ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት መንፈሳዊ ዕቤት ትገብሩዶ ኣለኹም፧

መንእሰያት መንፈሳዊ ዕቤት ትገብሩዶ ኣለኹም፧

መንእሰያት መንፈሳዊ ዕቤት ትገብሩዶ ኣለኹም፧

ሂድዮ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዘሕለፎ እዋን “ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እካፈል እኳ እንተ ነበርኩ: ንየሆዋ ንኸገልግሎ ግን ባህጊ ኣይነበረንን” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “መብዛሕትኡ ግዜ ብመማህርተይ ፍቱው ክኸውንን ሓንቲ ዓርኪ ሒዘ ኣብ ጐደናታት ሸናዕ እናበልኩ ክዛወርን እየ ዝሓስብ ነይረ። ንጹር ሸቶ ኣይነበረንን: መንፈሳዊ ዕቤት ክገብር ከኣ ኣይብህግን እየ ነይረ” በለ። ብዙሓት መንእሰያት ልክዕ ከም ሂድዮ ብዘይ​ ገለ ጠቓሚ ሸቶ ወይ ዋላ ሓንቲ ምምሕያሽ ከይገበሩ ናብርኦም ክመርሑ ይረኣዩ እዮም።

መንእሰይ እንተደኣ ዄንካ: ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈታት ወይ ኣብ ካልእ ንመሕለፍ ግዜ ዝግበር ንጥፈታት ባህ ኢሉካ ትሳተፍ ትኸውን። ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ግን ከምኡ ኣይስምዓካን ይኸውን። መንፈሳዊ ሸቶታት ባህ እናበለካ ኽትስዕቦ ይከኣልዶ፧ ነቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ምስክር እግዚኣብሄር እሙን እዩ: ንገርሂ የጥብቦ። . . . ትእዛዛት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ: ነዒንቲ የብርሄን” ኢሉ ዝጸሓፎ እሞ ኣስተብህለሉ። (መዝሙር 19:7, 8) ቃል ኣምላኽ “ንገርሂ” ‘ኣዒንቱ ብምብራህ’ ጥበበኛ ኽገብሮ ይኽእል እዩ። እወ: ብመንፈሳዊ ነገራት ባህ ክብለካን ክትሕጐስን ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግን: ከምዚ ንኽስምዓካ እንታይ ክትገብር የድልየካ፧ በየናይ እንተ ጀመርካኸ ይሓይሽ፧

ንኣምላኽ ንምግልጋል ድራኸ ኣሕድር

ፈለማ ድራኸ ኸተሕድር ኣሎካ። ነቲ ንእሽቶ ዝነበረ ናይ ይሁዳ ንጉስ ዮስያስ እሞ ዘክሮ። እቲ መጽሓፍ ሕጊ የሆዋ ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ተረኽበ: ዮስያስ ከም ዝንበበሉ ገበረ: በቲ ዝሰምዖ ኸኣ ልቡ ተተንከፈ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ዮስያስ “ካብ ኵለን ሃገራት ደቂ እስራኤል ጽያፍ ዘበለ ዅሉ ኣርሐቐ።” (2 ዜና መዋእል 34:14-21, 33) ቃል ኣምላኽ ብምንባቡ ንጹህ ኣምልኾ ኣብ ምድንፋዕ ዝያዳ ኣበርክቶ ንኽገብር ደሪኽዎ እዩ።

ንስኻውን መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርካ እንተ ኣንቢብካን ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮ እንተ ኣስተንቲንካን: ንየሆዋ ናይ ምግልጋል ባህጊ ኸተሕድር ትኽእል ኢኻ። ንሂድዮ ድራኸ ዘሕደረሉ እዚ ነገር እዚ እዩ ነይሩ። ምስ ሓደ ብዕድመ ኻብኡ ዝዓቢ ፓይነር ማለት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ ምስክር ክቀራረብ ጀመረ። እቲ ፓይነር ትጉህ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስን ነቲ እተማሃሮ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ ዝጽዕርን ነበረ። ሂድዮ እቲ ፓይነር ብዘርኣዮ ኣብነት ኣዝዩ ስለ እተተባብዐ ተመሳሳሊ ነገር ክገብር ጀመረ: ንኣምላኽን ንሰባትን ንምግልጋል ድማ ሓያል ባህጊ ሓደሮ። መንፈሳዊ ዕቤቱ ንህይወቱ ዕላማ ኸም ዝህልዋ ገበሮ።

መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ንመንእሰያት ድራኸ ኸሕድረሎም ይኽእል እዩ። ብዛዕባዚ ብዝምልከት ታካሂሮ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ክድቅስ ከሎኹ ናይታ መዓልቲ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘየንበብኩ እንተ ዘኪረ: ካብ ዓራተይ ተንሲአ እየ ዘንብብ። ከም ውጽኢት ናይዚ የሆዋ ይመርሓኒ ኸም ዘሎ ይስምዓኒ። መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባበይ ኣብ መንፈሳዊ ዕቤተይ ዓብዪ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝያዳ ተሳትፎ ንኽህልወኒ ስለ ዝቘረጽኩ: ካልኣይ ደረጃ ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ስርዓታዊ ፓይነር ኰንኩ። ባህ ኢሉኒ ኸኣ እቕጽሎ ኣለኹ።”

ኣብ ርእሲ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ: ንየሆዋ ንምግልጋል ብርቱዕ ባህጊ ንኽሓድረካ ዝገብር እንታይ እዩ፧ እቲ ኻብ ኣዲኡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እተማህረ ቶሞሂሮ ኸምዚ በለ:- “ወዲ 19 ዓመት ኰይነ ነታ ህይወት ዕላማ ኣለዎ ዘርእስታ መጽሓፍ ክሳዕ ዘጽንዓ: በቲ የሆዋ ዘርኣየና ፍቕርን የሱስ ዝኸፈለልና በጅነታዊ መስዋእትን ውሽጠይ ኣይተተንከፍኩን ነይረ። እቲ ንፍቕሪ ኣምላኽ ዘሕደርክዎ ሞሳ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝያዳ ኣበርክቶ ንኽገብር ደረኸኒ።” (2 ቈረንቶስ 5:14, 15) ብዙሓት መንእሰያት ከም ቶሞሂሮ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብብሕቲ ተጊሆም ምስ ዘጽንዕዎ መንፈሳዊ ዕቤት ንኽገብሩ ይተባብዑ እዮም።

እዚ ዅሉ እናገበርካ ክነስኻ ንየሆዋ ንምግልጋል ልባዊ ባህጊ ዝጐድለካ እንተ ዀይኑኸ፧ ንኽሕግዘካ ኽትውከሶ እትኽእል ኣሎዶ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣባኻትኩም ድሌ​ትን ግብርን ዚገብርሲ ኣምላኽ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ፊልጲ 2:13) የሆዋ ኽሕግዘካ እንተ ጸሊኻ: መንፈስ ቅዱሱ ብናጻ ኽህበካ እዩ: እዚ መንፈሱ ኸኣ ‘ንኽትገብር’ ጥራይ ዘይኰነስ “ድሌት” ንኽሓድረካ እውን ኽሕግዘካ እዩ። ከምዚ ኽበሃል ከሎ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝከኣለካ ንኽትገብር ባህግኻ ከለዓዕሎን ብመንፈስ ንኽትዓቢ ኽድርኸካን እዩ። እምበኣር ብእተኻእለካ መጠን ኣብ ሓይሊ የሆዋ ተወከል: ልብኻ ከኣ ኣጽንዕ!

ናይ ርእስኻ ሸቶታት ኣውጽእ

ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኸተገልግሎ ምስ ቈረጽካ: መንፈሳዊ ዕቤት ንኽትገብር ብሕታዊ ሸቶታት ከተውጽእ የድልየካ። ሓንቲ ማና እትበሃል መንእሰይ ክርስትያን ብዛዕባዚ ኸምዚ በለት:- “ሸቶታት ምውጻእ ብዙሕ እዩ ሓጊዙኒ። ንድሕሪት ኣብ ክንዲ ዝኸይድ: ብትብዓት ንቕድሚት እየ ዝስጕም ነይረ። ንሸቶይ ብዝምልከት የሆዋ መምርሒ ንኽህበኒ ልባዊ ጸሎት ኣቕረብኩ: ናብ ካልእ ከየስገልኩ ኸኣ ዕቤት ክገብር ከኣልኩ።”

