ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

የሆዋ ንጥንታዎት ኣገልገልቱ ማለት ንህዝቢ እስራኤል ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ኸእትዉ ኽፈቕደሎም ከሎ ሕጂ ግን ኣይፈቅድን እዩ። እዝስ ስርዓታቱ ተቐይሩ ማለት ድዩ፧

የሆዋ ብዛዕባ ኻብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ምእታው ዝነበሮ ኣረኣእያ ኣይተቐየረን። (መዝሙር 19:7፣ ሚልክያስ 3:6) ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ደቅሰብ ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ንኸእትዉ ምድላው ኣይገበረን: ሕጂውን እቲ ስርዓት ኣይተቐየረን። የሆዋ ንሄዋን ሰበይቲ ኣዳም ክትከውን ምስ ፈጠራ: እቲ ስርዓት ሓንቲ ሰበይቲ ንሓደ ሰብኣይ ምዃኑ ገለጸ። “ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሐድግ: ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።”—ዘፍጥረት 2:24

የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኸሎ: ነቶም ብዛዕባ ፍትሕ ከምኡውን እንደገና ብዛዕባ ምምርዓው ዝሓተትዎ ሰባት ክምልሰሎም ከሎ ነዚ ስርዓት እዚ እንደገና ጠቐሶ። “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ: ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም። ድማ፤ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ: ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ: ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ: ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧ ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር: ክልተ ኣይኰኑን” በሎም። ኣስዕብ ኣቢሉውን “እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ: እቲ ፍትሕቲ ዜእቱውን ይዝሙ” በለ። (ማቴዎስ 19:4-6, 9) ካብዚ ብምብጋስ ተወሰኽቲ ኣንስቲ ምእታው ዝሙት ምዃኑ ንጹር እዩ።

ስለምንታይ ደኣ እዩ ጥንቲ ኻብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ንኸእትዉ እተፈቕደሎም፧ ነዚ የሆዋ ኸም ዘይሰርዖ ኽንርስዕ የብልናን። ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ኸም ዘእተወ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ግዜ ተጠቒሱ እንረኽቦ ሰብ: እቲ ኻብ ዘርኢ ቃየል ዝነበረ ላሜክ እዩ። (ዘፍጥረት 4:19-24) የሆዋ ብግዜ ኖህ ማይ ኣይሂ ኣብ ዘውረደሉ ግዜ: ኖህን ሰለስቲኦም ደቁን ሓሓንቲ ሰበይቲ ነበራኦም። ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኻብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ዘእተዉ ብምሉኦም በቲ ማይ ኣይሂ ጠፍኡ።

ድሕርዚ ዘመናት ጸኒሑ የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ክመርጾም ከሎ: ሓንቲ ሰበይቲ ጥራይ ምእታው ልሙድ እኳ እንተ ነበረ: ድሮ ግን ብዙሓት ኣንስቲ ዝነበራኦም ነይሮም እዮም። ኣምላኽ ነቶም ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ኣእትዮም ዝመስረትወን ስድራቤታት ክበታተና ኣይኣዘዘን። የግዳስ: ነዚ ዝቈጻጸር ተሪር ሕግታት ሃቦም።—ዘጸኣት 21:10, 11፣ ዘዳግም 21:15-17

የሆዋ ነዚ ኻብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ናይ ምእታው ተግባር ዕሽሽ ዝበሎ ንእተወሰነ ግዜ ጥራይ ምንባሩ: ካብቲ የሱስ ብዛዕባቲ የሆዋ ኣብ መጀመርታ ንመርዓ ብዝምልከት ዝገበሮ ምድላው እንታይ ምዃኑ ዝጠቐሶ ነገር ጥራይ ዘይኰነስ: ካብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ “ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ: ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ” ብምባል ዝጸሓፎ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። (1 ቈረንቶስ 7:2) ብዘይካዚውን ጳውሎስ ዝዀነ ይኹን ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተዓዛቢ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ ዝሽየም ሰብ “ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ” ክኸውን ከም ዘለዎ ብመንፈስ ተመሪሑ ጸሓፈ።—1 ጢሞቴዎስ 3:2, 12፣ ቲቶስ 1:6

ስለዚ: ኣስታት 2,000 ዓመት ይገብር ክርስትያናዊት ጉባኤ ኻብ እትቐውም ኣትሒዙ የሆዋ ነቲ ኻብ ሓንቲ ንላዕሊ ሰበይቲ ናይ ምእታው ተግባር ዕሽሽ ኢሉ ኣይረኣዮን። ኣብቲ ግዜ እቲ ሓዳር ምግባር ናብቲ ኣምላኽ ኣብ መጀመርታ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ክፈጥር ከሎ ዘቘሞ ስርዓት ተመልሰ። ሎሚውን ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ነዚ ስርዓት እዚ እዮም ዝስዕቡ።—ማርቆስ 10:11, 12፣ 1 ቈረንቶስ 6:9, 10