ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ሲኒክ ጽልዋ ኣሎካዶ፧

ናይ ሲኒክ ጽልዋ ኣሎካዶ፧

ናይ ሲኒክ ጽልዋ ኣሎካዶ፧

 “ነቲ ሰባት ዘለዎም ጽቡቕ ባህሪ ዘይርኢ እቲ ክፋኦም ግን ዘይሓልፎ ሰብ ሲኒክ ይበሃል። እዚ ኣብ ጸልማት ኰይኑ ዝቋመት: ኣብ ብርሃን ክርኢ ዘይክእል ጥዑይ ሃድን ፈጺሙ ዘይሕዝ ንባልዕ ሃለው ዝብል ሰብኣዊ ጉንጓ ኢዩ።” እዚ በቲ ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነብር ዝነበረ ሄንሪ ዋርድ ቢቸር ዝበሃል ኣመሪካዊ ካህን እተዘርበ ቃላት ኢዩ። ብዙሓት ሰባት እዚ ብልክዕ ንመንፈስ ናይ ሓደ ዘመናዊ ሲኒክ ዝገልጽ ኢዩ ይብሉ ይዀኑ። እታ “ሲኒክ” እትብል ቃል ግን መበቈላ ካብ ጥንታዊት ግሪኽ ኢዩ። ከምዚ ተገሊጹ ዘሎ ባህሪ ምንጽብራቕ ዝብል ትርጕም ጥራይ ከኣ ኣይነበራን። ንብዙሕ ዘመናት ንሓደ ዓይነት ፍልስፍና ዝስዕቡ ዝነበሩ ሰባት ኢያ ተመልክት ነይራ።

ናይ ሲኒካውያን ፍልስፍና ብኸመይ ኢዩ ማዕቢሉ፧ እንታይ ኢዮም ዝምህሩ ነይሮም፧ ክርስትያናት ናይ ሲኒክ ባህሪ ከንጸባርቑ ይግባእዶ፧

ጥንታውያን ሲኒክ​—⁠መበቆሎምን እምነቶምን

ጥንታዊት ግሪኽ ርሱን ምዝርራብን ክትዕን ዝካየደላ ዝነበረት ሃገር ኢያ። ቅድሚ ኣቈጻጽራ ዘመንና ኣብ ዝነበረ ዘመናት ከም በዓል ሶቅራጦስ: ፕላቶ: ከምኡውን ኣሪስቶትል ዝኣመሰሉ ሰባት ህቡባት ከም ዝዀኑ ዝገበሮም ሓሳባት ኣማዕበሉ። ትምህርቶም ኣብ ሰባት ዓሚቝ ሳዕቤን ነበሮ: እቲ ሓሳባቶም ድማ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ምዕራባዊ ባህሊ ይርከብ ኣሎ።

ሶቅራጦስ (470-399 ቅ.ኣ.ዘ.) ነባሪ ሓጐስ ዝርከብ ንዋታዊ ጥሪት ብምህላው ወይ ስጋዊ ርውየት ብምርካብ ከም ዘይኰነ ዝገልጽ መጐተ የቕርብ ነበረ። ናይ ሓቂ ሓጐስ ዝርከብ ጽቡቕ ጠባይ ዘለዎ ሰብ ንምዃን ብዝግበር ጻዕሪ ከም ዝዀነ ይገልጽ ነበረ። ጽቡቕ ጠባይ እቲ ናይ መወዳእታ ሰናይ ነገር ከም ዝዀነ ገይሩ ኢዩ ዝርኢ ነይሩ። ንዋታዊ ተድላን ዘየድሊ ጻዕርን ኣብዚ ሸቶ እዚ ንምብጻሕ ከም ዝዓናቕፎ ገይሩ ይሓስብ ስለ ዝነበረ ይነጽጎ ኢዩ ነይሩ። ምጡን ናብራን ርእስኻ ምምናንን ይድግፍ ብምንባሩ ብቝጠባ ኢዩ ዝነብር ነይሩ።

ሶቅራጦስ ሶክራቲክ ዝበሃል ትምህርቲ ኣማዕበለ። ብዙሓት ካብ ፈላስፋታት ሓደ ሓሳብ ድሕሪ ምቕራቦም ነቲ ሓሳብ ዝድግፍ መርትዖ ይህቡ ነበሩ: ሶቅራጦስ ግን ኣንጻር እዚ ኢዩ ዝገብር ነይሩ። ነቲ ካልኦት ፈላስፋታት ዘቕርብዎ ክልሰ⁠-​ሓሳብ ይሰምዕ እሞ ነቲ ኣብቲ ሓሳብ ዘሎ ጕድለት ከቃልዕ ይጽዕር ነበረ። እዚ ኣቀራርባ እዚ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ነቐፌታውን መናሸውን ኣረኣእያ ንኽትሕዝ ዘተባብዕ ኢዩ ነይሩ።