ሸቶታትካ ኣብ ክውንነት እተመርኰሰን ክትበጽሖ እትኽእልን ክኸውን ኣለዎ። መዓልታዊ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሓንቲ ምዕራፍ ምንባብ ሚዛኑ ዝሓለወ ሸቶ እዩ። ምናልባት እውን ምርምር ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት: ብእንግሊዝኛ ኣብ እተዳለወ ጽሑፋት ኣብ ዎች ታወር ፓብሊኬሽን ኢንደክስ “የሆዋ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ: “ዝርዝር ባህርያቱ” [“Qualities by Name”] ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ዝገልጽ 40 ነጥብታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብትግርኛ ኣብ እተዳለወ ጽሑፋት ከኣ ኣብ ናይ 15 ታሕሳስ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ዝወጽእ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መሐበሪ ኣርእስቲ: “የሆዋ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ብምርኣይ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ መጽናዕቲ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። እቲ እትገብሮ ምርምር ናብ የሆዋ ኸም ዘቕርበካን ንዕኡ ዝያዳ ኸተገልግሎ ኸም ዘለዓዕለካን ኣየጠራጥርን እዩ። ኣብቲ ሰማዕቲ ዝሳተፉሉ ኽፍሊ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እንተ ወሓደ ሓንሳእ ሓሳብ ምሃብ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ንሓደ ኣባል ጉባኤኻ ብዝያዳ ቕርብ ኢልካ ምፍላጡ: ከምኡውን መዓልታዊ ናብ የሆዋ ምጽላይን ብዛዕባኡ ንኻልኦት ምዝራብን ገለ ኻብቲ ክትበጽሖ እትኽእል ሸቶታት እዩ።

ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ እንተ ዘይተመዝጊብካ: ኣብኡ ምምዝጋብ ሓደ ጽቡቕ ሸቶ ክዀነካ ይኽእል እዩ። ኣገልግሎትከ ጀሚርካዶ፧ እንተ ዘይጀሚርካ: ዘይተጠመቐ ኣስፋሒ ንምዃን ሸቶ ኸተውጽእ ትኽእል ኢኻ። ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ኣርዚንካ ምርኣይን ህይወትካ ንዕኡ ምውፋይን ከኣ ስዒቡ ዝመጽእ ስጕምቲ እዩ። ሓያሎ መንእሰያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ንምዃን ብምምጥጣር ምስ ወፈያኦም ተሰማሚዖም ንምንባር ጻዕሪ ይገብሩ እዮም።

ኣብ ህይወትካ ሸቶታት ክህልወካ ሰናይ እኳ እንተዀነ: ናይ ምውድዳር መንፈስ ከይተሕድር ግን ተጠንቀቕ። ንገዛእ ርእስኻ ምስ ካልኦት እንተ ዘየወዳዲርካ: ዝያዳ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ።​—⁠ገላትያ 5:26፣ 6:4

