ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኸገልግሉ ተለዓዒሎም

ንኸገልግሉ ተለዓዒሎም

ንኸገልግሉ ተለዓዒሎም

 ኣብቲ ዝያዳ ኣፍረይቲ ክዀኑሉ ዝኽእሉ ዕድመ ዝርከቡ 24 ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ሚስዮናውያን ኰይኖም ንኸገልግሉ ኢሎም ስድራ​­ቤቶም: ፈተውቶም: ከምኡውን ዝነብሩሉ ዝነበሩ ቦታታት ሓዲጎም ክኸዱ ዘለዓዓሎም እንታይ ኢዩ፧ ናብ ከም ፓፑዋ ኒው ጊኒ: ታይዋን: ከምኡውን ናብተን ኣብ ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ዝርከባ ሃገራት ክኸዱ ተሓጒሶም እተበገሱ ስለምንታይ ኢዮም፧ ሓደስቲ ቦታታት ናይ ምርኣይ ፍቕሪ ስለ ዘለዎምዶ ይኸውን፧ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ: በቲ ንኣምላኽን ንብጾቶምን ዘለዎም ሓቀኛ ፍቕሪ ኢዮም ተለዓዒሎም።​—⁠ማቴዎስ 22:⁠37-39

እዞም ሰባት እዚኣቶም እንታዎት ኢዮም፧ እዚኣቶም ተመረቕቲ መበል 109 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኢዮም። ቀዳም 9 መስከረም 2000 ነቶም ተመረቕቲ ዕዉታት ሚስዮናውያን ንኽዀኑ ዝሕግዞም ፍቕራዊ ማዕዳ ንምስማዕ ኣብቲ ኣብ ፓተርሰን: ኒው ዮርክ ዝርከብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ኣብቲ ብሳተላይት ኣቢሉ እዚ ፕሮግራም እዚ ዝመሓላለፈሉ ዝነበረ ቦታታት ብድምር 5,198 ሰባት ተኣኪቦም ነይሮም።

እቲ ኣባል ትምህርታዊ ኮሚተ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ዘገልግል ስቲቨን ለት ኣቦ መንበር ናይቲ ፕሮግራም ነበረ። መኽፈቲ ዝርርቡ ኣብታ “ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም” እትብል ማቴዎስ 5:⁠13 እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ። ሓው ለት ቃላት የሱስ ብርግጽ ኣብቶም ተመረቕቲ ከም ዝውዕላ ገለጸ። ንኣብነት: ጨው ንመግቢ ናይ ምምቃር ባህርይ ኣለዎ። ሚስዮናውያን እውን በቲ ኣስላጢ ዝዀነ ስብከቶም ምሳልያዊ ጨው ኢዮም።

ክፋነዉ ኸለዉ እተዋህቦም መተባብዒ

ድሕርዚ ሓው ለት ንነዊሕ ግዜ ንየሆዋ ዘገልገሉ ኣሕዋት ኣፋለጠ: ንሳቶም ከኣ ሓጺር ግን ከኣ ሓያል ቅዱስ ጽሑፋዊ ዝርርብ ሃቡ። እቲ ናይ መጀመርታ ዝርርብ ዝሃበ ኣባል ክፍሊ ጽሕፈት ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ጆን ዊስቸክ ኢዩ። ኣርእስቲ ዝርርቡ “እታ ዝሓጸረት መዝሙር ንመንፈስ ሚስዮናውያን ተለዓዕል ኢያ” ዝብል ኰይኑ ኣብ መዝሙር 117 እተመስረተ ኢዩ። ሎሚ: ንዅሎም ‘ኣህዛብን ህዝብታትን’ ብዛዕባ የሆዋን መንግስቱን ዓለምለኻዊ ምስክርነት ምሃብ ኣድልዩ ኣሎ። እቶም ተማሃሮ ካልኦት “ንያህ ክውድሱ” (NW  ) ብምምሕጻን ንመዝሙር 117 ክፍጽሙ ተተባቢዖም ኢዮም።

