ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ሃገራትን ህዝብታትን

ናብ ኮስታ ሪካ እተገብረ ምብጻሕ

ናብ ኮስታ ሪካ እተገብረ ምብጻሕ

ቅድሚ 500 ዓመት ናብ ኮስታ ሪካ ንመጀመርታ እዋን ዝመጹ፡ ስጳኛውያን እዮም። ኣብኡ ብዙሕ ወርቂ ዚረኽቡ ስለ ዝመሰሎም ድማ፡ ኮስታ ሪካ (ሃብታም ገማግም) ኢሎም ሰመይዋ፣ ግናኸ ኸምቲ ዝሓሰብዎ ኣይኰነሎምን። ሎሚ እዛ ሃገር እዚኣ፡ በቲ ኽቡር ማዕድናት ዘይኰነስ፡ በቶም ኣብ ውሽጣ ዝሓዘቶም እተፈላለዩ ዓይነት እንስሳታትን ኣትክልትን እያ እትፍለጥ።

ተቐማጦ ኮስታ ሪካ፡ ቲኮስ ተባሂሎም እዮም ዚፍለጡ፣ ከመይሲ፡ ንሓደ ነገር ኣንኢሶም ኪዛረቡሉ እንተ ደልዮም፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ቓል፡ “ኢኮ” ይውስኹ እዮም። ንኣብነት፡ “ኡን ሞመንቶ” (ሓንሳእ ጽንሓኒ) ኣብ ክንዲ ዚብሉ፡ “ኡን ሞመንቲኮ” (ሓንሳእ እስከ ቝሩብ ጽንሓኒ) እዮም ዚብሉ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ሞሳኦም ወይ ስምምዖም ንምግላጽ፡ ከምኡ እውን ኪራኸቡን ኪሰናበቱን ከለዉ፡ “ፑራ ቢዳ!” (ንጹህ ህይወት!) እዮም ዚብሉ።

ጫካታት ኮስታ ሪካ፡ ኣዝዮም ዜደንቑ እተፈላለዩ ዓይነት ኣትክልትን እንስሳታትን ዝሓዘ እዩ፣ እዛ ኣብ ገረብ እትነብር ቀይሕ ዝኣዒንታ እንቍርዖብ እውን ሓንቲ ኻባታቶም እያ

ሓደ ኻብቲ ኣብ ኮስታ ሪካ ኣዝዩ ዚፍቶ ምግቢ፡ ጋሎ ፒንቶ (ቃል ብቓሉ፡ “ትኳዕ ዘለዎ ኹኩናይ”) እዩ፣ እዚ ኸኣ ሩዝን ፋጆልን ነንበይኑ ድሕሪ ምብሳሉ፡ ምስ ቀመማት ብሓባር ሓዋዊስካ እዩ ዚስራሕ። ጋሎ ፒንቶ ኣብ ቍርሲ፡ ኣብ ምሳሕ፡ ወይ ኣብ ድራር ኪቐርብ ይኽእል እዩ።  ሓደ ኻብቶም ኣብ ኮስታ ሪካ ኸም ባህላዊ መስተ ጌርካ ዚርኣዩ፡ ካፈ ቾሪያዶ እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ዕንጨይቲ ኣብ ኣብ እተንጠልጠለ ዓለባ፡ ቡን ትገብር እሞ፡ ኣብ ልዕሊኡ ውዑይ ማይ ብምፍሳስ እዩ ዚዳሎ።

ኣብ ኮስታ ሪካ ኣስታት 450 ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዋ። እተን ጉባኤታት ብዓሰርተ ቛንቋ እየን ዚምርሓ፣ እዚ ኸኣ ንቛንቋ ምልክት ኮስታ ሪካ ኸምኡ እውን ብሪብሪን ከበካርን ንዚብሃል ክልተ ቛንቋ ደቀባት ኮስታ ሪካን ዜጠቓልል እዩ።

ትፈልጥዶ፧ ኣብ ኮስታ ሪካ፡ ብዚግባእ እተጸርበ ኸበብቲ ኣእማን ኣሎ። እቲ ዝዓበየ፡ ሰንጣቒቱ 2.4 ሜተር እዩ። ገሊኡ ኻብቲ ኣእማን፡ ልዕሊ 1,400 ዓመት ዝገበረ እዩ። እተሰርሓሉ ዕላማ ዚፈልጥ ግና የልቦን።

ከበብቲ ኣእማን