ምናልባት ተመክሮ ስለ ዘይብልካ: ክትበጽሖ እትኽእል ሸቶታት ምውጻእ ይኸብደካ ይኸውን። ከምዚ ዝስምዓካ እንተ ዀይኑ: ነቲ “እዝንኻ ጽሎ: ቃላት ጠቢባን ከኣ ስማዕ” ዝብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ማዕዳ ስዓብ። (ምሳሌ 22:17) ካብ ወለድኻ ወይ ካልኦት ብሱላት ክርስትያናት ሓገዝ ተቐበል። ወለድን ካልኦት ክርስትያናትን እውን ኣብዚ መዳይ እዚ ሚዛኖም ዝሓለዉን ዘተባብዑን ክዀኑ ኣለዎም። መንእሰያት ካልኦት ዘውጽእዎ ሸቶ ንምስዓብ ጸቕጢ ምስ ዝወርዶም: ሓጐሶም ከጥፍኡን እቲ ሸቶ ዝወጸሉ ዕላማ ኽስሕትን ይኽእል እዩ። ነዚ ብዝምልከት ንሓንቲ ጓል ዘጋጠማ ነገር ከምዚ ብምባል ትገልጾ:- “ወለደይ ከም ኣብ ቲኦክራሲያዊ ቤት ትምህርቲ ምምዝጋብ: ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍ: ምጥማቕ: ከምኡውን ፓይነር ምዃን ዝኣመሰለ ሸቶታት በብተራ ይሰርዑለይ ነበሩ። ነዚ ዅሉ ሸቶታት ንኽበጽሖ ብርቱዕ ጻዕሪ ገይረ እየ። ሓደ ሸቶ ምስ በጻሕክዎ: ወለደይ ኣብ ክንዲ ዝንእዱኒ ኻልእ ጻዕሪ ዘድልዮ ሸቶ የውጽኡለይ ነበሩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ነቲ ሸቶታት ንኽበጽሖ እግደድ ዝነበርኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ። በዚ ሓይለይ ተጸንቀቐ: ዕግበት ከኣ ኣይረክብን ነበርኩ።” እቲ ጌጋ ኣበይ እዩ ነይሩ፧ ኵሉ እቲ ዝወጸላ ሸቶታት ቅኑዕ እኳ እንተ ነበረ: ናታ ግን ኣይነበረን። ንስኻውን ኣሳልጦ ምእንቲ ኽትረክብ: ተበግሶ ወሲድካ ባዕልኻ ሸቶ ንምውጻእ ድራኸ ኽሓድረካ ኣለዎ!

ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ እሞ ሕሰብ። ናብ ምድሪ ኽመጽእ ከሎ: ኣቦኡ የሆዋ ኻብኡ እንታይ ከም ዝጽበ ይፈልጥ ነይሩ። ፍቓድ የሆዋ ምግባር: ንየሱስ ሸቶኡ ጥራይ ዘይኰነስ ተልእኾኡ እውን እዩ ነይሩ። የሱስ ንእተዋህቦ ዕዮ ብኸመይ ይርእዮ ነበረ፧ ባዕሉ እኳ “ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ” በለ። (ዮሃንስ 4:34) የሱስ ፍቓድ የሆዋ ብምግባር ይሕጐስ ነበረ: ከምቲ ኣቦኡ እተጸበዮ ድማ ገበረ። እዚ ንዕኡ ልክዕ ከም መግቢ እዩ ነይሩ: ማለት ነቲ ኽገብሮ እተመዘዞ ብምፍጻም ሓጐስን ዕግበትን ይረክብ ነበረ። (እብራውያን 10:5-10) ንስኻውን ነቲ ወለድኻ ኽትገብሮ ዘተባብዑኻ ነገር ንኽትገብር ግቡእ ድራኸ ምስ ዝሓድረካ ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ንሰናይ ግብሪ ኣይትሰልኪ

ሓንሳእ ሸቶ ምስ ኣውጻእካ: ንኽትበጽሖ ጽዓር። ገላትያ 6:9 “እንተ ዘይተጸልኣናስ: ብጊዜኡ ኽንዐጽድ ኢና እሞ: ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ” ትብለና። ኣብ ብርታዐኻ ወይ ክእለትካ ጥራይ ኣይትመርኰስ። ዕንቅፋታት ከጋጥመካ ይኽእል: ሓድሓደ ግዜ እውን ብእተወሰነ መዳይ ኣይሰልጠካን ይኸውን። እንተዀነ ግን መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ ኵሉ መገድኻ [ንኣምላኽ] ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ብምባል የረጋግጸልና። (ምሳሌ 3:6) መንፈሳዊ ሸቶታትካ ኽትበጽሕ ጻዕሪ ኽትገብር ከሎኻ የሆዋ ከበርትዓካ እዩ።

እወ: ንየሆዋ ናይ ምግልጋል ባህጊ ብምሕዳርን መንፈሳዊ ሸቶታትካ ንኽትበጽሖ ብምምጥጣርን: ‘እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ: ኣብ ኵሉ ኸም ዝግለጽ’ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። (1 ጢሞቴዎስ 4:15) ድሕሪኡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ክህልወካ እዩ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ብዛዕባቲ ዘንበብካዮ ምስትንታንን ንየሆዋ ንኸተገልግሎ ይድርኸካ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ከምቲ ኣቦኡ እተጸበዮ ገበረ