ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ሰጓጒ ዓቢ ብርሃን ይርኢ

እቲ ሰጓጒ ዓቢ ብርሃን ይርኢ

እቲ ሰጓጒ ዓቢ ብርሃን ይርኢ

 ሳውል ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ የሱስ ነዲሩ ነበረ። ነቲ ኣብ ልዕሊ እስጢፋኖስ ዝወረደ ውግረት እምኒ ሓዊስካ በቲ ኣቐዲሙ ኣብ የሩሳሌም እተፈጸመ መስጐጕቲ ስለ ዘይዓገበ: ነቲ ጸቕጢ ናብ ካልእ ቦታታት ከስፍሖ ደለየ። “ብምፍርራህን ብምቕታልን ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ነዲሩ ነበረ እሞ ዝዀነ ይኹን በዛ መገዲ እዚኣ ዘለዉ ሰብኡት ወይስ ኣንስቲ እንተ ረኸበ: ኣአሲሩ ንየሩሳሌም ምእንቲ ኼምጽኦም: ናብ ሊቀ ኻህናት ከይዱ ናብተን ኣብ ደማስቆ ዘለዋ ኣባይቲ ጸሎት እትበጽሕ ደብዳበ ኻብኡ ለመነ።”—ግብሪ ሃዋርያት 9:1, 2

ሳውል ንደማስቆ ገጹ ኽጓዓዝ ከሎ: ንተልእኾኡ ብኸመይ ስሉጥ ብዝዀነ መገዲ ክፍጽሞ ከም ዝኽእል ኢዩ ዝሓስብ ነይሩ ዝኸውን። እቲ ብሊቀ ኻህናት እተዋህቦ ስልጣን: ካብ መራሕቲ እቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበረ ዓቢ ማሕበረ ኮም ኣይሁዳውያን ደገፍ ዘውህቦ ምንባሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ሳውል ሓገዞም ይደሊ ነበረ።

ናብታ ከተማ እናቐረበ ምስ መጸ: ሓጐስ ሳውል ይውስኽ ነይሩ ይኸውን ኢዩ። እቲ ካብ የሩሳሌም ንደማስቆ ዝነበረ መገዲ: ርሕቀቱ 220 ኪሎ ሜተር ኰይኑ ብእግሪ ሸውዓተ ወይ ሸሞንተ መዓልትታት ዝወስድ ኣዝዩ ኣድካሚ ኢዩ ነይሩ። ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ይኸውን ካብ ጸሓይ ዝደምቕ ብርሃን ኣብ ዙርያ ሳውል ሃንደበት ኣንጸባረቐ። ሳውል ድማ ኣብ ምድሪ ወደቐ። “ሳውል: ሳውል: ከመይከ እትሰጐኒ፧ ናብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሐርሐርካ: ንኣኻ ይገደካ” ዝብል ድምጺ ብቛንቋ እብራይስጢ ሰምዐ። ሳውል ድማ “መን ኢኻ: ጐይታይ፧” ብምባል ሓተተ። ከምዚ ዝስዕብ ዝብል መልሲ ኸኣ ተዋህቦ:- “ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ። ግናኸ ተንስእ እሞ ብእግርኻ ደው በል: ነቲ ዝረኤኻዮን ኣነ ድሕርዚ ኽገልጸልካ ዘሎንን ነገር ኣገልጋልን ምስክርን ክትከውን መዲበካ አሎኹ: ስለዚ ድማ እየ እተገለጽኩልካ። ካብ ህዝብኻን ካብቶም ናባታቶም ዝልእከካ ኣህዛብን ከኣ ከናግፈካ እየ።” ሳውል ድማ “ጐይታይ: እንታይ እግበር፧” ብምባል ሓተተ። “ተንሲእካ ናብ ደማስቆ እቶ: እቲ ኽትገብሮ እተሰርዓልካ ዘበለ ኸኣ ኣብኣ ኺነግሩኻ እዮም” ዝብል መልሲ ተዋህቦ።—ግብሪ ሃዋርያት 9:3-6፣ 22:6-10፣ 26:13-17

