ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ጠላዕ

ጠላዕ

ገሊኦም ሰባት ንጠላዕ ከም ጕድኣት ዘይብሉ መዘናግዒ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ፣ ገሊኣቶም ግና ከም ሓደገኛ ልማድ ገይሮም እዮም ዚቘጽርዎ።

ምጥላዕ ጌጋ ድዩ፧

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ብዙሓት ሰባት ንጠላዕ፡ ብሕጋዊ መገዲ ኽሳዕ እተገብረ፡ ከም ጕድኣት ዘይብሉ መዘናግዒ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ከምቲ ብመንግስቲ ዚምወል ሎተሪ ዝኣመሰለ ገሊኡ ሕጋዊ ጠላዕ፡ ንህዝቢ ኣብ ዚጠቅም መዓላ ኺውዕል ዚኽእል ኣታዊ ኼምጽእ ይኽእል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጠላዕ ብንጹር ኣይገልጽን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ብዛዕባኡ እንታይ ከም ዚስምዖ ዜርኢ ኽንምርሓሉ እንኽእል ሓያሎ ስርዓታት ይጠቅስ እዩ።

ቀንዲ ባህርይ ጠላዕ፡ ብናይ ካልኦት ሰባት ክሳራ ምህብታም ስለ ዝዀነ፡ ምስቲ “ኻብ ኵሉ ስስዐ . . . ተሓለዉ” ዚብል መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መጠንቀቕታ ይጋጮ እዩ። (ሉቃስ 12:15) ጠላዕ ካብ ስስዐ እዩ ዚብገስ። ትካላት ጠላዕ ንሰባት፡ ብዙሕ ገንዘብ ኪረኽቡ ኸም ዚኽእሉ እየን ዚነግራኦም፣ ከመይሲ፡ ሰባት ንኺህብትሙ ኻብ ዘለዎም ባህጊ ተበጊሶም ኣብቲ ቦታታት ጠላዕ ብዙሕ ገንዘብ እዮም ዜጥፍኡ፣ ይኹን እምበር፡ እተን ትካላት፡ ብዛዕባ እቲ ሰባት ንኺዕወቱ ዘለዎም ዕድል ብቕንዕና ኣይነግራኦምን እየን። ጠላዕ ንሰባት፡ ካብ ስስዐ ንኺርሕቁ ኺሕግዞም ኣይክእልን እዩ፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ብቐሊሉ ገንዘብ ናይ ምርካብ ባህጊ እዩ ዜሕድረሎም።

ጠላዕ ኣብ ስስዐ ዝመልኦ ውሽጣዊ ሸቶ ዘተኰረ እዩ፣ ከመይሲ፡ ካልኦት ሰባት ብዝሰኣንዎ ገንዘብ ምህብታም እዩ ዜተባብዕ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነፍሲ ወከፍ፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ” እዩ ዚብል። (1 ቈረንቶስ 10:24) ሓደ ኻብቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ድማ፡ “ገንዘብ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ . . . ኣይትተምነ” ይብል። (ዘጸኣት 20:17) ስለዚ፡ ሓደ ተጣላዒ ንኺስዕር ኪሓስብ ከሎ፡ ንሱ ገንዘብ ምእንቲ ኺረክብ፡ ካልኦት ሰባት ገንዘቦም ኪስእኑ እዩ ዚምነ።

ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዕድል ብተኣምራዊ መገዲ በረኸት ከም እትረክብ ከም ዚገብረካ ኻብ ዚገልጽ ኣተሓሳስባ የጠንቅቐና እዩ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ ገሊኦም ሰባት ኣብ ኣምላኽ ዝነበረቶም እምነት ስለ ዝጠፍአት፡ ‘ዕድሎም ምእንቲ ኺጽብቕ ንጋድ ኬምልኹ’ ጀመሩ። እሞኸ የሆዋ ነቲ እቶም ሰባት ንናይ ‘ዕድል’ ኣምላኽ ዝነበሮም ተወፋይነት ተቐቢልዎዶ፧ ኣይፋሉን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ “ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ደኣ እከይ ገበርኩም፡ ነቲ ባህ ዘየብለኒ ኸኣ ሐሪኹም ኢኹም” በሎም።—ኢሳይያስ 65:11, 12

