ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንገዛእ ርእስኻ ብኸመይ ኢኻ እትርእያ፧

ንገዛእ ርእስኻ ብኸመይ ኢኻ እትርእያ፧

ንገዛእ ርእስኻ ብኸመይ ኢኻ እትርእያ፧

 ዕቡይ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ መንግስታዊ ምምሕዳር ዝለዓለ ቦታ ስለ ዝነበሮ በቲ ዝረኽቦ ዝነበረ ውዳሰን ኣድናቖትን ተነፍሐ። ሓደ ካልእ በዓል ስልጣን ከምዚ ዝኣመሰለ ክብሪ ስለ ዘይሃቦ ኸኣ ተቘጥዐ። እዚ ትዕቢተኛ ሰብኣይ እዚ ሕነ ንኽፈዲ ንዅሎም እቶም ከም ናይቲ ዘቐየሞ ሰብኣይ ዝዓሌቶም ኣብቲ ግዝኣት ዝነበሩ ሰባት ከጥፍኦም ሓለነ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኣየ ከመይ ዝበለ እተዛብዐ ኣረኣእያ ኰን ኢዩ ዝነበሮ!

እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ክፍኣት ዝሓለነ እቲ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ፋርሳዊ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮ ሃማን ኢዩ። እቲ ግዳይ ናይ ጽልኡ ዝዀነኸ መን ኢዩ፧ ሓደ ማርዶካይ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ኢዩ። ሃማን ዓሌታዊ ምጽናት ንኽፍጽም ብምሕላን ዘርኣዮ መልሰ-ግብሪ ሕሉፍ እኳ እንተ ነበረ: ትዕቢት ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋን ብርቱዕ ሳዕቤንን ዘብርህ ኢዩ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ናይ ድርቅና መንፈስ ንኻልኦት ቅልውላው ፈጢሩሎም ጥራይ ዘይኰነስ ንገዛእ ርእሱ እውን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ውርደት: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሞት ኣስዒብሉ ኢዩ።—ኣስቴር 3:1-9፣ 5:8-14፣ 6:4-10፣ 7:1-10

ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ካብ ትዕቢት ናጻ ኣይኰኑን

የሆዋ ምስኡ ‘ብትሕትና ክንመላለስ ኢዩ’ ዝደልየና። (ሚክያስ 6:8) ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ሚዛናዊ ኣረኣእያ ዘይነበሮም እተፈላለዩ ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጾም ኣለዉ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ኸኣ ግድላትን ጓህን ኣምጺኡሎም ኢዩ። ንገለ ካብዞም ኣብነታት እዚኣቶም ምምርማር ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ዘይሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ምህላው ዘምጽኦ ዕሽነትን ሓደጋን ንኽንርዳእ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።

እቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ዮናስ ኣተሓሳስብኡ ኣዝዩ ዘይሚዛናዊ ብምንባሩ ነቶም እኩያት ዝነበሩ ሰብ ነነዌ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ፍርዲ የሆዋ ከጠንቅቖም መለኮታዊ መዝነት ምስ ተዋህቦ ክሃድም ፈተነ። (ዮናስ 1:1-3) ጸኒሑ እቲ ዝገበሮ ስብከት ንሰብ ነነዌ ከም ዝናስሑ ምስ ገበሮም ኣስቈርቈረ። ብዛዕባ እቲ ከም ነብዪ መጠን ዝነበሮ ጽቡቕ ስም ኣዝዩ ስለ እተጨነቐ ህይወት ናይ ኣሽሓት ሰብ ነነዌ ኣየገደሶን። (ዮናስ 4:1-3) ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ካብቲ ዝግብኣና ንላዕሊ ኣዕዚዝና ንሓስብ እንተድኣ ዄንና: ኣብ ከባቢና ብዛዕባ ዘለዉ ሰባትን ዝግበር ነገራትን ርትዓውን ልክዕን ኣረኣእያ ክህልወና ከቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ኣብነት ናይቲ ንፉዕ ንጉስ ይሁዳ ዝነበረ ዑዝያ እውን ርአ። ብኣተሓሳስብኡ ሚዛኑ ምስ ሰሓተ: ብትዕቢት ካህናት ጥራይ ዝሰርሕዎ ነገር ክገብር ፈተነ። በቲ ዘርኣዮ ዓቕምኻ ዘይምፍላጥን ናይ ድርቅናን ተግባር ጥዕንኡን መለኮታዊ ስምረትን ስኢኑ ኢዩ።—2 ዜና መዋእል 26:3, 16-21