እቶም ምስ ሳውል ዝጓዓዙ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ድምጺ ሰሚዖምዎ ኢዮም: ነቲ ተዛራባይ ክርእይዎ ይኹን ነቲ እተዛረቦ ክርድእዎ ግን ኣይከኣሉን። እቲ ብርሃን ድምቀቱ ኣዝዩ ሓያል ብምንባሩ: ሳውል ምስ ተስአ ክርኢ ኣይከኣለን። ተመሪሑ ክኸይድ ከኣ ተገደደ። “ከይረአየን ከይበልዔን ከይሰተየን ድማ ሰለስተ መዓልቲ ገበረ።”—ግብሪ ሃዋርያት 9:7-9፣ 22:11

ናይ ሰለስተ መዓልቲ ምስትንታን

ሳውል ኣብ ቤት እቲ ቕኑዕ ኣብ ዝበሃል ጐደና ዝነብር ዝነበረ ይሁዳ ዝስሙ ሰብ ተኣንገደ። a (ግብሪ ሃዋርያት 9:11) እዚ ጐደና እዚ—ብቛንቋ ዓረብ ዳርብ ኣል-ሙስታቒም ተባሂሉ ዝጽዋዕ—ክሳዕ ሕጂ ኣብ ደማስቆ እቲ ቐንዲ መተሓላለፊ ኢዩ። ሳውል ኣብ ቤት ይሁዳ ኸሎ ብዛዕባ እንታይ ይሓስብ ከም ዝነበረ እሞ ክትግምቶ ፈትን። እቲ ኣብ መገዲ ዘጓነፎ ነገር ዓይኑ ደፊንዎን ኣሰምቢድዎን ኢዩ። ሕጂ እቲ ዘጋጠሞ ተመክሮ ኣብ ህይወቱ ብዛዕባ ዝህልዎ ጽልዋ ከስተንትን ግዚኡ ኢዩ።

እቲ ሰጓጒ ንሓደ ድሮ ንዒቕዎ ዝነበረ ኣካል ኢዩ ዝራኸቦ ዘሎ። እቲ ብላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኣይሁድ ተዀኒኑ ‘ብሰብ ተናዒቑን ተደርብዩን’ እተሰቕለ የሱስ ክርስቶስ ሕጂ ህያው ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። እቲ ዘገርም ከኣ ኣብ የማን ኣምላኽ ኣብቲ “ዘይቅረብ ብርሃን” ደው ንምባል በቒዑ ኢዩ! የሱስ እቲ መሲሕ ኢዩ ነይሩ። እስጢፋኖስ ይኹን ካልኦት ብዛዕብኡ እተዛረቡ ልክዕ ኢዮም ነይሮም። (ኢሳይያስ 53:3፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:16፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:56) ሳውል ምሉእ ብምሉእ ኢዩ ተጋግዩ ነይሩ: ከመይሲ የሱስ ንገዛእ ርእሱ ሓደ ኻብቶም ሳውል ዘሳጕጎም ዝነበረ ሰባት ገይሩ ኢዩ ገሊጽዋ! እዚ መርትዖ እዚ እናሃለወ እሞ ሳውል ከመይ ገይሩ ኢዩ ‘ናብ ኣንፊ ብልሒ ከድሓርሕር’፧ ሓደ ዘይጽዓድ ብዕራይ እውን ከይተረፈ ብብልሒ እናተወግአ ናብታ ዋንኡ ዝደልያ መስመር ምእታዉ ዘይተርፍ ኢዩ። ስለዚ ሳውል ካብዚ የሱስ ዝህቦ ዘሎ ተልእኾ እንተድኣ ኣድሓርሒሩ: ገዛእ ርእሱ ኢዩ ዝጐድእ።