ሓቂ እዩ፡ ኣብ ገሊኡ ኽፋል ዓለም፡ ካብ ሕጋዊ ጠላዕ ዚርከብ ገንዘብ ኣብ ትምህርትን ኣብ ቍጠባዊ ዕቤትን ኣብ ካልእ ህዝባዊ መደባትን ይውዕል እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ጥቕሚ ዚውዕለሉ መገዲ ነቲ ዚርከበሉ መገዲ ኣይቅይሮን እዩ፣ ከመይሲ፡ እቲ ገንዘብ፡ ካብቲ ብጋህዲ ስስዐን ብዙሕ ከይደኸምካ ገንዘብ ምርካብን ዜተባብዕ ንጥፈት እዩ ዚርከብ።

“ገንዘብ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ድማ ኣይትተምነ።”ዘጸኣት 20:17

ጠላዕ እንታይ ጕድኣት እዩ ዜምጽእ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቶም ኪህብትሙ ዝቘረጹ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ንሰብ ናብ ጥፍኣትን ዕንወትን ኣብ ዜስጥም ብዙሕ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እውን እዮም ዚወድቁ” ኢሉ የጠንቅቕ። (1 ጢሞቴዎስ 6:9) ጠላዕ ኣብ ስስዐ እተመስረተ እዩ፣ ስስዐ ድማ ኣዝዩ ጐዳኢ ስለ ዝዀነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ማዕረ ማዕረ እቲ ኣዚና ኽንርሕቆ ዚግባእ ሓያሎ ባህርያት ጠቒስዎ ኣሎ።—ኤፌሶን 5:3

ጠላዕ ብቐሊሉ ኽትህብትም ኣብ ምኽኣል ስለ ዜተኵር፡ ፍቕሪ ገንዘብ እዩ ዜሕድረልካ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ እዚ ፍቕሪ እዚ “ሱር ኵሉ ዓይነት ክፍኣት” ምዃኑ እዩ ዚገልጽ። ሓደ ሰብ ብቐሊሉ ገንዘብ ንኺረክብ ዚብህግ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ባህጊ ንህይወቱ ኺቈጻጸሮ ይኽእል እዩ፣ ብሰንኩ ኸኣ ኣብ ጭንቀት ኪወድቕ ይኽእል እዩ፣ ኣብ ኣምላኽ ዘላቶ እምነት እውን ክትጠፍእ ትኽእል እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ብፍቕሪ ገንዘብ እተፈንጠሩ ሰባት ብምሳልያዊ መገዲ ኺገልጾም ከሎ፡ “ንርእሶም እውን ብብዙሕ ስቓይ ወጋግኡ” ይብል።—1 ጢሞቴዎስ 6:10

ስስዐ በቲ ዘሎካ ኸም ዘይትዓግብ እዩ ዚገብረካ፣ በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሰባት በቲ ዘለዎም ገንዘብ ስለ ዘይዓግቡ፡ ሓጐስ ይስእኑ። “ብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብን። ሃብቲ ዚፈቱ ኸኣ ኣይረብሕን።”—መክብብ 5:10

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ዚጣልዑ ሰባት፡ በቲ ኣዝዩ ጐዳኢ ዝዀነ ወልፊ ጠላዕ ኣብ መንፈንጠራ ወዲቖም እዮም። እቲ ጸገም እናሰፍሐ እዩ ዚኸይድ ዘሎ፣ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ጥራይ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ውሉፋት ጠላዕ ከም ዘለዉ እዩ ዚግመት።

ሓደ ምሳሌ፡ “እቲ ብመጀመርያ ቐልጢፉ እተአከበ ርስቲ መወዳእታኡ ኣይኪባረኽን እዩ” ይብል። (ምሳሌ 20:21) ጠላዕ ነቶም ብእኡ እተወለፉ ሰባት ናብ ዕዳን ዕንዲዳን፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ናብ ጥፈሻ ኣብጺሕዎም እዩ፣ ብዙሓት ድማ ብሰንኩ፡ ስራሖምን ሓዳሮምን ዕርክነቶምን ስኢኖም እዮም። ብኣንጻሩ ግና፡ ሓደ ሰብ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚትግብሮ እንተ ዀይኑ፡ ካብቲ ጠላዕ ኣብ ህይወትን ኣብ ሓጐስን ኬምጽኦ ዚኽእል ሳዕቤን ኪስተር ይኽእል እዩ።

“እቶም ኪህብትሙ ዝቘረጹ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ንሰብ ናብ ጥፍኣትን ዕንወትን ኣብ ዜስጥም ብዙሕ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እውን እዮም ዚወድቁ።” 1 ጢሞቴዎስ 6:9