ሚዛናዊ ዘይኰነ ኣተሓሳስባ ንሃዋርያት የሱስ እውን ዳርጋ ተንኪፍዎም ነይሩ ኢዩ። ብዛዕባ ብሕታዊ ክብሮምን ሓይሎምን ኣዝዮም ይግደሱ ነበሩ። ከቢድ ፈተና ምስ ወረዶም ንየሱስ ጠንጢኖምዎ ሃደሙ። (ማቴዎስ 18:1፣ 20:20-28፣ 26:56፣ ማርቆስ 9:33, 34፣ ሉቃስ 22:24) ዓቕሞም ዘይፈልጡ: ብዛዕባ ብሕታዊ ክብሮም ከኣ ኣዝዮም ዝጭነቑ ብምንባሮም ዕላማ ኣምላኽን ነቲ ዝነበሮም ምስ ፍቓዱ እተተሓሓዘ ግደን ከም ዝርስዑ ኰይኖም ኢዮም።

ገዛእ ርእስኻ ኣልዒልካ ምርኣይ ዘምጽኦ ጕድኣት

ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ሚዛናዊ ዘይኰነ ኣረኣእያ ምህላው ጓሂ ከምጽእን ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ ከበላሹን ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ሓደ ክፍሊ ኮፍ ኢልና ኸሎና ሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር ሕሹኽሹኽ እናበሉ ክስሕቑ ንርእዮም ንኸውን። ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ኣዚና ንግደስ እንተድኣ ዄንና: ሕሹኽሹኽ ይብሉ ስለ ዘለዉ ጥራይ ብዛዕባይ ኢዮም ዝዛረቡ ዘለዉ ንብል ንኸውን። ዘስሕቖም ዘሎ ካልእ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ኢልና ንኽንሓስብ ኣእምሮና ኣይፈቕደልናን ይኸውን። ‘ደሓር ከኣ ብዛዕባ መን ካልእ ኢዮም እሞ ክስሕቑ ዝኽእሉ፧’ ንብል ንኸውን። ሓሪቕና ድሕሪ ሕጂ ንኸይንዛረቦም ከኣ ንውስን። በዚ ኸምዚ እቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ዘሎና ዘይሚዛናዊ ኣረኣእያ ምስ ኣዕሩኽና: ኣባላት ስድራቤትና: ከምኡውን ካልኦት ሰባት ዘይምርድዳእን ሕማቕ ርክብን ከም ዝህልወና ክገብር ይኽእል ኢዩ።

እቶም ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ካብቲ ዝግባእ ንላዕሊ ዝሓስቡ ሰባት ዕቡያት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም: ኵሉ ግዜ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ዘለዎም ፍሉይ ተውህቦ ወይ ንብረት ወይ ድማ ዝገብርዎ ነገራት ኢዮም ዝህድዱ። ወይ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ገለ ነገር ክዛረቡ ብምድላይ ኣብ ዕላል ክዕብልሉ ኢዮም ዝደልዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ዝጐደሎን ዝርብሽን ኢዩ። ስለዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ገዛእ ርእሶም ካብ ካልኦት ይፈልዩ ኢዮም።—1 ቈረንቶስ 13:4