የሱስ ከም መሲሕ መጠን ብኣምላኽ ክግደፍ ኣይግብኦን ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: በቲ ኣዝዩ ዘነውር ሞት ተሳቕዩ ክመውትን እቲ “እተሰቕለ ብእግዚኣብሄር እተረግመ እዩ” ዝብል ፍርዲ ናይ ሕጊ ሙሴ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ኽፍጸምን ፈቒዱ ኢዩ። (ዘዳግም 21:23) የሱስ ኣብ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ኸሎ ሞተ። ምንም ሓጢኣት ዘይብሉ ብምንባሩ ብሓጢኣቱ ኣይኰነን ከም ርጉም እተቘጽረ። ብሰንኪ ሓጢኣት ደቅሰብ ግን ርጉም ኰነ። ሳውል ድሕሪ ገለ ግዜ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ ዅሉ ኺገብሮ ዘይጸንዕ: ርጉም ይኹን: ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ: እቶም ካብ ግብሪ ሕጊ ዘበሉ ዅሎም ኣብ ትሕቲ መርገም እዮም። ግናኸ . . . ብሕጊ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓደ እኳ ኸም ዘይጸድቕ ግሁድ እዩ። . . . ኣብ ዕጸይቲ ዚስቀል ዘበለ ርጉም እዩ: ተጽሒፉ አሎ እሞ: ክርስቶስ ምእንታና መርገም ኰይኑ: ካብ መርገም ሕጊ ተሻየጠና።”—ገላትያ 3:10-13

መስዋእቲ የሱስ ናይ ምድሓን ሓይሊ ኣለዎ። የሆዋ ነቲ መስዋእቲ ብምቕባል ነቲ ሕግን ሒዝዎ ዝነበረ መርገምን ብምሳልያዊ ኣገባብ ኣብ ዕንጨይቲ ከም ዝሽንከር ገበሮ። ነዚ ሓሳብ እዚ ብምርዳእ ከኣ ሳውል ነቲ ‘ንኣይሁድ መዐንቀፊ’ ዝነበረ ናይ ዕንጨይቲ ስቓይ ከም ‘ጥበብ ኣምላኽ’ ክኣምነሉ ኸኣለ። (1 ቈረንቶስ 1:18-25፣ ቈሎሴ 2:14) ስለዚ እምበኣር: ድሕነት ዝርከብ ሕጊ ብምሕላው ብዝፍጸም ግብርታት ዘይኰነስ በቲ ከም በዓል ሳውል ዝኣመሰሉ ሓጥኣን ዘይበቕዕዎ ሕያውነት ኣምላኽ ካብ ኰነ: እቲ ናይ ምድሓን ኣጋጣሚ ነቶም ካብ ሕጊ ሙሴ ወጻኢ ዝነበሩ እውን ተኸፊትሎም ኢዩ። ናብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣህዛብ ከኣ ኢዩ የሱስ ንሳውል ዝልእኮ ነይሩ።—ኤፌሶን 3:3-7

ሳውል ኣብቲ እተለወጠሉ እዋን ነዚ ኽሳዕ ክንደይ ተረዲእዎ ነይሩ ኣይንፈልጥን ኢና። የሱስ ብዛዕባ እቲ ሳውል ናብ ኣህዛብ ብምኻድ ክፍጽሞ ዝነበሮ ተልእኾ ምናልባት ደጋጊሙ ክዛረቦ ኣድልዪዎ ነይሩ ኢዩ። ብተወሳኺውን ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ጸብጻባት እዚ ብመለኮታዊ መሪሕነት ቅድሚ ምጽሓፉ ሓያለይ ዓመታት ሓሊፉ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 22:17-21፣ ገላትያ 1:15-18፣ 2:1, 2) ይኹን እምበር: ሳውል ካብቲ ሓድሽ ጐይታኡ ተወሳኺ መምርሒ ቅድሚ ምቕባሉ ሒደት መዓልትታት ሓሊፉ ኢዩ።

ሃናንያ ይበጽሖ

የሱስ ንሳውል ምስ ተራእዮ ድሕሪኡ ንሃናንያ እውን ይርኣዮ እሞ ከምዚ ብምባል ይነግሮ:- “ተንስእ እሞ ናብቲ ቕኑዕ ዚብሀል መተሓላለፊ ኺድ: ሳውል ዚብሀል ሰብኣይ ብዓል ጠርሴስ: እንሆ: ይጽሊ አሎ እሞ: ኣብ ቤት ይሁዳ ድለዮ: ንሱውን ሃናንያ ዚብሀል ሰብኣይ አትዩ: ምእንቲ ኺርኢ ኢዱ ኼንብረሉ ብራእይ ርእዩ አሎ።”—ግብሪ ሃዋርያት 9:11, 12