እቲ ኣቦ መንበር ቀጺሉ ነቲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ጋይ ፒርስ ኣፋለጦ። ንሱ ድማ “ተዓጻጸፍቲ: ግን ከኣ ጽኑዓት ኩኑ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝርርብ ኣቕረበ። ቃል ኣምላኽ ተሪር ኢዩ። የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ዘዳግም 32:⁠4 ከውሒ ተባሂሉ ኣሎ: እንተ​­ዀነ ግን ቃሉ ንዅሉ ቋንቋታትን ባህልታትን: እወ ንዅሎም ሰባት ስለ እተጻሕፈ ተዓጻጻፊ ኢዩ። እቶም ተማሃሮ ነቲ መልእኽቲ ንልብን ሕልናን ሰባት ከም ዝትንክፍ ብምግባር ቃል ኣምላኽ ክሰብኩ ተማዒዶም ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 4:⁠2) ሓው ፒርስ ከምዚ ብምባል ተላበዎም:- “ኣብቲ ቅኑዕ ስርዓት ጽኑዓት ኩኑ: እንተ​­ዀነ ግን ተዓጻጸፍቲ እውን ክትኰኑ ኣለኩም። ነቶም ኣብቲ እተመደብኩምሉ ቦታ ዘለዉ ሰባት ባህሎም እተፈልየ ብምዃኑ ኣትሒትኩም ኣይትርኣይዎም።”

ኣብቲ ዓለምለኻዊ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዳርጋ ን53 ዓመታት ከገልግል ዝጸንሐን ሓደ ካብቶም መምህራን ናይ ጊልዓድ ዝዀነን ካርል ኣዳምስ “ካብዚ ናበይ ኢኹም ክትከዱ፧” ዘርእስቱ ኣዕሚቝካ ከም እትሓስብ ዝገብር ዝርርብ ኣቕረበ። ልክዕ ኢዩ: እዞም 24 ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ 20 ሃገራት ሚስዮናውያን ኰይኖም ከገልግሉ ተመዲቦም ኣለዉ: እንተ​­ዀነ ግን ‘ኣብኡ ምስ በጻሕኩምን ብድሕሪኡን እንታይ ኢኹም ክትገብሩ፧’ ዝብል ሕቶ ቀረበሎም። ዘይህዱእ መንፈስ ኣብ ዘለዋ ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና። ሰባት ንኽሕጐሱ ኢሎም ናብ ሓድሽ ቦታታት ክኸዱን ሓድሽ ነገር ክሰርሑን ይደልዩ ኢዮም። እቶም ተማሃሮ ግን: የሆዋ ነተን ‘ኣባጊዑ’ ብዘይ​­ስስዐ ክጓስይወን ኣብ ዝመደቦም ቦታ ንምኻድ ካብኡ መዝነት ተቐቢሎም ኢዮም። ከምቶም ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ብሰንኪ ስስዐዖም ንዅሎም ደቅሰብ ዝባርኹ ንምዃን ዝነበሮም ኣጋጣሚ ዘጥፍኡ ክዀኑ የብሎምን። ኣብ ክንድኡስ: ነቲ ኵሉ ሳዕ ፍቓድ ኣቦኡ ብዘይ​­ስስዐ ዝፈጸመን ኣብ ኵሉ ዘጋጠሞ ኵነታት እዙዝ ዝነበረን የሱስ ክርስቶስ ክመስልዎ ኣለዎም።​—⁠ዮሃንስ 8:⁠29፣ 10:⁠16

