ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

ዜደንቕ ናይ ምስማዕ ክእለት እታ ዝዓበየት ግዝዋ ስምዒ

ዜደንቕ ናይ ምስማዕ ክእለት እታ ዝዓበየት ግዝዋ ስምዒ

እታ ዝዓበየት ግዝዋ ስምዒ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ፍጥረት ንላዕሊ፡ ንኣዝዩ ቐጢን ድምጺ ኽትሰምዕ ትኽእል እያ። ኰይኑ ግና፡ እተን ነፍሲ ወከፈን ክንዲ ርእሲ መርፍእ ወረቐት ዝግዝፈን ኣእዛና፡ ኣዝየን እተሓላለኻ ኣይኰናን።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ናይ ምስማዕ ክእለት እታ ዝዓበየት ግዝዋ ስምዒ፡ ንነዊሕ ዓመታት ምርምር ኪግበረሉ ጸኒሑ እዩ። ኣብዚ ቐረባ እዋናት ግና፡ ኣብቲ ኣብ ስኮትላንድ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ስትራትክሊድ ዘለዉ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ብእተፈላለየ መጠን ድምጺ ገይሮም ነቲ እታ ግዝዋ ዘለዋ ናይ ምስማዕ ክእለት ፈተንዎ። ከበሮ እዝና ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜንቀጥቅጥን ኣብ ውሽጢ እዝና ዚርከብ መትኒ ድምጺ ብኸመይ ከም ዚዓዪን ድማ ዓቀንዎ። እቲ ኸበሮ እዝና፡ 300 ኪሎ ሀርዝ ንዝዓቐኑ ድምጺ እውን እንተ ዀነ ኺሰምዖ ኸኣለ። ይኹን እምበር፡ መንካዕ 212 ኪሎ ሀርዝ፡ ኣባ ሰላማ (ዶልፊን) ድማ 160 ኪሎ ሀርዝ እዮም ኪሰምዑ ዚኽእሉ፣ ሰባት ከኣ ካብ 20 ኪሎ ሀርዝ ንላዕሊ ኺሰምዑ ኣይክእሉን እዮም።

ተመራመርቲ ነቲ እታ ግዝዋ ዘለዋ ዝለዓለ ናይ ምስማዕ ክእለት ብምቕዳሕ፡ ሓድሽ ተክኖሎጂ ኺሰርሑ ይደልዩ እዮም። ብኸመይ፧ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስትራትክሊድ ዚዓዪ ዶክተር ጄምስ ዊንድሚል፡ ናይ ምስማዕ ክእለት እታ ግዝዋ፡ “ዝሓሸን ኣዝዩ ዝደቐቐን ማይክሮፎን ንምስራሕ ኪሕግዝ ከም ዚኽእል” ገለጸ። “እቲ ማይክሮፎን፡ ኣብ ከም ሞባይልን ንምስማዕ ዚሕግዝ መሳርሕን ዝኣመሰለ እተፈላለየ ዓይነት ናውቲ ኺግጠም ይኽእል እዩ” ብምባል እውን ሓበረ።

እንታይ ይመስለካ፧ ዜደንቕ ናይ ምስማዕ ክእለት እታ ዝዓበየት ግዝዋ ስምዒ፡ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