ሃናንያ ብዛዕባ ሳውል ይፈልጥ ብምንባሩ: ብቓላት የሱስ እንተ ተገረመ ዘደንቕ ኣይኰነን። ከምዚ ድማ በለ:- “ጐይታይ: ብዛዕባ እዚ ሰብኣይዚ ኣብ የሩሳሌም ንቕዱሳንካ ኽንደይ ክፉእ ከም ዝገበሮም: ካብ ብዙሓት ሰሚዔ አሎኹ። ኣብዚ ድማ ስምካ ንዚጽውዑ ዅላቶም ኪአስር: ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣን አለዎ።” የሱስ ግን ንሃናንያ “እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን ስመይ ኪጸውር: ንኣይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ . . . ስለዚ ኺድ ደኣ” በሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 9:13-15

ሃናንያ በዚ ተኣማሚኑ ናብቲ የሱስ ዝሓበረሉ ቦታ ኸደ። ንሳውል ድሕሪ ምርካቡን ሰላም ምባሉን ከኣ ኢዱ ኣንበረሉ። እቲ ጸብጻብ ድማ “ብኡብኡ ኸኣ ካብ ኣዒንቱ ኸም ቅራፍ ዝበለ ወደቐ እሞ ረአየ” ይብል። ሽዑ ሳውል ንምስማዕ ድሉው ኰነ። እዚ ዝስዕብ ሃናንያ እተዛረቦ ቓላት ነቲ ሳውል ካብ ቃላት የሱስ ተረዲእዎ ክኸውን ዝኽእል ሓሳባት ኣረጋገጸሉ:- “ኣምላኽ ኣቦታትና ብዝርኤኻዮን ብዝሰማዕካዮን ኣብ ኵሉ ሰብ ምስክር ምእንቲ ኽትኰኖን: ፍቓዱ ኽትፈልጥን ነቲ ጻድቕ ከኣ ክትርእዮን ካብ ኣፉውን ቃል ክትሰምዕ ቅድም ሐረየካ። ሕጂኸ ንምንታይ እትድንጒ፧ ተንሲእካ ተጠመቕ: ስም ጐይታ ጸዊዕካ ኻብ ሓጢኣትካ ተሐጸብ።” ሳውልከ እንታይ ምላሽ ኣርኣየ፧ ‘ተሲኡ ተጠምቀ: መግቢ ምስ ተመገበ ድማ በርትዐ።’—ግብሪ ሃዋርያት 9:17-19፣ 22:12-16

እቲ እሙን ሃናንያ ተልእኾኡ ምስ ፈጸመ ሽዑ ንሽዑ ኢዩ ካብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ዘልግስ: ብዛዕብኡ እንፈልጦ ተወሳኺ ሓበሬታ ኸኣ የልቦን። ኵሎም እቶም ንሳውል ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ግን ብእኡ ተገሪሞም ኢዮም! እቲ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክኣስር ናብ ደማስቆ ዝመጸ ሰጓጒ: ሕጂ ኣብ ኣብያተ-ጸሎት ኣይሁድ ክሰብኽን የሱስ እቲ ክርስቶስ ምዃኑ ከረጋግጽን ጀመረ።—ግብሪ ሃዋርያት 9:20-22

“ነህዛብ ሃዋርያኦም”

እቲ ንሳውል ኣብ ጕዕዝኡ ዘጓነፎ ነገር ሰጓጒ ዀይኑ ከም ዘይቅጽል ገይርዎ ኢዩ። ሳውል ንመንነት እቲ መሲሕ ስለ እተረድኦ: ነቲ ኣብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ተዋሂቡ ዘሎ ብዙሕ ሓሳባትን ትንቢታትን ኣብ የሱስ ከውዕሎ ከኣለ። የሱስ ከም እተገልጸሉን ‘ዝረኸቦን’ “ነህዛብ ሃዋርያኦም” ክኸውን ከም ዝመዘዞን ምግንዛቡ ንህይወቱ ምሉእ ብምሉእ ለዊጥዎ ኢዩ። (ፊልጲ 3:12፣ ሮሜ 11:13) ከም ሃዋርያ ጳውሎስ መጠን ነተን ተሪፈናኦ ዝነበራ ዓመታት ምድራዊ ህይወቱ ጥራይ ዘይኰነስ ንጕዕዞ ታሪኽ ክርስትና እውን ከይተረፈ ጽልዋ ዝገብር መሰልን ስልጣንን ነበሮ።