እቲ ተሓዝ መዝገብ ናይ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኰይኑ ዘገልግል ዋለስ ሊቨራንስ ዘቕረቦ ዝርርብ “ንመዓሙቝ ኣምላኽ ኣኽቢርኩም ርኣይዎ” ዝብል ኣርእስቲ ነበሮ። ቅዱሳት ጽሑፋት ንቓል ኣምላኽ ብተደጋጋሚ ምስ ሃብቲ: ክቡር ዕንቊ: ወርቅን ብሩርን: ከምኡውን ምስ ክቡር ዋጋን ብዙሕ ተደላይነትን ዘለዎ ነገራት ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ምሳሌ 2:⁠1-5 ‘ፍልጠት ኣምላኽ’ ንምርካብ ከም “ንሕቡእ መዝገብ” ገይርና ሃለው ክንብሎ ከም ዘሎና ይገልጸልና ኢዩ። እቲ ተዛራባይ ነቶም ተማሃሮ ኣብቲ ሓድሽ እተመደቡሉ ቦታ ከይዶም ከገልግሉ ኸለዉ ንመዓሙቝ ኣምላኽ ምዅዓት ንኸየቋርጹ ኣተባብዖም። ሓው ሊቨራንስ ከምዚ በሎም:- “እዚ ንእምነትኩምን ኣብ የሆዋ ንዘለኩም ምትእምማንን ዝሃንጽ ከምኡውን ኣብቲ መዝነትኩም ጸኒዕኩም ንኽትቅጽሉ ዝገበርክምዎ ቈራጽነት ዘደልድል ስለ ዝዀነ ጠቓሚ ኢዩ። ንኻልኦት ብምርዳእ ዕላማ ኣምላኽ ንኽትገልጹሎምን ዝያዳ ኣስለጥቲ መምሃራን ንኽትኰኑን ክሕግዘኩም ኢዩ።”

ካልእ መምህር ናይ ጊልዓድ ከኣ እቶም ተማሃሮ ኣብ መምሃሪ ክፍሊ ከም ዘለዉ ብዘርኢ መልክዕ ገይሩ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ኣዋርሕ የሆዋ ንንጥፈታት ግራት ኣገልግሎት እቶም ተማሃሮ ብኸመይ ከም ዝባረኾ ገለጸ። ሎረንስ ቦወን ነቲ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ብዛዕባ ዝፈጸሞ ኣገልግሎት ክገልጽ ከሎ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠20 ኢልዎ ኣብ ዘሎ ቃላት ብምትኳር: ጳውሎስ ምስክርነት ንምሃብ ዝነበሮ ዅሉ ኣጋጣሚታት ከም እተጠቕመሉ ኣጕልሐ። እቶም ኣብዚ ግዜና ከም ሃዋርያ ጳውሎስ በቲ ንኣምላኽን ብጻዮምን ዘለዎም ፍቕሪ ዝድረኹ ሰባት: ብዛዕባ ሓቂ ካብ ምዝራብን ቃል ኣምላኽ ኣብ ካልኦት ከም ዝዓዪ ካብ ምግባርን ድሕር ከም ዘይብሉ ናይቶም ተማሃሮ ተመክሮታት ኣርእዩ ኢዩ። እዚ ኸኣ ብዙሕ በረኸት የሆዋ ኢዩ ዘምጽእ።

እቶም ተመክሮ ዘለዎም ዝሃብዎ ሓሳባት

እቶም ናይ ጊልዓድ ተማሃሮ ኣብ እዋን ትምህርቶም ምስቶም ፍሉይ ስልጠና ንኽወሃቦም ኣብቲ ኣብ ፓተርሰን ዝርከብ ትምህርታዊ ማእከል ዝነበሩ ካብ 23 ሃገራት ዝመጹ ኣባላት ኮሚተ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ክራኸቡ ብምኽኣሎም ተጠቒሞም ኢዮም። ካብ ክፍሊ ኣገልግሎት ዝዀኑ ሊዮን ዊቨርን ማርተን ካምበልን ምሩቓት ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ንዝርከብዎም ገለ ኣባላት ኮሚተ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ቃለ⁠-​­መጠይቕ ገበሩሎም። እቶም ተመክሮ ዘለዎም ሚስዮናውያን እተዛረብዎ ነገር ነቶም ተማሃሮን ስድራ​­ቤቶምን ፈተውቶምን ዘተባብዕ ኢዩ ነይሩ።

