥረታት እዚ ‘ንዘለኣለመ ኣለም ኪቐውም’ ዝኸኣለ ሳላ ኣምላኽ እዩ። (መዝሙር 148:6) የሆዋ ነዚ ግኡዝ ፍጥረታት እዚ ኻብ ምሕዳስ እንተ ዜቋርጽ ነይሩ: ‘ከም ክዳን ምበለየ’ ነይሩ። (መዝሙር 102:26) ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰብ ዚኽደኖ ዝነበረ ኽዳን እኳ እንተ በለየ ንሱ ግን ብህይወት ምንባሩ ዚቕጽል: የሆዋ ድማ እንተ ደልዩ ፍጥረታቱ ኺበሊ ኸሎ ንሱ ግን ብህይወት ምቐጸለ ነይሩ። ይኹን እምበር: ከምቲ ኻልእ ጥቕስታት ዚሕብሮ እዚ ፍቓዱ ኣይኰነን። ቃል ኣምላኽ: የሆዋ ነዚ ግኡዝ ምድርን ሰማያትን ንዘለኣለም ንኺነብር ከም ዝወሰነ የረጋግጸልና።​—⁠መዝሙር 104:5

የሆዋ ወትሩ መብጽዓታቱ ኸም ዚፍጽም ምፍላጥና ምንጪ ምጽንናዕ እዩ ዝዀነና። ዝዀነ ይኹን ዓይነት ፈተና ይውረደና ብዘየገድስ ናብኡ እንተደኣ ኣእዊና: ‘ኣብ ጸሎት ሽጉራት ከም ዜቕልብ: ንጸሎቶምውን ከም ዘይንዕቆ’ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (መዝሙር 102:17) እምበኣር: እቲ የሆዋ ኣብ መዝሙር 102 ከም ዚድግፈና ዝሃቦ ውሕስነት ካብቲ ምድሪ ኣይክትጠፍእን እያ ዚብል ሓሳብ ንላዕሊ ድልዱል እዩ።