ካብቶም ሰዓብቲ ሶቅራጦስ ዝነበሩ ሓደ ኣንጢስቴነስ (ኣብ ከባቢ 445-365 ቅ.ኣ.ዘ.) እተባህለ ፈላስፋ ኢዩ ነይሩ። ንሱን ብዙሓት ካልኦትን እቲ እንኮ ሰናይ ባህርይ: ጽቡቕ ጠባይ ምህላው ኢዩ ብምባል ንትምህርቲ ሶቅራጦስ ሓደ ስጕምቲ ንቕድሚት ወሰኹሉ። ንዕኦም ተድላ ምድላይ ሰናይ ንኸይትገብር ዝዓናቕፍ ጥራይ ዘይኰነስ ሓደ ካብ ግብርታት እከይ ኢዩ ነይሩ። ካብ ሕብረተሰብ ኣዝዮም እተፈልዩ ብምንባሮም ሰባት ይንዕቁ ነበሩ። ሲኒካውያን ተባሂሎም ድማ ተጸውዑ። እታ ሲኒክ እትብሃል መጸውዒት ካብታ ነቲ ስጕዱምን ዕቡይን ባህርያቶም እትገልጽ ናይ ግሪኽ ቃል (ኪ·ኒ·ኮስ  ʹ) ኢያ መጺኣ እትኸውን። “ከልቢ መሰል” ዝብል ትርጕም ኣለዋ። a

ኣብ ኣነባብርኦም ዘምጽኦ ሳዕቤን

ከምዚ ዝኣመሰለ ከም ንፍቕረ ንዋይን ርእሰ⁠-​ምርዋይን ምንጻግ ዘተባብዕ ናይ ሲኒክ ፍልስፍናታት ዝንኣድ እኳ እንተ​ዀነ: ሲኒካውያን ግን ነቲ ሓሳባቶም ሕልፍ ዝበለ ኢዮም ገይሮምዎ። እዚ ኣብ ህይወት ናይቲ ፍሉጥ ሲኒካዊ ፈላስፋ ዳዮጀኒዝ ተራእዩ ኢዩ።

ዳዮጀኒዝ ብ412 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብታ ሰኖፒ እትብሃል ኣብ ጸሊም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ኢዩ ተወሊዱ። ምስ ኣቡኡ ናብ ኣቴና ከደ: ኣብኡ ድማ ምስ ትምህርቲ ሲኒካውያን ተላለየ። ንዳዮጀኒዝ ዝመሃሮ ኣንጢስቴነስ ኢዩ: ስለዚ ድማ ብናይ ሲኒክ ፍልስፍና ተዓብለለ። ሶቅራጦስ ቀሊል ህይወት ኢዩ ነይሩዎ: ኣንጢስቴነስ ከኣ ንሓጐስ ቦታ ዘይህብ ህይወት ነበሮ። ዳዮጀኒዝ ግን ካብኦም ሕልፍ ዝበለ ናብራ ምነና ኢዩ ነይርዎ። ምቾት ክሳዕ ክንደይ ይነጽግ ከም ዝነበረ ንምግላጽ ንሓጺር እዋን ኣብ ውሽጢ ጋብላ ይቕመጥ ከም ዝነበረ ይንገር።

ዳዮጀኒዝ ዝበለጸ ጠባይ ዘለዎ ሰብ ንምርካብ ኣብ ኣቴና ቀትሪ ምድሪ ፋኑስ ኣብሪሁ ይዘውር ከም ዝነበረ ይንገረሉ! ከምዚ ዝበለ ባህርይ ኣቓልቦ ናይ ሰባት ሰሓበ: እዚ ድማ ዳዮጀኒዝን ካልኦት ሲኒካውያንን ዝምህርሉ ዝነበሩ ኣገባብ ኢዩ። ሓደ ግዜ ኣሌክሳንደር ዓቢ ንዳዮጀኒዝ ልዕሊ ዅሉ ዝደልዮ ነገር እንታይ ምዃኑ ሓተቶ። ዳዮጀኒዝ ከኣ ድሌቱ ካብታ ከዊልዎ ዝነበረ ጸሓይ ክእለየሉ ጥራይ ምዃኑ ንኣሌክሳንደር ከም ዝገለጸሉ ይዝረብ።