እቶም ተመረቕቲ ኣብቲ እተመደብዎ ወጻኢ ሃገራት ምስ ከዱ ምትዕርራይ ንኽገብሩ እተዋህቦም ማዕዳ ነዚ ዝስዕብ ዘጠቓልል ነበረ:- “ኣወንታዊ ኣረኣእያ ይሃልኹም። ዘይትፈልጥዎ ወይ ዘይትርድእዎ ነገር እንተ​­ድኣ ኣጋጢምኩም ተስፋ ኣይትቝረጹ። ኣብ የሆዋ ተወከሉ”፣ “በቲ ዘለኩም ምሕጓስ ተማሃሩ: ንህይወት ዘድልየኩም ነገራት የሆዋ ከም ዝህበኩም ከኣ ኣይትጠራጠሩ።” እቲ ነቶም ተማሃሮ እተዋህበ ካልእ ሓሳባት ኣብቲ እተመደብሉ ዕዮ ሕጉሳት ኰይኖም ንኽቕጽሉ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ኣብ ምግላጽ ዘተኰረ ኢዩ ነይሩ። ገለ ካብቲ እተዋህበ ሓሳባት ከምዚ ዝብል ነበረ:- “ነቲ እተመደብኩምሉ ምስቲ ዝመጻእኩምሉ ቦታ ኣይተወዳድርዎ”፣ “ምስ ሰባት ክትረዳድኡ ምእንቲ ኽትክእሉ ናይቲ ዓዲ ቋንቋ ብግቡእ ተማሃሩ”፣ “ናይቲ ህዝቢ ልምድን ባህልን ፍለጥዎ: ከመይሲ መዝነትኩም ኣጽኒዕኩም ንኽትሕዝዎ ክሕግዘኩም ኢዩ።” እዚ ሓሳባት እዚ ነቶም ሓደስቲ ሚስዮናውያን ብዙሕ ኣበራቲዕዎም ኢዩ።

ደድሕሪ እቲ ቃለ⁠-​­መጠይቓት: ቀደም ሚስዮናዊ ኰይኑ ዘገልግል ዝነበረን ኣብ መበል 42 ክፍሊ ጊልዓድ እተመረቐን: ሕጂ ኸኣ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ዴቪድ ስፕለይን “ተማሃሮ ዲኹም ወይስ ምሩቓት፧” ዘርእስቱ ኣቓልቦ ዝስሕብ ቀንዲ ዝርርብ ኣቕረበ። ነቶም ተመረቕቲ ከምዚ ኢሉ ሓተቶም:- “ኣብቲ ሚስዮናውያን ኴንኩም እተመደብኩምሉ ቦታ ምስ ከድኩም ንገዛእ ርእስኹም ብኸመይ ኢኹም ክትርእይዋ፧ ብዛዕባ ሚስዮናውነት ኵሉ ነገር ከም ዝፈልጥ ምሩቕ ገይርኩም ዲኹም ክትርእይዋ ወይስ ገና ብዙሕ ነገር ዝተርፎ ተማሃራይ፧” ሓው ስፕለይን ጥበበኛ ምሩቕ ንገዛእ ርእሱ ከም ተማሃራይ ገይሩ ከም ዝርእያ ሓበረ። እቶም ሚስዮናውያን ኣብቲ ዘገልግሉሉ ቦታ ዝረኽብዎ ዝዀነ ይኹን ሰብ ገለ ነገር ክምህሮም ከም ዝኽእል ገይሮም ክሓስቡ ኣለዎም። (ፊልጲ 2:⁠3) እቶም ተማሃሮ ምስ ብጾቶም ሚስዮናውያንን ጨንፈር ቤት ጽሕፈትን ጉባኤኦምን ኣጸቢቖም ክተሓባበሩ ተተባቢዖም ኢዮም። ሓው ስፕለይን ከምዚ ኢሉ ተላበዎም:- “ናይ መወዳእታ መርመራኹም ሓሊፍኩም ኢኹም: ተማሃሮ ካብ ምዃን ግን ኣየቋረጽኩምን። ገና እትማሃርዎ ነገራት ከም ዘሎ ንዅሎም ኣሕዋት ኣነጽሩሎም።”