ድሕሪ ገለ ዓመታት: ሃዋርያነት ጳውሎስ ኣከራኻሪ ምስ ኰነ ነቲ ናብ ደማስቆ ኣብ ዝወስድ መገዲ ዘጓነፎ ተመክሮ ብምጥቃስ ንስልጣኑ ተጣቢቑ ኢዩ። ከምዚ ብምባል ድማ ሓተተ:- “ኣይሃዋርያን ድየ፧ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስከ ኣይርኤኽዎን ድየ፧” ሳውል (ጳውሎስ) እቲ ዝተንስአ የሱስ ንኻልኦት ከም እተገልጸሎም ምስ ጠቐሰ “ድሕሪ ዅላቶም ድማ ንኣይ: ቍላዕ ንዝመስል: ተራእየኒ” በለ። (1 ቈረንቶስ 9:1፣ 15:8) ሳውል ነቲ ሰማያዊ ክብሪ የሱስ ዝገልጽ ራእይ ብምርኣዩ: ቅድሚ ግዚኡ መንፈሳዊ ህይወት ሒዙ ናይ ምውላድ ወይ ናይ ምትንሳእ መሰል ከም ዝረኸበ ኢዩ ዝቝጸር።

ሳውል ነቲ ተዋሂብዎ ዝነበረ መሰል ኣፍልጦ ሂብሉ: ምስኡ ተሰማሚዑ ንምንባር ከኣ ገዛእ ርእሱ ወፍዩ ኢዩ። ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ኣነስ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ስለ ዝሰጐጕክዋ: ምንኣስ ኵላቶም ሃዋርያት እየ እሞ ሃዋርያ ኽስመ ብቑዕ ኣይኰንኩን። . . . ካብ ኵላቶም ዚበዝሕ ደኣ ጸዐርኩ እምበር: እቲ ንኣይ እተዋህበ [ጸጋ ኣምላኽ] ኸንቱ ኣይኰነን።”—1 ቈረንቶስ 15:9, 10

ንስኻውን ምናልባት ልክዕ ከም ሳውል ስምረት ኣምላኽ ምእንቲ ኽትረክብ ንነዊሕ እዋን ሰሪቱ ዝጸንሐ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያታትካ ክትሓድጎ ከም ዘድልየካ እተገንዘብካሉ ግዜ ትዝክሮ ትኸውን ኢኻ። የሆዋ ሓቂ ንኽትርድኣ ስለ ዝሓገዘካ ከም ዘመስገንካዮ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ሳውል ብርሃን ምስ ረኣየን ካብኡ እንታይ ከም ዝድለ ምስ ተገንዘበን ዘልሓጥሓጥ ኣይበለን። ኣብተን ዝተረፋ መዓልትታት ምድራዊ ህይወቱ ነቲ ኻብኡ ዝድለ ዘበለ ብቕንእን ብቘራጽነትን ፈጺሙ ኢዩ። እዝስ ነቶም ሎሚ ስምረት ኣምላኽ ክረኽቡ ዝደልዩ ዅሎም ኣየ ከመይ ዝበለ ብሉጽ ኣብነት ኰን ኢዩ!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ሓደ ምሁር: ይሁዳ መራሒ ናይቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝነበረ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ወይ ድማ ወናኒ ናይ ሓደ ኣይሁዳውያን ዝግልገልሉ መዕረፍ ኣጋይሽ ኢዩ ነይሩ ዝኸውን ዝብል ሓሳብ ከም ዘለዎ ይገልጽ።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ቕኑዕ ዝበሃል ዝነበረ ጐደና ኣብዛ ዘመናዊት ከተማ ደማስቆ

[ምንጪ ስእሊ]

Photo by ROLOC Color Slides