ዳዮጀኒዝን ካልኦት ሲኒካውያንን ናብራ ለመንቲ ኢዩ ነይርዎም። ንተራ ሰብኣዊ ርክባት ዝኸውን ግዜ ኣይነበሮምን: ከም ዜጋታት መጠን ክፍጽምዎ ንዝነበሮም ሓላፍነታት እውን ይነጽጉ ነበሩ። ምናልባት ብጽልዋ ናይቲ ሶቅራጦስ ዝነበሮ ኣገባብ ክርክር ኢዮም ዝዀኑ ንኻልኦት ዘየኽብሩ ኰኑ። ዳዮጀኒዝ በቲ ዝምንጭት ሽምጠጣኡ ፍሉጥ ኰነ። ሲኒካውያን “ከልቢ መሰል” ዝብል ስም ኢዩ ነይርዎም: ዳዮጀኒዝ ግን “ከልቢ” ዝብል ሳጓ ነበሮ። ኣብ ከባቢ 320 ቅ.ኣ.ዘ. ወዲ 90 ዓመት ኣቢሉ ምስ ኰነ ሞተ። ኣብ ልዕሊ መቓብሩ ድማ ቅርጺ ከልቢ ዘለዎ ሓወልቲ ተተኽለ።

ገለ መዳያት ፍልስፍና ሲኒክ ኣብ ካልእ ፍልስፍናታት ተኣታትዩ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ዳዮጀኒዝን ሰዓብቱን እተራእየ ጊንጢ ጠባይ: ናይ ሲኒክ ፍልስፍና ከም ዝጽረፍ ገበረ። ኣብ መወዳእትኡ ድማ ፈጺሙ ጠፍአ።

ሎሚ ዘለዉ ሲኒካውያን —⁠ባህርያቶም ከተንጸባርቕ ይግባእዶ፧

ዘ ኦክስፎርድ ዲክሸነሪ (እንግሊዝኛ) ንዘመናዊ ሲኒክ ክገልጾ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ሓደ ንምጽራፍ ወይ ጌጋ ንምርካብ ቅልጡፍ ዝዀነ ሰብ። . . . ሓደ ኣብ ድራኸን ተግባርን ሰባት ዘሎ ቅንዕና ወይ ሰናይ ናይ ዘይምእማን ዝምባለ ዘለዎ: ነዚ ድማ ብምንሻውን ሽምጠጣን ናይ ምግላጽ ኣመል ዘለዎ ሰብ፣ መናሸዊ ናይ ካልኦት ጌጋ ዝኣሪ ሰብ።” እዚ ባህሪያት እዚ ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ርኡይ ኢዩ: እንተ​ዀነ ግን ምስ ክርስትያናዊ ባህርይ ዝሰማማዕ ኣይኰነን። ነዚ ስዒቡ ዘሎ ትምህርትን ስርዓታትን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ተመልከት።

“እግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ: ንዅራ ደንጓዪ: ብሳህሊ ድማ ምሉእ እዩ። ኵሉ ጊዜ ኣይገንሕን: ንዘለኣለም ከኣ ኣይቅየምን እዩ።” (መዝሙር 103:⁠8, 9) ክርስትያናት ‘ሰዓብቲ ኣምላኽ ክዀኑ’ ኢዩ ዝንገሮም። (ኤፌሶን 5:⁠1) እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ “ንምጽራፍ ወይ ጌጋ ንምርካብ ቅልጡፍ” ኣብ ክንዲ ዝኸውን ክምሕርን ፍቕራዊ ሕያውነት ከርእን ዝመርጽ ካብ ኰነ: ብርግጽ ክርስትያናት እውን ከምኡ ንምግባር ክጽዕሩ ይግብኦም።