ድሕሪ እዚ ዝርርብ እቶም ተማሃሮ ዲፕሎማኦም ምስ ተቐበሉ እተመደቡሉ ሃገራት ነቶም ተኣከብቲ ተገልጸ። ቀጺሉ እቲ ናይቶም ተመረቕቲ ተወካሊ: እቶም ተመረቕቲ ካብ ቃል የሆዋ እተማህርዎ ነገር ኣብ ቅዱስ ኣገልግሎት ብዝያዳ ንኽዓዩሉ ከም ዝድርኾም ዝሕብር ናይ ኣቕዋም መግለጺ ከንብብ ከሎ እቶም ተመረቕቲ ውሽጦም ተተንኪፎም ኢዮም።

ኵሎም እቶም ኣብኡ ተረኺቦም ዝነበሩ: እቲ እተዋህበ ማዕዳ እቶም ተመረቕቲ ንኣምላኽን ብጻዮምን ፍቕሪ ንኸርእዩ ንዝገበርዎ ውሳነ ከም ዘደልደሎ ብዘይ​­ጥርጥር ይሰማምዑሉ ኢዮም። ኣብ ሚስዮናዊ ኣገልግሎቶም ካብቲ ዝሓለፈ እዋን ንላዕሊ ንሰባት ብመንፈሳዊ ንምሕጋዝ ከም ዝውስኑ ገይርዎም ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ናይቲ ክፍሊ ስታቲስቲክስ

ቍጽሪ ዝመጹለን ሃገራት:- 10

ቍጽሪ እተመደቡለን ሃገራት:- 20

ቍጽሪ ተማሃሮ:- 48

ገምጋም ዕድመ:- 33.7

ኣብ ሓቂ ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 16.2

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 12.5

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ መበል 109 ክፍሊ ተመረቕቲ

ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ኣስማት: እቲ መስርዕ ካብ ቅድሚት ንድሕሪት ክኸውን ከሎ: ኣስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን ኢዩ።

(1) ኢማ ኮሊንስ፣ ለታንያ ማይልስ፣ ኣዊልዳ ኣልቫራዶ፣ ጁን ሌክ (2) ሎሪንዳ ቫን ዱሰን፣ ኣኑሸካ ቢሃሪ፣ ሀሊ ሄኪነን፣ ሳንድራ ኮስ፣ ሄተር ስሚዝ (3) ጆኤል ኣሽፎርድ፣ ካሮል ኣሽፎርድ፣ ክላውዲያ ቦር፣ ሎራ ሪቻርድ፣ ዳንየል ዊልበርን፣ ጄምስ ሌክ (4) ከንጂ ቺቺ፣ ሂሮኮ ቺቺ፣ ማርታ ራሚረዝ፣ ዴብራ ባውማን፣ ጋብሪየል ቤከር፣ ሻርማ ቢሃሪ፣ ኣልፍሬዶ ራሚረዝ (5) ዋለስ ቫን ዱሰን፣ ሄተር ለማትረ፣ ጀኒፈር ፒስኮ፣ ሊሳ ካትስ፣ ሆሊ ራስል፣ ራልፍ ጆንሰን (6) ፍራንክ ቤከር፣ ዶግላስ ባውማን፣ ኬይ ጆንሰን፣ ኣኒ ፒፈር፣ ሻርሎት ማሰን፣ ዣን-ፍራንስዋ ለማትረ፣ ፐትሪ ሄኪነን (7) ሮድኒ ስሚዝ፣ ጄይ ራስል፣ ኣንድርው ኮሊንስ፣ ዴቪድ ፒስኮ፣ ሮበርት ዊልበርን፣ ደዮርዲ ኮስ (8) ቢል ካትስ፣ ዮሃንስ ቦር፣ ኒልስ ማሰን፣ ስኮት ፒፈር፣ ኢድመንድ ሪቻርድ፣ በራይን ማይልስ፣ ሪቻርድ ኣልቫራዶ