ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከመይ ይመስል ነበረ፧

ኣልዃሪዝሚ

ኣልዃሪዝሚ

ብዙሓት ሰባት ክብደቶም ኪዕቅኑ ኸለዉ ወይ ከኣ ዋጋ እቲ ዝዓደግዎ ኣስቤዛ ኺዝርዝሩ ኸለዉ፡ “ሂንዱ-ዓረብኛ” ዚብሃል ኣሃዛት እዮም ዚጥቀሙ። ስለምንታይ፧ እቲ ሎሚ ዘሎ ዘመናዊ ስርዓት ኣሃዝ፡ ማለት እቲ ኻብ ዜሮ ኽሳዕ ትሽዓተ ዘሎ ኣቈጻጽራ፡ ኣብ ህንዲ ዝማዕበለ እዩ ዚመስል፣ ካብኡ ተበጊሱ ድማ በቶም ዓረብኛ ዚጽሕፉ ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝነበሩ ምሁራት ኣቢሉ ናብ ምዕራባዊ ዓለም በጽሐ። ካብቶም ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝነበሩ ህቡባት ምሁራት ብቐዳምነት ዚጥቀስ፡ መሓመድ ኢብን-ሙሳ ኣል-ዃሪዝሚ እዩ። ኣል-ዃሪዝሚ ኣብ ከባቢ 780 ድ.ክ. ኣብታ ሎሚ ኡዝበኪስታን እትብሃል ዘላ ሃገር ተወሊዱ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ “ክኢላ ሕሳብ ዓረብኛ” ተባሂሉ ኸኣ እዩ ዚጽዋዕ። ንኣል-ዃሪዝሚ ኽንድዚ ናእዳ እተዋህቦ ስለምንታይ እዩ፧

“ክኢላ ሕሳብ ዓረብኛ”

ኣል-ዃሪዝሚ ብዛዕባ ጥቕሚ ዕስሪት ጽሒፉ እዩ፣ ብዘይካዚ፡ ገሊኡ ሕሳባዊ ግድላት ኪፍትሓሉ ንዚኽእል ሜላ ኣነጺርዎን ብዝያዳ ኸም ዚፍለጥ ገይሩን እዩ። ነቲ ሜላ ድማ ኣብታ ዘ ቡክ ኦቭ ሪስቶሪንግ ኤንድ ባላንሲንግ ዘርእስታ መጽሓፉ ገለጾ። ዓረብኛ ኣርእስቲ እታ መጽሓፍ፡ ክታብ ኣል-ጃብር ወል-ሙቓባላ እዩ ዚብል፣ እታ ኣብቲ ኣርእስቲ እትርከብ ኣል-ጃብር እትብል ቃል ከኣ፡ ምንጪ እታ ኣልጀብራ እትብል ቃል እያ። ኢሳን ማስዑድ ዝስሙ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት፡ ኣልጀብራ፡ “ካብቶም እተማህዙ ሕሳባዊ ሜላታት እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ንነፍሲ ወከፍ መዳይ ስነ ፍልጠት ድማ ዚድግፍ እዩ” በለ። *

ሓደ ደራሲ፡ “ብዙሓት ተመሃሮ ኻልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ፡ [ኣል-ዃሪዝሚ] ኽንድዚ እንተ ዘይሽገር ከም ዜሐጕሶም” ብዋዛ ገለጸ። ዝዀነ ዀይኑ ግና፡ ኣል-ዃሪዝሚ ኸም ዝሓበሮ፡ ቀንዲ ዕላማኡ ምስ ንግድን ርስቲ ምስ ምምቓልን ምስ ምቕያስን ምስ ካልእ ንጥፈታትን ንዚተሓሓዝ ቀመር ዝቐለለ ምግባር እዩ ነይሩ።

ዘመናት ጸኒሑ፡ ምዕራባውያን ክኢላታት ሕሳብ፡ እንተላይ ጋሊለዮን ፊቢናቺን፡ ንኣል-ዃሪዝሚ ብምኽንያት እቲ ንቐመር ዚምልከት ንጹር ኣገላልጻኡ ኣኽቢሮም ይርእይዎ ነበሩ። ኣል-ዃሪዝሚ እተጠቕመሉ ኣገላልጻ፡ ኣልጀብራን ቍጽርን ትሪግኖመትሪን ብዝያዳ መጽናዕቲ ንኺካየደሉ መገዲ ኣጣጢሑ እዩ። ትሪግኖመትሪ ነቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበሩ ምሁራት፡ ዋጋ ዅርናዓትን ጐድንታትን ስሉስ ኵርናዕ ንኪቕምሩን ኣብ ስነ ኰዀብ ዚግበር መጽናዕቲ ኸም ዚዓቢ ንኺገብሩን ሓጊዝዎም እዩ። *