እቲ ብልክዕ ንየሆዋ ዝመሰሎ የሱስ ክርስቶስ ‘ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽንስዕብ: ኣርኣያ ሓዲጉልና ኢዩ።’ (1 ጴጥሮስ 2:⁠21፣ እብራውያን 1:⁠3) ሓድሓደ ግዜ የሱስ ሃይማኖታዊ ሓሶት ኣቃሊዑ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ እኩይ ተግባራት መስኪሩ ኢዩ። (ዮሃንስ 7:⁠7) እንተ​ዀነ ግን ነቶም ቅኑዓት ሰባት ንኢዱዎም ኢዩ። ንኣብነት ብዛዕባ ናትናኤል “እንሆ: ጕርሒ ዜብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊ” በለ። (ዮሃንስ 1:⁠47) የሱስ ተኣምራት ክፍጽም ከሎ ሓድሓደ ግዜ ኣብ እምነት ናይቲ ተኣምራት ዝፍጽመሉ ሰብ የተኵር ነበረ። (ማቴዎስ 9:⁠22) ገሊኦም ሰባት ነቲ ሓንቲ ሰበይቲ ዝወፈየቶ ናይ ሞሳ ህያብ ካብ መጠን ዝሓለፈ ኢዩ ኢሎም ክሓስቡ ከለዉ: የሱስ ብዛዕባ እቲ ድራኼኣ ሲኒካዊ ኣተሓሳስባ ኣይነበሮን: ኣብ ክንድኡስ ከምዚ በለ:- ‘እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኵላ ዓለም እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ክንገር ኢዩ።’ (ማቴዎስ 26:⁠6-13) የሱስ ነቶም ሰዓብቱ ዝኣምን ዓርክን ፈቃር ብጻይን ኢዩ ነይሩ: እወ “ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም።”​—⁠ዮሃንስ 13:⁠1

የሱስ ፍጹም ስለ ዝነበረ: ነቲ ዘይፍጹማት ሰባት ዝገብርዎ ጕድለት ብቐሊሉ ክርእዮ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ዘይኣምንን ጌጋ ናይ ምእራይ መንፈስን ኣብ ክንዲ ዘርኢ ግን ንሰባት ዘዕርፍ ክኸውን ኢዩ ፈቲኑ።​—⁠ማቴዎስ 11:​29, 30

[ፍቕሪ ] ኵሉ ትአምን።” (1 ቈረንቶስ 13:⁠7) እዚ ሓሳባት እዚ ኣንጻር ዝምባለ ናይቶም ድራኸን ተግባራትን ሰባት ብጥርጣረ ዝርእዩ ሲኒክ ኢዩ። ርግጽ ኢዩ ዓለም ስዉር ድራኸታት ብዘለዎም ሰባት ዝመልአት ኢያ፣ ስለዚ ምጥንቃቕ ኣድላዪ ኢዩ። (ምሳሌ 14:⁠15) ይኹን እምበር: ፍቕሪ ካብ መጠን ንላዕሊ እትጠራጠር ብዘይ​ምዃና ንኽትኣምን ድልውቲ ኢያ።

ኣምላኽ ንኣገልገልቱ የፍቅሮምን ይኣምኖምን ኢዩ። እቲ ዘለዎም ድሩትነት ካብቲ ንሶም ዝርድእዎ ንላዕሊ ይፈልጦ ኢዩ። ይኹን እምበር የሆዋ ንህዝቡ ብጥርጣረ ኣይርእዮምን ኢዩ: ካብቲ ብሓቂ ክገብርዎ ዝኽእሉ ንላዕሊ ድማ ኣይጽበዮምን ኢዩ። (መዝሙር 103:⁠13, 14) ኣብ ርእሲ እዚ ነቲ ሰባት ዘለዎም ሰናይ ጐድኒ ኢዩ ዝጥምት: ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ድማ ዘይፍጹማት እኳ እንተዀኑ ስለ ዝኣምኖም መሰልን ስልጣንን ይህቦም።​—⁠1 ነገስት 14:⁠13፣ መዝሙር 82:⁠6

“ኣነ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዱ: ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ: ንልቢ እምርምሮ: ንዀላሊት ከኣ እፍትኖ።” (ኤርምያስ 17:⁠10) የሆዋ ንልቢ ሓደ ሰብ ብልክዕ ኢዩ ዘንብቦ። ንሕና ከምኡ ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ: ናይ ሰባት ድራኸ ክንግምግም ከይንፍትን ክንጥንቀቕ ኣሎና።

ሲኒካዊ ዝዀነ መንፈስ ኣባና ሱር ክሰድድን ንምሸቱ ድማ ኣተሓሳስባና ክቈጻጸሮን ምስ እንሓድጎ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ኣመንቲ ብጾትናን ምፍልላይ ናይ ምፍጣር ሓይሊ ኣለዎ። ሰላም ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ክዘርግ ይኽእል። ስለዚ እምበኣር ኣብነት ናይቲ ኣብ ክዉንነት ዝኣምን ዝነበረ እንተ​ዀነ ግን ኣብቲ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዝገብሮ ዝነበረ ምምልላስ ኣወንታዊ ዝነበረ የሱስ ንስዓብ። እሙን ዓርኮም ኢዩ ኰይኑ ነይሩ።​—⁠ዮሃንስ 15:⁠11-15

“ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ: ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ግበሩሎም።” (ሉቃስ 6:⁠31) እዚ ምኽሪ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ተግባር ክውዕለሉ ዝኽእል ብዙሕ መዳያት ኣሎ። ንኣብነት ሰብ ብሕያውነትን ብኣኽብሮትን ክዛረበና ኢና ኵላትና እንደሊ። ብርግጽ እምበኣር ንሕና እውን ንኻልኦት ብሕያውነትን ኣኽብሮትን ክንዛረቦም ይግብኣና። የሱስ ነቲ መራሕቲ ሃይማኖት ዝነበሮም ናይ ሓሶት ትምህርቲ ብተሪር ቃላት ገይሩ ከቃልዖ ኸሎ: ሲኒካዊ ብዝዀነ መገዲ ገይርዎ ኣይፈልጥን ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 23:⁠13-36

ንባህርያት ሲኒክ እንዋግኣሉ መገዲ

ተስፋ ምቝራጽ ኣጋጢሙና እንተ​ድኣ ዀይኑ: ባህርያት ሲኒክ ንኽጸልወና ምፍቃድ ቀሊል ኢዩ። የሆዋ ነቶም ዘይፍጹማት ዝዀኑ ህዝቡ ከም ዝኣምኖም ብምግንዛብ ነዚ ዝምባለ እዚ ክንቃወሞ ንኽእል። እዚ ንኻልኦት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ቅኑዕ ዝዀነ ነገር ክፍጽሙ ዝጽዕሩ ዘይፍጹማት ሰባት ከም ምዃኖም መጠን ምስቲ ዘለዎም ባህርያት ንኽንቅበሎም ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።

እቲ ገሊኦም ዘሕለፍዎ ዘሳቒ ተመክሮ ንኻልኦት ሰባት ከም ዘይኣምኑ ይገብሮም ይኸውን። ሓቂ ኢዩ ኣብቶም ዘይፍጹማት ሰባት ምሉእ ብምሉእ ተኣማንነት ምሕዳር ጥበባዊ ኣይኰነን። (መዝሙር 146:⁠3, 4) ይኹን እምበር: ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ብዙሓት ኣሕዋት ብቕንዕና ምንጪ ምትብባዕ ክዀኑ ኢዮም ዝደልዩ። ብዛዕባ እቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ነቶም ስድራ​ቤቶም ዝሰኣኑ ሰባት ከም ኣዴታት: ኣቦታት: ኣሓት: ኣሕዋት: ከምኡውን ውሉዳት ዝዀንዎም ሰባት ሕሰብ። (ማርቆስ 10:⁠30) ኣብ ግዜ ጭንቂ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ምዃኖም ዘረጋግጹ ክንደይ ምዃኖም ሕሰብ። b​—⁠ምሳሌ 18:⁠24

ሰዓብቲ የሱስ ሲኒክ ብምዃኖም ዘይኰነስ ብሕውነታዊ ፍቕሮም ኢዮም ዝልለዩ: ከመይሲ የሱስ ባዕሉ ከምዚ ኢሉ ኢዩ:- “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ።” (ዮሃንስ 13:⁠35) ስለዚ ፍቕሪ ነርኢ: ኣብ ጽቡቕ ባህርያት ብጾትና ክርስትያናት እውን ነተኵር። ከምዚ ብምግባር ናይ ሲኒክ ባህርያት ከነወግድ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እታ ሲኒክ እትብል ስም ካብቲ ኪ·ኖ  ʹሶር·የስ ዝበሃል ኣንጢስቴነስ ዝምህረሉ ዝነበረ ኣብ ኣቴና ዝርከብ ጂምናዝዩም ዝመጸት ክትከውን እውን ትኽእል ኢያ።

b ኣብ ናይ 15 ግንቦት 1999 ግምቢ ዘብዐኛ “ክርስትያናዊት ጉባኤ ምንጪ ዘሐይል ደገፍ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ተመልከት።

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ዳዮጀኒዝ እቲ ፍሉጥ ሲኒክ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ካብታ Great Men and Famous Women እትበሃል መጽሓፍ እተወስደ