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን ኣብ ኣገልግሎትና ላግጽን ምንጻግን የጋጥመና ይኸውን። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ምጽራር ብብሕቲ ንዓና ዘይኰነስ ነቲ ምንጪ መልእኽትና ዝዀነ የሆዋ ምዃኑ ክንዝክር ይግብኣና። ይኹን እምበር: ብዛዕባ ገዛእ ርእስና እተዛብዐ ኣረኣእያ ምስ ዝህልወና ከቢድ ሳዕቤን ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። ገለ ዓመታት ይገብር ሓደ ሓው ሓደ በዓል ቤት ምስ ጸረፎ: ብብሕቱ ከም እተጸርፈ ገይሩ ብምውሳድ ሕማቕ መለሰሉ። (ኤፌሶን 4:29) ድሕሪኡ እቲ ሓው ካብ ቤት ናብ ቤት ፈጺሙ ተኻፊሉ ኣይፈልጥን። እወ: ትዕቢት ኣብ ግዜ ስብከት ከም እንቝጣዕ ክገብረና ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ከጋጥመና ከይነፍቅደሉ ንጽዓር። ኣብ ክንድኡስ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ብዛዕባ ምክፋል ግቡእ ሞሳ ምእንቲ ክህልወና የሆዋ ክሕግዘና ብትሕትና ንለምኖ።—2 ቈረንቶስ 4:1, 7፣ 10:4, 5

ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ካብቲ ዝግብኣና ንላዕሊ ንሓስብ እንተድኣ ዄንና ኣድላዪ ዝዀነ ምኽሪ ንኸይንቕበል እውን ዕንቅፋት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ገለ ዓመታት ይገብር ኣብ ሓንቲ ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ እትርከብ ሃገር ሓደ ኰተቴ ሓው ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ ዝውሰድ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክፍሊ ኣቕረበ። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ትርር ዝበለ ምኽሪ ምስ ሃቦ: እቲ መንእሰይ ተቘጢዑ መጽሓፍ ቅዱሱ ናብ ምድሪ ብምድርባይ ድሕሪ ሕጂ ንኸይምለስ ካብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ወጸ። ድሕሪ ገለ መዓልትታት ግን ትሕትና ገይሩ ምስቲ ናይታ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ተዓረቐ: ትሕት ኢሉ ኸኣ ምኽሪ ተቐበለ። ጸኒሑ እዚ መንእሰይ እዚ ብሱል ክርስትያን ኰነ።

ዘይትሑት ምዃንን ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ካብቲ ዝግብኣና ንላዕሊ ኣዕዚዝና ምሕሳብን ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ከም እነበላሹ ክገብር እውን ይኽእል ኢዩ። ምሳሌ 16:5 “ብልቡ ዚዕበ ዘበለ ዅሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ” ትብለና።

ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምህላው

ብንጹር እምበኣር ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ካብቲ ዝግብኣና ንላዕሊ ኣዕዚዝና ክንሓስብ የብልናን። እዚ ግን ኣብቲ እንገብሮ ወይ እንብሎ ነገራት ረዘንቲ ክንከውን የብልናን ማለት ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ተዓዘብቲ: ኣገልገልቲ ጉባኤ: ብሓጺሩ ኵሎም እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሰባት ረዘንቲ ክዀኑ ከም ዘለዎም ኢዩ ዝሕብር። (1 ጢሞቴዎስ 3:4, 8, 11፣ ቲቶስ 2:2) ስለዚ ክርስትያናት ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ትሕትና እተሓወሶን ሚዛናውን ርዝነት ዘለዎን ኣረኣእያ ክህልዎም ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ሚዛናዊ ኣረኣእያ ዝነበሮም ብዙሓት ዘተባብዑ ኣብነታት ይጠቅስ ኢዩ። ካብ ኵሉ ዝበለጸ እቲ ሓለፍ ዝበለ የሱስ ክርስቶስ ዘርኣዮ ናይ ትሕትና ኣብነት ኢዩ። ወዲ ኣምላኽ ፍቓድ ኣቡኡ ንምፍጻምን ንደቅሰብ ድሕነት ንምምጻእን ብፍቓዱ ነቲ ኣብ ሰማይ ዝነበሮ ክቡር ቦታ ገዲፉ ኣብ ምድሪ ትሑት ሰብ ኰነ። ጸርፊ: ግፍዒ: ከምኡውን ዘሕፍር ሞት እኳ እንተ ኣጋጠሞ: ነቲ ዝነበሮ ርእስኻ ምግታእን ክብረትን ዓቂቡ ኢዩ። (ማቴዎስ 20:28፣ ፊልጲ 2:5-8፣ 1 ጴጥሮስ 2:23, 24) የሱስ ከምዚ ክገብር ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧ ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ብምምርኳስ መለኮታዊ ፍቓድ ንምግባር ቈሪጹ ነበረ። የሱስ ብትግሃት ቃል ኣምላኽ የጽንዕ: ኣዕሚቑ ይጽሊ: ከምኡውን ኣበርቲዑ የገልግል ነበረ። (ማቴዎስ 4:1-10፣ 26:36-44፣ ሉቃስ 8:1፣ ዮሃንስ 4:34፣ 8:28፣ እብራውያን 5:7) ኣብነት የሱስ ምስዓብ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ክህልወናን ክንዕቅቦን ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 2:21