ኣልጀብራ፦ “ካብቶም እተማህዙ ሕሳባዊ ሜላታት እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ”

እቶም ንዕዮ ኣል-ዃሪዝሚ እተጠቕሙሉ ሰባት፡ ንኣጠቓቕማ ጕዚ ዕስሪት ዚምልከት ሓድሽ መገድታት ኣማዕቢሎም እዮም፣ ብዘይካዚ፡ ስፍሓትን ቅጽን እትፈልጠሉ ሓድሽ ሜላታት ምሂዞም እዮም። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበሩ ኽኢላታት ስነ ህንጻን ሃነጽትን፡ ኣዝዩ ነዊሕ እዋን ይገብር ነቲ እተጠቕሰ ሜላታት ተጠቒሞምሉ እዮም፣ ምዕራባውያን ግና ጸኒሖም ኣብ ግዜ ውግእ መስቀላውያን እዮም ብዛዕባ እቲ ሜላታት ፈሊጦም። ምሁራት ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ዝዀኑ ምሩኻትን ስደተኛታትን እናሓገዝዎም ድማ፡ ነቲ ፍልጠት ናብ ዓዶም ሒዞምዎ ተመልሱ።

ሕሳብ ዓረብኛ ኣስፋሕፍሐ

ድሕሪ ግዜ፡ ዕዮታት ኣል-ዃሪዝሚ ናብ ላቲን ተተርጐመ። እቲ ልዮናርዶ ብዓል ፒሳ ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ ፊቢናቺ ዝስሙ ኢጣልያዊ ኽኢላ ሕሳብ (ከባቢ 1170-1250)፡ ንምዕራባውያን ምስ “ሂንዱ-ዓረብኛ” ዝዓይነቱ ኣሃዝ ከም ዘላለዮም ጌርካ እዩ ዚንገር። ንሱ ንባዕሉ ብዛዕባ “ሂንዱ-ዓረብኛ” ዝዓይነቱ ኣሃዝ ኪፈልጥ ዝኸኣለ፡ ናብ ከባቢ መዲተራነያን ኣብ ዝገበሮ ጕዕዞ እዩ ነይሩ፣ ድሕሪ እቲ ጕዕዞኡ ድማ፡ ቡክ ኦቭ ኳልኩሌሽን ዘርእስታ መጽሓፍ ጸሓፈ።

መብርሂታት ኣል-ዃሪዝሚ ህቡብ ንኪኸውን ነዊሕ ዘመናት እዩ ወሲዱ። ኰይኑ ግና፡ እቲ እተጠቕመሉ ሜላታትን ምስኡ ዚተሓሓዝ ሕሳብን፡ መሰረት ስነ ፍልጠትን ተክኖሎጅን ንግድን ኢንዱስትርን ኰይኑ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብ ዘመናዊ ኣልጀብራ፡ ዘይፍለጥ ኣሃዛት ብኸም x ወይ y ዝኣመሰለ ፊደላት ይትካእ እዩ። ንኣብነት፡ x + 4 = 6 ዚብል ቀመር እስከ ንርአ። ካብቲ ውጽኢት 4 እንተ ኣጕዲልና፡ ዋጋ x፡ 2 እዩ ዚኸውን።

^ ሕ.ጽ. 7 ንጐድንታትን ንዅርናዓትን ስሉስ ኵርናዕ ኪቕምርዎ ዝጀመሩ፡ ግሪኻውያን ተመራመርቲ ስነ ኰዀብ እዮም። ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ዝዀኑ ምሁራት ድማ፡ ኣንፈት መካ ንምፍላጥ ትሪግኖመትሪ ይጥቀሙ ነበሩ። ሰዓብቲ እምነት ምስልምና፡ ናብ መካ ገጾም ገይሮም እዮም ኪጽልዩ ዚደልዩ። ብመሰረት ባህሎም ድማ፡ ሬሳ ኪቕበር ከሎ፡ ርእሱ ናብ መካ ገጹ ኺገብር ኣለዎ፣ ብዘይካዚ፡ ሓረድቲ ስጋ ነቲ እንስሳ ኺሓርድዎ ኸለዉ፡ ናብ መካ ገጾም እዮም ዚገብሩ።