ዮናታን ወዲ ንጉስ ሳኦል ዝገደፎ ሰናይ ኣብነት እውን ርአ። ብሰንኪ ናይ ኣቡኡ ዘይምእዛዝ ንጉስ ንኽኸውን ዝነበሮ መሰል ሰኣነ። (1 ሳሙኤል 15:10-29) ዮናታን ነዚ መሰል እዚ ብምስኣኑ ቅርሕንቲ ሒዙዶ፧ በቲ ኣብ ክንድኡ ክነግስ ዝነበሮ መንእሰይ ዳዊት ቀኒኡዶ ኢዩ፧ ዮናታን ካብ ዳዊት ኣጸቢቑ ዝዓብን ዝያዳ ተመክሮ ዘለዎን እኳ እንተነበረ: ዓቕሙ ብምፍላጥን ብትሕትናን ምስቲ የሆዋ ዝገበሮ ምድላው ተሰማምዐ: ንዳዊት ድማ ብተኣማንነት ደገፎ። (1 ሳሙኤል 23:16-18) ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ንጹር ምርዳእ ምህላውን ምስኡ ክትሰማማዕ ፍቓደኛ ምዃንን ‘ካብቲ ዝግብኣና ኣዕዚዝና ከይንሓስብ’ ክሕግዘና ኢዩ።—ሮሜ 12:3

ዓቕምኻ ምፍላጥን ትሕትና ምርኣይን ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ የሱስ ምሂሩ ኢዩ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ናይ መርዓ ድግስ “ኣውራ መቐመጢ” ክሕዙ ከም ዘይብሎም: ከመይሲ ካልእ ክቡር ሰብ ምስ ዝመጽእ ካብኡ ኣተሲኦም ናብቲ ዝተሓተ ቦታ ብምስዳድ ከየዋርድዎም ብምጥቃስ ኣብርሆ። ነቲ ትምህርቲ ዝያዳ ንጹር ንምግባር ወሲኹ “ርእሱ ዜዕቢ ዅሉ ኺዋረድ: እቲ ርእሱ ዜዋርድ ከኣ ኪኸብር እዩ” በለ። (ሉቃስ 14:7-11) ‘ትሕትና ብምልባስ’ ነቲ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ነቕልበሉ እንተድኣ ዄንና መስተውዓልቲ ኢና።—ቈሎሴ 3:12፣ 1 ቈረንቶስ 1:31

ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምህላው ዘምጽኦ በረኸት

ዓቕምኻ ናይ ምፍላጥን ናይ ትሕትናን መንፈስ ምህላው ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣገልግሎቶም ናይ ሓቂ ሓጐስ ንኸስተማቕሩ የኽእሎም ኢዩ። ሽማግለታት ‘ነተን መጓሰ ብለውሃት ምስ ዝኣልይወን’ ዝያዳ ተቐረብቲ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28, 29) ድሕርዚ ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኵላቶም ንኽዛረብዎምን ሓገዝ ክደልዩን ክቐሎም ይኽእል ኢዩ። እታ ጉባኤ ኸኣ ብፍቕርን ምዉቕ ርክብን ምትእምማንን ኣጸቢቓ ክትቀራረብ ትኽእል።

ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ካብቲ ዝግብኣና ንላዕሊ ኣዕዚዝና ዘይምሕሳብ ምስ ካልኦት ጽቡቕ ዕርክነት ንኽንምስርት ይሕግዘና ኢዩ። ዓቕምኻ ምፍላጥን ትሕትናን ምስ ካልኦት ናይ ምውድዳር መንፈስ ንኸይነማዕብል ከምኡውን ብተግባር ወይ ብስጋዊ ነገራት ካብ ካልኦት በሊጽና ክንርአ ከይንጽዕር ክሕግዛና ይኽእላ ኢየን። እዚ ኣምላኻዊ ባህርያት እዚ ዝያዳ ሓለይቲ ንኽንከውን ይሕግዘና: በዚ ኸኣ ነቶም ዘድልዮም ሰባት ከነጸናንዕን ክንድግፍን ንኽእል። (ፊልጲ 2:3, 4) ሰባት ብፍቕርን ብሕያውነትን ልቦም ምስ ዝትንከፉ: ጽቡቕ ግብረ-መልሲ ኢዮም ዘርእዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ስስዐ ዘይብሉ ርክብ ንሓደ ድልዱል ዕርክነት ጽቡቕ መሰረትዶ ከይኰነ፧ ኣየ እዝስ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ኣዕዚዝና ብዘይምሕሳብ ዝርከብ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ!—ሮሜ 12:10

ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምህላው ንገለ ሰብ ምስ እንብድል ጌጋና ንኽንእመን ዝቐለለ ከም ዝኸውን ዝገብር ኢዩ። (ማቴዎስ 5:23, 24) እዚ ኸኣ ምትዕራቕን ሓባራዊ ምክብባርን ከም ዝህሉ ብምግባር ዝሓሸ ርክብ ዝፈጥር ኢዩ። እቶም ከም ሽማግለታት ዝኣመሰሉ ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ዓቕሞም ዝፈልጡን ትሑታትን ምስ ዝዀኑ ንኻልኦት ብዙሕ ሓገዝ ከበርክቱ ኣጋጣሚ ኣለዎም። (ምሳሌ 3:27፣ ማቴዎስ 11:29) ሓደ ትሑት ሰብ ነቶም ዝበደልዎ ይቕረ ንምባል ዝያዳ ኢዩ ዝቐሎ። (ማቴዎስ 6:12-15) ንነኣሽቱ በደላት ኣዕብዩ ኣይርእዮን ኢዩ: ነቲ ብዝዀነ ይኹን ካልእ መገዲ ኽዕረ ዘይክእል ነገራት የሆዋ ከዐርዮ ምዃኑ ኸኣ እምንቶ ኣለዎ።—መዝሙር 37:5፣ ምሳሌ 3:5, 6

ዓቕምና እንፈልጥን ትሑታትን ምስ እንኸውን እንረኽቦ ዝዓበየ በረኸት ምስ የሆዋ ስምረት ዘለዎ ርክብ ምፍጣር ኢዩ። “ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶም: ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ።” (1 ጴጥሮስ 5:5) ካብቲ ዝግባእ ንላዕሊ ዝሓሽና ኢና ዝብል ስምዒት ፈጺምና ኣይነሕድር። ኣብ ክንድኡ ኣብቲ ናይ የሆዋ ምድላው ዘሎና ቦታ ብትሕትና ኣፍልጦ ንሃበሉ። ንዅሎም እቶም ‘ምስ ኣምላኽ ብትሕትና ብምምልላስ’ ብቕዓታቱ ዘማልኡ ሰባት ዓቢ በረኸት ይጽበዮም ኣሎ።

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ዮናታን ብትሕትና ንዳዊት ደገፎ